ኣዲስ ኣበባ፡- ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣብዚ ሰሙን እዚ ክልል ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ዓለም ናይ ኢትዮጵያ ሓቒ እናተገንዘበ ምምፅኡ ዘመላኽት ከምዝኾነ ውሃቢ ቓል ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣፍሊጦም፡፡
ኣምባሳዶር ዲና ሙፍቲ ቕድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ ሰሙናዊ መግለፂ፣ ሰሜን ክፋል ሃገርና ብዝምልከት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣብዚ ሰሙን እዚ ቕድሚ ሕዚ ካብ ዘውፀኦ ዝነበረ ፍልይ ዝበለ መግለፂ ኣውፂኡ ኣሎ፡፡
እቲ መግለፂ ቕድሚ ሕዚ ካብ ምዕራባውያን ዝንፃባረቑ ዝነበሩ ኣሉታዊ ርኢቶታት ትኽክል ከምዘይነበረ ዘርኢ እዩ፡፡ ዓለም ናይ ኢትዮጵያ ሓቒ እናተገንዘበ ምምፅኡ ዘርኢ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም፡፡
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መግለፂኡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ እናቐረበ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣፍልጦ ዝሃበ እዩ ዝበሉ ኣምባሳደር ዲና፣ እቲ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ክፋል ሃገርና ዘሎ ጉዳይ ዋላ ሓንቲ እናሰርሐ ኣይኮነን ዝብል ናይ ምዕራባውያን ርኢቶ ውድቒ ዝገበረ ከምዝኾነ ጠቚሞም፡፡
እቲ መግለፂ ሉኣላውነት ኢትዮጵያ ብዘኽበረ መልክዑ ናይ ሓባር መፍትሒ የድሊ እዩ ዝብል ሓሳብ ኣንፃባሪቑ እዩ፡፡ ናፃነት ኢትዮጵያ ዘኽበረን ኣብ መሬት ዘሎ ሓቒ ዘገናዘበን ብምዃኑ ሚዛናዊ ምዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተረዲእዎ ኣሎ ኢሎም፡፡
መግለፂ እቲ ቤት ምኽሪ ሓገዝቲ ትካላት ሰብኣዊ መሰል ብዝሓለወ መልክዑ ዝውሃቡ ሓገዛት ክውስኹ መልእኽቲ ዝተመሓለፈሉ ብምዃኑ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓሳብ ዝደገፈ ኣካይዳ ከምዘለዎ ኣፍሊጦም፡፡
ብፍላይ ኣብ ጀርመን፣ዩጋንዳን ካልኦት ኣውሮፓ ሃገራት ዝርከቡ ኤምባሲታት ሰበ ስልጣናት፣ ምሁራንን ፍሉጣት ሰባትን ብዘማዕኸለ ኩነታት ብምዝርራብ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሓቒ ንምርዳእ ፃዕሪ ተገይሩ እዩ፡፡
ብኻሊእ ወገን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ግድብ ህዳሰ ይኹን ዶብ ከምኡ’ውን ምስ ናይ ትግራይ እዋናዊ ኩነታት ተተሓሒዙ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ፅዕንቶታት ንምቕናስ ዝግበር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ምቕፃሉ ኣፍሊጦም፡፡
ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ምምሕያሽ ከምዘሎ፣ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ንምፅራይ ምስ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕ ምብፃሑ ብምንኣድ፣ሉላዊነት ኢትዮጵያ ፣ፖለቲካዊ ነፃነትን ዶባዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ዘኽብር ምዃኑን፣ ንፃዕሪ ሕብረት ኣፍሪካን ኢጋድን ንኢዱ ገሊፁ ምንባሩ ይዝከር፡፡
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 21 ሚያዝያ 2013