ብዙሕ ተፈጥራዊ ተውህቦ ዘለዎም መናእሰይ ኽእለቶም ተቐቢሩ ተሪፉ ‘ዩ::እቲ ውህብትኦም ብኽእለት ከዳብሮዎ እናተገበኦም ናብ ዘይረብሕ ቦታ ክኣትው ተገይሮም ‘ዮም::ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ገጠር ክፋል ሃገርና ህያብ ተፈጥሮ ናብ ጫፍ ክበፅሕ ዘኽእሎ ዕድል የለን::ኽእለት ስነ ፅሑፍ ብዙሓት መናእሰይ ባኺኑ ተሪፉ ‘ዩ:: ካብ መስረቲ ቤት ሙዚቃ ጃዝ ኣምባ ሓደ ዝኾነን በዓል ሞያ ሙዚቃ ኣብይ ወልደማሪያም ከም ዝብሎ፤ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ውድድር ግጥምን ዜማን ዋና ዕላምኡ ካብ 18-35 ዓመት ዝርከቡን ዕድል ዘይረኸቡን መናእሰያት ስራሕቶም ናብ ህዝቢ ንኽበፅሕ ምግባር ‘ዩ::ብኻልእ ወገን ኢትዮጵያ ዘለትሉ ሃገራዊ፣ኣህጉራዊን ዓለምለኻውን ኹነታት ብስራሕቲ ጥበብ ንማሕበረሰብ ዓለም ምፍላጥ ‘ዩ::ነዚ ‘ዩ ድማ እቲ ውድድር ‹‹ሓዱሽ ዓድዋ››ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ:: ከም ገለፃ እቲ በዓልሞያ፤ውድድር ዜማን ግጥምን ‹‹ኣዲስ ኣድዋ›› ትሕዝትኡ ሓዱሽ ስራሕቲ ፈጠራ ክኸውን ኣለዎ::ካብ ኻሊእ ቦታ ዝተቐድሐ ወይ ድማ ዝተገልበጠ ፈፂሙ ተቐባልነት የብሉን::ስለዝኾነ ድማ ዝምረፁ ዳያኑ ንነዊሕ እዋን ኣብ ሙዚቃ ልምዲ ዘኻዕበቱን ሰብ ሞያን ‘ዮም::እቶም ዝቐርቡ ስራሕቲ ድማ ንዓድዋ ዘፋልጡ ክኾኑ ኣለዎም::ታሪኽ ዓድዋ ሐዚ ንዘሎ ሓዱሽ ወለዶ ንምፍላጥን ንማሕበረሰብ ዓለም ንኽባፃሕን ‘ዩ:: ስራሕቲ ፈጠራ ተወዳደርቲ መናእሰይ ስራሕቶም ብኸመይ ዝበለ መገዲ ከቕርቡ ከምዘለዎም እቶም በዓል ‹‹ሓዱሽ ዓድዋ ሓዱሽ ፈጠራ›› ሞያ ተዛሪቦም::ቤት ትምህርቲ ሙዚቃ ጃዝ ኣምባ (Jazz Amba school of Art) በይነ መረብ ውድድር ‹‹ኣዲስ ኣድዋ›› ውድድር ዜማን ግጥምን (the news ADWA song writing competition) ኣብ ዝብል ፌስ ቡክ ገፅ ሰራሕቶም ክልእኹ ከምዝኽእሉን ካብ ጥሪ 12 ብቪድዮ ክልእኹ ኣለዎም ተባሂሉ::እቶም ብበዓል ሞያ ዝተፈለዩ ስራሕቲ የካቲት 19 ኣብ መባፅሒ በዓል ዓድዋ ዕላዊ ክግበሩ ‘ዮም:: ከም ገለፃ እቶም ኣዳለውቲ፤ነዚ ሓሳብ ዘለዓዓሎም ኣብ ኢትዮጵያ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝፀንሐ ኲናት ብምድሃብ ‘ዩ::ኣብ ቐረባ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ‹‹ይኣክል›› ወይ ድማ ‹‹በቃ››ኣብ ጎዳናታት ምፍካር ጥራሕ ዘይኮነስ ዘላቒ ኣብ ዝኾነ ስራሕቲ ጥበብ ከም ዓድዋ ዝበሉ መንነት ኢትዮጵያ ንምርኣይ ‘ዩ::ነዚ ‘ዩ ድማ ስያምኡ ዓድዋ ዝተብሃለ፤ዝቐርበሉ እዋን ድማ ኣብ ጥቓ በዓል ዓድዋ ‘ዩ ተገይሩ:: ከም ገለፃ በዓል ሞያ ኣብይ፤ እቶም ንውድድር ዝስደዱ ስራሕቲ ሓድነት፣ፍቕሪ፣ሕብረትን ዝገልፁ ክኾኑ ኣለዎም::ዕላምኦም ኣብ ስራሕቲ ጥበብ ፍቕርን ሰላምን ምውሳኽ ‘ዩ::ከም ዓድዋ ዘበሉ ዘኹርዑ ታሪኻት ኢትዮጵያ ንማሕበረ ሰብ ዓለም ምንጋር ‘ዩ::ስራሕቲ ካብ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ካብ ደገ ብዝኾነ ቋንቋ ምቕራብ ይኽእሉ ‘ዮም፤ናብ ውድድር እንትልእኽዎ ግና ብኣምሓርኛ፣ኢንግሊዘኛ ወይ ድማ ፈረንሳይኛ ብፅሑፍ ተተርጒሙ ክቐርብ ኣለዎ ተባሂሉ:: ዋና ዕላማ ናይዚ ውድድር ንኻልኦት ‘ውን ሙሁሮ ክኸውን ምእንቲ እቲ ካብ ሙዚቃ ዝርከብ ገንዘብ ብኲናት ንዝዓነዉ ቤት ትምህርታት ዝውዕል ምዃኑ ‘ዩ::እቶም ስራሕቲ ብ‹‹ዩቲዩብ››ይኹን ብሲዲ ብምሻጥ ዝርከብ ትርፊ ንመስርሒ ቤት ትምህርታት ዝውዕል ‘ዩ:: ስራሕቲ ጥበብ ንኸምዚ ዝበለ ዕላማ ምውዓሎም ንኻልኦት ‘ውን ዘበረታትዕ ‘ዩ::ዓድዋ ካብ ቐረባ እዋን ናብዚ ትኹረት እናረኸበን እናተውሃቦን ‘ዩ::ብፍላይ ድማ ከምዚ ብዝበሉ ስራሕቲ መንነት ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ምፍላጦም፤ዕድል ስኢኖም ተቐሚጦም ዝፀንሑ ስራሕቲ ጥበብ ናብ ዕዱማት ንኽባፅሑ ምግባሮምን ብዝተፈላለዩ ተፈጥሯውን ሰብ ሰራሕን ፀገማት ንዝበፅሑ ሓደጋታት ሓገዝ ዝገብሩ ምዃኖም ይበል ዘብል ‘ዩ::ጥበብ ናይ ህዝቢ ምዃኑ ዘመስከረ ስለዝኾነ ክበረታታዕ ይግበኦ፤ተጠናኺሩ ንኽቕፅል እቶም መዳለውቲ ካብ ብኣግኦም ክሰርሑ ይግበኦም ኢሎም::
ሄርሞን ፍቃዱ
19 ጥሪ 2014 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