“ህወሓትን ሸኔን ፈጠርቲ ግብረ ራዕዲ ኢልካ ምስያም ትኽክል እዩ” ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ

ኣዲስ ኣበባ፡- ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት)ን ሸኔን ፈጠርቲ ግብረ ራዕዲ ኢልካ ምስያም ትኽክለኛን ‹‹ንባዴላ ባዴላ›› ምባል እዩ ክብሉ ኣቦ ወንበር ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ኣመልኪቶም።

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት “ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)”ን “ሸኔ”ን ብፈጠርቲ ግብረ ራዕዲ ክስየሙ ናይ ውሳነ ሓሳብ ምሕልላፉ ስዒቡ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዘፍለጥዎ፤ ኣብ ርእሲ ዜጋታት ራዕዲ እንትፍፅሙን መሰረተ ልምዓት እንተዕንዉን ከምኡ ‘ውን ሕገ- መንግስቲ እናጣሓሱ ዘለዉ ሓይልታት ብግብረ ራዕዲ ምስያም ብትኽክል ዝገልፆም እዩ።

ኣብ ህወሓትን ሸኔን ዝተማሓላለፈ ውሳነ ግብረ ራዕዲ ዘንጊዑ እዩ ዝበሉ ዶክተር ኣረጋዊ፣ ብፍላይ መራሕቲ ህወሓት ካብ ስልጣን እንትባረሩ ንመንግስቲ ፌዴራል ኣይንእዘዝን፤ ሕገ መንግስትን ቦርድ መረፃ ዘይፈቕዶ መረፃ እንተካይዱን ኣብ ምክልኻል ሰራዊት እታ ሃገር ጥቕዓት እንትፍፅሙ ፈጠርቲ ግብረ ራዕዲ ኢልካ ምስያሙ ይግባእ ነይሩ ኢሎም።

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ህወሓትን ሸኔን ዘመሓላለፎ ውሳነ ሙሉእ ብሙሉእ ምስ ምኽንያትእንድግፎ እዩ ዝበሉ ዶክተር ኣረጋዊ፤ ነዛ ሃገር እዚኣ ንምፍራስ ህዝቢ ናብ ኵናት ንምእታው እናተንቐሳቐሱ ዘለዉ ሓይልታት እዮም ኢሎም።

ብፍላይ መራሕቲ ህወሓት ሃገርና ፀገማ ብሰላም እናፈትሐት ንቕድሚት እትስጉመሉ ምችው ኩነታት እናሃለወ ለውጢ ኣይንቕበልን ብዝነበርናዮ ስልጣን፣ ብስርቒ፣ ብምጭብርባርን ብምዕፋንን ከንፀንሕ ኣለና ዝብል ምዃኑ ብምዝኽኻር፤ ፀገማት ብሰላም ምፍታሕ እናተኻእለ ህፃናት ክቐትሉን ከቕትሉን እዮም ዝውዕሉ ኢሎም።

እዞም ፀረ- ሰላም ሓይልታት እዚኦም ኣብ ሙሉእ ሃገር ፀገም እናፈጠሩ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ብፍላይ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ህዝቢ ትግራይ ይቕርታ ዘይባሃለሉ ግፍዒ እናፈፀሙ ምዃኖም ኣመልኪቶም። ኣብ ህዝቢ ጥቕዓት ምፍፃም ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ መሰረተ ልምዓት ‘ውን ጉድኣት እናብፅሑ ምዃኖም ገሊፆም።

መንግስቲ ብግብረ ራዕዲ ክስየሙ ምግባር ህዝቢ እኩይ ስራሕቶም ፈሊጡ ተሓባቢሩ ስጉምቲ ንኽወስደሎም የኽእል እዩ ዝበሉ ዶክተር ኣረጋዊ፤ ህዝቢ ንባዕሉን ሃገሩን ጥቕሚ ኢሉ ፀረ እዞም ሓይልታት እዚኦም ጠጠው ክብል ኣለዎ ኢሎም።

ምሁር ሕጊ ዝኾኑ ኣይተ ቸርነት ሆርዶፋ ብወገኖም ህወሓትን ሸኔን ብግብረ ራዕድነት እንትስየሙ ካብ ተፈላለዩ ሃገራት ዓለምን ውሽጢ ሃገርን ዝረኽብዎ ሓገዝ ስለ ዝቕንስ ኣብ ተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ዝበፅሑ ዘለዉ ጥፍኣት ክቕንስ ከምዝሕግዝ ተዛሪቦም። ክሳብ ሕዚ ጥፍኣት እናብፅሑ ዝፀንሑ ካብ ተፈላለዩ ሃገራት ዓለምን ካብ ውሽጢ ሃገርን ብዝረኽብዎ ሓገዝ እዩ።

ድጋፍ ዝህብ ዝኾነ ኣካል ግብረ ራዕዲ ስለ ዝባሃል ኣይተሓባበርን፤ ነዞም ሓይልታት እዚኦም ዝተሓባበር ኣካል ኣይህሉን ከምኡ ‘ውን ስልጣን ኣይዋሃቦምን ኢሎም። ክልቲኦም ሓይሊታት ግብረ ራዕዲ ዘብል ጥፍኣት ኣብፂሖም እዮም ኢሎም።

ከም ኣይተ ቸርነት ሆርዶፋ ገለፃ፣ ሓደ ጉጅለ ፈጣሪ ግብረ ራዕዲ እዩ ዝባሃል ውልቐ ሰብ ወይ ትካል ናይ ፖለቲካ፣ ሃይማኖት ከምኡ ‘ውን ርእዮተ ዓለም ዕላምኡ ንምስኻእ ኢሉ ብሓይሊ መንግስቲ ወይ ሕብረተ ሰብ ኣገዲዱ ጥፍኣት ዝፍፅም እዩ።

እቲ ጥፍኣት ሰብ ምቕታል፣ መሰረተ ልምዓት ምዕናው፣ ህብረተሰብ ክመዛበሉ ምግባር ዝመሳሰሉ እዮም። በዚ ትርጉም እዚ ህወሓትን ሸኔን ግልፂ ዝኾነ ግብረ ራዕዲ ፈፂሞም እዮም ክብሉ ኣመልኪቶም። እዞም ሓይልታት እዚኦም ብፈጠርቲ ግብረ ራዕዲ ምስተወሰነለም ንድሓር ምስዚኦም ዝሰርሕ ኩሉ ከም ፈጣሪ ግብረ ራዕዲ ይቑፀር ኢሎም።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 28 ሚያዝያ 2013

Recommended For You