በዓል ኢሬቻ ብመንፅር ቱሪዝም

ስርዓት ገዳ ኣብ ዩኔስኮ ኣብ ዘይድህሰሱ ባህላዊ ቅርስታት ደቂ ሰባት ዝተመዝገበሉ ሰነድ መግለፂ ስርዓታት ተባሂሎም ብዙሓት ባህላዊ ስፍራታት፣ ፍፃመታት፣ በዓላትን ትካላትን ተዘርዚሮም’ዮም።ካብ መንጎ እዚኣቶም ጉሚታት ወይ ድማ ኦዳታት/ኣኼባታት ገዳ ዝካየዱሉ ስፍራታት፣ ኢሬቻ፣ ሲንቄ፣ ሞጋሳ፣ ጉዲፈቻ፣ እቶም ውሑዳት ‘ዮም።እዞም ባህላዊ ስፍራታትን ትካላትን፣በዓላትን ስነ ስርዓታትን ስርዓት ገዳ ብዕሊ ብጭቡጥ ዝግለፀሎምን እሴታት ስርዓትን ፍልጠት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍሎም ስፍራታት ኹነታትን ህዝባዊ በዓላት ‘ዮም።ብኻልእ ኣገላልፃ ዘይድህሰሱ ባህላዊ ቅርስታት ጭቡጣት መረዳእታታት ‘ዮም።ብምዃኑ ድማ 2003 ኣ.ፈ ብመሰረት ኮንቬሽን ኹሎም መግለፅታት ግቡእ ሓለዋን ተፈጥሮን ይህልዎም።ኣብ ስልትታት ሓለዋ ስርዓት ገዳ ብዘየሻምይ ኹነታት ተገሊፁ ‘ዩ።

ኹሎም ዝድህሰሱ ቕርስታት ዝድህሰሱ ግኡዝ ኣካላት ብዘይምዃኖም ስልቲ ሓለዋ ቕርሲ ብጭቡጥ ዝርኣዩ መግለፂ ቅርስታት ወይ ድማ መሳርሒ ስፍራታት ምሕላውን ምልማዕን፤መግለፂ ክብረ በዓላት፣ሳዕስዒታት፣ ደርፍታት፣ ፀወታታት፣ኣበሃህላታት፣ መጋየፅታት፣ ፌስቲቫላት ወዘተ… ምክንኻንን እዋኖምን ላዝኦምን ንኽግበሩ ኣብ ምግባር ትኹረት ይገብር።ቕርስታት ብቐፃልነት ንወለዶ ዝመሓላለፉ እዞም መግለፅታት ሓለዋ ክረኽቡ እዮም።

በዓል ኢሬቻ ኣብ ዓመት ኽልተ ግዘ ዝኽበር በዓል ምስጋና ህዝቢ ኦሮሞ ‘ዩ።እቲ በዓል ምስ ምልውዋጥ ተተሓሒዙ ኣብ ሩባታት/ኣብ ወሰን ሩባታት ወይ ድማ ኣብ ጎቦታት ይኽበር።እቲ በዓል ምስ ኦሮሞ ሃይማኖት (ዋቄ ፋታ) ተተሓሒዙ ከምዝተጀመረን ንሽሕ ዓመታት እናተኸበረ ነይሩ ተባሂሉ ይእመን።

ኢሬቻ በዓል ምስጋና ‘ዩ።ህዝቢ ኦሮሞ ኹሉ ነገር ንዝፈጠረ ሰብ፣ እንስሳ፣ መሬትን ሰማይን፣ ቐትርን ለይትን፣ ሩባታትን ባሕርን፣ ብርሃንን ፀልማትን፣ ማይ፣

