‹‹መንግስቲ ፀገም መነባብሮ ህዝቢ ንምፍታሕ ተሪር ስጉምቲ ክውሰድ ይግበኦ›› – ኣይተ ተሻለ ንጉሰ

ኣይተ ተሻለ ንጉሰ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትግራይ ዲሞክራቲክ ፓርቲ (ትዴፓ) ‘ዮም። ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ተወሊዶም ኣብ ዓድዋ ዝዓበዩ እንትኾኑ ካብ ቐዳማይ ክሳብ 12 ክፍሊ ‘ውን ኣብ ዓድዋ ቤት ትምህርቲ ንግስተ ሳባ ‘ዮም ተማሂሮም። ኣይተ ንጉሰ 12 ክፍሊ ምስ ወድኡ ኣብ 1974 ዓ.ም ኣብ ኣስመራ መሰልጠኒ መምህራን ሰልጢኖም ንዝተወሰነ ግዜ ብመምህርነት ኣገልጊሎም ‘ዮም። ኣብቲ እዋን ዝነበረ ስርዓት ደርጊ ብምቕዋም ኣብ 1975 ዓ.ም ናብ ቓልሲ ህወሓት ብምፅማር ደርጊ ንምውዳቕ ናይ ባዕሎም ግደ ተፃዊቶም’ዮም። ኮይኑ ግና ድሕሪ ደርጊ ምውዳቑ ህወሓት ዝኽተሎ ዝነበረ ኣካይዳ ስለ ዘይጠዓሞም ካብ 1984 ዓ.ም ጀሚሮም ካብቲ ውድብ ብምውፃእ እናተቓለሱ ፀኒሖም ‘ዮም። እምበኣርከስ ኣይተ ተሻለ ዘለዎም ነዊሕ ፖለቲካዊ ተሞክሮ ንኸካፍሉና ኣብ ወድዓዊ ኩነታት ሃገርና ኣመልኪትና ፃኒሕት ብምግባር ከም ዝስዕብ ብምስንዳእ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

 ወጋሕታ፡- ኢትዮጵያ ሓዱሽ መንግስቲ መስሪታ እኒሃ፤ ካብዚ ሓዱሽ መንግስቲ እዚ እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ?

ኣይተ ተሻለ፡- መንግስቲ ካብ ከይዲ መረፃ ጀሚሩ ፅቡቕ እናተጓዓዘ መፂኡ ‘ዩ፤ ፍትሓዊን ዲሞክራስያውን ዝኾነ መረፃ ብምክያድ ኣብዚ ብርኪ እዚ በፂሑ ‘ዩ።ተናሕናሕቲ ፓርቲታት ብናፃነት ዝተሳተፍሉ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ።እዚ ዘሪአካ ድማ ኣብ ወሳኒ ዲሞክራስያዊ ምዕራፍ ምብፃሕና ‘እዩ።በዚ መሰረት ኩልና ከም እንፈልጦ ኢትዮጵያ ኣብ 2014 ዓ.ም ሓዱሽ መንግስቲ ኣጣይሻ ‘እያ። ኣነ ከም ዝመስለኒ ካብዚ ሓዱሽ መንግስቲ እዚ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ምምሕያሽ፣ ሰላምን ሓድነት ህዝብን ቖላሕታ ገይሩ ክሰርሕ ኣለዎ እብል፡፡

ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ኣለዎ ክብል እንተለኹ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ኣብ ዓብዪ ፀገም ‘ዩ ዘሎ።ህዝቢ መነባብርኡ ክመሓየሽ ተስፋ ገይሩ ‘ዩ ሓዱሽ መንግስቲ መሪፁ ዘሎ።ኣብቲ ናይ ሓዱሽ ምስረታ መንግስቲ እዋን ክብርቲ ፕረዚዳንት ሳህለወርቕን ክቡር ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ፀገም መነባብሮ ህዝቢ ክፍታሕ ከም ዝግበኦ ኣስሚሮምሉ ‘ዮም።ኩነታት ናብራ ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ።መነባብሮ እንተዘይተስተኻኺሉ ድማ ኣብ ሰላም ናይ ባዕሉ ፅልዋ ከሐድር ይኽእል ‘ዩ።ኩነታት መነባብሮ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ብምኻዱ ህዝቢ ኣብ ምምራር ‘ዩ ዘሎ።ፀገም ህዝቢ እንተዘይተፈቲሑ ሰላም ክናጋዕ ይኽእል ‘ዩ፡፡

