‹‹ብፈተና ክንሓልፍ ኢና፤ መስዋእትነት ግድን ኣብ ዝብለና ኹሉ ክንፍተን ኢና፤ ኢትዮጵያ ግና ክትስዕር ‘ያ›› – ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

ኣብ ዝሓለፈ 11 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ልዑል ግብሪ ኸፈልቲ ፌደራል ንዝኾኑ ነጋዶታት ስነ ሰርዓት ኣፍልጦ ተኻይዱ’ዩ። ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣፍልጦ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ተረኺቦም ኣብ ዝገበርዎ መደረ ንሃገርኩም ግብሪ ብምኽፋልኩም ኹርዓት ክስመዐኩም ይግባእ መንግስቲ ‘ውን ካባኹም ዓብይ ሓገዝ ይደሊ ‘ዩ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላፎም ‘ዮም። ከምዝስዕብ ድማ ኣቕሪብናዮ ኣለና።

ኹሉ ግዘ እንተተፈተና ‘ውን ብደስታን ብዓወትን ንራኸብ ኢና፣ ዝኸበርኩም ምስራቕ ተፀይፍኹም ብምስራሕ ዝግበአኩም ኣትሪፍኩም ዘይግበአኩም ንዝግበኦ ኣካል ምሃብ ዝተለማመድኹም ዓሚ ዝተሸለምኹም ሎሚ ዝተሸለምኩም ኣብ ቐፃሊ ዓመት ‘ውን እትሽለሙ ተኣመንቲ ግብሪ ኸፈልቲ ምሽላም ስለዝኾነልኩምን ምሽላም ስለዘይውሰደኩም እንኳዕ ደስ በለኩም ክብል ይፈቱ።

ምኽፋል ግብሪ ሃገር ምፉታይ ባዕልኻ ምኽባር ናፅነት ምድላይ ዝግበአካ ወሲድኻ ዘይግበአካ ምሃብ ቅንዕ ኢልካ ናይ ዘይምሽምቓቕ ድልየት ውፅኢት ‘ዩ። ብዙሓት ተኣመንቲ ግብሪ ኸፈልቲ ብንግዲ ስርዓት ምብልሻው ምኽንያት ይጉድኡ ‘ዮም ፣ብዙሓት ግብሪ ብዘይምኽፋል እናታለሉ ዝበለፀ ጥቅሚ ይረኽቡ ‘ዮም ዝብል ስምዐታ ይቐርብ ‘ዩ። ግና ጌጋ’ዩ። ሕጋዊ ብዝኾነ መልክዑ ዝግባእ ኸፈልኩምን ኣይኸፈልኩምን ምኽፋልኩም ኣይተርፍን። ሓደ ሓደ ንኢትዮጵያ መንግስትን ህዝብን ዝግበኦም ኸፊሎም ደቂሶም ይሓድሩ፣ሰሪቕኻ ደቂስካ ኣይሕደርን፤ ዝሰረቑ ሰባት ኣብዚ ተዘይኸፈሉ ‘ውን ኣብ ቐፃሊ ኣብ ዘይግባእ ቦታ ይኸፍሉ፣ ይምንጠሉ ‘ዮም።

ዝግበአና ዝለፋዕናዮ ወሲድና ተወሳኺ ምኽፋል ናፅነት ጥራሕ እንተይኾነስ ጡረተኛ መንእሰይ ዘይምኻን ድልየት ‘ዩ። ኣዴታት እንትወልዳ ምጥዋብ ግቡአን ‘ዩ፣ ልዕል እንትብል ድማ ንወደን ምብላዕ ምኹላስ ልማደን ‘ዩ፣ ሓደ ሓደ ዘይተዓደለ ቤተሰብ መንእሰይ ጥሮተኛ ኾይንዎም ኣብ ኣርባዓ ዓመቱ ኣደይ ዓሰርተ ቕርሺ ኣለኪ ዶ ኢሉ ይሓትት፣ ኣዲኡ ኣብ ዝሕግዘሉ እዋን ብህፃንነቱ ጡብ ጠብዩ ዓብዩ ምስ ጎርመሰ ‘ውን ዘይብላ ካብ መቐነታ ፈቲሓ እትህብ ሓደ ሓዲኡ ዝልምን ሓደ ሓዲኡ ድማ ዘገድድ ኣሎ።

