ኣውራ ስነ ፅሑፍ ኣዳም ረታ

ኣብ ውሽጢ ስነ ፅሑፍ ኢትዮጵያ ረዚን ሽም ምስ ዘለዎም ደራስያን’ዩ ዝስራዕ።ኣድነቕቱ እሱ ማለት ንጉሰ ነገስት ስነ ፅሑፍ ‘ዩ ይብልዎ።ድርሰታቱ ኸበድቲ ከም ዝኾኑ ዝዛረቡ ብዙሓት ‘ዮም።ናይ ኣዳም ድርሰት ኣምቢበ ‘የ ማለት ከም መግለፂ ዘበናውነት ክርኣይ ጀሚሩ ‘ዩ። እዚ ሰብ ብዙሕ ናብ ዓይኒ ህዝቢ ዝቐረበ ኣይኮነን፤ኾይኑ ግና ኣብ ዘበን ስራሕቲ ስነ ፅሑፉ ስሙይ ዝኾነ ኣዳም ረታ ‘ዩ።

8 ሐምለ 1950 ዓ/ም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ‘ዩ ተወሊዱ።ፀጋ ደራሳይነቱ ክርኣይ ዝጀመረ ኣብ እዋን ቑልዕነቱ ‘ዩ ነይሩ።ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ጋዜጣ ኣዲስ ነገር ከምዚ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ፤5ይ ክፍሊ እናሃለኹ ዓርቢ ድሕሪ ሰዓት ሪፖርት ነቕርብ ነይርና። ካብ ጋዜጣ ዘምበብናዮን ካብ ሬድዮ ዝሰማዕናዮ ብናይ ባዕልና ስልቲ ኣሕፂርና ኣብ ክፍልና ምቕራብ ‘ዩ።ኹሉ ግዘ ርእሰ ጉዳይ ዝኸውን ግና ብዛዕባ ዑደት ጃንሆይ፣ ውፅኢት ቐዳማይ ዲቪዚዮን ኩዕሶ እግሪ ኣዲስ ኣበባን ጎንፂ ማእኸላይ ምብራቕን ‘ዩ ነይሩ።ኾይኑ ግና እዚ ደጋጊመ ምፅሓፍ ተሞኒዩኒ።

ሓደ መዓልቲ እናኸድኩ ኣብ መንገዲ ናይ ደርሁ ነጋዶ ብሓያል ኣውሎ ንፋእ እንትሕመሱን እቶም ደራሁ ካፍቲ ቅርጫት እናበረሩ እንትሃድሙ እቶም ነጋዶ ድማ ነቶም ደርሁ ንምሓዝ ዝገብርዎ ምውዳቕን ምትሳእን ምስ ረኣኹ ገሪሙኒ።እዚ ንምፅሓፍ ድማ ወሰንኩ ፅሒፈ ድማ ናብ ክላስ ኣቕረብኩዎ ነቶም ተምሃሮ ቑሩብ ኣሐጎስኩዎም። እቶም መምህር ካበይ ኣምፂእኻዮ ክብሉ ሓተቱኒ ካብ ጋዜጣ ኣንቢበ ‘የ በልክዎም፤ ከምዚ ዝበለ ፅሑፍ ኣብ ጋዜጣ ኣይፅሓፍን ኢሎም ንእሽተይ ቖንጭዎምኒ። ድሕሪኡ ግና ኣዳም ደራሲ ‘ዩ ዝኸውን ኢሎም ተዛሪቦም።ኣነ ግና ደራሲ ምዃን ማለት እንታይ ከምዝኾነ ሽዑ ኣይተረደአንን።

ኣዳም ኣብዚ ግዘ’ውን ምፅሓፍ ይፎቱ ነይሩ።ካብ ምፅሓፍ ሓሊፉ ንፉዕ ኣንባቢ ‘ዩ።ካብ ዘነብ ወርቅ እስካዕ ወመዘክር እናመፀ መፅሓፍ የንብብ ነይሩ። ካብ ምንባብ ሓሊፉ ድማ ይፅሕፍ። ኾይኑ ግና ኣብ እዋን ኽረምቲ ጥራሕ ‘ዩ ዝፅሕፍ ነይሩ። ኣብ እዋን ትምህርቲ ወላዲኡ ኻሊእ ነገር ክፅሕፍ ኣይፈቕዱሉን።ኣብ 13 ዓመቱ ‹‹ናይ ታደለ ሊበንን፣ጅብ ነች›› ብዝብል ርእሲ ልብወለድ ኣቕረበ በዚ እናቐፀለ ኣብ ዕሸል ዕድምኡ ዘርኢ ስነፅሑፍ እናዘርአ ቐፀለ።

ኣብ ልቢ ኣድነቕቲ ስነ ፅሑፍ ኢትዮጵያ እምነ ኹርናዕ ዘምበረ ‹‹ኣባ ደፋርን››ኻልኦት ሓፀርቲ ልብወለዳትን ኣብ ቤት ሕትመት ኩራዝ ኣብ 1977 ዓ.ም ዝተሓተሙ ‘ዮም። ኣብዚ መድብል ኣርባዕተ ስራሕቲ ኣውፂኡ ‘ዩ፡ ፤‹‹ድብድብ፣እብዱ ሽበሺ፣ ሺሮኮ ሲፊኒክስ›› ዝተብሃሉ ኣብ ቤት ሕትመት ሜጋ ብ1990 ዓ.ም ኣብ ዘሐተሞ ‹‹ጭጋግ ጠል››ብዝብል ዝተኣኻኸበ ሓፀርቲ ታሪኻት ‹‹ዘላን››ዝተብሃለ ልብ ወለድ ተሓቲሙ ‘ዩ።እዘን ስራሕቲ ምስ ኻልኦት ደረስቲ ተሓዊሰን ስለዝተሓተማ ከም ናቱ ኣይተሓሰባን።

ፈላማይ ስራሕ አዳም ተባሂሉ ዝንገረሉ ‹‹ማህሌት›› ዝተብሃለ ሓፀርቲ ልብወለዳት ዘካተተ ኣብ 1981 ዓ.ም እንትኸውን ኣብ 1997 ዓ.ም ዝተሓተመ ‹‹ግራጫ ቃጭሎች›› ዝተብሃለ መፅሓፉ ድማ ምስ ዓበይትን ስሙያትን ንኽስራዕ ካብ መንጎ ዝገበርዎ ስራሕቱ ‘ዮም ምባል ይከኣል ‘ዩ።

ኣብ 2001 ዓ.ም ኽልተ ፍሉያት ስራሕቲ ሒዙ ዝቐረበ ኣዳም እኽብካብ ሓፀርቲ ልብወለዳት ‹‹ኣለንጋና ምስር››ነንርእሶም ብቐጢን ፈትሊ ታሪኽ ዝራኸቡ ልብወለዳት ዘካተተ ‹‹እቴሜቴ የሎሚ ሽታ››ንኣንበብቲ ኣበርኪቱ ‘ዩ።

ኣዳም ድሕሪ እዚ በብዓመቱ ሓደ ሓደ መፅሓፍ ንመንበብቲ ኣበርኪቱ ‘ዩ። ኣብ 2002 ዓ.ም ‹‹ከሰማይ የወረደ ፍርፍር››፣ ኣብ 2003 ዓ.ም ‹‹ይወስዳል መንገድ ያመጣል መንገድ››ኣብ 2004ዓ.ም ድማ ‹‹ህማማትና በገና››ዝተብሃሉ መፃሕፍቲ ፅሒፉ ንኣንባብያን ኣቕሪቡ ‘ዩ።

ኣብ 2007 ዓ.ም ‹‹መረቅ›› ዝተብሃለ መፅሓፍ ዘበርከተ እንትኸውን፤ ኣብ 2008 ዓ.ም ኣብ ታሪኽ ስነፅሑፍ ኢትዮጵያ ብበዝሒ ገፁ ብዙሕ ዝኾነ መፅሓፍ ‹‹የስንብት ቀለማት›› ዝተብሃለ ኣሐቲሙ ‘ዩ።ድሕሪኡ ድማ ኣብ 2010 ‹‹ኣፍ››ዝተብሃለ መፅሓፍ ኣሐቲሙ’ዩ።

ኣዳም ቐዳማይ ዲግሪኡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብጆኦግራፊ፤ኻልኣይ ዲግሪኡ ኣብ ኒዘርላንድ ኢንሱቲቱዩት ኦፍ አርዝ ሳይንስ ዝረኸበ እንትኸውን ኣብ ካናዳ፣ ከተማ ኣታዋ ‘ዩ ዝነብር።

 ሄርሞን ፍቃዱ

5 ጥሪ 2014 ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You