ኣብ ትግራይ ህዱእ ህዝባዊ ሰላምን ምምሕዳርን ንምርግጋፅ ተሳትፎ መንግስትን ህዝብን ኣድላይ እዩ›› ዶክተር ኣብርሃም በላይ

ኣዲስ ኣበባ፡- ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ህዱእ ህዝባዊ ሰላምን ምምሕዳርን ኣብ ትግራይ ንምርግጋፅን ህዝቢ ሓበራዊ ሰላምን ምርግጋዕን ቅድምያ ብምሃብ ንዝሓለፉ ክፍተታት ይቅርታ ብምግባር ኣብ ቕድሜና ወሳናይ ምድሓን ህይወትን ዳግም ህንፀት ዓድናን መላእ ህዝቢ ንክሳተፍ ዋና ስራሕ ፈፃሚ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ፃዉዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ቐረባ እዋን ዋና ስራህ ፈፃሚ ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኖም ንክሰርሑ ሓላፊነት ዝተውሃቦም ዶክተር ኣብርሃም በላይ ንመራኸቢ ሓፋሽ ኣብ ዝዘርግሐዎ ፅሑፍ ከምዝገለፅዎ፣ኣብ ክልል ትግራይ ቅድም ክብል ዘጋጠሙ ፀገማት በብቦትኡ ብዝርኣዩ ጥቕዓታት ንክቕንሱን ጠጠው ንክብሉን ፤ተበፃሕነት ግልጋሎት መሰረተ ልምዓት ንምዕባይን ሰላምን ድሕንነትን ህዝብና ንምሕላውን ኣብ ተሳትፎ ህዝብን ዓበይቲ ዓድን ልዑል ስራሕ ክስራሕ ይግባእ ኢሎም። ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ፀገም ብግልፂ ወፂኡ ብምዝራብን እቲ ኹነታት ብዝቕይሮ መልክዑ ስራሕቲ ምስራሕን ኣካል መፍትሒ ምዃን ወገናውነት ዓሌትን ዘርእን ኣይሓትትን ዛዕባ ኹሉ እዩ ክብሉ ኣመልኪቶም።

ካብ ቀረባ እዋናት ናብዚ ኣብ ሞንጎ ኣሕዋትን ኣሓትን ህዝብታት ሃገርና ውጥረት ንምፍጣር ንዓመታት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ብዘይጠቕሙ ህልኽን ፅልኢትን መሰረት ዝገበሩ ሕማቓት ክቡር ሂወት ሰብ ክጠፍእን ካብ መረበቱ ክመዛበልን ዝገብሩ ግሁድ ሓቂ እናተዓዘብና ንርከብ ዝበሉ ዶክተር ኣብርሃም፣ ንዓመታት ዝተሃንፀ ሕብረትና፣ ዝተኣሳሰረ ዝምድናና፣ ንዘበናት ዝፀንሐ ታሪኽና ፈፂሙ ዘይነፃፀር ብምዃኑ ከም ህዝቢ ሓደ ሃገር ብምስትውዓልን ህድኣትን ከይወዓልና ከይሓደርና ስራሕ ክንጅምርን ንመፃኢ ወለዶ ፅልኢ፣ ቂም፣ ሕነ-ምፍዳይን ጥፍኣትን ካብ እነስንቆ፤ ይቕረ ምብህሃል፣ ምትእምማን፣ ምትሕግጋዝ ወዘተ ሕብረት ዘጠናኽሩ ምዃኖም ክነረጋግፅ ናይ ወለዶ ሓላፍነት ኣለና ኢሎም።

ሰብኣዊ ሓገዝ ብምሃብ ኣብ ከይዲ ዳግመ ህንፀት ኢድኩም ዝሓወስኹም መላእ ህዝብታት ሃገርና ግዜኹምን ሓገዝኹምን ከምኡ እውን ዓቕምኹም ዝፈቐዶ ኩሉ ብምግባር ተሳትፎኹም ንክትቕፅሉ ፃውዒት ዘቕረቡ ዶክተር ኣብርሃም ፣እዋናዊ ፀገማት ክልልና ኣብ ምፍታሕ ብኹሉ መዳይ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዝሕግዙ ሃነፅትን ሰላማውን ሕጋውን መማረፅታት ምስ ዘለዎ ኣካል ብቐረባ ንምስራሕ ምሉእ ድልውነት ዘለዎም ምዃኖም ገሊፆም።

ኣብዚ ታሪኻዊ ሓላፍነት ዝራኣየሉ እዋን ኩሉ ዜጋ ኣብ ጎንና ብምዃን ክረባረብን እጃሙ ክዋፃእን ናይ ሓደራ መልእኽተይ የማሓላላፍ ክብሉ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ፃውዒት ኣቕሪቦም እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ወገናትና ዝበፅሐ ፀገም ንምፍታሕ ብግልፂ ምትእምማን ፣ግቡእ ፍትሕን ፍታሕን ብምሃብ ቁስልን በሰላን ምቕናስ ኢሉ እውን በምፍዋስን ኸዚ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት ንምቕያር ብመንፈስ ሰላም ብዘረጋግፁ ቆራፅ ስጉምትታት ብምውሳድ ሃገረይን ህዝበይን ንምግልጋል ዝተውሃበኒ ዓብይ ሓላፍነት ዕውት ንክኾን ሙሉእ ድጋፍ ካብ ፌደራል መንግስትን መላእ ሕብረተሰብን ከምዝረክብ እምነት ኣለኒ ክብሉ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ገሊፆም እዮም።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 5 ጉንበት 2013

Recommended For You