ሰብ ጥበብ ሓደ ዝብልዎ ነገር ኣሎ፡ ፡‹‹ኣርቲስት ዝብል ቃል ዘገልግል ንስእሊ’ዩ። ‹‹ኣርት ›› ዝብል እንግሊዘኛ ቃል ንቅርፃ ቕርፅን ፈጠራ ስእልን ስራሕቲ ዝገልፅ ‘ዩ። ርግፅ ካልኦት ኪነ ጥበባት ስራሕ ፈጠራ ‘ዮም፡ ምንም እካል ናይቲ ዘፈር ባዓል ሞያታት ዘከራኽር እንተኾነ ‘ውን ኣርቲስት ዝብል ቃል ግና ንሰኣልቲ ዝኾን ‘ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ግና ደራፈ ይኹን ደራሲ፣ ሰኣሊ ይኹን ተዋሳኣይ ብሓፈሻ ‹‹ኣርቲስት ››ተባሂሉ ‘ዩ ዝፅዋዕ። እዚ ብሓፈሻ እንትኾን ብንፅል ግና ሰኣሊ ፣ድምፃዊ ፣ገጣሚ ተዋሳኢ እናበናልና ምግላፅ ንኽእል ኢና።
ንሎሚ ብዛዕባ ስእሊ ነውግዕ። ስእሊ ካብ ስራሕቲ ጥበብ ኹሉ ናይ መጀመርያ ‘ዩ ክበሃል ይካኣል፣ ምኽንያቱ ጥበብ ስእሊ ካብ ዝግመት ለውጢ ወዲ ሰብ ሓቢሩ ዝፀንሐ ‘የ። እዚ ማለት ካብ ካልኦት ስራሕቲ ኪነ ጥበብ ኹሉ ይቅድም ‘ዩ ማለት ‘ዩ። ነዚ ‘ዩ ስእሊ ልክዕ ከም ደርፍን ካልኦት ባህላውን ዘመናውን ዝብል ምድብ ዘይብሉ።
ጥበብ ኢድ ጥራሕ ስለዝኾነ ቴክኖሎጂ ምዝተቐያየረ ሓቢሩ ዝቕየር ኣይኮነን። ዝተፈላለየ ሰነድ ከምዝሕብሩልና ወዲ ሰብ ገና ኣብ ባዕቲ እናነበረ እንተሎ ዝረዳደአሉ ብስእሊ ‘ዩ። ስእሊ ናይ መጀመርያ መረዳዳኢ ‘ዩ ክባሃል ይካኣል። ነዚ ‘ዩ ክሳብ ሳልሳይን ራብዓይ ብርኪ ክፍሊ መምሀሪ መፅሓፍቲ ስእሊ ዝበዝሖም። ህፃናት ካብ ፊደል ብዝበለፀ ስእሊ ሪኦም ‘ዮም እንስሳት ፣እፅዋትን ዝተፈላለዩ ኣቅሓታት ዝፈልጥዎም። እዚ ባህሪ ስእሊ ናይ
መጀመርያ መረዳድኢ ‘ዩ ንምባል ዘኽእለና። ወዲ ሰብ ብዝፀንሐ ዘመን ኣብ ከባቢኡ ዘስተውዕሎም ነገራት ይስእሎም ነይሩ ‘ዩ። ቅድሚ ፅሑፍን ቋንቋን ቅድሚ ምንባሩ ስእሊ መግለፂ ስምዒትን መግለፅን ሕድ ሕድ መረዳድኢ እናተጠቐመ ንዘመናት ፀኒሑ ‘ዩ።
እዚ ኣብ ዋሻ ውሽጢ ዝተጀመረ ጥበብ ወዲ ሰብ ካብ ዋሻ እንትወፅእ ‘ውን ኣይተረፈን ።የግዳስ እናረቐቐን ዝበለፀ ተፈታዊ እናኾነ መፂኡ ‘ዩ። ወዲ ሰብ ስራሕ ፈጠራ ብስእሊ ጀሚሩ ናብ ቴክኖሎጅን ማሽንን ውፅኢት ኣዕብዩ ‘ዩ። ዝራኣየ ጥራሕ ዝስእል ዝነበረ ብሓሳቡ እናፈጠረ ‘ውን ምስኣል ጀሚሩ ‘ዩ።
ስእሊ ቋንቋ ዓለም ‘ዩ። ርግፅ ኣብዝሓ ክባሃል እንሰምዖ ሙዚቃ ቋንቋ ዓለም ‘ዩ እንትባሃል ‘ዩ። ትኽክል ‘ውን ‘ዩ። ስለዘይተዘረበሉ’ምበር ስእሊ
‘ውን ካብ ሙዘቃ ንላዕሊ ዓለም ቋንቋ ይኾን ‘ዩ። ኣብ ሙዚቃ ድምፂ ኣሎ፡ ግጥሚ ኣሎ ፣ኣብቲ ግጥሚ ውሽጢ መልእኽቲ ኣሎ። ስእሊ ግና ካብዚ ንላዕሊ ‘ዩ። ኣደ እናጥበወት ስእሊ ኣብ ዓለም እንተትዘውር ዝሪኦ ኣደ ክተጥውቡ ከላ ‘ዩ። እዚ ስእሊ ዓለም ለኻዊ ‘ዩ።
