ኣዲስ ኣበባን ዕዳጋ ኣልባሳት ኣፍሪካን

 ኣዲስ ኣበባ ናይ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነትስ ናይ ኣፍሪካ መዲና ‘ውን ‘ያ።እዚ ክኸውን ዝኸኣለሉ ምኽንያት ድማ ሕብረት ኣፍሪካ መቐመጢኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምግባሩን ኢትዮጵያ ኣብ ጉዕዞ ናፅነት ኣፍሪካ ዝነበራ ታሪኽን ‘ዩ።

ሐዚ ድማ ኣዲስ ኣበባ ኻሊእ ኣፍሪካዊ ዝገብራ ነገር እናለመደት ‘ያ፤ እዚ ድማ ኣልባሳት ኣፍሪካ ‘ዩ። እዚ ፋሽን ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናዓመረ ይርከብ። በዓል ድሙቕ ሕብሪ ኣልባሳት ኣፍሪካ ዝደልዩ ሰባት ቑፅሮም ወሲኹ ‘ዩ። ናይ ሎሚ ዛዕባና ድማ እዚ ‘ዩ ዝኸውን።

ቕድሚ ናብዚ ጉዳይ ምእታውና ብውሑዱ ብዛዕባ ኣልባሳት ኣፍሪካ ነውግዕ። ኣልባሳት ኣፍሪካ ከም ኻልኦት ዓለማት ጡጥን መሰል ግብኣትን ኣለዎም። በይነ መረብ ተመድ መስከረም 2020 ኣ/ፈ History told through fashionable printed ciothing ብዝብል ርእሲ ኣብ ዘውፀኦ ፅሑፍ ባህሪ ኣልባሳ ኣፍሪካ እንትትንተን፤‹‹ኣልባሳት ኣፍሪካ ብድሙቕ ሕብርታት ዝማዕረጉ ዝተፀጋገዐ ጡጥ (ፓተርን) ክከሓድ ዘይኽእል ፅባቐ ዘለዎም ‘ዮም››ኢሎም።

እዞም ድሙቓት ሕብርታት ዝተሓተሞም ኣልባሳት ኣብ ጥቕሚ ንምውዓል ታሪኽ ሰለስተ ሚኢቲ ዓመታት ንድሕሪት ይኸይድ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ቮስኮ እናተብሃለ ዝፅዋዕ ፋብሪካ ሆላንድ ነይሩ፤ ኣፍቲ እዋን እዚ ኽዳን ንኣፍሪካውያን ምስ ኣፋለጠ፤ድሕሪኡ እቲ ኽዳን ኣፍሪካዊ ኾይኑ እስካዕ ሐዚ ፀኒሑ ‘ዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ግና ተፈላጥነት ናይዚ ኽዳን ሰፊሑ ካብ ኣፍሪካ ወፃኢ ዝነብሩ ዲያስፖራ ፀለምቲ ኣሜሪካውያን ብበዝሒ እናተኸደንዎ ‘ዮም። ካብ መንጎ እዚኣቶም ተፈላጢ ድማ ኣንጀሊና ዝበሃል ኽዳን ‘ዩ።

በይነ መረብ ተመድ ከምዘመላኸቶ፤ መንቀሊ ሓሳብ ናይዚ ኽዳን ባህላዊ ኣልባሳት ‘ዮም።ሐዚ ኣብ መላእ ኣፍሪካ ተፈታዊ ክኸውን በቒዑ ‘ዩ። እዚ ብሕብሪ ዝደመቐ ኽዳን እንተደሊኻ ኣብ ላዕሊ ጥራሕን ብመልክዕ ቐምሽ ክኸውን ዝኽእልን ‘ዩ።

እቲ ስያመ ዝመፀ እቲ ኽዳን ምኽዳን ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን ፍሉጥ ዝነበረ ናይ ጋና ባንድ ‘ዩ። ብኮፊ ኣናን፣ ብምሼል ኦባማን ኻልኦትን ዝተሰየሙ ኣልባሳት ‘ውን ኣለዉ። እዞም ኣልባሳት ኣብ በብዓዶም ናይ ባዕሎም መፀውዒ ኣለዎም። ንኣብነት ኣንጀሊና ኣብ ኮንጎ ሪፐብሊካን ያማዶ ተባሂሉ ይፅዋዕ።

እዞም ኣልባሳት ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣፍልጦ እንተረኸቡ ‘ውን ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ኣብ ታሪኽ ኣፍሪካ ልዕሊ 200 ሚኢቲ ዓመታት ከምዝፀንሐን ካብዚ ዝነቐለ ድማ ኣልባሳት ኣፍሪካ ክበሃሉ ከምዝኽእሉ ይካትዑ።

