ሱዳን ቕዋማ ክትቕይር ዝገበራ ፅዕንቶ ግብፅን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይምርግጋዕን እዩ ተባሂሉ

 ኣዲስ ኣበባ፡- ሱዳን ቕድሚ ሕዚ ኣብ ግድብ ህዳሰ ዝነበራ ቅዋም ኣብ ቐረባ ግዜ ክትቕይር ዝገበራ ፅዕንቶ ግብፅን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕ እዩ ክብላ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ተማሃሪት ፒኤችዲ ዝኾና ወይዘሮ መካ ኣደም ተዛሪበን። ወይዘሮ መካ ኣደም ምስ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበረኦ ቓለ መሕትት ከምዝገለፀኦ፣ሱዳን ን9 ዓመታት ብተኻታታሊ ግድብ ህዳሰ ንህዝቢ ሱዳን ከምዝጠቕም ስለ እትፈልጥ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ኮይና ከትሕግዝ ድሕሪ ምፅንሓ ኣብ ቐረባ ግዜ ቕዋማ ክትቕይር ዝገበራ ፅዕንቶ ግብፅን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕን እዩ።

ሱዳንን ግብፅን ኣብ ኢትዮጵያ ፀገም ንምፍጣር ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ እቲ ግድብ ንህዝቢ ሱዳን ይጎድእ ኮይኑ እንተይኮነስ ፖለቲከኛታት ሱዳን ብድፊኢት ፖለቲከኛታት ግብፂ እዩ ዝበላ ወይዘሮ መካ፣ ሱዳናውያን ኣብ ዶብ ይኹን ኣብ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ፀገም ንምፍጣር ዝፍትኑ ዘለዉ ድሌት ህዝቢ መሰረት ዝገበረ ከምዘይኮነ ተዛሪበን። ብኻሊእ ወገን ፖለቲከኛታት ሱዳን ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ካብ ጎኒ ኢትዮጵያ ርሒቖም ኣብ ጎኒ ግብፂ ክኾኑ ዝኸኣሉ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ከም ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ካብ ኢትዮጵያ መሬት ንምውራር ከምዝኾነ ሓቢረን። ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ክልቲአን ሃገራት ግድብ ዓብዪ ህዳሰ ንምትዕንቓፍ ከምፅቡቕ ኣጋጣሚ እናተጠቐማሉ እየን ኢለን።

ክሳብ ቐረባ ግዜ ግድብ ህዳሰ ንህዝቢ ሱዳን ጠቓሚ ከምዝኾነ ሰበ ስልጣናት ሱዳን ይገልፁ ከምዝነበሩ ዘዛኻኸራ ወይዘሮ መካ፣ ይኹን’ምበር እቲ ፀገም ዝፈጥርዎ ዘለዉ ውሱናት ፖለቲከኛታት ሱዳን ብናይ ፅዕንቶ ፖለቲከኛታት ግብፂ’ምበር ጥቕሚ ህዝቢ ሱዳን መሰረት ዝገበረ ከምዘይኮነ ተዛሪበን። እዚ ግድብ እዚ ንህዝቢ ሱዳን ዝጠቕም ምዃኑ ህዝቢ ሱዳን ይፈልጥ እዩ ኢለን። ግብፅን ሱዳንን ብእንግሊዝ ይግዝኣ ስለዝነበራ ፀብለልታ ሒዘን ከምዝፀንሓ ብምጥቋም፣ ሕዚ ድማ ክልቲኣን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንምሕዳር ዝንቐሳቐሳ ዘለዋ በዚ ዝተላዕለ እዩ ክብላ ተዛሪበን። ከምኡ ‘ውን ክልቲአን ሃገራት ፍትሓዊ ተጠቓሚነት ክህሉ ድሌት ከምዘይብለን ወሲኸን ሓቢረን።

