ጊፋታ ንሰላም፣ ጊፋታ ንባህሊ ቁጠባ

ጊፋታ ሓድሽ ዘመን ወላይታ ‘ዩ። ካብ ኣረጊት ናብ ሓድሽ ምቕያር፣ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን ምስግጋር ዝገልፅ ብስራት ሓድሽ ዓመት እንትኸውን፣ ብሓፈሻ ጊፋታ ዝብል ቃል ትርጉም ቦኽሪ ወይ ዓብይ ማለት ‘ዩ።

ጊፋታ ንወላይታ ብዙሕ ነገር ‘ዩ፣ ብፍላይ ድማ ኽልተ ዓበይቲ ነገራት ‘ዮም። ጊፋታ ሰላም ‘ዩ። ጊፋታ ዕብየት ‘ዩ፤ ኢየሱ ገጃቦ ዝተብሃሉ ኣቦ ጊፋታ ሰላም ሒዙ ይመፅእ ‘ዩ ይብሉ። ምኽንያቱ እዚ ባዓል ማንም ቅር ኢልዎ ምኽባር ኣይኽእልን። ካብ ሰብኣይን ሰበይትን ጀሚሩ ዝኾነ ዝተቐያየመ ሰብ እንተሃልዩ ንበዓል ጊፋታ ይታዓረቕ ‘ዩ። ከይዲ እቲ ዕርቂ በቲ ከባቢ ኣቦታት ናይ ባዕሉ ዝኾነ ስርዓት ኣለዎ።

ጊፋታ ዕብየት ‘ዩ፣ ልምዓት ‘ዩ፣ብልፅግና ‘ዩ፤ ምኽንያቱ ቁጠባ ባህሊ ዘዕብይ ‘ዩ። ንጊፋታ ማንም ተለቂሑ ኣይሓርድን፣ ነውሪ ‘ዩ፣ ዝሓርድ ቆጢቡ ‘ዩ። ቁጠባ ጊፋታ ዝጅምር ካብዚ ዕለት ‘ዩ። ንቀፃሊ ዓመት ማለት ‘ዩ። እዚ ስርዓት በቢቦትኡ ኣሎ። ናይቲ ኸባቢ ኣቦታት ኣብ ዝተረኸበሉ ብዕራይ ይሕረድ ‘ዩ። ኣብቲ ዝተሓረደ ብዕራይ ቆርበት ብር ይድብረይ ። ኣብ ዝቕፅል ዓመት ብዕራይ መግዝኢ ማለት ‘ዩ። እዚ መጀመሪ እንትኾን ቀፂሉ ድማ ውልቃዊ ቁጠባ ይቕፅል ‘ዩ፤ እዚ ድማ እቲ ማህበረሰብ ቁጠባ ባህሉ ገይሩ ‘ዩ።

ጊፋታ ሰላምን ዕብየትን ‘ዩ፣ መንግስትን ህዝብን ዘራኽብ፣ቤተሰብ ዝገብር ‘ዩ። ጊፋታ መንግስቲ ዓመቱ ሙሉእ በቢዘፈሩ እናሰርሐ ዝነበረ ስራሕ ብህዝቢ ዘገምግመሉ ‘ዩ። ብዘጉደሎ ዝውቀሰሉ ብሰናይ ስራሕ ድማ ዝሙገሰሉ ዕለት ‘ዩ። ንደመራ ዝኾን ዕንጨይቲ ዝቑረፅ ብመናእሰይ እንትኾን ዘው ተባሂሉ ናብ ዱር ኣይእተውን። መምርሒ ኣቖራርፃ መምርሒ ዝህቡ ኣቦታት ኣለዉ፣ ‹‹ኦቾሎ››ይባሃል። ሃፍቲ ደን ዝቖፃፀሩ ‘ዮም። ክቑረፁ ዘለዎ ኦም ተመሪፁ ተነጊርዎም ‘ዩ ዝቑረፅ። ጊፋታ ጥዕና ሳይንስ ‘ውን ‘ዩ። እዚ ባዓል እንትመፅእ ቅብኣት ዝበዝሖ ነገር ብሓደ ግዘ ብበዝሒ ኣይውሰድን። ኣብ ከይዲ ‘ዩ ኸብዲ እናላመዱ ዝኸዱ። ቅብኣትነት ዘይበዝሖም ናይቲ ኸባቢ ባህላዊ ምግብታት እናተመገቡ ናብቲ ዋና ባዓል ‘ዮም ይበፅሑ።

ብዛዕባ ጊፋታ ዝተፅሓፉ ሰነዳት ናይ ኣንስትዮን መናእሰይን ፀወታ ከምዘለዎ ይገለፅ። ብሓደ በቢጉጅለ ብምዃን ኮፍ ኢሎም ኸበሮ ብምውቃዕ ‹‹ወላወላ ሎሜ›› ዝመረፅዎ ወዲ ለሚን ብምሃብ ዝምረፅሉ ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ደቂ ኣንስትዮ ንዕርክነት ምስ ዝመረፃኣ ሓደ ለሚን ንኽልተ ዝማቐላሉ ሽመን ክፀዋወዓ ከለዋ ‹‹ሎሜሎሜ›› ዝባሃላሉ ዕለት ፀወታ ጋዜ ኣሩዋ ይባሃል።

