ኢትዮጵያ ተገዲዳ ዝኣተወቶ ናይ ህልውና ኲናት ዓብዪ ተጋድሎ ብምግባር ዓወት እናተጎናፀፈት ትርከብ።ታሪኽ ከጠፍእ፣ ሓድነት ህዝብታት ክበታትን ምስ ዝተልዓለ ራዕዳዊ ጉጅለ ዝግበር ናይ መወዳእታ ቓልሲ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ቃልሲ እናገበሩ ዓወቶም ድማ ናብኣቶም እናቐረበት ትርከብ። ክነፍርሳ ኢና ንዝበለ ፀላኢ ‹‹ኢትዮጵያ ኣይትፈርስን››ብምባል ካብ ጫፍ ሰሜን ክሳብ ደቡብ፤ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ፊትንፊት ናብ ኲናት ተፀምቢሮም ‘ዮም።ብገንዘብን ብዓይነትን ከምኡ ‘ውን ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ብምስታፍ ብሞይኦም ንሰራዊት ብምሕጋዝ ብምብርትታዕን ግደኦም እናመስከሩ ይርከቡ። ብፍላይ ኣብ ዘፈር ኪነጥበብ ዝተሰማረዩ ኢትዮጵያውያን ሃገራዊ ሓድነት፣ፍቕርን ሰላምን ዝሰብኩ ስራሕቲ ጥበብ ንኢትዮጰውያ ክንእዱ ተሰሚዖም ‘ዮም።እሞ እዞም ድምፃውያን ልዕሊ ዝኾነ እዋን ብሕብረትን ብውልቀን ብምዃን ዝተፈላለዩ መልእኽትታት ዝሓዘሉ ስራሕቲ ሙዚቃ ኣበርኪቶምን እናበርከቱን ‘ዮም።ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ መንጎ ዝተዜሙ ዜማታት፣ሃገራዊ ስምዒት ዘንፀባረቑን ዓወት ናይ ኢትዮጵያውያን ‘ዩ ዝብል መንፈስ ዘለዎ ዜማ ብቋንቋ ሲዳምኛ ዝደረፈ ኣብ ክልል ሲዳማ ተፈሪ ኬላ ዳራ ኦቲልቾ ወረዳ ተወሊዱ ዝዓበየ ፣ ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ትምህርቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝተምሃረ፣ኣብ ዲላ ዩኒቨርስቲ ብሰርቬይንግ ትምህርቲ ተማሂሩ ኣብ 2007 ዓ.ም ዝዛዘመ ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ወታደር ስጦታ ቦጋለ ‘ዩ። መብዛሕትኦም ዜማታቱ ብቋንቋ ኣምሓርኛን ኦሮምኛን ዝተዜሙ ‘ዮም ዝብል ስጦታ፤ ማሕበረሰብ ሲዳማ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘለዎ ሃገራዊ ኹነታት ምእንቲ ክርዳእ ብቋንቁኡ ዜማን ግጥምን ደሪሱ ምስቲ እዋን ዝሰማማዕ ዜማን ግጥምን ደሪሱ ሙዚቃ ኣበርኪቱ ‘ዩ።እዚ ድማ ማሕበረሰብ ካብ ምንቃሕ ሓሊፉ ስምዒት ፍቕሪ ሃገር ብምፍጣር ህዝቢ ዝበለፀ ስምዒት ንኸጠናኽር ዕድል ከምዝፈጥር ይዛረብ። ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ምክልኻል ውትድርና ጥራሕ ዘይኮነስ ብዙሕ ሞያ ዝተኣናገደሉ ስለዝኾነ ወታደር ስጦታ ‘ውን ከይተፈለጦ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ክእለት ሙዚቃን ድሌትን ከርእይ ኽኢሉ ‘ዩ።እቲ ሰራዊት ዝተፈላለየ ድሌቱ ንምውፃእ ዕድል ከምዝተመቻቸወሉ ስራሕቲ ሙዚቃ ኣጠናኺሩ ቐፂሉ ‘ዩ።