እንስሳት ምስ ሰባት ይረዳድኡ‘ዮም። ነዚ ‘ዩ ድማ ሓረስቶት ንከፍቶም ሽም ዘውፅኡሎም። ከፍቲ ኣሽማቶም ፈሊጦም ተዘይተኣተተዉ ነይሮም ሽም ምውፃእ ኣይመድለየን ነይሩ። ናይ ማሕረስ ኣብዑር ነናቶም ሽም ኣለዎም፤ኣላሕም ‘ውን ነናተን ሽም ኣለወን።
ከፍቲ ምስ ጓሶትን ሓረስቶትን ዝረዳድእሉ ኻሊእ ቋንቋ ‘ውን ኣለዎም። ኣንፈታት ይፈልጡ ‘ዮም። ንኣብነት ሓረስታይ እናሓረሰ እቲ ብዕራይ ናብ ታሕቲ እንተስሒቡ ናይቲ ብዕራይ ሽም ብምፅዋዕ ‹‹ንዓ ውፃእ››ይብሎ። ልዕል በል ማለት ‘ዩ። ብተመሳሳሊ ናብ ላዕሊ እናወፀ ዘፀግም እንተኾይኑ ‹‹ንዓ ውረድ››እናበለ ንኽምለስ ይገብሮ። ሓረስታይ ምስ ዝሕልዎም ከፍትታት ይረዳድእ ‘ዮ። ‹‹ንዓ ላዕሊ፣ታሕቲ፣እተዊ..)ዝብሉ ቃላት ይጥቀሙ። ዝተኣዘዘ ከፍቲ ‘ውን ንዓ ላዕሊ ክወፅእ እንተነይሩ ‹‹ታሕቲ›› እንትብሎ ናብ ታሕቲ ይኸይድ። ብዕራይን ሓረስታይን ግና ግብረ መልሲ ዘለዎም ‘ዮም። ብዕራይን ሓረስታይን ኣብ ዝኾነ እዋን ኣይነፃፀሉን፤ኣይረሓሓቑን።
ኣብ እዋን ማሕረስ እናተወዳደሱ ዝሓረስዎ ኣዝመራ ኣብ እዋን ቐውዒ ድማ ይእክብዎ። ልክዕ ኣብ እዋን ማሕረስ ከምዝበሃል ኣብ እዋን ቐውዒ ‘ውን እቶም ኣብዑር ይውደሱ፤ምኽንያቱ ብዙሓት ዓይነታት ኣዝርእቲ ዝረግፅ ኣብዑር ብምብራይ ‘ዩ። ስርሑ ድማ ‹‹መብረ››ይበሃል። ኣብ እዋን ቐውዒ ዘርኢ እንትእከብ ፈለማ ዓውዲ ‘ዩ ዝልቕለቕ ። ኣፍቲ ዝተለቕለቐ ዓውዲ ዝውቃዕ እኽሊ (መብዛሕትኡ እዋን ጣፍ ) ‘ዩ ። ሽዑ እቶም ኣብዑር ኣፎም ብልሕፂ ይእሰርሞ ናብ ዓውዲ ይኣትዉ። ኣፎም ብልሕፂ ዝእሰር እኽሊ ንኸይበልዑ ‘ዩ። እናረገፁ ድሕሪ ምፅናሕ ዝበልዕዎ ይዳለወሎም። ኣብዑር ናብ ዓውዲ ድሕሪ ምእታዎም ብስርዓት ክዘውሩ ይግበር። እንትዞሩ ኣብ ቕድሚት ዝመርሑ ዓበይቲ ኣብዑር ‘ዮም። ናብ ቕድሚት ዝመርሕ ብዕራይ ቀያሲ (ተላሚ) ይበሃል። ተስታይ (መንእሰይ ብዕራይ)ቀያሲ እንተኾይኑ ብድሕሪት ዘለዉ ኣብዑር ብስነ ስርዓት ክዘውሩ ኣይገብርን።
ካብ መስመር እናወፀ ናብ ማእኸል ወይ ድማ ናብ ወሰን ‘ዩ ዝኸይድ፤ካብዚ ሓሊፉ ድማ ካፍቲ ዓውዲ ዘሊሉ ብምውፃእ ኻልኦቶም ንኽወፁ ይገብር። ሓደ ሓደ እዋን ድማ ኣፍቲ ዓውዲ ኾይኑ ላሕሚ እንተሪኡ ስርሑ ገዲፉ ናብኣ ይጎዪ። ላሕሚ ተዘይኮነትኳ ኻልኦት ከፍቲ ብኡ እናሓለፉ እንተሪኡ ንምግጣም ካፍቲ ዓውዲ ዘሊሉ ይወፅእ። እቲ ቐያሲ ብዕራይ ኣቦ (ዓብዪ) እንተኾይኑ ግና ብስነስርዓት ንኽዞሩ ይገብር። ኣብ ቕድሚት ዘሎ ብዕራይ (ቀያሲ) እናመርሐ ኣብ ድሕሪት ዘለዉ ይስዕቡ። እቲ ዓውዲ ዘካይድ ሰብ ድማ ኣብ ድሕሪት ንዘለዉ ኣብዑር ማእገሮም ሒዙ የዝሮም። ኣብዚ እዋን እዚ ‘ዩ ድማ ግጥምታት ስነ ቃል ዘወርዱ። ማእገር ናይቲ ብዕራይ ሒዙ ዝዘውር ሰብ ሱቕ ኢሉ ኣይዘውርን። ነቶም ኣብዑር ዘወድሱ ግጥምታት እናደርደረ የዚም። እቲ ዝገርም ድማ እቶም ኣብዑር በቲ ዜማ ዝምሰጡ ምምሳሎም ‘ዩ። (ምናልባት ‘ውን ብትኽክል እናተመሰጡ ይኾኑ)። ድምፁ ዓው ኣቢሉ ብማራኺ ዜማ ‹‹ሆሆሆ (እሩሩ) ብዕራይ››ምባል ‘ውን ኽእለት ይደልይ። ስለዝኾነ ድማ ኽእለት ሃልይዎ እሩሩ ብዕራይ ዝብል ሰብ እንተዙሮም ሓደ ብዕራይ‘ኳ ከየፈንገጠ ይዘውር። ብርግፅ ሓደሓደ እዋን ድማ ኣብዑር ክተሓዋወሱ ይድለይ ‘ዩ።
እዚ ድማ እቶም ዝውቅዑ ኣዝርእቲ ቐልጢፎም ንኸድቅቕዎ ‘ዩ። ብዙሕ እዋን እቲ ዓውዲ ዘካይድ ሰብ መንእሰይ እንተኾይኑ ነቶም ኣብዑር እናጋጨወ የመሰቓቕሎም። ብድሕሪት ንዘሎ ብዕራይ ጭርኡ ብምጥዋይ ወይ ድማ ኻልእ ኣካሉ ብምንካእ የጓይዮም። እቲ መኸዳ ዘካይድ ሰብ ዓብዪ እንተኾይኑ ግና ቀስ ኣቢሉ ‘ዩ ዘዛውሮም፤እቶም መናእሰይ ከምኡ እንትገብሩ ድማ ይኽልክሎም። ሆሆሆ(እሩሩ) ብዕራይ እናበሉ ዝደርፉ ‘ውን ዓበይቲ ‘ዮም። ኣብዑር ምንግልታዕን ምጉዳእን ከምዘይብሎም፤ስራሕ ዝስራሕ ብምፅዳፍ ዘይኮነስ ብፍቓድ ፈጣሪ ከምዝኾነ ይኣምኑ።
እሩሩ ብዕራይ እንትብሉ ድማ ከምዝስዕብ ይብሉ። ብዕራይ ብዕራይ እናበልኩ ዝውዝውዞእንጀራ ኣይብላዕን ኣምላኽ ተዘይኣዘዞ። ሐዚ ድማ መወድስ ሽም ኣብዑር ክንጥቁም። ‹‹ማእገረይ›› ብምባል ይፅውዕዎ ማእገረይ ማለት ሓደ ክፋል ሰብነተይ ኢኻ ንምባል ‘ዩ። ብዕራይ ማለት ንሓረስታይ ልክዕ ከም ኣካሉ ማለት ‘ዩ። ብዕራይ እንተሓሚምዎ ወይ ድማ ዝኾነ ነገር እንተኾይኑ ክፋል ሰብነቱ ከምዝሓመመ ‘ዩ ዝስመዖ። ብዕራይ ንሓረስታይ ኹሉ ነገሩ ‘ዩ። ሓረስቶት ብዝተራኸቡ ቑፅሪ ዘውግዑ ብዛዕባ ኣብዑሮም ‘ዮም። ብኣንፃሩ ድማ ብዕራይ ዘይብሉ ሰብ ምስ ሓረስቶት እንትኾን እንታይ ከምዘውግዕ ይሕርብቶ። ብዕራይ ዘለዎ ሓረስታይ ከም ንፉዕ ዝርኣይ እንትኸውን፤ዘይብሉ ድማ ፈቐዶ እንዳ ስዋ ዝዘውርን ሰነፍን ተገይሩ ‘ዩ ዝቑፀር።