ብኣንፃር ስነ ልቦና ህዝቢ ኢትዮጵያ ብታሪኽ ከትርኢ እንተለኻ ከኣሊ ስለ ዝኾነ ‘ዩ ‘ምበር ኣብ መነባብሮ ቐሊል ዘይባሃል ፀገም ኣሎ ‘ዩ።ኣብ ሓደ ሓደ ዓድታት ብምኽንያት ፀገም መነባብሮ ሰላም ዝተናገዐሉ ኩነታት ኣሎ ‘ዩ።ስለዚ ፀገም መነባብሮ ህዝቢ ምፍታሕ ማለት ኣብ ሓንቲ ሃገር ሰላም ምስፋን ማለት ‘ዩ።ፀገም መነባብሮ ንምፍታሕ ተሪር ስጉምቲ ክውሰድ ይግበኦ።ምኽንያቱ እዚ ፀገም እዚ ሰብ ስራሕ እዩ።ቐዳምነት ብምሃብ ክፍታሕ ይኽእል ‘ዩ።እዚ ኢኮኖሚያዊ ውግእ ‘ዩ።ኣብ ኢኮሞሚ ፀገም እንተሃልዩ ሰላም ከስእን ይኽእል ‘ዩ። መነባብሮ ህዝቢ እንተዘይተፈቲሑ መሰረታዊ ፀገም ከስዕብ ስለ ዝኽእል እዚ ከም ናይ ውግእ ኣካል ገይርካ ክረአ ኣለዎ።እዚ ብኣንፃር ሰላም ምርኣይ ኣድላይ ‘ዩ፡፡

መንግስቲ መነባብሮ ህዝቢ ኣብ ዝኸፍአ ብርኪ ክበፅሕ እንተሎ ሰላምን ሓድነትን ህዝቢታት ክፈታተን ዝኽእል ምዃኑ ብምርዳእን ከምኡ ‘ውን ናይ ምንባር ሕቶ ስለ ዝኾነ ኣብዚ ትኹረት ገይሩ ከም ዝሰርሕ ኣስሚርሉ ‘ዩ።እዚ ንኽትግበር ድማ ህዝቢ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ብምዃን ሓጋዚ ክኸውን ክኽእል ኣለዎ፤ ምኽንያቱ ህዝቢ ንመንግስቲ እንተዘይ ሓጊዙ መንግስቲ ጥራሕ ንኹሉ ፀገም ክፈትሖ ዝኽእል ኣይኮነን።

ሕዚ ሃገርና ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ፀገም ‘ያ ዘላ።ከምዝፍለጥ ብሰንኪ ህወሓት ሃገርና ኣብ ውሽጢ ኩናት ‘ያ ዘላ።ህወሓት ንመንግስቲ ጎቲቱ ናብ ኩናት ክኣቱ ገይርዎ ‘ዩ።ጁንታ ህወሓት ናይ ሽፍታ ሓይሊ ‘ዩ።እዚ ሓይሊ ናይ ደገ ሓይሊ ‘ውን ንኽኣትዉ በሪ ከፊቱ ኣሎ።በዚ ሓይሊ እዚ ተዓዲሙ ዝኣተወ ናይ ደገ ሓይሊ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ፀቕጡ እናሓየለ መፂኡ ‘ዩ።ኣሜሪካ ብተናፀል ማዕቐብ እትገብረሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ።ምዕራባውያን ‘ውን ናይ ባዕለን ፀቕቲ ንምዕራፍ እናፈተና ‘የን ዘለዋ።

እቶም ፀቕቲታት እዚኦም ኣብ ሃገርና ሰላም ኣስኢንካ ከም እኒ ባዓል ሊብያን የመንን ዝመሳሳላ ሃገራት ንምብትታን ‘ዩ።ይኹን ‘ምበር እዚ ፀቕጢ እዚ ዝሳኻዕ ኣይኮነን።ምኽንያቱ ጠንካራ መንግስቲ ‘ዩ ዘለና።ናይ ውሽጥና ሰላምን ሓድነትን ምስኣን ናይ ደገ ኢድ ኣእታውነት ‘ዩ ዝዕድም።ስለዚ እዚ ሓዱሽ መንግስቲ እዚ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ምስ ጂንታ ህወሓት ዘሎ ኩናት ክውደኦ ኣለዎ።እዚ ኩናት እዚ ክውዳእ እንድሕር ኮይኑ ድማ ዓብዪ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ።ሰላም ዝፈታታኑ ሓይልታት፣ መንግስቲ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ከጥፈኦም ክኽእል ኣለዎም።መንግስቲ እዚ እንተዘይገይሩ ፀገም ኩነታት ሰላም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበኣሰ ምኻዱ ዘይቐሪ ጉዳይ ‘ዩ።መንግስቲ እንተይፈተወ ተጎቲቱ ናብ ኩናት ኣትዩ ‘ዩ፤ ስለዚ እዚ ኩናት እዚ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብምውዳእ ሰላም ከረጋጋፅ ‘ዩ ተስፋ ዝገብር።እዚ ሓይሊ እዚ ክሳብ መወዳእታ ክጠፍእ እንድሕር ኮይኑ መንግስቲ ምስ ፖለቲካዊ ሓልታትን ህዝብን ብሓባር ብምስራሕ ከጥፈኦ ይኽእል ‘ዩ።ኩናት ዝደሊ ሓይሊ ብዝደለዮ ክተኣናገድ ናይ ግድን ‘ዩ።ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌዴራልን ዘሎ ፀገም ብሰላም ንምፍታሕ ባህሪ ህወሓት ዝፈቕድ ኣይኮነን።መንግስቲ ምስ ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባት ዘለዎ ርክብ ፅቡቕ ‘ዩ ዘሎ።እዚ ተቓራሪብካ ንምስራሕ ድማ ንሃገር ጠቓሚ ‘ዩ።

ብሄራዊ ሓድነት ‘ውን ተጀሚሩ ኣሎ ‘ዩ ፤ እዚ ድማ ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ።ድሕሪ ለውጢ መንግስቲ ናይ ምምይያጥ ባህሊ እናተኣታተወ እዩ ዘሎ።መንግስቲ ምስ ተናሕናሕቲ ፓርቲታት ሓቢሩ ይሰርሕ ኣሎ።እዚ ቕድሚ ሕዚ ኣይነበረን።ዝሓለፈ መረፃ ብጣዕሚ ዝተፈርሐ ‘ዩ ነይሩ።ኮይኑ ግና ዲሞክራስያዊን ኣሳታፊን ብምንባሩ ብሰላም ክዛዘም ክኢሉ ‘ዩ፤ ውሕሉል ኣመራርሓ መንግስቲ ብምህላዉ ብሰላም ክዛዘም ምኽኣሉ ድማ ኣብ ዝሓሸ ዲሞክራስያዊ ምዕራፍ ምብፃሕና ‘ዩ ዘመላኽት።እዚ ንቐፃሊ ዓብዪ ተስፋ ‘ዩ።ተናሕናሕቲ ፓርትታት ናይ ሓሳብ ኣፋላላይ እናሃለዎም ተሳንዮም ይቕፅሉ ኣለዉ ‘ዮም።እዚ

 ድማ ኣፋላላይካ ሒዝካ ብሰላም ምቕፃል ማለት ሓቢርካ ምስራሕ ስለ ዘሎ ንዕቤት ሃገርና ዓብዪ ተስፋ ‘ዩ።ናይ ሓሳብ ኣፋላላይ ሃልዩካ ሓደ ምዃን ከም ዝከኣል ዝተረኣየሉ ኩነታት ‘ዩ፡፡

ሓድነት ክህሉ እንተኾይኑ ሰላም ክህሉ ኣለዎ፤ ሰላም እንተሃልዩ ሓደ ምዃን ይከኣል ‘ዩ።ስለዚ መንግስቲ ኣብ ብሄራዊ ሓድነት እናሰርሐ መፂኡ ‘ዩ እዚ ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ።ኢኮኖሚ፣ ሰላምን ሓድነትን ክመፅእ መንግስቲ በቲ ሒዝዋ ዘሎ ኣንፈት በርቲዑ ክቕፅለሉ ኣለዎ።ዘላቂ ሓድነት ክህሉ መንግስቲ ቖላሕታ ሂቡ ክሰርሕ ‘ዩ ትፅቢት ዝግበር።መንግስቲ ምስ ተፈላላዩ ኣካላት ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ባህሊ ጀሚርዎ ኣሎ ‘ዩ።እዚ ኣወንታዊ ኮይኑ ግና ንደሓር ከይ ምለስ ተጣናኺሩ ክቕፅል ይግባእ።ሓድነት እንተሃልዩ ሰላም ኣሎ፤ ሰላም እንተሃልዩ ሓድነት ኣሎ ‘ዩ። እዚ ንምዕባለ ኢኮኖሚያዊ ሃገር ወሳኒ ‘ዩ።መንግስቲ ምስ ተናሕናሕቲ ፓርቲታት ቕድሚ ሕዚ ጀሚርዎ ዘሎ ናይ ምይይጥን ምርድዳእን ኩናታት ቐፃልነት ንኽህልዎ ቖላሕታ ሂቡ ክሰርሕ ትፅቢት ይግበር።እዚ ንደሓር ክምለስ የብሉን።ኩሉ ነገር ብሰላማዊ መገዲ ምኻድ ጠቓሚ ‘ዩ።ጎንፂ ምልክት ድሕረት ስለ ዝኾነ መንግስቲ ሒዝዎ ዘሎ ኣንፈት ብጣዕሚ ጠቃሚ ‘ዩ፤ ስለ ዝኾነ ድማ ቐፃልነት ክህልዎ ህዝቢ ተሓባባሪ ክኸውን ኣለዎ።

ወጋሕታ፡ መንግስቲ ኣብ ቐረባ እዋን ኣብ ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝወሰዶ ስጉምቱ ከመይ ተመልኪቶሞ?

ኣይተ ተሻለ፡- ምዕራባውያን ሃይማኖት ወይ ሰብኣዊ ሓገዝ ምኽንያት ገይሮም ጣልቓ ናይ ምእታው ባህሊ ኣለዎም ‘ዩ።ኣብ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሃገር ተለኣኣኽቶም ተጠቒሞም ኢድ ናይ ምእታው ብተዳጋጋሚ ኣብ ናይ ታሪኽ ባህሎም ይረአ ‘ዩ።ገሊኦም ፀገማት ንሳቶም ኣትዮም ዝፈጥርዎ ፀገማት ‘ዮም።ሰለልቲ ብምውፋር ብፅንዓት ዝተደገፈ ገይሮም ‘ዮም ዕላመኦም ዝፍፅሙ።ኣብዚ ሕዚ ዘለናዮ ኩነታት ምዕራባውያን ዝደለይዎ ልክዕ ከም ኣብ ካልኦት ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ዝደልይዎ ተግባር ‘ዮም ዝሰርሑ ዘለዉ።ኣብ ተፈላለዩ ሃገራት ሰላም ናይ ምስኣን ተግባራት እናሰርሑ መፂኦም ‘ዮም።ንኣብነት ኣብ እኒ በዓል ሊብያን የመንን ዝመሳሰላ ሃገራት ምርኣይ ይከኣል ‘ዩ።እዚ ኣባና ‘ውን ከትግብርዎ እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ።

እዞም ኣካላት እዚኦም ናይ ረድኤት መኻይን ኣብ ትግራይ ኣትየን እንትቐርያ እንተለዋ ምንም ኣይበሉን።ብዛዕባ እዚ ክዛረቡ ዘይምኽኣሎም ድማ ካሊእ ትርጉም ከምዘለዎ ‘ዩ ዘመላኽት።ብዛዕባ ሸውዓተ ሰራሕተኛታት ትካሎም ምብራር ግና ተዛሪቦም ‘ዮም።እዚ መንግስቲ እዚ ሉኣላዊ መንግስቲ ‘ዩ።ዝኾነ ዝኣትው ኣካል ብሕጊ ናይታ ሃገር ክግዛእ ‘ዩ ዘለዎ።ስለዚ መንግስቲ ናይ ሰላምን ድሕንነትን ማሕቡር ገይሩ ኣፅኒዕዎም ‘ዩ፤ ብዘፅነዖ መሰረት ድማ ፀገም ስለ ዝረኸበሎም ስጉምቲ ወሲዱ ኣሎ፤ እዚ ድማ ግቡእ ‘ዩ።ዋላ ጥርጣረ እንተሃልይዎ ‘ውን ከባርሮም መሰሉ ‘ዩ።ብኻሊእ ሰብ ተክኡ ክብል መሰሉ ‘ዩ።ዝረኸቦ ጭቡጥ ነገር ከከም ኣድላይነቱ ንህዝቢ ግልፂ ይገብር ኣሎ ‘ዩ።

እዞም ሸውዓተ ሰባት ክባረሩ እንተለዉ እቲ ትካል ካልኦት ተኪኡ ‘ዩ ከስረሖ ዘለዎ።ምኽንያቱ ምትካእ ‘ዩ ቀሊል መፍቲሕኡ።ንምንታይ ተባረሩ ኢልካ ካሊእ ፀገም ምፍጣር ኣድላይ ኣይኮን።ምዕራባውያን ይኹኑ መንግስቲ ኣሜሪካ ዘዐገርግሩ ዘለዉ እቶም ዝተባረሩ ኣካላት ተልእኾ ኢድ ኣእታውነት ንምፍፃም ኣገደስቲ ስለዝነበሩ ‘ዩ።ካሊእ ትርጉም ወይ ተልእኾ እንድሕር ዘይብሉ ነዚኦም ምብራር ማለት ኣካቢድካ ዝረአ ኣይኮነን፤ እዚኣቶም እኮ ናይ ሓደ ትካል ረድኤት ሰራሕተኛታት ‘ዮም።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሓለፈ ሰሙን ብቐዳይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተሸሙ ኣባላት ካቢኔ ወይ ሚኒስትራት ልመናን ስርቕን ንምጥፋእ ከም ዋና ተልእኾ ገይሮም ክወስድዎ ከም ዘለዎም እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ኣተሓሳሲቦም ‘ዮም።እዚ ከመይ ተመልኪቶሞ?

ኣይተ ተሻለ፡- ቕድሚ ሕዚ ብፍላይ ኣብ ዘመነ ኢህወዴግ ናይ ግዕዝይና ተግባራት ብጣዕሚ ተስፋሕፊሖም ነይሮም ‘ዮም።ከም ኣብቲ ግዜ ንሱ ግዕዝይና ተስፋሕፊሑ ኣይፈልጥን።ሱር ሰዲዱ ዝነበረሉ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ።ኣብ ዘመነ ሃይለ ስላሴ ጉቦ ከትህብ እንተኾይንካ ነቲ ጉቦ ዝህበልካ ሰብ ‘ዩ ዝድለ ነይሩ።እዚ ‘ውን ንምርካብ ከቢድ ‘ዩ ነይሩ።ስለምንታይ እንተይልና ግዕዝይና ኣይድፈርን ነይሩ።ኣብ ደርጊ ‘ውን ዝተጋነነ ግዕዝይና ኣይነበረን።ኣብ ዘመነ ኢህወዴግ ግና ሓደ ነገር ክተፍፅም ገና ካብ በሪ ጀሚርካ ብግልፂ ጉቦ እናሃብካ ኢኻ እትሓልፍ።ፍትሒ ናብ ዕዳጋ ቐሪቡ ‘ዩ ነይሩ።እዚ ከይዱ ከይዱ ንኢህወዴግ ክፈርስ ገይርዎ ‘ዩ።ሕዚ ‘ውን እዚ ሓዱሽ መንግስቲ እዚ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ቖላሕታ ሂቡ ተዘይሰሪሑ ናብቲ ቕድሚ ሕዚ ዝነበረ ሓደጋ ክኣቱ ይኽእል ‘ዩ።ስለዚ ናብዚ ከይንኣቱ መንግስቲ ማሓውሩ ከፅሪ ይግባእ።ዝነበሩ ኣዋጃት ይኹኑ ካልኦት ነገራት ክልውጥን ከማሕይሽን ኣለዎ።ከም ናይ ቕድሚ ሕዚ ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ቦታ ከጥፍእ እንተሎ ናብ ካሊእ ቦታ ወሲድካ ምሻም ዘዋፅእ ኣይኮነን።ዘጥፈአ ኣካል ቐጥታ ብሕጊ ዝጥየቐሉ ኩነታት ‘ዩ ክህሉ ዘለዎ።ስለዚ እቲ ዝተዋህ መተሓሳሰቢ ብጣዕሚ ዝድገፍን ዝናኣድን ሓሳብ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ኩነታት ዲፕሎማስያዊ ፀገም ኣጋጢምዋ ‘ዩ።እዚ ንምቕልባስ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ?

ኣይተ ተሻለ፡- ሕዚ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ስራሕቲ ክልተ ነገር ኣሎ፤ እቲ ሓደ ህወሓት ዝመርሖ ዝነበረ መንግስቲ ዳርጋ ን30 ዓመታት ብናይ ባዕሉ ኣንፈት ናይ ባዕሉ ስራሕቲ እናሰርሐ ዝመፀሉ ኩነታት ኣሎ ‘ዩ።ንቕድሚት ዝኸውን ኣብ ግምት ብምእታው ሱር ዝሰደደ ስራሕቲ እናሰርሐ ዝነበረ መንግስቲ ‘ዩ ነይሩ ህወሓት።ህወሓት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ናይ ምዕራባውያን ተላኣኣኺ መንግስቲ ‘ዩ ነይሩ፤ ነዚ ‘ዮም ምዕራባውያን ዝድግፍዎ ዘለዉ።ህወሓት ብኣንፃር እዚ ‘ዩ ዝንቐሳቐስ ዘሎ።እዚ መሊእኻ ንምጥፋእ ቐሊል ኣይኮነን ናይ ባእሉ ግዜ የድልዮ ‘ዩ።

ኣብ ናይ ዲፕሎማሲ ስራሕቲ ጠንኪርካ ምስራሕ ኣድላይ ‘ዩ።እቲ ሓዱሽ መንግስቲ ኣብዚ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ኣለዎ።ኣብ ዲፕሎማሲ ስራሕቲ ዝሰርሑ ኣካላት ብቕዓት ክህልዎም ይግባእ።በዚ ምኽንያት እዚ ትኹረት ገይርካ ምስራሕ የድሊ ‘ዩ።ዓቕሚ ዘይብሎም ኣብቲ ናይ ቑልፊ ጉዳያት ወፃኢ ክተዋፍሮም እንተለኻ ከም እቲ ትደልዎ ዘይክትዕዎት ትኽእል ኢኻ።ኣብዚ ኩነታት እዚ መንግስቲ ሓዱሽ ስራሕቲ ዝጀመሮም ኣለዉ ‘ዮም፤ ነዚ ኣጣናኺሩ ክቕፅለሉ ይግባእ።መንግስቲ ሰባት ኣብ ክእለትን ብቕዓትን መሰረት ገይሩ ክምድብ ኣለዎ።ኣብ ሞያን ልምድን ዝተደረኸ ስራሕቲ ዘይምስራሕ ዘዐውት ኣይኮነን።ኣብ ቐረባ ግዜ ፅቡቓት ለውጥታት ኣለዉ ‘ዮም፤ እዚኦም ብዘለውዎ ክቕፅሉ ኣለዎም።ካሊእ ሓድነት ህዝቢ ክጠናኸር ኣለዎ።ሐድነትና እንተጣናኺርና ኢድ ኣእታውነት ደገ ትርጉም ክህልዎ ኣይኽአልን ‘ዩ።ሓድነት ምጥንኻር ናይ ባዕሉ ኣወንታዊ ፅልዋ ኣለዎ ‘ዩ።መእተዊ ዝፍጠር ሓድነት ህዝቢታት እናላሕለሐ እንተኸይዱ ጥራሕ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ተናሕናሕቲ ኣካላት ኣብ ተፈላለዩ ዝላዕለ መንግስታዊ ሓላፍነት ክሳተፉ ገይሩ ‘ዩ፤ እዚ ኣሳታፋይነቱ ከመይ ሪኦሞ?

ኣይተ ተሸለ፡- መንግስቲ ምእንተ ሰላም ሃገር ተናሕናሕቲ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ከሳትፍ ክኽእል ኣለዎ።እዚ ድማ ይገብሮ ኣሎ ‘ዩ።ሃገር ሰላም ከትኸውን

 እንተኾይና ተቐራሪብካ ምስራሕ ኣድላይ ‘ዩ።ቕድሚ ሕዚ ተናሕናሕቲ ፓርቲታት ከም ፀላኢ ‘ዮም ዝረኣዩ ነይሮም።ሕዚ ግና እዚ ምዕራፍ እዚ ተዓፅዩ ኣብ ሓዱሽ ምዕራፍ ኢና ዘለና።ኩሉ መንግስታዊ ሓላፍነት ንበይንኻ ምሓዝ ክህሉ የብሉን።ከምዚ እንተኾይኑ ሓቢርካ ሃገር ናይ ምቕያር ዕድል ኣይህሉን።እዚ ድማ ንሃገር ውድቐት ‘ዩ።

እዚ ኣብ ክልል ኣምሓራን ሲዳማን ከምኡ ‘ውን ኣብ ፌዴራል ተናሕናሕቲ ፓርቲታት ይሳተፉ ኣለዉ ‘ዮም።ንኣብንት ከም ኣብን፣ ኢዜማን ኦነግን ዝበሉ ኣባላት ፓርቲታት ምጥቓስ ይከኣል።እዚ ፅቡቕ ጅማሮ ‘ዩ፤ ንቐፃሊ ‘ውን ክልመድ ክኽእል ኣለዎ።እዚ ኣካይዳ እዚ ንሰላም ዘለዎ ግደ ልዑል ‘ዩ።ሓቢርካ ሃገርካ ናይ ምልማዕ ዕድል ዝኸፍት ‘ዩ። ኣብዚ ሓቢርካ ምስራሕ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ፀገም ንምፍታሕ ‘ውን ናይ ባዕሉ ግደ ኣለዎ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ሓዱሽ መንግስቲ እዚ ተጠቃሚ ክኸውን እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ?

ኣይተ ተሻለ፡- ክሳብ ሕዚ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ህወሓት ኣብ ውግእ ‘ዩ ዘሎ።ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክፍታሕ እንተኾይኑ እቲ ኩናት ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ክውዳእ ክኽእል ኣለዎ።ህዝቢ ትግራይ ከም ካልኦት ክልላት መረፃ ኣካይዱ ወከልቱ ናብ ፌዴራል ክልእኽ እንተኾይኑ መጀመርያ እቲ ኩናት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክውዳእ ኣለዎ።ከምዚ ክኸውን ድማ ፖለቲካዊ ሓይልታት፤ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሓጋዚ ክኸውን ‘ዩ ዝግበኦ፡፡

ህዝባዊ ተሳትፎ እንድሕር ዘይሃልዩ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምውዳእ ኣፀጋሚ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ።ስለዚ መንግስቲ ዝሓዞ ንፁር ኣንፈት ህዝቢ ክኽተሎ ‘ዩ ዘለዎ።ካልኦት ክልላት ናይቲ ለውጢ መንግስቲ ተጠቐምቲ እናኾና እየን ዘለዋ፤ ህዝቢ ትግራይ ግና ንደሓር ‘ዩ ዝምለስ ዘሎ።ሕዚ ድማ ኣብዚ ሓዱሽ መንግስቲ እዚ ተጠቓሚ ክኸውን ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ክሳተፍ ኣለዎ፤ እዚ ጉዳይ እዚ ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ዝድርበይ ኣይኮነን።መንግስቲ ህዝቢ ትግራይ ካብ ህወሓት ናፃ ክኸውን ይሰርሕ ኣሎ ‘ዩ።እዚ ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ።

ህዝቢ ትግራይ ምስ ጎረባብቱ ክልላት ሰላም ክኸውን ኣለዎ።ብሰንኪ ጉጅለ ህወሓት ክፃላእ የብሉን።ህወሓት ምስ ህዝቢ ኣፋርን ኣምሓራን ክበኣስ እናገበረ ‘ዩ ዘሎ።እዚ ድማ ኮነ ኢሉ ህዝቢ ኣብ ጎኑ ንምስላፍ ‘ዩ።ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌዴራል ክስለፍ መንግስቲ ዝተፈላለዩ ሜላታት ተጠቒሙ ከባራብሮ ኣለዎ።ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ ህወሓት ዘይስለፈሉ ስራሕቲ ክስርሑ ኣለዎም።መንግስቲ ኣብ መንጎ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዘሎ ገመድ ክብጥሶ ኣለዎ።ህወሓት ብዓቅሚ ህዝቢ ትግራይ ምውዳቑ ኣይተርፍን ‘ዩ።መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ንህወሓት ክድርብዮ የብሉን።በቲ ጀሚርዎ ዘሎ ኣካይዳ ኣሐይሉ ብምቕፃል ቐልጢፉ ናፃ ከውፀኦ ‘ዩ ዝግባእ።

ህዝቢ ትግራይ ሓገዝ ህዝቢ ኢትዮጵያ የድልዮ ‘ዩ።ንህወሓት ንምድምሳስ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ንህዝቢ ትግራይ ሓራ ዘውፅእ ‘ዩ።እዚ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ግምት ከእትዎ ይግባእ። እዚ ንምሕፃር ድማ ህዝቢ ትግራይ በዓሉ ተሳታፊ ክኸውን ይግበኦ።ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፓርላማ ክውክሎ ዝኽእል ነገር የለን።ምኽንቱ እዚ ሓይሊ እዚ ሓኒቑ ሐዝዎ ‘ዩ ዝኒሀ።ከምዚ ክኾን እንተኾይኑ መጀመርያ እቲ ሓይሊ ንሱ ክጠፍእ ኣለዎ።እቲ ኩናት እንተዘይ ሓፂርሉ ህዝቢ ትግራይ ዝፅበዮ ተስፋ የብሉን።ናይ መወዳእታ ተስፍኡ እቲ ኩናት ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ክውዳእ እንተሎ ‘ዩ ተጠቓሚ ክኸውን ዝኽእል።

ወጋሕታ፡- ኣብ ምስረታ ሕዱሽ መንግስቲ ቑፅሮም ዘይነዓቕ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ተሳቲፎም ነይሮም ።እዚ ብዓይኒ ዲፕሎማሲ ዘለዎ ረብሓ ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ ተሻለ፡- ኣብታሪኽ ኢትዮጵያ ንመጀመርያ ግዜ ዳርጋ ክባሃል ዝኽእል ‘ዩ ከምዚ ዓይነት ርኢና። እዚ ኣብ ናይ ታሪኽ ምስረታ ሓዱሽ መንግስትና ንመጀመርያ ግዜ ቑፅሮም ዘይነዓቕ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ተሳቲፎም ‘ዮም።እዚ ንሃርና ኣብዪ ትርጉም ኣለዎ።ምሕዝነት ሃገራት ኣፍሪካውያን ዘጣናኽር ‘ዩ። ኢትዮጵያ ሱራ ኣፍሪካ ‘ምበር ኣውሮፓ ኣይኮነን።ናይ ዲፕሎማሲ ሱርና ኣፍሪካ ‘ዩ።

ሩባ ኣባይ እንተሪእና ናይ ኣፍሪካ ሃገራት ‘ዩ እናቋረፀ ዝኸድ ‘ምበር ናይ ኣውሮፓ ሃገራት ኣይኮነን።ስለዚ ምስ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ምሕዝነት ማለት ንጉዳይ ኣባይ ‘ውን መዕለቢ ንኽረክብ ዝሕግዝ ‘ዩ።ምኽንያቱ ግድብ ኣባይ ጉዳይ ኣፍሪካ ‘ዩ ‘ምበር ጉዳይ ኣውሮፓ ወይ ኣሜሪካ ኣይኮነን።እቶም መራሕቲ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ደጋጊሞም ብፅቡቕ ከልዕልዋ ተዓዚብና ኢና።ኢትዮጵያ ኣዴና እያ ኢሎማ እዮም።ንኢትዮጵያ ዘለዎም ክብሪ ብዝግባእ ገሊፆማ ‘ዮም።ኣፍሪካ ንኢትዮጵያ ጥንካረኣ እያ።እዚ ንመፃኢ ‘ውን ምስ ኣፍሪካ ዘህልወና ርክብ ብሩህ ተስፋ ከምዝኸውን እዩ ዘማላኽት፡፡

ወጋሕታ፡-ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየለይልና።

ኣይተ ተሻለ፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

11 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ጋዜጣ  ወጋሕታ

Recommended For You