ኣርቲስት ኤልያስ ተባባል ኣብ ከተማ ጎንደር እንፍራንዝ እትበሃል ከተማ ‘ዩ ተወሊዱ፡፡ካብዚ ዝተልዓለ መብዛሕትኦም ምስ ናይ ጎንደር ሙዚቃ ኣተሓሒዞም የልዕልዎ፡፡እሱ ግና ካብ ኢትዮጵያ ፈፂመ ዘይፈልጦ ቦታ ጎንደር ‘ዩ ይብል፡፡ብርግፅ ‘ውን ኤልያስ ኣዲስ ንኣበባ ገና ኣብ 8 ዓመቱ ‘ዩ ተፋሊጥዋ፡፡12 ቖልዑ ዝወለዱ ኣቡኡ ኣይተ ተባባል ተፈራን ኣዲኡ ወይዘሮ ታሪክ ታመነን ተፈልዩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዓባይ ሓፍቱ ምንባር ጀመረ፡፡ብዙሕ ከይፀንሐ ስድርኡ ናብ ጎንደር ክመልስዎ ከምዝሓሰቡ እንትሰምዕ፤ካብ ልቡ ንዝፈትዋ ኣዲስ ኣበባ ገዲፉ ምምላስ ስለዘይደለየ ካብ እንዳ ሓፍቱ ጠፊአ፡፡ ገዳም ሰፈር ኣብ ዝበሃል ከባቢ ድማ ኣብ ሓደ ቡና ቤት ምልእኣኽን ናይ ምትእንጋድ ስራሕን ጀመረ፡፡
ኣፍቲ ዝሰርሐሉ ቡና ቤት ምሸት ምሸት ብጭራዋጣ ሙዚቃ ዘቕርቡ ሰብኣይን ሰበይትን ደረፍቲ ስርሖም ወዲኦም ጭርኦም ኣቕሚጦም እንትኸዱ፤ ኤልያስ ነታ ጭራ እናልዐለ ምፅዋት ጀመረ፡፡ቐፂሉ ድማ ናብ ኻልኦት ከባብታት እናኸደ ሙዚቃ ምፅዋትን ገንዘብ ምርካብን ጀመረ፡፡ቖልዓ 12 ዓመት እናሃለወ ሓደ መዓልቲ ቤት ትያትር ኣምባሳደር ሙዚቀኛ ከምዝቖፅር ይሰምዕ፤ኸይዱ ተወዳደረ፡፡ተፈቲኑ ድማ ሓለፈ፡፡ኾይኑ ግና ብመሰረት ሕጊ ቖልዓ 12 ዓመት ንስራሕ መንግስቲ ክቑጸር ስለዘይፍቀድ ዕድምኡ 15 ‘ዩ ተባሂሉ ተቖፂሩ፡፡ኣብዚ እዋን ናይ 100 ብር ደመወዝተኛ ኾነ፡፤ኣፍቲ እዋን በዓል ፀሃዬ ዮሀንስን ኣበበች ደራራን ናይ ኣምባሳደር ተቖፀርቲ ነይሮም፡፡
ድሕሪ ዓመት ኣምባሳደር ቲያትር ማእኸል ፊልም ንክኸውን ተወሲኑ በዓል ኤልያስ ናብ ራስ ቲያትር ተቐይሮም፡፡እዚ ኣጋጣሚ ራስ ትያትር ኣውራ ቤት ትያትር ንክኸውን ገበሮ፡፡ምኽንያቱ ብወገን ድምፃውያን በዓል ፀሃዬ ዮሃንስ፣ኣበበች ደራራ፣ኣስቴር ከበደ፤ብወገን ትያትር ድማ በዓል ንጉሱ ዘውጉ፣ደበሽ ተመስገን፣ጥላሁን ጉግሳን ዝኣመሰሉን ተዋሳእቲ ብሓንሳብ ተቖፀርቲ ራስ ትያትር ‘ዮም ኾይኖም፡፡
ካብ ሙዚቀኝነት ብዝበለፀ ፍሉጥ ድምፃዊ ንምዃንን ኽእለቱ ንምምስካርን ዝቖረፀ ኤሊያስ ናይ ባዕሉ ኣልበም ንምስራሕ ምንቅስቓስ ጀመረ፡፡ምስቲ ስሙይ ድምፃዊ ኪሮስ ኣለማየሁን ምስ ኻልኦትን ብምዃን ግጥሚ ኣኻኺቡ ዜማ ደሪሱ ኪሮስ ብክራር ኤልያስ ድማ ብጭራ ዋጣ ኣዋሂዶም ነቶም ሙዚቃታት ቐረፀ፡ ፡እቲ ዝቐረፆ ሙዚቃ ናብ ሕትመት ኸደ፡፡ይኹን ‘ምበር እሱ ከምዝሓሰቦ እቲ ቤት ሕትመት ሙዚቃ ክሓትመሉ ኣይደለየን፡፡ፈተንኡ ቐፀለ፤ ሓደ መዓልቲ ናፍቲ ስሙይ ቤት ሙዚቃ ኣምባሰል ኸደ፡፡ሓደ መንእሰይ ረኸበ፡ ፡‹‹በዓል ቤቱ ደልየ ነይረ›› በሎ‹‹ኣነ እየ በዓል ቤት እንታይ ደሊኻ›› ምስ በሎ፤ኤልያስ ድማ ሓሳቡ ኣረድኦ፡ ፡‹‹ዝቐረፅካዮ ሙዚቃ ሒዝካዮ ዲኻ?