ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ናብ ዝሓሸ ብርኪ ዘሰጋግር ምዃኑ ተገሊፁ

• ትዴፓ ጉባኤ ከካይድ ከምዘይኽእል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፡- ፓርቲ ብልፅግና ዘካየዶ ጉባኤ ንቐፃሊ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ዘሰጋግር ስጉምቲ ‘ዩ ክብሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ(ትዴፓ) ኣይተ ተሻለ ንጉሰ ገሊፆም፡፡ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ብዝሓዞ መርሃ ግብር መሰረት ጉባኤ ከካይድ ዘይኽእል ኣፍሊጦም፡፡ ኣይተ ተሻለ ንጉሰ ንጋዜጣ ወጋሕታ ከምዝገለፅዎ፣ ፓርቲ ብልፅግና ካብ 02ክሳብ 04 መጋቢት 2014 ዓ.ም ከሳልጦ ዝፀንሐ ጉባኤ ስዒቡ ዘውፀኦ ቕዋም ናብ ዝሓሸ ደረጃ ዘሰጋግር ስጉምቲ ‘ዩ፡፡

እቶም ዘውፀኦም ነጥቢታት ምስ ጭቡጥ ነባራዊ ኩነታት ሃገርና ዝኸዱ ‘ዮም ዝበሉ ኣይተ ተሻለ፣ ፓርቲ ብልፅግና ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ከም ምዃኑ መጠን ኣብቲ ጉባኤ ካብ ዘቐመጦም ነጥቢታት ተደሪኹ ሃገርና ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣጋጢምዋ ዘሎ ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን ቕልውላው ንኽፈትሕ ትፅቢት ይግበር ክብሉ ተዛሪቦም፡፡ ከም ዝፍለጥ ኣብ ሃገርና ኢኮኖሚያዊ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ በፂሑ ‘ዩ፡፡ እዚ ድማ ነቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ከበኣእሶ ስለ ዝኽእል መንግስቲ ብቕልጡፍ መዕለቢ ክገብረሉ ይግባእ ኢሎም፡፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ቐልጢፉ መፍትሒ እንድሕር ዘይረኺቡ ኣብ ሃገር ዘሕድሮ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ቐሊል ስለ ዘይኮነ መዕለቢ ክረክብ ኣለዎ፡፡ እዚ ብዝተናውሐ ቑፅሪ ኢኮኖሚ፣ ድሕንነትን ሓድነትን ህዝቢ ናብ ዝሓመቐ ኩነታት ከምርሕ ይኽእል ‘ዩ ኢሎም፡፡

ኣብ ወሳኒ ቦታ ዝተቐመጡ ሰባት ንሓድነት ህዝቢታት ሃገርና ዘይጠቕም ነገር ክዛረቡ ይስምዑ ‘ዮም፤ ብሓደ ገፅ ሓድነትን ድሕንነትን ኢትዮጵያውያን ክጭራሕ ትሰምዕ ብተግባር ግና መፍረሲ ዝኾኑ ነገራት ይስርሑ ‘ዮም፤ ህዝቢ ትግራይ ከም ህወሓት ገይርካ ምውሳድ ኣሎ ‘ዩ፤ ኣብዚ ተደሪኽካ ስጉምቲታት ‘ውን ክውሰዱ ይረአዩ ‘ዮም እዚ ጌጋ’ዩ ኢሎም፡፡ ፅእንቶ ሓይልታት ደገ ኣብ ናይ ውሽጢ ኩነታት ሃገር ስለ ዝምስረት ምስ እዚ ተኣሳሲሩ መፍተሒ ክረክብ ‘ዩ፤ ሰላም፣ ሓድነትን ኢኮኖሚያዊ ምርግጋዕን እንተሃልዩ ናይ ደገ ፅዕቶ ቐሊል ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡ በኻሊእ መዳይ ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ብዝሓዞ መርሃ ግብር መሰረት ጉባኤ ከካይድ ዘይኽእል ምዃኑ ኣይተ ተሻለ ኣፍሊጦም፡፡ ከም ገለፃ ኣይተ ተሻለ፣ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ጉባኤ ዘየካየዱ ፖለቲካዊ ፓርትታት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ጉባኤኦም ብምክያድ ዝተማሕየሸ ሰነድ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣታዊ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ ‘ዩ፡፡ ይኹን ‘ምበር

መኣርግ ገ/ሄር

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 8 መጋቢት 2014 ዓ.ም

Recommended For You