ኣጠናኺሩ ብምቕፃሉ ድማ ከምዚ ዝበለ ዘበናዊ ሙዚቃ ክሰርሕ ኽኢሉ ‘ዩ። ‹‹ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ንምእታው ይኹን ኣብ ሙዚቃ ዓለም ክፅምበር ‘የ ኢለ ኣይፈልጥን››ዝብል ወታደር ስጦታ፤ ኣብ ግምባር ተሰሊፉ ዶብ ሃገሩ ምስ ዝሕልው ሰራዊት ምክልኻል ማዕረ ብርክት ዝበሉ ሰብ ሞያ ኪነጥበብ ብስራሕቲ ኪነ ጥበብ ንሃገር ዓብዪ ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝኾኑን እሱ ድማ ኣስተዋፅኦ እናኸፈለ ከምዘሎን ኣብ ግምባር ምስ ዘሎ ወተሃደር ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታትን ከባብታትን ዝርከቡ መናእሰይ ወታደር ስጦታ ሓዊሱ በብእዋኑ ናብ ወፍሪ ብምእታው ዝተፈላለዩ ተግባራት እናፈፀሙ ‘ዮም። ቋንቋ ኣምሓርኛ ንዘይሰምዕ ህዝቢ ሲዳማ ብቋንቁኡ እዋናዊ ዝኾነ ሙዚቃ ከበርክት ብምኽኣለይ ሓደ ነገር ከምዘበርከትኹ ይስመዐኒ ዝብል ወታደር ስጦታ ፤ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ብሄር ብሄረሰባት ዝርከቡላ ምስ ምዃና መሰል ስራሕቲ ኣድለይቲ ‘ዮም። እዞም ስራሕቲ መከላኸሊ ሰራዊት ኣብ ዝኣትወሎም ዝተፈላለዩ ከባብታት ብምኻድ እናቕረቡ ከምዝነበሩን ንሰራዊት ድማ ዓብዪ ምንቕቓሕ ካብ ምፍጣር ሓሊፎም እቲ ወተሃደር ንፍቕሪ ሃገር ዘለዎ ስምዒት ብቐሊሉ ምርዳእ ዘኽእል ‘ዩ። ስራሕቲ ሙዚቃ ኣብ ዘቕረብሎም ቦታታት ምስ ወተሃደራት ኾይኖም እናነብዑ ከምዝሰርሑ የዘኻኽር። ‹‹ብዛዕባ ሃገር ዘዜም ዝኾነ ድምፃዊ ንዓይ ሓደ ‘ዩ››ዝብለና ወታደር ስጦታ፤ ዜማታቱን ግጥምታቱን ተተፈላለዩ ‘ውን ኹሎም ሓደ ከምዝኾኑ ይዛረብ። ብፍላይ ኣብ መከላኸሊ ኮይኖም ናብ ኪነ ጥበብ ዝተፀብሩ ሰባት ስምዒት ፍቕሪ ሃገር ብዘለዓዕል መልክዑ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ሙዚቃ የቕርቡ ‘ዮም።ካብዚ ሓሊፉ ኹሉ ሰራዊት ኣብ ሓደ ኣረኣእያ ኾይኑ ሃገሩ ብዝተፈላለዩ ዘፈራት እንተገልግል ምርኣይ ፅቡቕ ኣተሓሳሰባ ከምዝኾነ ይዛረብ። ነዚ ክበሃል ድማ ኹሉ ዜጋ ኣብ መከለላኸሊ ሰራዊት ኣትዩ ተዝወፅእ ኣብ ሃገርና ካብ መንጎ ዝስተውዓሉ ፀገማት እቲ ፈላማይ ኣተሓሳስባ ዓሌታውነት ክውገድ ‘ዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ይዛረብ። ኣብ መከላኸሊ ሰራዊት ምእታው ብዛዕባ ክልል ዘይኮነስ ብዛዕባ እታ ዓባይ ሃገር ኢትዮጵያ ክንሓስብ ይገብረና። እዚ እንትብሃል ድማ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት መከላኸሊ ዘሎ ሰራዊት ካብ ኹሉ ክፋል ሃገር ዝተወፃፀአ ስለዝኾነ ከም ሓውን ሓፍትን ‘ዩ።ኣብ እዋን ኲናት ይኹን ኻሊእ ጉድኣት እንትበፅሖ ኣብ ጥቕኡ ዘሎ ሰራዊት ‘ዩ ዘልዕሎ።እዚ ሓድነት ድማ ካብ ዓሌታዊ ኣተሓሳስባ ዝወፀን ሃገራዊ ስምዒት ዘጎናፅፍን ‘ዩ። ንቐፃሊ ስምዒት ፍቕሪ ሃገር ዘለዎም ስራሕቲ ሙዚቃ ንምድላው ትልሚ ዘለዎ ወታደር ስጦታ፤ዕላምኡ ንምስኻዕ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት መከላኸሊ ዝተፈጠረሉ ምቹው ኹነታት ከም ዘሎ ኣልዒሉ።
ትርሓስ ፍቃዱ
ጋዜጣ ወጋሕታ 14 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም