መንገዲ አጣዬ ሙሉእ ብሙሉእ ንተሽከርከርቲ ክፍቲ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፡-ንመዓልትታት ኣብ ከባቢ ኣጣዬ ኣጋጢሙ ብዝነበረ ፀገም ፀጥታ ዕፅው ዝነበረ መንገዲ ኣዲስ ኣበባ-ደሴ-መቐለ ሙሉእ ብሙሉእ ንተሽከርከርቲ ኽፉቲ ከምተገበረ ኮማንድ ፖስት ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምምሕዳር ኦሮሞ ብሄረሰብን ዞባ ደቡብ ወሎን ዝተጣየሸ ኮማንድ ፖስት መተሓባባሪ ሌተናል ጀነራል ደስታ ኣብቼ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ብዝተፈጠረ ጎንፂ ልዑል ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ዝግበረሉ መንገዲ ኣዲስ ኣበባ- ደሴ-መቐለ ንመዓልትታት ዕፅው ኮይኑ ነይሩ፡፡እቲ ኮማንድ ፖስት ኣብቲ ከባቢ ስራሕ ምስጀመረ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዝሰርሖ ስራሕ እቲ መስመር ሰላማዊ ምንቅስቓስ ንክህልዎ ከምተገበረን ንኩሉ ተሸከርከርቲ ክፉት ኮይኑ ኣሎ፡፡

ከም ሌተናል ጀነራል ደስታ ገለፃ፣ኣብ ኣጣዬ ከተማን ኣብ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞን ኣብ ተወሰኑ ዞባ ደቡብ ወሎ ብዝተፈጠረ ጎንፂ ግልጋሎት መንገድታት፣ናይ ዕዳጋ ቦታታት፣ምምሕዳር ጣቢያታት ተቋሪፁ ነይሩ፡፡ሰራዊት ምክልኻል ካብ ዝኣተወሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብቲ ኸባቢ ፀገም ዝፈጥሩ ዝነበሩ ሓይልታት ጥፍኣት ብምውጋድ እቲ ከባቢ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ንክህልዎ ምግባር ተኻኢሉ እዩ፡፡

ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ሰለስተ ትልምታት ኣውፂኡ እናተንቐሳቐሰ ምዃኑ ዝገለፁ ሌተናል ጄኔራል ደስታ፤ መጀመርያ ብዝተተለመ መሰረት በቲ ጎንፂ ምኽንያት ዝበፅሕ ዝነበረ ሞትን ምቕፃል ገዛውትን ደው ክብል ተገይሩ እዩ፡፡ ኻልኣይ ብትልሚ

 እናተሰርሐ ዝርከብ ናይቲ ከባቢ ኢኮኖሚን ማሕበራዊ ምንቕስቓስን ክቕፅል ምግባር ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡ በዚ ምኽንያት መንገዲታት ክፍቲ ክኸውንን መሰረተ ልምዓት ከምኡ’ውን ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ግልጋሎት ክህቡ ከምተገብረ ኣፍሊጦም፡፡

መንገዲ ካብ ምኽፋት ሓሊፉ ኣብ ከተማ ኣጣዬ ተቋሪፆም ዝነበሩ ከም ስልኪን መብራህትን ግልጋሎት ስራሕ ከምዝጀመሩ ሌተናል ጄኔራል ደስታ አብቼ ገሊፆም።ኣብቲ ከባቢ ፈሪሶም ዝነበሩ ናይ ቐበሌ ምምሕዳራት ካልኣይ ተጣይሾም ንህብረተሰብ መሰረታዊ ግልጋሎት ክህቡ ፃዕሪ እናተገብረ ምዃኑ ኣፍሊጦም፡፡

እቲ ሰራዊት ናይ ፀጥታ ስግኣት ዝሓደሮም ተመዛበልቲ ብምዝርራብ ናብ ከባቢኦም ንምምላስ ፃዕሪ እናገበረ ምኻኑ ኣረዲኦም፡፡

ሌተናል ጀነራል ደስታ ከምዘፍለጥዎ፣እቲ ኮማንድ ፖስት ንቲ ከባቢ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ዝሃወኩን ንዝበፅሐ ዕንወት ተሓተትቲ ዝኾኑን ኣካላት በምፍላይ ንቐፃሊ ዕላዊ ክገብር እዩ፡፡ኣብቲ ጎንፂ ኣብ ውግእ ዝተሳተፉ ሰባት ኣብ ቑፅፅር ምውዓሎምን ዝቖሰሉ ኣብ ሆስፒታላት እናተሓገሙ ዝርከቡ ውልቀሰባት’ውን ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ይርከቡ፡፡

ድሕሪ እቶም ጥቕዓት ፈፀምቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ዘለዎ ብርክት ዝበሉ ሓይልታት ኢድ ከምዝተው ዝገለፁ ሌተናል ጀነራል ደስታ፣ኣብ መሓውር መንግስቲን ፓርቲ ፖለቲካ ኮይኖም ንቲ ጎንፂ መበገሲ ዝኾኑ ሰባት ካብ ሕጊ ኣየምልጡን ኢሎም፡፡እቲ ኮማንድ ፖስት ዓሚቕ ምርመራ ብምግባር መረዳእታት ብምጥማር ኣብ ድሕሪት ኮይኖም ዝመርሑ ዝነበሩ ኣካላት ናብ ሕጊ ከቕርቦም እዩ ኢሎም፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 21 ሚያዚያ 2013 ዓ.ም

Recommended For You