›› በሎ፡፡እወ በለ፡ ፡እቲ ካሴት ተቐቢሉ ናብ ውሽጢ ምስ ኣተወ ምድማፅ ‘ውን ጀመረ፤ካብ መንጎ ኣብ ውሽጢ ዝነበሩ ሰባት እቲ ሓደ ብዛዕባ ፅባቐ ድምፂ ኤልያስ እንተውግዕ ኤልያስ ሰሚዑ ተሓጎሰ፡፡ንዓ እቶ ተባሂሉ ድማ ኣተወ ሽዑ ቤት ሙዚቃ ኣምባሰል ነቲ ሙዚቃ ከሐትም ተስማምዐ፡፡ ኤልያስ ግና ሓደ ድሌት ነበሮ፡፡ድሌቱ ድማ እቲ ሙዚቃ ክቕረፅ ደልይዎ ዝነበረ ኣፍቲ እዋን ኣዝዮም ስሙያት ብዝነበሩ ባንድ ሮሃ ንክኸውን ‘ዩ ነይሩ፡፡
ድሕሪ መዓልታተ እቲ ኣልበም ወፀ፡፡ተደማፅነት ኣይረክብን ኢሉ ሰጊኡ ዝነበረ ኤሊያስ ናብ ቤት ሙዚቃ ኸይዱ እንትርኢ ግና ካፍቲ ንሱ ዝሓሰቦ ዝፃረር ‘ዩነይሩ፡፡ህዝቢ ኣብቲ ቤት ሙዚቃ ተኣኪቡ ናይ ኤሊያስ ሙዚቃ እናድመፀ ‘ዩ ነይሩ፡ ፡ኤሊያስ ድማ ካብ ሙዚቀኛነት ናብ ፍሉጥ ድምፃዊ ተሰጋገረ፡፡
ኤሊያስ ኣብዚ ሐዚ እዋን ናይ ዕረፍቲ መዓልቱ ምስ መሓዙቱ በዓል ንዋይ ደበበ፣ፀሃዬ ዮሃንስን ኻልኦትን ኾይኑ እናተፃወተ ‘ዩ ዘሕልፎ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ንፀወታ ኩዕሶ እግሪ ፍሉይ ፍቕሪ ኣለዎ፡፡ኣውራ ደጋፊ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ እንትኸውን ዕድል እንተረኺቡ እስተድዮም ኣትዩ ኣብ መዓልቲ ዕረፍቱ ናይቲ ዝፈትዎ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ፀወታ ምርኣይ ከም ዝፈቱ ይዛረብ፡፡
ኤሊያስ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘለቶ ፀገም ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኸቢድ ከም ዝኾነን ይኹን ‘ምበር ከም እትስዕርን ይኣምን፡፡ ‹‹ኣብ ዕድመይ ከምዝርኣኽዎ ኢትዮጵያ ኹሉ ግዘ ኣብ ፈተና እያ ዘላ፡ ፡ኣፍቲ ዝሓለፈ እዋን ብዙሓት መናእሰይ ዝተወድኡሉ እዋን ‘ዩ ነይሩ፡፡ካብዚ ተናጊፍና እንተበልና ‘ውን ዓሌታዊ ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት፣
ሕማም መፂኡ መከራና እናርአና ኢና፡፡ካብዚ ዓሌታዊ ሕማም ወፂእና ፅቡቕ ግዘ የምፀአልና ‘የ ዝብል፡፡ዝኾነ እንተኾነ ኢትዮጵያውነት ተሳዒሩ ኣይፈልጥን፡፡ኣብ ዕድመይ ንኢትዮጵያ ዝተፈታተኑ ክጠፍኡ ‘የ ዝርአኹ›› ኢሉ፡፡
ትርሓስ ፍቃዱ
16 ሕዳር 2014 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