ኣርቲስት እንዬ ታከለ ካፍቶም ድሙቕ ዓሻራ ትልሂት ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ዘይርሳዕ ዓሻራ ዘቕመጡ ድሙቓት ኣርቲስታት ሓንቲ ‘ያ። ምህርቲ ጥበብ ክዕምር፣ፍርኡ ምእንቲ ኽፅብቕ እንትሕረይ በቲ ዓብዪ ንጉስ ጭራዋጣ ይርጋ ዱባለን ኣመለወርቅ ደበበን እንትጅመር እንዬ ታከለ ብቑዕን ንቑሕን ኽእለታ ኣርእያ ‘ያ፤ እቲ ዝዓብን ዝዕምብብን ዓቕማ አርእያ ።
ደሓር ድማ ኣባል ናይቲ ስሙይ ኪነት ፋሲለደስ ኾይና ‘ያ። ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት በጌምድር ካብ ዝተረኸቡ ተመልመልቲ ብምዃን ናይ መላእ ኢትዮጵያውያን ባህላዊ ሳዕስዒት እንተፅንዑ እቲ ማእኸላይ ወሳኒ ናይ መድረኽ ስፍራ እንዬ ታከለ ተቖፃፀረቶ። ናይቲ መድረኽ ዋና መብራህቲ ድማ ኾነት።
ኹሎም ህያቦም ብዘይስሰዐ ብምውፃእ ብሓገዝ በዓል ሞያ ኽእለቶም እናዳበሩ ብሄራዊ ናይ ኪነት መልክዖም ብኹለመዳይ ሃኒፆም ‘ዮም። ኢትዮጵያውነት ብናይ ባዕላ ቱባ ባህልን ስዕስዒትን ከሺናቶ ‘ያ። ብኣርባዕቲኡ ኣንፈት ዝተረኸበ ቋንቋ ዜማ ባህሊ፣ ግጥሚ፣ ስርዓትን ወግዕን ኣከዳድና ብምፅናዕ ኣብ ኹሉ መድረኽ ብኣኽብሮት ተዋሲኦሞ ‘ዮም።
ዓለምለኸ ኣምባሳደራት ባህሊ እንትርገፁ ፊት ንፊት ብድምቀትኹሉ ዝውክል ብድሙቕ ሕብሪ ካብ ዝርኣዩ ፅቡቓት ዑኑቁታት መድረኽ ኣርማ ስዕስዒት እንዬ ታከለ ‹‹ንግስቲ ትልሂት››ኣብ ልቢ ኹሉ ተዓዳሚ ንዘልኣለም ነጊሳ ‘ያ።
ዓለምለኸ ናይ መድረኽ ዕድል ንእንዬ ዘበናዊት ዝገብር ንምምስጋንን ዝተሓሰበ ዕድል ወፃኢ ተዳለወ። ናይ ጉዕዞ ሽሙ ‹‹ህዝብ ለህዝብ›› ተባሂሉ፤ ኣብ መድረኽ ዓለም ኻሊእ ጣዕሚ ኻሊእ ተፈታዊ ናይ ታሕጓስ ቕመም ዝፋለጠሉን ሽዑ ድማ ኢትዮጵያውያን ከም
ዝኾነ ዓለም ናይ ባዕሎም ስልቲ ህርመት ከም ዘለዎም፤ ናይ ባዕሎም ኣከዳድና ብሓፈሻ ስምዒት ታሕጓስ ንኻልኦት ብዝግባእ ዝዕድም ምዃኑ ንምርኣይ ሰፊሕ ዕድል ዘለዎ ከምዝኾነ ኣዳለውቲ ብምግንዛቦም ዓለም ብዜማን ብቃልን ከምኡ ‘ውን ብትልሂት ሰሪሖም ‘ዮም።
እንዬ ታከለ ኣፍልጦኣ ካብ ሃገራት ኢትዮጵያ ሓሊፉ ብማሕበራዊ ሚዲያ ዘይኮነስ ኣብ ፊት ንፊት መድረኽ፣ ፍሉይ ኽእለታ፣ ብዘይርሳዕ ህርመት ትልሂታ ኣብ ዓይኒ ኹሉ ዕዱም ተሳኢላ ምትራፋ ንኢትዮጵያ ኣፋሊጣ ዓርሳ ‘ውን ኣፍሊጣ ‘ያ።
ኣርቲስት እንዬ ታከለ ድሕሪ ብዙሕ ፃንሒት ኣሜሪካ ናብ ሃገራ ንኽትምለስ ንዲያስፖራ ፃውዒት እንትቐርብ፤ ኣፍቲ መድረኽ ፃውዒት ንፈለማ እዋን እንዬ ታከለ ዝርኣዩ ሓለፍቲ ስንባድኦም ዝገርም ‘ዩ ነይሩ። ኣብ ኣእምሮ ኹሉ ተሳኢላ እትነብር ካብ ሰማይ ከምዝወረደት ተቖፀረት። ምኽንያቱ ድማ ኣበይ ከምዘላ መብዛሕትኡ ሰብ ኣይፈልጥን ነይሩ።
ትልሂት እንዬ ታከለ ብቀጥታ ዝተዓደሙ መሓዙታ ጥራሕ ዘይኮኑስ መናእሰይ ከይተረፉ ካብዚ ክልል ካፍቲ ክልል ከይተብሃለ ዘርኣይዋ ፍቕርን ኣኽብሮትን ንዝስርሐቶን ንዝደኸመቶን ስርሓ ደጊማ ክብሪ ንኽትህብን ኣብ ትውልዲ ብቕብብል ገና ከምእትነብር መረጋገፂ ኾይኑላ ‘ዩ።
ኣብዚ ሐዚ ‘ዋን እንዬ ኣብ ትውልዲ ቦትኣ ጎንደር፤ ኣርቲስት እንዬ ታከለ ናይ ባህሊ ምሸት ኸፊታ ‘ያ፤እዛ ኣርቲስት ምስ ሰብኣያን ማናጀራን ኣይተ ኣብርሃ በየነ፤ምስ ደቆም ሓሳቦም ኣሳኺዖም ‘ዮም።እዞም ሰብ ሓዳር ኽልተ ቖልዑት ዝወለዱ እንትኸውን ኣስማቶም ድማ ነብዩ ኣብርሃን ኣደይ ኣብርሃን ይበሃሉ።
ኣርቲስት እንዬ ካብ ስራሕ ወፃኢ ብዙሕ ካብ ገዛ ከምዘይትወፅእን፤ናይ ዕረፍቲ እዋና መብዛሕትኡ ግዘ ምስ በዓል ቤታ ኣብርሃን ምስ ደቃን ኾይና ሻሂ ቡን ብምባል ‘ያ ተሕልፎ።ካብዚ ሓሊፋ ድማ ምንቅስቓስ ንሰብነታ ስለዘድልዮ ጂም ተዘውትር ‘ያ።
ኣብ መወዳእታ መልእኽቲ እንተሃይዋ ክተመሓላልፍ ጋቢዝናያ ኢና።ኹሉ ነገር ዝህሉ ሃገር እንክትህሉ እዩ‘ሞ ንሃገረይ ሰላም ‘እየ ዝምነይ ኢላትና።ብርግፅ ካብዚ ዝበልፅ መልእኽቲ የለን ኣንሕና ‘ውን በዚ ኸምቢትና ኣለና ሰላም ንሃገርና።
ትርሓስ ፍቃዱ
23 ሕዳር 2014 ዓ.ም ጋዜጣ ወጋሕታ