ሓዱሽ ምንቕቓሕ ተወዛወዝቲ

እቲ ዝሓለፈ ዓመት ንዓውዲ ኪነ ጥበብ ፅቡቕ ነይሩ እንተተብሃለ ምግናን ኣይኸውንን፡፡ ኾነ ተባሂሉ ዝተረሰዐ ዘፈር ኪነ ጥበብ ሐዚ ትኹረት መንግስቲ ክረክብ ኽኢሉ እዩ፡፡ ሰብ ሞያ ኪነጥበብ ብቐዳማይ ሚኒስቲርን ብትካላት መንግስትን ኣፍልጦ ረኺቦም እዮም፡፡ ማዕፆ ቤተ መንግስቲ ይኹን ኻልኦት ኣብ ሹመት ዘለዉ ነዞም ከየንቲ እንትኽፈቱ እቶም ሰብ ሞያ እንተንኣሰ እዝኒ ሹመኛታት ይረኽቡ ልዕል ክብል ድማ ናይ ሹመት ወንበር እናረኸቡ እዮም፡፡እዚ ድማ ይበል ዘብል እዩ፡፡

ልዕሊ ኹሉ ግና 2013 ሰብ ሞያ ኪነጥበብ ምትእኽኻብን ብዛዕባ ሞይኦም ምዝርራብ ዝጀመሩሉ ዓመት እዩ ነይሩ። ነዚ ኣብነት ዝኾኑና ድማ ሰብ ሞያ ትያትር፤ ሙሁራን ሰብ ሞያ ሚዲያን ብሕብረት ኾይኖም መበል ሚኢቲ ዓመት ንክኽበርን ኻልኦት ተግባራት ንኽስርሑን ዝገበረ እዩ፡፡ ልዕሊ ኹሉ ግና ብዛዕባ ቲያትር ሰፊሕ ዘተ ክጅመር ከምዝተኽኣለ ዓብዪ ዓወት እዩ፡፡

ኾይኑ ግና ምንቕቓሕ ዝተርኣየሉ ዘፈር ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ሰብ ሞያ ሳዕስዒት ናይ ባዕሎም ሞያዊ ምንቅስቓስ ጀሚሮም እዮም፡፡ ነዚ ዝኸውን ፅቡቕ መርኣያ ድማ ብሰብ ሞያ ዝተዳለወን ካብ ነሓሰ 28 እስካዕ 30 ኣብ ማእኸል ባህሊ ኦሮሞ ዝተዳለወ መልህቅ ዝተብሃለ ወርክሾፕ ትያትር እዩ፡፡ መዳለውቱ ድማ ሳዕሳዒ/ት እየሞ ይምልከተኒ እዩ ዝተብሃለ ማሕበር ሳዕሳዕቲ እዩ፡፡ ኣፍቲ ወርክሾፕ ልዕሊ 80 ጉጅለ ሳዕሳዕቲ ካብ ዝተፈላለዩ ቤት ትያትራትን

 ብውልቆም ዝሰርሑ መናእሰይን ዓበይቲ ሰብ ሞያን ተረኺቦም እዮም። እቲ ዕላማ ኣብ መንጎ ሰብ ሞያ ስዕስዒት ምቅርራብ ምፍጣርን፤ ሞያዊ ልውውጥ ልምዲ ከዳብሩ ምግባርን እዩ። ኣፍቲ ወርክ ሾፕ ስሙይ ሌሬት ይፍሩ ጎበና ሓዊሱ ፍሉጣት ኬሮግራፈራት ከድር ኣሊ፣ልጅ ተመስገን(ተመስገን መለሰ፣ ዘሪሁን ማሩ፣ ኑሪያ መሐመድ፣ ይድነቃቸው ይልማ፤ በድሉ ኢሳያስ፣ሃዋርያት ኣሰፋን ሽፈራው ደስታን ተሞክሮኦም ኣካፊሎም እዮም፡፡

