‹‹ኹላትና ናብ ሓድነትን ምርድዳእን ንመለስ፣ እስላማዊ ዝኾነ ኣካይዳ ንኺድ›› ተቐዳሚ ሙፍቲ ሐጂ ዑመር እድሪስ

ኣዲስ ኣበባ፡- ‹‹ኹላትና ናብ ሓድነትን ምርድዳእን ንመለስ፣እስላማዊ ዝኾነ ኣካይዳ ንኺድ›› ክብሉ ተቐዳሚ ሙፍቲ ሐጂ ዑመር እድሪስ ገሊፆም። ፕሬዝደንት ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ተቐዳሚ ሙፍቲ ሐጂ ዑመር እድሪስ መበል 1442 በዓል ዒድኣልፈጥር ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ ‹‹ኣንሕና ዝኾነ ሰብ ክብደል፣ ክጉዳእ፣ ክፅገም ኣይንደልን፤ ሰላምና ዘፍርስ ‘ውን ኣይንፈቅድን ኣይንሑገስን፤ በጃኻትኩም ግደፉ ኢና ንብል፤ኣብ ውሽጢ ዓድን ደገን ዘለኹም ኣሕዋትና ናብ ሓድነትን ሰላምን ንመለስ፣ናብ ልምዓት ንመለስ፣ናብ ምቅርራብን ምምኽኻርን ንመለስ፣ናብ ምትሕብባር ንመለስ፣ሓደራ እስላማዊ ዝኾነ ኣካይዳ ንኺድ›› ኢሎም።

ብፍላይ ነብይና ሱ.ዓ.ወ ‹‹ሙስሊም ማለት ካብ ኽፉእ ዝርሓቐ እዩ፣ኣብ መልሓሱን ኣብ ኢዱን ተንኮል ትፅቢት ዘይግበሮ፣ ኽፉእ ዝሓስብን ዝገብርን ድማ ኢማን (ሃይማኖት) የብሉን ይብለና›› ክብሉ ገሊፆም። ድኻታት ምርዳእ ‹‹ዘካ›› ኣብ ሰዓቱ ክግበር ከም ዘለዎን እቲ ኻሊእ ድማ ብንግሆ ናብ መስገዲ ቦታ ምኻድ ግድን ከም ዝኾነን ሕልፊ ምስጋድ ከምዘይፍቀድን፤ እኳድኣስ ንድኻታት ምግቢ ምብላዕን ሰደቓ ምብርካትን ከም ዝግባእ ገሊፆም። ብተወሳኺ ድማ ዓቕመ ድኹማትን ፣ሕሙማትን ምርኣይ፣ካብ ዘለና ምምቓልን ብሓባር ምብላዕን ምሕጓስን፣ምትሕብባርን ምቅርራብን ሃይማኖታዊ ተግባርን ኣድላይን እዩ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

እቶም ናይ ሃይማኖት ኣቦ ብዛዕባ ኣከባብራ እቲ በዓል ከምዝበልዎ ‹‹ዓሚ ኣብ መስጊድ ኣሕሊፍናዮ ኢና ሎምዘበን ግና ከምቲ ዝተለመደ ኣብ ስታድየም ኢና ክንሰግድ ምስ መንግስቲ’ውን ተመኻኺርና ኢና፣ኣንጊህና ምኻድ የድሊ፤ብሰላም ምኻድ የድሊ ከምኡ ‘ውን ሶላትና ብሰላም ክንፍፅም ይግበኣና፤ክንምለስ ከላና’ውን ብሰላም ተመሊስና ናብ ገዛውትና ክንበፅሕ የድሊ፤ምኽንያቱ ሰላምን ሓድነትን ተዘይሃልዩ ናብራ ይበላሾ ኣኺራ ‘ውን ይበላሾ ከምኡ ‘ውን ናይ ዱንያ ህይወት ይበላሾ እዩ ክብሉ ሚዒዶም።

‹‹ብሓፈሻ ንኹሉ ሙስሊም ንሰብኣይ ይኹን ንሰበይቲ፤ ከመሓላልፎ ዝደልይ ሰላማዊ ዝኾነ ኣካይዳ ንኽንኸይድ ሓደራ ይብል፤ሶላትና ‘ውን ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ፣ብስነ ስርዓት ኽንሰግድ ኣለና ይብል፤ክንምለስ ከለና’ውን ብሰላም ንኽንምለስ ሓደራ ይብል ክብሉ ተማሕፂኖም። ‹‹ሙስሊም ዝተኸበረ እዩ፤ሙስሊም ስነ ስርዓት ዘለዎ ሰብ እዩ፣ሙስሊም ምስ ሰብ ዝቀራረብ ሰብ እዩ፤ሙስሊም ናይ ምክብባር ሰብ እዩ ስለዝኾነ ተኸባቢርና ሶላትና ሰጊድና ናይ ሃገርና ሰላም ሓሊውና፤ንድኻታት ክነማቕል ክንሓዝን ሓደራ ክብል ይፎቱ›› ኢሎም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን እዛ ሃገር ኣብ ሓደሓደ ከባብታት ፀገማት እናተኸሰቱ እዮም፤ሩባ ኣባይ ብዝምልከት ብሱዳንን ግብፅን ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዉ ፀገማት ኣላህ ብሰላም ንኽፈትሐልና ዱዓ ክንገብር ይግበአና፤ዱዓ (ፀሎት)እናገበርና ኢና ኸሪምና ሐዚ’ውን ብዱዓ ክንዛዝሞ ይግበአና ክብሉ ተዛሪቦም። ብተመሳሳሊ ፕሬዝደንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና አዲስ ኣበባ ሓጂ ሱልጣን ኣማን ኤባ፤ዒድ ኣልፈጥር ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ ዒድ ኣልፈጥር ማለት እቲ ሙስሊም ግቡኡ ዝኾነ ፆም ድሕሪ ምፃሙ ካብ ኣላህ ምሕረት ዝሓተሉ በዓል እዩ ክብሉ ገሊፆም።

እቲ በዓል ናይ ሰላምን ጥዕናን ክኾነልና እናተመነና፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንሃገርና ዓብዪ ፈተና ኾይንዋ ዘሎ ተላባዲ ሕማም ኮቪድ 19፤ ህዝብና እናተፈታተኖ ስለዝርከብ ብመሰረት መምርሒ ሚኒስቴር ጥዕና ተጠንቂቕና ሶላት ክነካይድ ኣለና ምስ በሉ፤ ህዝበ ሙስሊም ኣብ ግድብ ህዳሰ ክሳብ ሐዚ እናገበሮ ከምዝፀንሐ ሐዚ’ውን ኣበርቲዑ ክቕፅለሉ ሓደራ ይብል ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ብዕለት 3 ጉንበት 2013 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ አደባባይ ሜክስኮ ስጋብ ድልድል ባምቢስ ዝሸፈነ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተኸተልቲ እምነት እስልምናን ዕዱማት ኣጋይሽ ኣብ ዝተረኸቡሉ ዓብይ ናይ ጎደና ኢፍጥር ተኻይዱ እዩ። ኣብቲ ኢፍጥር ዝተረኸቡ ሰባት ከምዝገለፅዎ እቲ መርሃ ግብሪ ንሓድነትን ሰላምን ዘጠናኽር ከምዝኾነ ገሊፆም እዮም።

ትርሓስ ፍቃዱ

 ወጋሕታ 5 ጉንበት 2013

Recommended For You