ጅግንነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝምስክሩ ግጥምታት ስነ-ቃል

ሄርሞን ፍቃዱ

ስነ ቃል እናተዋረሰ ብቕብብል ኣብዚ ዘበን ዝበፅሐን ውፅኢት ሓደ ደራሲ ዘይኮነስ ስምዒት ሓደ ህዝቢ ‘ዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ዘበን ዝነበረ ስምዒት ህዝቢ ዘመላኽትን ዘርእይን ‘ዩ፤ስለዝኾነ ድማ ትኽክለኛ ስነ ልቦና ማሕበረሰብ ዝውክል ‘ዩ ማለት ንኽእል ኢና።

ሰብ ሞያ መፅናዕቲ ባህሊ ከም ዝብልዎ፤ዓይነታት ስነ ቃልን ቃላዊ ግጥሚ ሓደ ‘ዩ። ዝተፈላለዩ ብያነታትን መግለፅታትን ኣለዉዎም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር መምህርን ተመራማሪትን ዝኾና ዶክተር ኣስቴር ሙሉ ካብ መንጎ ዝሰርሖኦ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ኣብ ዝረኸብናዮ መረዳእታ ከምዝሕብሮ፤ቃላዊ ግጥሚ ማለት ኣደራርስኡ፣ኹነታቱን ኣቀራርብኡን መብዛሕትኡ ግዘ ብቃል እንትኸውን ብደርፊ፣ብምስቁንቋንን ብኻልኦትን ተመሳሰልቲ ቅርፅታት ዝርከብ ህዝባዊ ግጥሚ ‘ዩ።

መልእኽትን ትሕዝቶን ቃላዊ ግጥምታት ዝምዕርግ ብምርኢት ‘ዩ፤እዚ ድማ በቲ ዝረኸብናዮ መረዳእታ ከምዘረድአና ስነቃል ካብ ምርኢት ወፃኢ ኪነታዊ እሴቱ ነኪኻ ቃሉ ጥራሕ ልክዕ ቖርበት ገፊፍኻ ስጋ በይኑ ፈሊኻ፣ደሙ ኣፍሲሶም ዓፅሙ ጥራሕ ምቕራብ ማለት ‘ዩ፤ህልውንኡ ኣብ ትወና ወይ ድማ ምርኢት ከምዝኾነ የብራህርሃ።

ብመሰረት ኣብዚ እቲ መረዳእታ፤ ብዛዕባ ተውኔት ሓደ ነገር ክንብልሞ ናፍቲ ዋና ጉዳይ ክንኣትዉ። ተውኔት ወይ ድማ ኪነት ፅባቐ ዘላብስ ድርጊት ወይ ድማ ባህሪ፣ብኣካል ዝግለፅ፣ሜላ ዝርርብ ኣብ ግዘን ቦታን ዝተገደበ፤ ብፍሉጥ መዋቕር ብተወንቲ ዝቐርብ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ብተደጋጋሚ ዝፍፀም ብውልቀን ብሕብረትን ዝቐርብ መርኣያ መንነት ‘ዩ። ብኻልእ ወገን ፅንሰ ሓሳብ ፎክሎር ዝመርሕ ፅባቀ ዘለዎ ጥበባዊ ድርጊት ‘ዩ።

እምበኣርኸስ ኣብ ውሽጢ ስነ ቃል ግጥሚ ይኹን ስርዓት ኣቀራርብኡ ዘርእየና ናይ ማሕበረሰብና ኣነባብራ፣ኣብ እዋን ሓዘንን ታሕጓስን ዝለዎ ስምዒት ‘ዩ።

ከምቲ ዝፍለጥ ኣብ ሃገርና ልዕሊ ሓደ ዓመት ኲናት እናተኻየደ ‘ዩ። ኣብዚ ኲናት ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ግምባራት ሆ ኢሉ ዘሚቱ ‘ዩ። እዚ ንምንታይ ኾይኑ ኢልና እንተሓቲትና፤ውሳነን ወነ ጅግንነት ኢትዮጵያውያን ንዘበናት ዝሰረፀ ስለዝኾነ ‘ዩ። ዓድዋ፣ማይጨው፣ካራማራ፣… እናበልና ንጠቕሶም ግምባራት ጀጋኑ ዝተዋደቑሎም ‘ዮም።

ባህረት ናይዚ ጅግና ዘይትንፍ ህዝቢ ዘርእየና ቃላዊ ግጥምታት ‘ዮም፤ካብኣቶም ዝተወሰኑ ንርኣይ፤

ጅግና ይሙት

ፈራሕ ይንበር እንተደልዩ

ሓተላ ምሽካም ይኸርእል‘ዩ ማእገሩ።

እዚ ስነ-ቃል ማሕበረሰብ ዝገልፀልና ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ህዝቢ ዘርኣዮ ምንቅስቓስ ጅግንነት እንትኸውን ከም ኣብነት ንምጥቃስ ድማ ታሪኽ ነባራይ ከተማ ሸዋሮቢት ኣይተ እሸቴ ሞገስ ሓደ ‘ዩ። ታሪኽ ናይዚ ጅግና መብዛሕትና ሰሚዕናዮ ኢና። ከምዝመውት ሚኢቲ ብሚኢቲ ኣንዳዕዲዑ እናፈለጠ ‘ዩ ነቲ ተግባር ዝፈፀሞ። ካፍቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ሃዲሙ ክድሃል ኣይደለየን። ስዕረት ኣይደለየን። ጥቕዓት የጣዕሶን የሕምሞን ‘ዩ።

ዘይጠዓስን መጥቃዕቲ ሓንቲ ዘይመስሎ ሰብ ግና ይሕባእ፣ይሕሱ፣ክሕደት ክፍፅም ‘ውን ይኽእል ‘ዩ። ብኡኡ እንትስሕቑ ዋላ ሓንቲ ኣይመስሎን ‹‹ማእገሩ ሓተላ ይሸከም›› ዝተብሃለ ድማ ነዚ ‘ዩ።

ሕማቕ ሓጓፍ ብዕራይ የስግር

ዓሻ ዘምፅኦ ነገር ንኹሉ ይልክም

እዚ ቃላዊ ግጥሚ ህዝቢ ዝገልፆ ድማ ከም ራዕዳዊ ህወሓት ዝዓይነቱ ተግባር ንዝፍፅም ‘ዩ። ጅግና ዝበሃል ሰብ ባእሲ ኣይጅምርን፣ጅግና እንተተንኪፎሞ ግና ሓመድ ኣፍንጭኦም ‘ዩ ዘውፅኦም። መለለዪ ወይ ድማ መፍለዪ ፈራሕን ዓሻን ድማ ነገር ምፅሕታር ‘ዩ።

ራዕዳዊ ህወሓት እዚ ሰሜን ብምጥቃዕ ኲናት ወሊዑ ‘ዩ። እሱ ብዝጀመሮ ድማ እዚ ኹሉ መስካሕክሒ ግፍዕን መከራን በፂሑ ‘ዩ፤እዚ ኹሉ መሰረተ ልምዓት ዓንዩ ‘ዩ። ኣብ ሓደ ቦታ ዝተጀመረ ኲናት ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ብዙሕ ነገር ኣናጊዑ ‘ዩ። ‹‹ዓሻ ዘምፅኦ ነገር ንኹሉ ይልክም›› ዝተብሃለ ድማ ከምዚ ዝበለ መጥቃዕቲ ‘ዩ። ኣብ ማሕበረሰብና ጅግና ማለት ባእሲ ዝመርፅ ኣይኮነን ጅግና ማለት ከይተተንከፈ ዘይትንክፍ እንተተነኺኡ ግና ዘይምሕር ማለት ‘ዩ። ነዚ ዝመሳሰል ሓደ ስነ ቃል ክውስኽሞ ክኽምብት፤

ቖራፅ ጅግናን ነብርን ሓደ ‘ዮም

ሰብ ኣይትንክፉን ተዘይተተንኪፎም።

ወጋሕ ታ24ሕዳር 2013 ዓ.ም

Recommended For You