ህወሓትን ሸኔን ብግብረ ራዕዳዊነት ንኽስየሙ ውሳነ ሓሳብ ቐሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፡- ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ውድባት “ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን” “ሸኔን” ብግብረ ራዕዳዊነት ንኽስየሙ ውሳነ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ንቲ ውሳነ ሓሳብ ኣመልኪቱ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፣ ኣብ ዘሓለፉ 3 ዓመታት ኣብ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ሕቶታት ምኽባር መሰልን ዴሞክራሲን ቃልሲን ኣቢሉ ዝመፅአ ለውጢ ንምዕፃፍ ብዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዜጋታት መጥቃዕቲታት እናፈፀሙ ዝፀንሑ ከምዝኾኑ ይዝከር። በዚ ምኽንያት ህይወት ብዙሓት ዜጋታት ጠፊኡ፣ ኣካል ጎዲሉ፣ ንብረት ዓኒዩን ዜጋታት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎምን ኢዮም። እዞም መጥቃዕቲታት ሕብረተሰብ ቀፃሊነት ኣብ ዘለዎ ስግኣትን ፍርሒን ንኽነብር ብምግባር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እምነት ንኽስእን፣ ዜጋታት ነኒባዕሎም ከይተኣማመኑ ገይሩ ኢዩ። እዚኣቶም ኩሎም ህልውና ሃገረ መንግስቲ ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕ ተሓሲቦም እናተፈፀሙ ዝነበሩ ከምዝኾኑ ካብ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ንምፍላጥ ተኻሉ ኢዩ ይብል።

እቶም መጥቃዕቲታት ኣብ ድሕሪቶም ኣተሓሳስባ ፖለቲካ መበገሲ ብምግባርን ንፖለቲካ ዕላማ ወይ ድማ ሽቶ ንምዕዋት ተሓሲቡ ኣብ ልዕሊ ንፁሃንን ናይ ህዝቢ መሰረተ ልምዓታትን እናተፈፀሙ ዝፀንሑ ኢዮም ዝበሉ እቲ መግለፂ፣ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር እናተፈፀሙ ዝፀንሑ እቶም መጥቃዕቲታት ዝተፈላለዩ ፈፀምቲ ኣካላት ነይሮምዎም ክብል ሓቢሩ። ኣብ ድሕሪት እቶም መጥቃዕቲታት ግን ብትልሚ፣ ገንዘብ፣ ሓሳብን ስልጠና ሓይሊ ሰብን ብምሕጋዝ፤ ሽፋን መራኸቢ ሓፋሽን ሓገዝን ብምሃብ ግደ መሪሕነት እናተፃወቱ ዝነበሩ ጉጅለታት ኣለዉ። ንኢትዮጵያ ናይ ምምስቕቓል፤ ናይ ምድኻምን ምፍራስን ድሌት ዘለዎም ናይ ወፃኢ ሓይሊታት ነቶም ጉጅለታት ብቑፃር እናተጠቐሙሎም ከምዝኾኑን ግልፂ ኢዩ ክብል የመልክት።

እዞም ትካላት እናፈፀሙዎምን ንኽፍፀሙ ዘተሓባቡሩዎምን ዝፀንሑ ተግባራት ጥፍኣት፣ተግባራት ገበን ግብረ ራዕዲ ኢዮም ዝበለ መግለፂ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት፣እዞም ተግባራት ገበን ግብረ ራዕዲ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ዝወፅአ ኣዋጅ 1176/2012 ኣብ ትሕቲ ዓንቀጽ 3 ብዛዕባ ተግባር ገበን ግብረ ራዕዲ ዝተውሃበ ትርጉም ሙሉእ ብሙሉእ ዘማልኡ ተግባራት ከምዝኾኑ ብቐሊሉ ምግንዛብ ይከኣል ክብል እቲ መግለፂ የገንዝብ።

እዞም ተግባራት ግብረ ራዕዲ እናፈፀሙ ትካላት፣ ኣባላትን ደገፍቶምን ከም ውልቀ ሰብ ብንፅል ብገበን ግብረ ራዕዲ ተሓተትቲ ካብ ምግባር እቶም ትካላት ፈጠርቲ ግብረ ራዕዲ ገይርካ ብምስያም ኣብቲ ሕጊ ብዝተፀርሐ ግቡእ ተግባር ገበን ግብረ ራዕዲ ብዘሐሸ ኩነታት ምቁፅፃርን ምክልኻልን ይከኣል ኢዩ ክብል የረድእ።

ስለዝኾነ ድማ ገበን ግብረ ራዕዲ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ዝወፅአ ኣዋጅ ቁፅሪ 1176/2012 ዓንቀፅ 18ን 19ን መሰረት ብምግባር፥ ‹‹ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)” ን “ሸኔ” ን ገበን ግብረ ራዕዲ ዕላማ ገይሮም ዝንቀሳቐሱ ስለዝኾኑን ኣመራርሓ ስራሕ ወይ ድማ ውሳነ ወሃብቲ ኣካላት እቶም ውድባት ነቲ ገበን ኣሚኖም ዝተቐበሉ ወይ ድማ ነቲ ኣፈፃፅማ እናመርሑ ስለዝኾኑ፤ ተግባር ራዕዲ ምፍጣር ሓፈሻዊ መለለዪ እቶም ውድባት ስለዝኾነ፤ እቶም ውድባት ፈጠርቲ ራዕዲ ተባሂሎም ንኽስየሙ ውሳነ ሓሳብ ክምዝቐረበ የመልክት።

ካብዚ ብተወሳኺ ገበን ግብረ ራዕዲ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ዝወፅአ ኣዋጅ ቁፅሪ 1176/2012 አንቀጽ 23 መሰረት ብምግባር፤ ምትእስሳር ወይ እውን ናይ ሓሳብን ተግባርን ዝምድና ኣብ ዘለዎም ውድባትን ውልቀ ሰባትን’ውን እቲ ውሳነ ሓሳብ ተፈፃሚ ከምዝኸውን መግለፂ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት የረድእ።

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ብወገኑ እዞም ውድባት ‹‹ብግብረ ራዕዳዊነት ዘሰይመና ተግባር የለን›› ዝብሉ እንተኾይኖም ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት መረዳእተኦም ንቲ ቤት ምኽሪ ንከቕርቡ በዕለት 25 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም ፃውዒት ምቕራቡ ይፍለጥ።

ወጋሕታ 28 ሚያዝያ 2013

Recommended For You