
ኣዲስ ኣበባ፡- ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ህዝባዊ ባህሪ ዘይብሉን ንህዝቢ ትግራይ ከቢድ ክሳራ ዘብፅሐ ውድብ’ዩ ክብሉ ሓላፊ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዴሞክራስያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ኣይተ ሙሉብርሃን ሃይለ ገሊፆም።
ኣይተ ሙሉብርሃን ሃይለ ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ፣ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ህዝባዊ ባህሪ ብዘይ ምህላዉ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ክሳራ ኣብፂሑ ‘ዩ።እዚ ጉጅለ እዚ ንህፃናትን ኣዴታትን እንተይቐረየ ዝርህርህ ሓይሊ ኣይኮነን። ብፍላይ ትሕቲ ዕድመ መናእሰይ ትግራይ ኣብ ዘይምልከቶም ኩናት ብምእታው ክሃልቑ እናገበረ ‘ዩ ዝርከብ።
እዚ ሓይሊ እዚ ክሳብ ዘይጠፍአ፣ ህዝቢ ትግራይ ካብ መከራን ስቓይን ናፃ ክወፅእ ኣይኽእልን ዝበሉ ኣይተ ሙሉብርሃን፤ ራዕዳዊ ህወሓት ውልቐ ስልጣኑ ንምንዋሕ ክብል ኩናት ካብ ምቑስቋስ ዝዕገስ ስለ ዘይኮነ መንግስቲ ክሳብ መወዳእታ ብምኻድ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ከቕርቦም ይግባእ ኢሎም።
ህዝቢ ትግራይ ናብዚ ኹሉ ፀገም እዚ ክኣቱ ዝገበረ እዚ ሓይሊ ምዃኑ ብምዝኽኻር፣ ህዝቢ ትግራይ ሰላሙን ድሕንነቱን ክረጋገፅ ዝኽእል ራዕዳዊ ህወሓት ጠቕሊሉ
ክጠፍእ እንተሎ ምዃኑ ተገንዚቡ ሰላም፣ ፍትሒ፣ ዲሞክራስን ምስ ዝኣምኑ ፓርቲታት ብምዃን ክቓለሶ ይግባእ ኢሎም።
ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ናይ ባዕሉ ስልጣንን ጥቕምን ንምሕላው ንህዝቢ ትግራይ ኣዳናጊሩ ኣብ ከቢድ ፀገም ክኣቱ ገይርዎ ‘ዩ፤ እዚ ሓይሊ እዚ ጥቕምን ሰላምን ህዝቢ ትግራይ ኣረጋጊፁ ኣይፈልጥን ኢሎም።
ትዴፓ ሰላም፣ ፍትሒ፣ ዲሞክራስን ጥቕምን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ እናተቓለሰ ከምዝርከብ ብምሕባር፣ ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ንላዕሊ መስዋእቲ ንዘይምኽፋል ብንቕሓት ተቓሊሱ ከውግዶ ኣለዎ፤ መስዋእቲ እናኸፈለ ክነብር የብሉን። እዚ ውድብ እዚ ብሓፈሻ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኸሓደን ዓሪፉ ዝቕመጥን ሓይሊ ስለ ዘይኮነ ምጥፍኡ ዘይቐሪ ‘ዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
መኣርግ ገ/ሄር
5 ጥሪ 2014 ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