 እፅዋት፣ ህይወትን ሞትን ንዝፈጠረ፣ ኹሉ ነገር ምግባር ንዝኽእል ዋቃ (ኣምላኽ) ምስጋናን ክብርን ዘቕርበሉ ስርዓተ በዓል ‘ዩ።ንዝረኽቦ ፀጋን በረኸትን፣ ሰላምን ደስታን፣ ጥዕናን ዕድመን፣ ፍቕርን ክብርን ንዝኣምነሉ ሓደ ዋቃ (ኣምላኽ) ምስጋና ዘቕርበሉ ስርዓተ በዓል ‘ዩ።ካብ ዘበን ናብ ዘበን ካብ ሓደ እዋን ናብ ኻልእ እዋን ብሰላም ዘሰጋገሮ ኣምላኹ ዘመስግነሉ መፃኢ እዋኑ ናይ ሰላምን ደስታን ንክኾነሉ ዝልምነሉ ስርዓተ በዓል ‘ዩ።ኣብ መንጎ ፈጣርን ፍጡርን ዘሎ ርክብ ስርዓቶም ሓልዮም ንክቕፅሉ ይልምኑ።

ኣብዚ በዓል ንሰላም፣ ኣብ መንጎ ሰብን ተፈጥሮን ንዘሎ ርክብ፣ ንወለዶ፣ ንጥዕና፣ ንኣዝርእቲ፣ ንእንስሳትን ንኣራዊትን፣ ንዝናብን ኣየርን፣ ንእፅዋትን ተኽልን፣ ንስድራ፣ ንዓሌት፣ንሃገር፣ንመላእ ዓለምን ንድሕንነት ደቂ ሰባትን ፈጣሪኡ ንምምስጋን፣ ንምልማን፣ ንዕርቂ፣ ንይቕረታ፣ ንሰላም፣ ንፍቕሪ፣ ንሓድነት፣ ንሓውነት፣ ዝዝከረሉ መዓልቲ በረኸትን ቃልኪዳንን ‘ዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ኢሬቻ ሓበራዊ በዓል ባህልን ታሪኽን ህዝቢ ኦሮሞን፣ ሓድነቱን ሕውነቱን ዝገልፀሉ ዝሕድሰሉ ዘጠናኽረሉ መድረኽ ‘ዩ።ኣርኣእያ ፖለቲካ ፆታ፣ ኣፈላላይ ሃይማኖት ከይዓገቶ መግለፂ መንነቱ ባህሉን ታሪኹን ዝዝክረሉ በዓል ‘ዩ።በዚ መንፅር ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኽበሩ ሃይማኖታዊ በዓላት ይኹን ባህላዊ በዓላት ብኣሳታፍነቱ እሬቻ ዝወዳደሮ የለን።በዚ መዳይ ዘይድህሰስ ባህላዊ ቕርሲ መግለፂ መንነት ሓደ ህዝቢ ከምዝኾነ ኢሬቻ ሓደ መረጋገፂ ‘ዩ ክበሃል ይከኣል።

በዓል ኢሬቻ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝኽበር እንተኾነ ‘ውን ንዝሓለፉ ዒስራ ዓመታት ህዝቢ ኦሮሞ ብሓንሳብ ኾይኖም ዘኽብርዎ ኣብ ከተማ ብሾፍቱ ሆራ ኣርሳዲ (ቃላይ ኣርሳዲ)’ዩ ተኸቢሩ።ኣብ ኣርሳዲ ዝኽበር በዓል ኢሬቻ ካብ መላእ ኦሮሚያ ልዕሊ ብሚሊየን ዝግመት ህዝቢ ዝሳተፈሉ ክብረ በዓል ‘ዩ።ኣወዳት፣ ኣዋልድ፣ ህፃውንቲ፣ ሽማግለታት፣ ኣፈላላይ ፖለቲካን ሃይማኖትን ከይወሰኖ፣ ራሕቒ ቦታን ግዘን ከይገደቦ ህዝቢ ኦሮሞ ዝሳተፉሉ ዓብዪ በዓል ‘ዩ።

ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ መስከረም ዝኽበር በዓል ኢሬቻ ሆራ ኣርሳዲ ትኹረት ኹሉ ህዝቢ ኦሮሞ ‘ዩ።ኣብዚ እዋን ኹሎም መንገድታት ናብ ብሾፍቱ የምርሑለዉ።ኣብ ኢትዮጵያ 5 ሚሊዮን ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ሃይማኖት ዝኣምን ህዝቢ ንሓደ ዕላማ ንሓደ በዓል ብሓደ ግዘ ናብ ሓደ ቦታ ዝጉዓዙሉ ኽስተት ‘ዩ።