እዚ ባዓል ብዙሕ እዋን ዝኽበር ሰንበት እንትኾን ብስራት ሓድሽ መጀመርያ መዓልቲ ‘ውን ‘ዩ። ናይቲ ሓድሽ ዓመት ካልኣይ ነዓልቲ ‹‹ታማ›› ይባሃል። ናይ ሓዊ ሰኒ ይባሃል። በዚ መዓልቲ ሓዊ ካብ ሓደ ገዛ ናብ ካልእ ምውሳድ ኣይካኣልን። ብዓመት ሓደ ግዘ ወላይታ ኣብ ገዘኦም ሓዊ እናነደዱ ዝውዕልሉ ‘ዋን ‘ዩ።

መዓልቲ ሰሉስ ድማ ‹‹ጪሻ ማክሰኞ›› ይባሃል። ዘመድ ንዘመድ ዕምበባ ገልገለ መስቀል ‹‹ኮርማ ጪሻ›› እናተብሃሉ ዕምበባታት ሒዞም እንኳዕ ኣብፀሐኩም እናበሉ ብስራት ሓድሽ ዓመት ዝገልፅሉ መዓልቲ ‘ዩ። ረቡዕ ድማ ‹‹ጋዜ ኦሩዋ›› ብዚ መዓልቲ ናይቲ ሰፈር መናእሰይ ደገኣፍ ሽማግለታት ሃገር ተኣኪቦም ባህላዊ ፀወታ ‹‹ሀያያ ሌኬ›› እናበሉ ማእገር ንማእገር ተሓቋቂፎም ዝፃወትሉን ደቂ ኣንስትዮ ለሚን ብምልማን ዝደለይዋ ዝመርፅሉ ፀወታ ዝፃወትሉ ‘ዩ። ከምዚ እናበሉ ሰሙን ሙሉእ ይፃወቱ።

ሓላፊ መምርሒ ቱሪዝምን ስፖርትን ዞባ ወላይታ ኣይተ ጌታቸው ገቡ ከምብልዎ ባህሊ ጊፋታ ብሕቡራት መንግስታት ትምህርቲ ሳይንስን ባህልን ትካል (ዩ ኔ ስ ኮ) ንምምዝጋብ ኣብ ከይዲ ይርከብ። ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃን ስራሕ ቅድመ ምምዝጋብ ኣብ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ‘ዩ። ካብ ዩኒቨርሲቲን ምስ ባዓል ስልጣን ቅርስን ፅንዓትን ኢትዮጵያ ፅንዓትን ዘተን እናተኻየደ ‘ዩ። ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ መስሕብ ተፈጥሮ ቦታታት ምቹ ብምግባር ፣መሰረተ ልምዓት ምስራሕ ፣ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ማሕበረሰብ ተጠቃሚነት ግንዛበ መጨበጢ ትምህርቲ እናተውሃቡ ‘ዮም።

ኣብ ወላይታ ‹‹የእግዜር ድልድይ››ዝባሀል ሓዊሱ፣ተፈጥሮን ሰብ ሰራሕ ቃላይ ፣መንጫዕጫዕታ ኣጆራ፣ ፍሉሕ ማራ፣ ጎቦ ዳሞታ፣ ኣዕዋፋተን እፅዋት ዘርኢ ዝርከቡ ‘ዮም። ብፍላይ ጎቦ ዳሞታ ክሳብ ኸዚ ብብዙሕ ጎብነይቲ እናተጎብነየ ከምዝፀንሐ ተዛሪቦም ‘ዮም። ኣብ ወላይታ ብዙሓት መባፅሒ ቱሪስት ይሃሉ’ምበር መሰረተ ልምዓት ፀገም ፈተና ከምዝኾነ ግና ኣይተ ጌታቸው ተዛሪቦም ‘ዮም። ብፍላይ ናብ ኣጁራ መንጫዕጫዕታ ዝኸዱ ናይ ወፃዒ ዓዲ ጎብነይቲ ኣፀገሚ ኾይኑ ፀኒሑ ‘ዩ። ኮቪድን ከም ሀገር ዝነበረ ስግኣት ፀጥታ ዘፈር ቱሪዝም ካልእ መሰናኽል ኾይኑ ከምዝፀንሐ ጠቒሶም ‘ዮም። ከምዚ ዓይነት ቱሪስት መባፅሒ ካብ መንግስቲ ኾይነ ማሕበረሰብ ትኹረት ክዋሃሎም ይግባእ። እዞም ቦታታት ሃገር ገፅታ ስለዝሃንፁ ናይ ኹሉ ሃፍቲ ‘ዮም።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ጋዜጣ ወጋሕታ 18 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም

Recommended For You