ሱዳን ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ይግበአኒ ኢዩ ምባላ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኮኒኑ

ኣዲስ ኣበባ (ኤፍ ቢ ሲ)፡- መንግስቲ ሱዳን ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝርከበሉ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ይግበአኒ ኢዩ ምባላ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኮኒኑ።

ውሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ኣብቲ ዝሃቡዎ ሰሙናዊ መግለፂ ድማ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ብወገን ሱዳን ዝተሓዋወሱ ሓበሬታታት እናወፅኡ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ሱዳን ቅድሚ ሕዚ ዶብ ኢትዮጵያ ምድፋኣ እንተይነኣሰ ሕዚ ድማ ግድብ ህዳሰ እናተሃነፀሉ ዝርከብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ይግበአኒ ኢዩ ምባላ ዘይተገበአ ተግባር ኢዩ ኢሎም ፡፡

ከይዲ ድርድር ሰለስቲአን ሃገራት ብዝምልከት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ዘለዋ ቅዋም ከምዝፀንዐት ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተቐማጥነቶም ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ኣምባሳደራት ሃገራት እስያ ኣብ ጉዳይ ዶብ ሱዳን፣ ግድብ ህዳሰን ኣብ ክልል ትግራይ እናተገበረ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝን ዝምልከት መብርሂ ከምዝተውሃበ እቶም ኣምባሳደር ኣብሪሆም።

6ይ ሃገራዊ መረፃ ብዝምልከት ሕጊ መረፃ ኢትዮጵያ ተኸቲሉ ናፃን ዘይሻራዊን መረፃ ንኽኸውን እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም ኣምባሳደር ዲና።ከይዲ ምዝገባ መረፅቲ ኣብ መጀመሪኡ ካብ ዝነበሮ ምዝሕሓል ምምሕያሽ ከምዘርኣየ እውን ገሊፆም።

ወጋሕታ 28 ሚያዝያ 2013

Recommended For You