ኣዲስ ኣበባ፡- ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ብዝተኮሶ ኸቢድ ኣፅዋር ኣብ ከተማ ሃይቅ ኣብ ሓደ ገዛ ካብ መንጎ ተሓቢኦም ዝነበሩ 16 ንፁሃት ዜጋታት ሸውዓተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ካፍቲ መጥቃዕቲ ዝተረፉ መሰኻኽር ዓይኒ ስድራ መወቲ ገሊፆም። ኣብ ከተማ ሃይቅ ወረዳ ተሁለደሬ ቖልዓ ሽዱሽተ ዓመት ሓዊሱ ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ብዝተኮሶ ኸቢድ ኣፅዋር ኣብ ከተማ ሃይቅ ኣብ ሓደ ገዛ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ኣርባዕተ ስድርኦም ዝስኣኑ ምስ ቖልዓ ሽዱሽተ ዓመት ውላዶም ካብ መጥቃዕቲ ዝተረፋ ወይዘሮ ዘኒት መሓመድ ገሊፀን።‹‹12 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት 16 ሰባት ተኣኪብና ነይርና። ንምውፃእ እናሓሰብና ከለና ሃንደበት መጥቃዕቲ ኸቢድ ኣፅዋር ሰዲዱልና። ካብ መንጎ እቶም ምሳና ዝነበሩ ሸውዓቲኦም ሽዑ ንሽዑ ሞይቶም›› ኢለን። ቕድም ክብል ናይቲ ከባቢ ሰብ መረበቱ ገዲፉ ብምኻድ ጉጅለ ራዕዲ ብዝኸፈቶ ኲናት ኣስከሬን ዝሞቱ ሰባት ንምልዓል ተፀጊመን ከምዝቐነያ ኣዘኻኺረን። ‹‹ልዕሊ ኽልተ መዓልቲ ኣስከሬን ኣብ ገዛ ኣቐሚጠ ክፀንሕ ኣይከኣልኩን፤ ኣስከሬን ንምልዓል ዝሕግዘኒ ሰብ ንምድላይ ገዛገዛ እንተደለኹኳ መብዛሕትኡ ሰብ ገዝኡ ገዲፉ ሃዲሙ ‘ዩ፤ እቶም ዝተረፉ ድማ ፍቓደኛ ኾይኖም ካብ ገዝኦም ንምውፃእ ኣይደፈሩን›› ኢለን። ናይ ቐረባ ስድርኦም ብምድላይ ኣብ ትሽዓተ መዓልቶም ሸውዓቲኦም ብጅምላ ኣብ ሓደ ጉድጓድ ንምቕባር ከምዝተገደዱ ተዛሪቦም። በቲ መጥቃዕቲ ኣቡኡ፣ኣዲኡ፣ሓፍቱን ወዲ ሓፍቱን ዝስኣነ ኣይተ ሁሴን መሓመድ ብጉጅለ ራዕዲ ዝበፅሐ ሓደጋ ልቢ ዝሰብር ከምዝኾነን ንልዑል መጉዳእቲ ስነ ልቦና ከምዝዳረጎ ጠቍሙ ክብል ሪፖርተር ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ዘላለም ግዛው ካብ ሃይቅ ዝለኣኾ ፀብፃብ የመልክት።
ትርሓስ ፍቃዱ
ጋዜጣ ወጋሕታ 14 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም