‹‹ከተማ ድሬዳዋ ብኹሉ መዳይ ኣብ ምንቕቓሕ ትርከብ›› ኣይተ ሮቤል ጌታቸው ሓላፊ ዘፈር ፖለቲካን ውዳበን ብልፅግና ከተማ ድሬዳዋን ኣማኻሪ ከንቲባን

ኣዲስ ኣበባ፡- ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ኣብ ምቅስቃስ ኢንቨስትመንት፣ምክልኻል ኮቪድ-19ን ሰላምን ፀጥታን ውፅኢትዊ ስራሕቲ ተሰሪሖም እዮም ክብሉ ሓላፊ ዘፈር ፖለቲካን ውዳበን ብልፅግና ከተማ ድሬዳዋን ኣማኻሪ ከንቲባን ኣይተ ሮቤል ጌታቸው ገሊፆም ፡፡ ከም ብልፅግና ፓርቲ መረፃ ነፃ፣ ፍትሓውን ተኣማንነትን ንምግባር እናተሰርሐ እዩ ኢሎም፡፡

ድሬዳዋ ምስ ኢንዱስትሪ ነባር ዝኾነ ምትእስሳር ዘለዋ ከተማ እያ፣ቅድሚ ኸዚ ብዙሓት ኢንዱስትሪታት ስለዝነበሩ እቲ ሕብረተሰብ ባህልን ልምድን ዘለዎ እዩ ዝበሉ ኣይተ ሮቤል፣ኣብዚ ኸዚ እዋን ብዙሓት ኢንቨስትመንት ምስፍሕፍሖም ብፍላይ ድማ ብኢንዱስትሪ ምስታፎም እዚ ተኸቲሉ ድማ ኣብቲ ከተማ ነበርቲ ዝኾኑ መናእሰይ ስራሕ ዕድል ብምፍጣር ኣብዚ ኸዚ እዋን እናተነቃቀሐ ዘሎ ዘፈር ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡

ኮቪድ-19 ፈተና ካብ ዝኾኑዋ እታ ሓንቲ ከተማ ድሬዳዋ ከምዝኾነትን እዚ ተኸቲሉ ብዙሓት ናይ ምምሃር፣ሕክምና ማእኸላት ፣መወሸቢ ማእኸል ብስፍሓት እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ዝሓበሩ እቶም ኣማኻሪ ከንቲባ፣ ኮቪድ-19 ኣብ ድሬዳዋ ኢንቨስትመንት ፣ኢንዱስትሪ ፣ምስ ንግድን ቱሪዝም ተደሓሒዙ ዓብይ ፅዕንቶ ከምዝፈጠረን እዚ ስዒቡ ሰፊሕ ግንዛበ ዘጨብጡ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑን ግቡኡ ጥንቓቐ ተገይሩ መፈረያይነት ጠጠው ንከይብል እናተኸላኸልና ክነቐፅል ንኽእል ኢና ብዝበል ናብ ስራሕ ብምእታው ውፅኢት ክመፅእ ክኢሉ እዩ ኢሎም፡፡

ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ኣፅጋቢ ብዝባሃል መልክዑ ሰላምን ፀጥታን ዘረጋገዐ ስራሕቲ ከምዝሰርሐ ዘፍለጡ ኣይተ ሮቤል ፣ድሬዳዋ ብርክት ዝበሉ ብሄርን ብሄረሰባት መንበሪት ከተማ ስለዝኾነት ዝተፈላለዩ ቋንቋ ተዛረብቲ  ዝሓቖፈት ፣ዝተፈለላዩ ሃይማኖት ተኸባቢሮም ብፍቕሪ ዝነብሩላ ከተማ ምዃና ናይ ነዊሕ እዋን መግለፂኣ እዩ ፣እዚ መግለፂኣ ግና ኣብ ዝሓለፈ ዝነበረ ፖለቲካ ኩነታት ብሃይማኖትን ብሄርን ዘኣመሰሉ ጎንፅታት ብምቕስቃስ ሰፊሕ ዝኾነ ምዝራግ ሰላም እናተስተውዓለ ከምዝፀንሐ ገሊፆም እዮም፡፡ምስዚ ተደሓሒዙ ፀጥታ ብዝምልከት ሰፊሕ መሓውር ዝሰርሐ እንትኸ’ውን ኣብዚ ከይዲ ፀገም ዝፈጥሩ ኣካላት ብምፍላይ ዝሓሸ መሓውር ብምህናፅ ምስ ማሕበረሰብ ሰፋሕቲ ዘተ በምግባር ዝሓሸ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ወሲኾም ገሊፆም ፡፡

መረፃ ብዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዙሓት መረፃታት ተገይሮም እዮም ኾይኑ ግና ነፃ፣ ፍትሓውነትን ብቡዙሓት ተኣማንነትን ዘይምህላው ፀገም ከምዝነበረ ዝገለፁ ኣይተ ሮቤል ፣ከም ፓርቲ ብልፅግና ኣብ እዋን ለውጢ መሰረታዊ ዝኾነ ዲሞክራሲ ንምትካል ናይ መፈለምታ ትልሙ እዩ ፣ኣብ ድሬዳዋ ብልፅግና ሓዊሱ ትሽዓተ ተነሓናሕቲ ፓርትታት ከምዘለዉን መራፂ ህዝቢ ዲሞክራሲያውን ነፃን ብዝኾነ መገዲ መረፃ ካርድ ብስፍሓት እናወሰደ ከምዝርከብን ካብ ዝሓለፉ ግዝያት ዝሓሸ ምቅስቃስ ከምዘሎ እቶም ሓላፊ ኣብሪሆም ፡፡

ድሕሪ ለውጢ ድሬዳዋ እትማሓደረሉ ቻርተር ለውጢ ንምግባር ምስ ህዝቢ ዘተ ተገይርሉ ዕብየት ድሬዳዋ ብዘፋጥን መልክዑ ስራሕቲ ምምሕያሽ እናተሰርሐ ከምዝኾነን ቅድሚ ለውጢ ድሬዳዋ ብኽልተ ፓርቲ እትምራሕ ዝነበረት ከተማ እንትትኸውን ድሕሪ ለውጢ ግና ሓደ ውህድ ፓርቲ ስለዝተፈጠረ ኣብ ከተማና ጉዳይ ብሓደነት እንውሰነሉ እዋን እዩ ዝበሉ ኣይተ ሮቤል፣ ድሕሪ እቲ ለውጢ ኣብ ከተማ ምንቅቃሕ ተፈጢሩ እዩ ኢሎም እዮም፡፡

መሰረት ገ/ዮሃንስ

 ወጋሕታ 21 ሚያዝያ 2013

Recommended For You