ገንዘቡ ‘ውን ብመስተ ይውድእሞ እንትፅገም ናብ ለመና ይአቱ፤ወይ ድማ ሓረስቶት ማሕበር እንትገብሩ እናዘወረ ይቑልብጥ። በዚ ድማ ተረፋተረፍ እንጀራን ስዋን ይወሃቦ። ከምዚ ዝበለ ሓረስታይ ንምትንካፍ እንትድለይ ብዕራይ መኻዳ እንተካይድ ሓረስታይ ማእገር እቲ ብዕራይ ሒዙ ከምዚ ይብል። ብዕራየይ ንዓኻ ዝሰኣኑማእገረይ ንዓኻ ዝሰኣኑ ሓተላ ጨለጡማሕበር ቐላወጡእናበልዎም መፁ መፁ። ሓረስታይ ውዕለታ ብዕራዩ ብምምስጋን ይገልፆ። ብዕራይ ተዘይሃልይዎ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ከምዝወድቕ ብምእማን ከም ህፃን ቖልዓ‹‹እሩሩ›› እናተብሃለ ከም ዝሕዘል ‘ዩ ዝከናኸኖ። ውዕለታ ናይቲ ብዕራይ ድማ ድሕሪ ስራሕ ኣብ ገዛ ተኣኻኺቦም የውግዕዎ። ኣብ እዋን ዓውዲ ድማ ኣብ ዓውዲ ከምዚ ይብሎ። እሩሩ ማእገረይ እሩሩ ማእገረይ ንፃወት ምሸት ንብዕራይ ውዕለታእናበላዕና ጥቕጥቖ ብሰፊሕ ገበታ። ብዕራይን ሓረስታይ ብስምዒት ዝረዳድኡ ‘ዮም ዝመስሉ።
ብዕራይ እንትሕጎስ ይሕጎስ፤እንትኸፍኦ ድማ ይኸፍኦ። እርግፅ ‘ዩ እቲ ሰብኣይ ብታሕጓስ ብዕራዩ ክሕጎስን ብምኽፋእ ብዕራዩ ክኽፋእን ይኽእል ‘ዩ። እቲ ብዕራይ ግና እንስሳ ‘ዩሞ በዓል ቤቱ እንትሕጎስ ይሕጎስ፤እንትኸፍኦ ይኸፍኦ ‘ዩ ተባሂሉ ኣይሕሰብን። እቲ ሓረስታይ ግና ብዕራዩ ምስኡ ከምዝሕጎስን ከምዝኸፍኦን ‘ዩ ዝሓስብ። ነዚ ‘ዩ ድማ ከምዚ እናበለ ዘስቆንቁን። ኣለኒ ሓደ ብዕራይ ከማይ ዝኸፍኦ ናይ ውሽጠይ እንተውግዖ ሳዕሪ ካብ ኣፉ ኣውፀኦ!
እቲ ሓረስታይ ብዝኾነ ኣጋጣሚ ብዕራዩ እንተስኢኑ ሓደ ኣካሉ ከምዝጎደለ እዩ ዝቖፅሮ። ኣዝዩ እዩ ዝድንግፅ። ነዚ እዩ ድማ ከምዚ እናበለ ዘዚም። ብዕራየይ ብዘይካኻ
ማእገረይ ንስኻ ዘይብሉ
ዓይነይ ኣይርእን
እዝነይ ‘ውን ኣይሰምዕን!
ናይ ብዕራይ ስራሕ ካብ ሰብ ይኹን ካብ ኻልኦት እንስሳት ዘቤት ይበልፅ ‘ዩ። ነዚ ‘ዩ ድማ ሓረስታይ ኣዝዩ ዘወድሶ። ኣብ እዋን ማሕረስ ይሓርስ፤ኣብ እዋን ቐውዒ ድማ መኼዳ የካይድ። ነዚ ውዕለትኡ ድማ ከምዚ እናበለ የወድሶ። ብዕራይ ከማኻ ዝሽክርከር
ማእገረይ ከማኻ ዝኸውን መን ኣብ እንዳ ፈታሎ መፍተል ‘ውን ኣይርከብን። ብዕራየይ እንትሰርሕ ማእገረይ እንትሰርሕ ቤተ ክርስትያን ኣትዩ ዝመርሕ ይመስል። እምበኣርከስ ቕድሚ ምዝዛምና ሓደ ነገር ልቢ ንበል፤እዞም ቃላዊ ግጥምታት (ስነ ቃላት) ብቃል ዝተወረሱ ስለዝኾኑ በብከባቢኡ ክፈላለዩ ይኽእሉ ‘ዮም። ብኻልእ ወገን ድማ ጥቅምቲ እዋን ቐውዒ ዝኸውን ኣብ ኹሉ ክፋል እዛ ሃገር ዘይክኸውን ይኽእል። ብፍላይ ኣብ ደጉዓ ከባብታት እስካዕ ጥሪን የካቲትን ዝፀንሕ ‘ዩ።
ትርሓስ ፍቃዱ
ወጋሕታ 9 ሕዳር 2014