መግለፂ እሴታት ባህልና

ንሕና ኢትዮጵያውያን ናይ ኣሽሓት ዓመታት ብዙሕ ሃገረ መንግስቲ ሉኣላውነትን ታሪኽ ፣ታሪኽ ሓድነትን ስልጣነን ዘለና ህዝብታት ኢና፡፡ልዕሊ ኹሉ ነብሪ ጨበራይ ሕብሩ ኢትዮጵያዊ ድማ ኢትዮጵያዊነቱን ክቕይሩ ኣይኽእሉን እስካዕ ምባል ብዕሊ ንፍለጥ ኢና፤ እዚ ድማ መግለፂ እሴታት ባህልና ዝኾነ እቲ ሐዚ ንሪኦ ዘለና ምላሽ ኣዋጅ ወፍሪ ሓደ’ዩ፡፡ ባህልና ስልቲ መነባብሮና ዘርእየና ማሕበራዊ ምትእስሳር፤መግለፂ ፍቕርን ሓድነትን ዝኾነ ምትሕስሳብን ምትሕብባርን ብተግባር ዘርእይ ተምሳሌት ምክእኣል ዝኾና ብዙሕ ዘበናት ዕንቅፋታት እናሰገርና ኣብዚ በፂሕና ኢና፡፡ብርግፅ ኣብ መንጎ እሴታትና ዘፍርሱ፤ህልውናና ዝፈታተኑ፣ሓድነትና ቃሕ ዘይብሎም ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ፀላእትና ጉድኣት ኣየብፅሑልናን ማለት ኣይከኣልን፡፡ካብ መንጎ እዚኣቶም ድማ ራዕዳዊ ህወሓት እቲ ፈላማይ ‘ዩ፡፡ ፀላእቲ እሴታት ሓድነትና ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውነትን ዕላዊ ናይ ህልውና ኲናት ዝኣወጀ ራዕዳዊ ህወሓት ንዘበናት ናይ ሃገርና ባህላዊ፣ታሪካዊ፣ተፈጥሯዊ እሴታት ኣብ ምፍራስ ዝተደረኸ ኣሰራርሓ ቐሪፁ ሰሪሑ ‘ዩ፡፡ኣብ ማእኸላይ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ዘበን ሓደ ካብ ዝገብሩና ንላዕሊ ሕውስዋስ ኾይኖም ዝገማምዑ ናይ መንነት ሕልኽላኽ እንትፈጥሩን እንትህውኹናን ፅልኢ ከም ኽርዳድ እናዘርኡ ፀኒሖም’ዮም፡፡ ሞራል፣ባህሊ፣ሽምግልና፣ዕርቂ፣ምርድዳእ፣ሓድነት ዝበሃሉ ናይ ሃገር ዓምድታትን ዋልታታትን ብሙሉኦም ብስርቂ፣ፅልኢ፣ምክፍፋል፣ምድፍፋእ፣ብኣፈላላይ ድምበርን ፅልኢት ኢትዮጵያውነትን ዝኸኣሎ ገንዘብን ፍልጠትን መዲቡ ሰሪሑ ‘ዩ፡፡እዚ ምስ መንነት ኢትዮጵያውነት ፈፂሙ ዝጓነፅ ንዕላማ ጉጅለ ራዕዲ ግና ዝተመቸወ ‘ዩ ነይሩ፡፡ ዋልታ ሃገር ዝኾኑ ትካላት ሃይማኖት ንፖለቲካ ዕላማ ብምውዓል ሞራል ማሕበረሰብ ቐቲሉ ‘ዩ፡፡ በዓላት ጅግንነት ኢትዮጵያ ልዕል ዘብሉ መዓልታት ከይዝከሩ እናሰርሐ ፀኒሑ ‘ዩ፡፡ብኣፉ ብሄር ብሄረሰባት እናበለ ዝፅዉዖም ብተግባር ግና ብመንነቶም ከይኾርዑ፤ኽሳዶም ከድንኑን ከም ኻልኣይ ዜጋ እናተቖፀሩ ፀኒሖም ‘ዮም፡፡ብሓፈሻ ታሪኽ፣መንነት ባህልን ከምኡ ‘ውን ሃፍቲ ተፈጥሮ፤ካብ ምውዳም ሓሊፉ ህዝብታት ንዘበናት ዝፀንሐ እሴት ብሓባር ምንባር ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዎ ፀኒሑ ‘ዩ፡፡ኢትዮጵያውያን ግና እዚ ናይ ውሽጢ ፀላኢ (ነኻሲ ጡብ ኣዲኡ) ሱቕ ኢሎም ኣይረአይዎን፡፡ እኳድኣስ ኣፈሙዝ ጠበንጅኦም ደቂኒሎምኳ፤ ዝፀንሐ ሓድነቶም፣ሕብረት፣እሴት ሓለዋ ምሕላው ሃገር፣ታሪኽ ንቐፃሊ ወለዶ ናይ ምውራስ ተቓሊሶም ዳግም ቑስሊ ኢትዮጵያ ከይኸውን ናብ ፀግዒ ደፊኦሞ ‘ዮም፡፡ ሐዚ ‘ውን ዝተለመዶ ፅልኢቱ ተላዒልዎ ‹‹ኣይምለስን››ናብ ዝብል ምትሕንናቕ ዝኣተወ ህወሓት፤ ኣብ ኻልኦት ዓለማት ብዘይተራእየ ጥንካረን እሴት ኢትዮጵያውነትን እናመከትዎ ይርከቡ፡፡ንምዃኑ ኢትዮጵያዊ ጥበብ ሃገር ምድሓን ክንብል ከለና እንታይ ማለትና ‘ዩ?ቐፃሊ መረዳእታ ታሪኽ እቲ ሓቂ ይገልፀልና፡፡ ብታሪኽ እንፈልጦም ኣቦታትና ብምሕደራን ብርእዮተ ዓለምን፤ንፍትሕን ማዕርነትን ዝነበሮም ኣረኣእያ ይፈላለይ ‘ዩ፡፡ኣብ ሓድነታዊ ኣገዛዝኣ ኢትዮጵያ፣ኣብ ናፅነትን ሉኣላውነትን ግና ኣፈላላይ ኣይነበራን፡፡ብቋንቋ ብብሄር ብዓሌት ብዙሕነት እንተሃለዮም ‘ውን ናይ ኣይድፈርን በሃላይነት ቖራፅነቶም ሓደ ይገብሮም፡፡ውልቃዊ ድሌቶም ክንዲ ዝደለዮ ይኹን፤ሓበራዊ ፀላኢ እንትመፅእ ግና ኢትዮጵያውነት ልዕሊ ውልቃውነት ‘ዩ ይኸውን፡፡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝኾነ እዋን ባህሎም ዘይርስዑ፤መራሒኦም ዘኽብሩን መንነት ሃገር ጠንቂቖም ዝርድኡን ‘ዮም፡፡ነዚ ‘ዩ ድማ ኣብ ዝኾነ እዋን ንዝመፅእ መፀዋዕታ ብሓድነት ጠጠው ዝብሉ፡፡ሓረስታይ ማሕረሱ ገዲፉ፣ነጋዳይ ዱኳኑ ዓፅዩ፣ኣዴታት መኣዲ ንሰራዊት ኣዳሊየን ኹሉ ብዘልዎ ዓቕሚ ጠጠው ይብል፡፡ ነዚ ‘ዩ ድማ ድሕሪ ‹‹እዋኑ ሃገር ብመስዋእቲ ምምራሕ ዘድልዮ ግዜ ‘ዩ፡፡ ካብ ሕዚ ኣብ ግንባር ኮይነ ንምምራሕ ካብ ፅባሕ ክወፍር ‘የ፡፡ ታሪኽ ዘድንቖም ደቒ ኢትዮጵያ ሓደ ንምዃን እትሓስቡ ኩሉኹም ንሃገርኩም ከትብሉ ሐዚ ተላዕሉ ኣብ ግንባር ንራኸብ›› ዝብል ፃውዒት ወፍሪ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ እቲ ህዝቢ ደጀን ንምዃን፤ጨርቀይ ገንዘበይ ከይበለ ደድሕሪ መራሒኡ ዝወፈረ፡፡ በዓል ሃፍቲ ሃገር ተዘይሃልያ ናተይ ሃፍቲ ትርጉም የብሉን ዝበለ፤ተፈላጥን ፅዕንቶ ፈጣርን ከይተረፈ ‹‹ክብረይን ሽመይን ህልውና ሃገር ‘ዩ›› ዝብል ኣተሓሳስባ ስለዘዳበረ፤መምህር፣መንእሰይ፣ ሰብኣይ፣ሰበይቲ ፍልጠቱን ጥሪቱን ኣብዚ ቓልሲ እናውዐለ ዘሎ፡፡እዚ ዝዓይነቱ ናይ ሞራል ልዕልናን ባህልን መንነትን ህዝቢ ዘለወን ሃገራት ውሑዳት ‘የን፡ ፡ካፍተን ውሑዳት ድማ እታ ፈላመይትን ጥንታዊ ሃገረ መንግስቲ ዘለዋን ኢትዮጵያ ‘ያ፡፡

ትርሓስ ፍቃዱ
7 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You