
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ኣዲስ ኣበባ፡-፤ራዕዳዊ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ሞትን መቕዘፍትን’ምበር ረብሓ ከምዘየምፀአሉ ኣብ ትግራይ ዴሞክራሲ ፓርቲ(ትዴፓ) ሓላፊ ክፍሊ ፖለቲካ ኣይተ ሓጎስ ግደይ ገሊፆም ።
ኣይተ ሓጎስ ግደይ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕተት ከምዝገለፅዎ ፤ ፀበባን ፀገም ጠጠው ንክብል ኣንፃር ህወሓት ንዝግበር ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ሓደ ኣካል ናይቲ ቃልሲ ብምዃን ህወሓት ምሉእ ብምሉእ ንክጠፍእ እጃሙ ክዋፃእ ኣለዎ። ድሕሪ ኸዚ ይኣኽለካ ኢሉ ኣንፃር ህወሓት ክቃለስ ኣለዎ ኢሎም።
ምዕናው መሰረተ ልምዓት ካብ ራዕዳዊ ህወሓት ትፅቢት ዝግበር ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ሓጎስ፣ ኣብ ሰላማዊ ሰባትን ህፃናትን ዘይርህርህ ኣካል ብምዃኑ ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ዘብፅሖ ዕንወት ካብኡ እንፅበዮ ነገር ‘ዩ ኢሎም።
ዕላማ ህወሓት ህዝቢ ምጥፋእን ህዝቢ ትግራይ ካብ ካልኦት ህዝብታት ተፈሊዩ ንክነብር ምግባር’ዩ ዝበሉ ኣይተ ሓጎስ፣ንህዝቢ ትግራይ ዝሓለየ መሲሉ ዘጥፍኦም ጥፍኣት ካብ ህወሓት ትፅቢት ዝግበር ‘ዮም ክብሉ ገሊፆም።
ህዝቢ ትግራይ ደቕና ኣበይ ኣለዉ ኢሉ ንከይሓትት ከምዝለመዶ ናይ ምጭብርባር ስራሕ ንክሰርሕ ሰራዊተይ ንድሕሪት ንክምለስ ገይረ ኣለኹ እንተበለ ‘ውን ተዶቂሱ ተቖራሪፁ ‘ዩ ካብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ዝወፀ ክብሉ ተዛሪቦም።
መንግሰቲ ናይ ባዕሉ ኣካይዳ ኣለዎ፣ ሰራዊት ኣብ ዘለዎ ጠጠው ኢሉ ማለት ናብ ትግራይ ክኣቱ ኣይኽእልን ማለት ኣይኮነን ዝበሉ ኣይተ ሓጎሰ ፤ ትግራይን ህዝቢ ትግራይ ሓራ ክሳብ ዝወፅእ ኣብ ዝኾነ እዋን ናብ ትግራይ ብምእታው ጉጅለ ህወሓት ንምጥፋእ ድልው ‘ዩ ኢሎም። እዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ናይቲ ቃልሲ ኣካል ኾይኑ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ህወሓት ዝጠፍአሉ እዋን ርሑቕ ኣይኮነን ኢሎም።
መንእሰይ ትግራይ ታሪኽን ዕላማን ንዘይብሉ ሞት ክመውት የብሉን ፣ኣብ ከባብታት ኢትዮጵያ ሰሪሑ ዝነብረሉን ሃፍቲ ዘፍረየሉን ቦታ ከምዝኾነ መንእሰይ ትግራይ ይፈልጥ ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ሓጎስ ፣መንእሰይ ትግራይ ዕጥቂ ዘለዎ ዕጥቁ ሒዙ ናብ ሰራዊት ምክልኻል፣ ዕጥቂ ዘይብሉ ድማ ናብ ካልኦት ክልላት ብምምፃእ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ተሰሊፉ ኣንፃር ራዕዳዊ ህወሓት ንክቃለስ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ወጋሕ ታ24ሕዳር 2013 ዓ.ም