‹‹ኢትዮጵያ ንምድሓን ኩሉ ሰብ ሓድነት ክህልዎ ኣለዎ›› ጄኔራል ብርሃኑ ጁላ

 ኣዲስ ኣበባ፡- ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ውሽጣዊን ግዳማዊን ፀላእቲ ግምባር ፈጢሮም ዝተበገሱላ ሃገር ብምዃና ነታ ሃገር ንምድሓን ኩሉ ሰብ ሓድነት ክህልዎ ኣለዎ ከብሉ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ምክልኻል ሃገር ጄኔራል ብርሃኑ ጁላ ተዛሪቦም።

ጄኔራል ብርሃኑ ጁላ ነዚ ዝበሉ፣ መዓርግ፣ ኣርማ፣ ደንቢ ክዳንን ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጰያን ህንፀት ማእኸል መሰልጠኒ መሰረታዊ ባሕረኛን ፌዴሪኢ ዕላዊ ኣብ ዝገበርሉ እዋን ኢዩ። ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ውሽጣዊን ግዳማዊን ፀላእቲ ግምባር ፈጢሮም ዝተበገሱላ ሃገር ብምዃና ነታ ሃገር ንምድሓን ኩሉ ሰብ ሓድነት ክህልዎ ኣለዎ ኢሎም።እቶም ፀላእቲ ነዛ ሃገር ብምድኻም ካብ

 ፀገም ንከይትወፅእ ይሰርሑ ከምዘለዉ እውን ተዛሪቦም። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝፍጠሩ ጎንፂታት ሰራዊት ኣብቶም ከባቢታት እናኸደ የምክን ኣሎ ኢሎም።እዚ ኹሉ ትንኮሳን ምብላዕን ሕብረተሰብ ባዕሉ ንባዕሉ ንክባላዕ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ባህጊ ድማ ኢትዮጵያ ክትዳኸመን ናይ ባዕላ ሃፍቲ ንከይትጥቀምን ኢዩ ኢሎም። ባንዳታት ብምሓዝ ሃገር ንምፍራስ ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉ ብምግላፅ፣ብናይ ወፃኢ ወራሪ ከምዘይንከኣል ስለ ዝፈልጡ ካብ ውሽጥና ንከፈራርሱና ኢዮም ዝሓስቡ ክብሉ ኣብሪሆም።ስለዝኾነ ህዝቢ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ብምስላፍ እቲ ተሃቂኑ ዘሎ ኣብ ምዕናው ክቃለስ ኣለዎ ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ወጋሕታ 28 ሚያዝያ 2013

Recommended For You