ግብር ምኽፋል ዘይኽሉ ሰባት ከም ጡረተኛ መንእሰይ ‘ዮም። ማንም ሰብ ንግዲ እንትጅምር ካብ መንግስቲ ሕጋዊ ፍቓድ ይዋሃቦ፣ ንግዲ እትጅምር ዝጥቀመሉ መገዲ ቅድሚ ኸዚ ዘነገዱ ዝሰርሕዎ መገዲ ‘ዩ፣ ዝረኽቦ ግልጋሎት ምንም እኳ ደካማ እንተኾነ ደመወዝ ዝኽፈሎም ሰባት ‘ዮም ዘገልግሉ፣ እሱ እናሰርሐ ሃፍቲ እናረኸበ እንትኸይድ ንቐፃሊ ወለዶ ዘገልግል ‘ዩ። ኾይኑ ግና ከም ሓደ ሓደ ጡረተኛ ጎረምሳ ኣብ ሓደ ሓደ ቤተሰብ ከምዘለዉ ኹል ኣብ ናትና ስርዓት ንግዲ ድማ መጀመርያ ንግዲ እንትጅምሩ ኣብ ሓሙሽተ ይኹን ዓሰርተ ዓመት እናጭበርበሩ ኢትዮጵያ ኣምፅኢ እናበሉ ንዓኺ ግና ኣይግበአክን ዝብሉ ሰባት ኣለዉ።

እዚ ኣብ ግብሪ ምኽፋል ጥራይ ኣይኾነን ዝገጥመና ዘሎ ጎንፂ ሰላም ምድፍራስ ኣብ ገዝኡ ኢዱን እግሩን ኣጣሚሩ ተቐሚጡ ሰላም ኣምፅኡ ዝብል ኣሎ። ኢትዮጵያ ኣምፅኢ ዝብላ ኣይሳኣነትን ፣ወረርቲ ‘ውን ኣምፅኢ ‘ዮም ዝብልዎ። ካብ ወፃኢ ክገዝእዋን ክዘረፍዋን ዝደልዩ ኣምፅኢ ‘ዮም ዝብልዋ ንሕና ደቃ ምዃና ዝፈልየና ዝግበአና ወሲድና ዝግባኣ ምሃብና ‘ዩ።

ወታደር ነሃገሩ ድሕንነትን ሰላምን ህይወቱ ይህብ ፣ደሙ የፍስስ፣ ኣዕፅምቱ ይክስክስ፣ ብዙሓት እግሮም ፣ ኢዶምን ዓይኖምን ንኢትዮጵያ ክብሉ ስኢኖም ‘ዮም እናሳኣኑ ‘ውን ‘ዮም። እዚኦም ሰባት ይበልዑ ይሰትዩ ቤተሰብ ‘ውን ኣለዎም፤ ክሕገዙ ይግባእ፤ ካብ ተኣማኒ ነጋዶታት ህይወት ንክትህቡ ትፅቢት ተዘይተገበረ ‘ውን ህይወትን ኣካሎምን ንዝሃቡ ግና ዝግበኦም ክፍሊት ምርካብ ንክኽእሉ ግቡኦም ክዋፅኡ ኣለዎም። መንግስት ካብ ዜጋታቱ ዝግበኦ ግብሪ እንተዘይረኺቡ ከም ሰብ ገፅ እናገረፎ እናለመነ ፣ እናተኻፈለ ዝነብር ውልቀ ሰብ ፣ ብዜጋታታን ብሃገርን ዝስራሕ ግብሪ ዘይትረክብ ሃገር ድማ ዘለዎም ዝተረፎም ሃገራት ገፅ እናራኣየት እኹል ዘይኾነ ነገር ንምምፅእ ትግደድ ‘ያ። ስለዚ ተኣሚንኩም ግብሪ ንዝኸፈልኩም፣ በቢዓመቱ ተሸለምቲ ዝኾንኩም ፣ምኽፋል ባህልኽም ዝገበርኩም፣ንኢትዮጵያ ግብሪ ኸፈልቲ መርኣያ ዝኾንኩም ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ዝነበርኩም ሓደሽቲ’ውን ዝተሓወስኹም ንስኻትኩም ንኢትዮጵያ ባዓል ውለታ ስለዝኾንኩም ኣነን ህዝቢ ኢትዮጵያን የመስግነኩም ‘ዩ።

ናትና መንግስቲ እቲ ዓብይ ድልየት ክማኻትኩም ምዃን ‘ዩ። ናይዚ መንግስቲ እቲ ዓብይ ዕላማ ቦቒሉ ፣ዓብዩ ክማኹም ምዃን ‘ዩ። ብዝግበአና ልክዕ ኣገልጊልና ከይሰረቕና ካብ ልብና ሰሪሕና ግዜ እንትበፅሕ ድማ ከማኻትኹም ተመስጊና፣ ከማኻትኩም ዝተኣመንናን ዝተሳኸዐን ግልጋሎት ዘመን ንክኾነልና ድማ ኣብ መወዳታ ከምዝተሸለሙ ሰለስተ ውልቀ ሰባት ስርቂ ዘይደልዩ ጥራሕ እንተይኾነስ ሌብነት ዝዋግኡ ግብሪ ኸፈልቲ የድልዩ ‘ዮም።

ግብሪ ዘይኸፍሉ ለያቡ ንዓኻትኩም ኣይትስረቑ ግብሪ ኽፈሉ እናበሉ ካብ መቐነት ሃገር ዝሰርቑ ናይ መንግስቲ ሰረቕቲ ብሓባር ምውጋእ ከምንኽእል ኣብ ዝቕፅል ዓመት ሰለስተ እንተይኾነስ ሰለስተ ሚኢቲ ስርቂ ዝዋግኡ ንምሽላምን ኣብ ጎንኹም ጠጠው ንምባልን ዘለና ቁርፀኝነት በዚ ኣጋጣሚ ክገልፅ ይፈቱ። ግብሪ እንትትኸፍሉ ለያቡ ዘይተጋለፁ እንተኾይንኹም ግና ግብሪ እናኸፈልና ኢና ኢልኹም ኣይትሕሰቡ። ምኽንያቱ ካባኹም ብዘይግባእ ግብሪ ዝተኣከበ እንተሃልዩ መንገዲ እንትስራሕ መብራህቲ እንትስራሕ ሆስፒታል እንትስራሕ ተመሊሱ ይስረቕ ‘ዩ። ነዚ ‘ዩ ኮንደሚንየም ፅሬት ዘይብሉ፣

 መንገዲ ፅሬት የብሉን ፣ሰረቕቲ በቢቦትኡ እንትበርከቱን ኸዚ ድማ ጭራሽ ስርቂ ክብርን ባህልን ከምዝኾነ ምንም ምሽምቓቕ ከይተሰመዖም ወፂኦም ዝሰርቁ ለያቡ ፣ ብዛዕባ ስርቂ ኣብዚሖም ዝዛረቡ ስለዝበዝሑ እዚኦም እንተናኣሰ ንምቕናስ ተኣሚንኩም ግብሪ ምኽፋል ጥራሕ እንተይኾነስ ምሳና ኾይንኩም ስርቂ እንትንቕንስን ንሕና ‘ውን ትፅቢት ዝግበረልና ግልጋሎት ንክህብ ናታትኩም ሓገዝ ዘድልየና ምዃኑ ክንገልፀልኩም ይፈቱ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ኸዚ ዘለናዮ ኩነታታ ብዙሕ መገዲ ትፍተን ‘ያ ፤ግብሪ ብዘይኸፍሉ ሰባት መሊሶም ኢትዮጵያ ብዝወግኡ ሰባት ፣ ካብ ኢትዮጵያ ካብ ዝዘርፉ ሰባት ፣ካብ ኢትዮጵያውያን ዝሰርቁ ባዓል ስልጣናት እዚ ፈተና ብዙሕ ‘ዩ። እዚኦም ዝሰርቁ ግና ክጠፍኡ ‘ዮም ኢትዮጵያ ክትብልፅግ ‘ያ። ብፈተና ክንሓልፍ ኢና ፣ መስዋእትነት ግድን ኣብ ዝብለና ኹሉ ክንፍተን ኢና ኢትዮጵያ ግና ክትስዕር ‘ያ።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ጋዜጣ ወጋሕታ 18 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም

Recommended For You