ሰኣሊ ክቡር ዶክተር ሎሬት ለማ ጉያ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈለይሉ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት በዚ ሰዓት ‘ዩ ነይሩ። ስእሊ ተራቒቖምሉ ጥራሕ እንተይኾነስ ካልኦት ‘ውን ንክራቐቐሉ ዝገበሩ ‘ዮም። ሰኣሊ ለማ ጉያ ቤተሰቦም ኹሉ ሰኣልቲ ‘ዮም። ናይ ባዕሎም ቤት ትምህርት ስእሊ ‘ውን ኣለዎም። ኣደ ሰኣሊ ለማ ጉያ ስፌት፣ መጋየፂ ኣቅሓ፣ ስራሕቲ ሸኽላ ይሰርሓ ነይረን ‘የን። ኣቅሐአን ተደለይቲ ኾይኖም ‘ዮም ዝግዝኡ።
ወዲ ሰኣሊ ለማ ጉያ ዝኾነ ሰኣሊ ዳዊት ለማ ኣብ ከተማ ብሾፍቱ ቤት ትምህርት ስእሊ ኣለዎ ።እዚ ቤት ትምህርት ስእሊ ብርቂ ከምዝኾነ ግልፂ ‘ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ሃገርና እንኳዕ ባዕሉ ዝኻኣለ ተሪፉ ስእሊ ከም ሓደ ባዕሉ ዝኻኣለ ዓይነት ትምህርቲ ኣይዋሃብን። ብሰኣሊ ዳዊት ለማ ስእልን በገና ቤት ትምህርት ባዕሉ ዝኻኣለ ክፍሊ ትምህርተ ‘ዩ። ዳዊት ለማ ኣብቲ ስእሊ ቤት ትምህርቲ ስእሊ ዘምህሮ ብዝተፈላለየ መገዲ ‘ዩ። እዚ እውን ብሓጋይ ፣ ክረምቲ ፣ዓበይትን ህፃናትን እናተብሃለ እናተኸፋለ ‘ዩ። እዚ ምድብ ድማ ሓደ ፅቡቕ ነገር ኣለዎ። ስሩዕ ትምህርቲ ዝምሃሩ ተምሃሮ ኣብ ክረምቲ ክምሃሩ ይኽእሉ ‘ዮም። ስእሊ ጥራሕ ክምሃሩ ዝደልዩ ኣብ ዝደለይዎ ‘ውን ክምሃሩ ይኽእሉ ‘ዮም። ንህፃናት ተሓሲቡ ዝዋሃብ ትምህርቲ ‘ውን ኣሎ ‘ዩ። እዚ ትምህርት ቤት ከም ኣርት ጋለሪ ከም ስእሊ መቕመጥን መርኣይን ከም ትምህርት ቤት ‘ውን ‘ዩ። ቅድሚ ሓደ ወርሒ ናይ ሰኣሊ ለማ ጉያ ፋውንዴሽን ተመስሪቱ ‘ዩ።
ስእሊ ትኹረት ክግበረሉ ይግባእ። ከም ሓፈሻ ኣብ ሃገርና ንዘፈር ኪነጥበብ እኹል ትኹረት ዘይረኸበ እንተኾነ ‘ውን ስእሊ ግና ካብ ካልኦት ዝገደደ ‘ዩ። ስእሊ ማለት ጂኦሜትሪ ዝባሃል ክፍሊ ሒሳብ ‘ዩ። ፊዚክስ ‘ዩ፤ ኪነ ህንጻ ‘ዩ። ብውልቀ ሰብ ጥራሕ እንተይኾነስ መንግስቲ ‘ውን ንኪነ ጥበብ ትኹረት ክህብ ኣለዎ። ተዘይኾይኑ ሰእልን ሰኣልን ተፈላልዮም ተሪፎም ማለት ‘ዩ። ነዚ ‘ዩ ከም ሰኣሊ ለማ ጉያ ኣደ ዘይተምሃሩ ግና ብቅዓት ዘለዎን ኣደታት ምስክራት ‘የን። ዕርፍን ኣርዑትን ገጣጢሞም ዝሰርሑ ሓረስቶት ምስክር ‘ዮም።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
2 ሕዳር 2014 ዓ.ም ወጋሕታ ጋዜጣ