ኣፍቲ ወርክ ሾፕ ዝረኸብናዮም መዳለውቲ ይኹኑ ተሳተፍቲ ብሓባር ዘልዕልዎ ሓደ ፀገም ኣሎ፡፡እሱ ድማ ኣብ ሰብ ሞያ ዘሎ ልዑል ኣነነት(ኢጎ) እዩ፡፡ ‹‹ኹላትና ኣነ ሕሩይ ወይ ድማ ብሉፅ እየ ኢና እንብል ››ትብለና ካብ መንጎ መዳለውቲ እቲ መድረኽ ዝኾነት ሳዕሳዒት ራስ ትያትር ቤት ጌጤ ክፍሌ፡፡ እዚ ስምዒት ኣነነት ድማ እቲ ሞያ ከይዓቢ ከምዝጎተቶ ትዛረብ፡፡ ብናይ ጌጤ ሓሳብ ዝሰማማዕ ድማ መዳለዊ ታምራት እሸቱ እዩ፡፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብጥበብ ሳዕስዒት ካብ መንጎ ዝጥቀሱ ሓደ ዝኾነ ጉጅለ ስዕስዒት ኢትዮጵያውነት ኣባል ዝኾነ ታምራት እቲ ሞያ ክዓቢ ውልቃውነት ክህልው የብሉን በሃሊ እዩ፡፡ ‹‹ዝተወሰኑ ሰባትን ጉጅለታትን ንበይኖም እንተዓበዩ ጥበብ ኣይቕየርን፡፡ ስለዚ ኣነነት ቐኒስና ምትእኽኻብ፤ልምዲ ምልውዋጥ፣ ምርድዳእን ተሓባቢርኻ ምስራሕ ግድን እዩ››ይብለና፡፡ ስለዝኾነ ድማ እዚ ስምዒት ኣነነት ንምዕጋት እቶም ፍሉጣት ሰብ ሞያ ተኣኻኺቦም ልምዶም ከካፍሉ ተገይሩ እዩ፡፡

ንሰብ ሞያ ሳዕስዒት ልምዶም ዘካፈሉ ስሙይ ተወዛዋዚ ዘሪሁን ማሩ እዮም፡፡ ዘሪሁን ን17 ዓመት ብሞያ ስዕስዒት ሰሪሑ እዩ፡፡ መብዛሕትኦም ድማ ካብ ሞያ ውዝዋዜ ሓሊፎም ኣብ ባላገሩ ኣይዶል ብዳኝነት ይዝክርዎ እዮም። ‹‹ኣብ ፃንሒት 17 ዓመት ብዋናነት ዝተምሃርክዎ ነገር ዓርስኻ ምብቃዕን ዲሲፕሊንን እዩ›› ዝብል ዘሪሁን ኣብ ተወዛወዝቲ ነዚ ተሞክሮ ከስርፅ ከምዝደልይ ይዛረብ። ‹‹ቐደም ቀዳማይ ኻልኣይ ዝበሃል ነገር ኣይነበረን፡፡ ሐዚ ግና ወሰን ብምፍላይን ፅቡቕ ንዝሰርሑ ሰባት ምድፋእ ይርኣይ እዩ››ይብል፡፡ እዚ እንድሕር ዘይተዓረየ ድማ እቲ ሞያ ምዕባይ ኸቢድ ከምዝኸውን ይዛረብ፡፡ ‹‹ሰብ ዘኽብረና ነንርእስና እንትንከባበር እዩ››። በዚ ርኢቶ ስሙይ ኣርቲስት ካብ መንጎ ተሳተፍቲ መናእሰይ ወርክሾፕ ሓደ ዝኾነ እስካጥናፍ ካብትይመር ይሰማማዕ፡፡ ቕድሚ ሐዚ ብሓባር ናይ ምስራሕ ልምዲ ኣይነበረናን ነይሩ፡፡ ይብል፡፡ እዚ ወርክ ሾፕ ዘይንፋለጥ ሰባት ንኽንፋለጥ፤ ልምዲ ንኽንለዋወጥ ይኽግዘና ኢሉ፡፡

ሐዚ እቲጣዕሳ እናተሓከመ እዩጌጤ ከምዝበለቶ እዚ ምንቅስቓስ ዝጀመርዎ ሳዕሳዕቲ ሞያና ተበዲሉ እዩ ዝብል ጣዕሳ ከምዘሎ ትዛረብ፡፡ ኾይኑ ግና ኣብዚ ሐዚ እዋን እቲ ጣዕሳ ኣብ ኻልኦት ተወዛወዝቲ ‘ውን ከምዘሎ ምስትውዓላ ትዛረብ፡፡ ጣዕሳ ጥራሕ ዘይኮነስ ፈውሲ ‘ውን ተረኺቡ እዩ ትብል፡፡

ብሓፈሻ ካፍቲ ዝርኣናዮ ነገር ዘስተውዐልናዮ እቶም ተወዛወዝቲ ሞይኦም ናፍቲ ዝግበኦ ቦታ ንምድያብ ተዳሊዎም እዮም፡፡ እዚ ምንቀስቓስ ተወዛወዝቲ ምስ ሰብ ሞያ ትያትር ከምኡ ‘ውን ምስ ፅቡቕ ዝንባለ መንግስቲ እንተተደሚሩ ኣብ ቐረባ ዘፈር ኪነ ጥበብ ዓብይ ስጉምቲ ክንርእይ ከምእንኽእል ምግማት ኣይከኣልን፡፡

ትርሓስ ፍቃዱ

4 ጥቅምቲ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You