መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቅልጡፍ መመርመሪ ማእኸል ኮቪድ-19 ከፊቱ

  • ካልኣይ ዙር ክታበት ኮቪድ 19 ንምጅማር ዘኽእል ምድላው ይግበር ኣሎ

 ኣዲስ ኣበባ(ኤፍ ቢ ሲ)፡-መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ መመርመሪ መሳርሒታት ዝተወደበ ማእኸል ኮቪድ-19 ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ከፊቱ።ልኣይ ዙር ክታበት ኮቪድ 19 ንምጅማር ዘኽእል ምድላው ይግበር ከምዘሎ ተገሊፁ፡፡

እቲ ማእኸል ዓማዊል እቲ መገዲ ኣየር በረረኦም ቅድሚ ምጅማሮም ንኽምርመሩን ውፅኢቶም ንኽፈልጡን ከምዘኽእል ተገሊፁ፡፡

እቲ መገዲ ኣየር ምስ ኩባኒያ ቻይና ባዮቴክ፣ ጨንፈር ኩባንያ መፅናዕቲ ዘረመል ቢጂኣይን ቢጂኣይ ሄልዝ ኢትዮጵያን ብምትሕብባር ኢዩ ማእኸል መመርመሪ ኮቪድ ከፊቱ ዘሎ፡፡

እቲ ማእኸል ስምምዕነት መጀመሪ ስራሕ ብዝምልከት ኣብ ናይጄሪያ ስነስርዓት ምንባር ክታም ከምዝተሳለጠ ኦል ኣፍሪካ ብምፅራሕ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ካልኣይ ዙር ክታበት ኮቪድ 19 ንምጅማር ዘኽእል ምድላው ይግበር ከምዘሎ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ወይዘሮ ሰሃረላ ኣብዱላሂ ኣፍሊጠን።

ክታበት ኣስትራዜኒካን ሲኖ ፋርምን ካብ መፈለምታ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ቐዳማይ ዙር ምሃብ ምጅማሩ ይዝከር።

እተን ሚኒስትር ዴኤታ ከምዝበልኡ 5 ነጥቢ 5 ሚሊየን መጠን ዘለዎ ክታበት ካብ ለገስቲ ሃገራት ክኣቲ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።ብመሰረት እዚ ክሳብ ወርሒ ሕዳር 2014 ዓ.ም 20 ሚሊየን ክታበት ናብ ኢትዮጵያ ንምእታው ትልሚ ብምሓዝ ይስራሕ ኣሎ ኢለን።

ኣብ ቐዳማይ ዙር 470 ሺሕ ዜጋታት ክታበት ምውሳዶም ሚኒስቴር ጥዕና ዘውፅኦ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ እቲ ክታበት ካብ ዝወሰዱ ሰባት ዘጋጠመ ፀገም ጥዕና ከምዘየለ’ውን ተዛሪበን።

ወጋሕታ 21 ሚያዝያ 2013

Recommended For You