እዚ ኽዳን ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ዕዳጋ ኣዲስ ኣበባ ክርኣይ ዝተጀመረ፤ ተደላይነቱ ‘ውን እናወሰኸ ከምዝርከብ እቶም ዲዛይነራትን ነጋዶን ይዛረቡ። ጠለብ ናይቲ ኽዳውንቲ ወሲኹ እዩ ካብ መንጎ ዝብሉ ሰባት ሓንቲ ዲዛይነር ፌቨን ኣሸብር ‘ያ።

‹‹ኣልባሳት ኣፍሪካ ብበዝሒ እናተለመዱ ከምዝመፁ እናረአኹ ‘የ›› ትብል ፌቨን። ምኽንያቱ ክተረድእ ኸላ ‹‹ጨርቅታት ኣፍሪካ ንሕና ካብ እንፈልጦ ጨርቂ ቁሩብ ፍልይ ዝበለ እንትኸውን፣ ኦርጅናል ዝተብሃለ ጨርቂ ሚኢቲ ካብ ሚቲ ጡጥ እንትኸውን ስጡም ‘ዩ። ብቐሊሉ ድማ ናብ ዓይኒ ዝኣትው ‘ዩ። ዝተፈላለዩ ድሙቓት ሕብርታት ይርከቦ ትብል።

ካብ ፅባቐ ሓሊፉ ጉዳይ እቲ ኽዳን ተመራፂ ከም ዝገበሮ እያ እታ ዲዛይነር ትዛረብ። ‹‹መብዛሕትኡ ናይ ኣፍሪካ ጨርቂ ሓሙሽተን ፈረቓን ሜትሮ እንትኸውን፤ኣብ ዕዳጋ ካብ ብር 800 እስካዕ 1500 ይርከብ። ብሓደ ሻዕ ዝዕደግ ሓሙሽተ ሜትሮን ፈረቓን ጨርቂ ንሰብኣይን ሰበይትን ከምኡ ‘ውን ንኽልተ

 ቐልዑ ከምዝኣክል መብዛሕትኦም ናይ ስድራ ፎቶ እንትደልዩ ይመርፅዎ፤ብተወሳኺ ድማ ንልደት፣ ንበዓል ንመርዑት ተመራፂ እናኾነ መፂኡ ‘ዩ ብምባል ተረድእ።

ብኣንፃሩ ብዲዛይነራት ዘሎ ርኢቶ ክተረድእ ኸላ ‹‹እዚ ጨርቂ ኣፍሪካ፤ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ዓድና ጨርቅን ኻልኦትን ሃገራን ንምፍላጥ ኣዝዩ ከምዝሕግዝን ትጥቁም፤ናይ ኣፍሪካ ጨርቂ ተሓዊሱ እንትስራሕ ዝተፈላለየ ፅባቐ ኣለዎ ትብል።

ካብ ፅባቕኡ ብተወሳኺ ጨርቂ ዓድና ምስ ኻልኦት ሃገራት ንምፍላጥ ኣዝዩ ከምዝሕግዝን ትጥቁም፤ናይ ኣፍሪካ ጨርቂ ኣብ ዝኾነ ቦታ ንክኽደን ተገይሩ ከምዝስራሕ ትገልፅ።ንቢሮ ብሸሚዝ ብጉርዲ ወይ ድማ ብቐምሽን ብመልክዕ ቲሸርትን ብቃሕ ዝበለካ ዲዛይንን መልክዕን ምስ ኻሊእ ጨርቂ ተሓዊሱ ወይ ድማ ከይተሓወሰ ብፅቡቕ ኹነታት ተሰሪሑ ምኽዳን ከምዝከኣል ተብራህርህ።

ናይ ኣፍሪካ ኽዳን ንምስራሕ ዘገልግል ጨርቂ ዝመፅእ ካብ ጎረቤት ሃገራት ብፍላይ ካብ ኬንያ እዩ።ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣይርከብን።

 ብ ሓ ፈ ሻ ክንርኢ ኸለና ኣዲስ ኣበባ ኣልባሳት ኣፍሪካ እናለመደት ‘ያ።እዞም ብዓል ድሙቕ ሕብሪ ኣልባሳት ኣፍሪካ ምስ ኻልኦት እናተዋደዱ ሓዱሽ ፋሽን እናፈጠሩ እዮም።እዚ ድማ ይበል ዘብልን መዲና ኣፍሪካ ዝኾነት ኢትዮጵያ ኣፍሪካዊት ምምሳላ ግድን ‘ዩ።
ትርሓስ ፍቃዱ

30 ሕዳር 2014 ዓ.ም  ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You