ናይ 1959 ዓ.ም.ፈ ማይ ሩባ ኣባይ ሱዳንን ግብፅን ጥራሕ ንኽጥቀማሉ ተሰማዕሚኣን ምንባረን ዘዛኻኸራ ወይዘሮ መካ፣ ኮይኑ ግና ዋላ ክልቲአን ሃገራት ይስማዕማዓ ኢትዮጵያ ዘይተሳተፈትሉን ዘይፈረመትሉን ብምኻኑ ሕዚ ንኢትዮጵያ ከግድዳ ኣይኽእልን እዩ ኢለን። ድሌት ግብፅን ሱዳንን ግና ነዚ ተግባራዊ ንምግባር ከምዝኾነ ተዛሪበን። ሱዳን “ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ” ናተይ እዩ ብዝብል እተልዕሎ ዘላ ሓሳብ ኣብ ኢትዮጵያ ፀገም ንምፍጣር እዩ ፣ ሱዳናውያን ከም መከራኸሪ ዘቕርብዎ ሓሳብ ብ1902 ዓ.ም.ፈ ሱዳን ቤንሻንጉል ጉምዝ ንኢትዮጵያ ከምዝሃበታ ኢትዮጵያ ድማ ሩባ ኣባይ ከይትጥቀም ከምተስማዕመዐት ገይሮም እዮም፤ ኮይኑ ግና እዚ ሓሳብ ትኽክል ኣይኮነን ክብላ አረዲአን።

ሓሙሽተ ሽሕ ዝኾኑ ሰራዊት ቤንሻንጉል ጉምዝ ኣብ ዘመነ ምንሊክ ኣብ ኵናት ዓድዋ ወፊሮም እዮም። ስለዚ እዚ ዘሪአካ ቕድሚ 1902 ዓ.ም.ፈ ክልል ቤንሻንጉል ኣካል ኢትዮጵያ ምንባራ እዩ ኢለን። ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ከባቢ መተከል ዝሞት ዘሎ ህዝቢ ምስዚ ዝተተሓሓዘ ይመስለኒ ዝበላ ወይዘሮ መካ፣ ነዚ ብዳሓር ኮይኖም ዘላዓዕልዎ ዘለዉ ድማ ግብፃውያን እዮም ክብላ ሓቢረን። ኣብዚ ኩነታት እዚ ግብፃውያን ንተመዛበልቲ ቤንሻንጉል ጉምዝ ገንዘብ ኣውፅኢና ንሓግዞ እናበሉ ምንቕስቓሳት ጀሚሮም ኣለዉ። እዚ ድማ ምእንቲ ክግንፀል እዩ።ግብፃውያን ክሳብ ክንዲዚ እዮም ዝኸዱ ዘለዉ። ስለዚ ኢትዮጵያ ነዚ ኩነታት እዚ ብቕልጡፍ ተኸታቲላ መፍትሒ ክተቕምጠሉ ኣለዋ ክብላ ሚዕደን።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ፖለቲካ ሳይንስን ዓለምለኸ ርክብን ከምኡ’ውን ተደራዳሪ ጉዳይ ሩባ ኣባይ ፕሮፌሰር ያእቆብ ኣርሳኖ ብወገኖም፣ኣብ ቀረባ እዋን ሱዳን ክልል ቤኒሻንጉል ጉምዝ ናተይ እዩ ዝብል ሓሳብ ሒዛ ምምፃኣ ጉዳይ ምስሕሓብ ዶብ ብምትሕልላኽ ኢትዮጵያ ኣብ ህዳሰ ግድብ ዘለዋ ትኹረት ንክተልዕል ዝተሓሰበ ሸርሒ ከምዝኾነ ገሊፆም። ናይ ሓደ ሃገር ሉኣላዊ ሃገር መሬት ናተይ እዩ ብምባል ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምትእጉጓል ምፅዓር ከንቱ ትምኒት እዩ ዝበሉ ፕሮፌሰር ያእቆብ፣ ኢትዮጵያ ብመሰረት ትልማ እቲ ግድብ ክትዛዝሞ እያ፣እኹል ምድላው ተገይሩ ካልኣይ ዙር ማይ ንምምላእ ኣብ ምድላው ትርከብ ኢሎም።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 5 ጉንበት 2013

Recommended For You