እዚ ኣብዛ ሃገር ንዝተወሰነ እዋን ዝግበር ጉዕዞ፤ ሓደ ገፅታ ቱሪዝም ውሽጢ ዓዲ ‘ዩ።ኣፍቲ ዝግበር ምንቅስቓስ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ብቑጠባ ሃር ዝንቀሳቐስ ‘ዩ።ኣብዚ ቱሪዝም ውሽጢ ዓዲ ካብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ኦሮሚያን ምስ ኻልኦት ክልላት ነቲ በዓል ንምኽባር እንትንቀሳቐሱ ንትራንስፖርት ምግብን መስተን ንዝተፈላለዩ መዘናግዕታት ዘውፅእዎ ገንዘብ በብሊዮን ብር ዝቑፀር ከምዝኸውን ምግማት ኣየኸብድን።

ግምታዊ ኣብነት እንተወሲድና ኣፍቲ በዓል ዝሳተፍ 3 ሚሊዮን ህዝቢ ንትራንስፖርት፣ ምግቢ፣ ንባህላዊ ኣልባሳትን መጋየፅታትን ወዘተ ሕድሕድ ሰብ ብማእኸላይ ብር 1000 እንተውፂኡ ብሓፈሻ 3 ቢሊዮን ብር ኣብ ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ፈሰስ ተገይሩ ማለት ‘ዩ።በዚ ኹነታት ኻልኦት ዘፈራት ኢኮኖሚ ከም ትራንስፖርት፣ ሆቴል፣ ኢደ ጥበብ፣ ንግድን መሰል ትካላትን ዘነቓቕሕ ‘ዩ።እዚ ገንዘብ ፍትሓዊ ስርጭት ኣለዎ።ካብ ኣናእሽተይ ወሃብቲ ግልጋሎት እስካዕ ዓበይቲ ትካላት ተኸፈልቲ ‘ዮም።

እዚ በዓል ናይ ባዕሉ ስርዓት ኣከባብራን ኣፈፃፅማን ኣለዎ።ብኣባ ገዳታትን ኣባ መልካታትን ዝፍፀም መስዋእቲ ምስጋና፣ ፀሎት፣ ምርቓት፣ ዕርቂ፣ ብማይ ምጥማቕን ወዘተ እቶም ውሑዳት ‘ዮም።ኣፍቲ ኣከባብራ በዓል ብመናእሰይ ኣወዳትን ኣዋልድን፣ ብህፃውንትን ዓበይትን፣ ምስ ኣባገዳታት ብሕብረትን ብውልቀን ዝዝመር ሕብረ ዜማ፣ ደርፍታት፣ ሳዕስዒታት፣ ስነ ስርዓት መርዓን ይፍፀም።ዝተፈላለዩ ዓሌታት ኦሮሞ ብናይባዕሎም ባህላዊ ስልቲ ሳዕስዒት ኣከዳድናን ኣጋይፃ፤ ባህላዊ ምግቢ ዝተፈለየ ፅባቐን ድምቀትን ይህቡ።ባህልን ሕብርን፤ ብዙሕነትን ሓድነትን ኦሮሞ ኣብ ሓደ ቦታ ዝርኣየሉ ፍሉይ በዓል ‘ዩ።እዚ ባህላዊ ፌስቲቫል ወፃእተኛታ ቱሪስታት ኣዝዮም ዝደልይዎ ግርም መስሕብ ክኸውን ዝኽእል ዓቕሚ ኣለዎ።

‹‹ፊንፊኔ ሆራ ኢሬቻ››ኣብ 2014 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሳልሳይ ግዘ ተኸቢሩ ‘ዩ።ብሄርን ብሄረሰባትን ኣብዚ በዓል ብበዝሒ ተረኺቦም እቲ በዓል ብሓድነት ኣኽቢሮሞ እዮም።ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ 5 ሚሊዮን ህዝቢ 5 ቢሊዮን ዝኸውን ገንዘብ ኣብ ፊኒፊኔን ዙርይኣን ዘለዉ ከተማታት ይፈስስ።እዚ ዝኣክል ገንዘብ ኣብ ውሑዳት መዓልታት እንትፈስስ ኢኮኖሚ ሃገርን ከተማን ዘነቓቕሕ ‘ዩ።

ትርሓስ ፍቃዱ

11 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ጋዜጣ  ወጋሕታ

Recommended For You