‹‹ህዝቢ ትግራይ ንሃገር ‘ምበር ንረብሓ ሓደ ፓርቲ ኢሉ መስዋእቲ ክኸፍል የብሉን››-ወይዘሪት ገነት መብራህቱ

ወይዘሪት ገነት መብራህቱ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ ኣብ ከተማ መቐለ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ዘፈር ኢኮኖሚ ምምሕዳር ከተማ መቐለ እያ ነይራ፡፡ኣብ ከተማ መቐለ ዝተወለደት እንትትኾን ካብ ቐዳማይ ብርኪ ክሳብ ካልኣይ ብርኪ ኣብ ሃፀይ ዮሃንስ ቤት ትምህርቲ መቐለ እያ ተማሂራ፤ ቐዳማይ ዲግሪ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ብፕላንት ሳይንስ ተመሪቓ። ከምኡ ‘ውን ካልኣይ ዲግሪ ኣብ ዩኒቨርስቲ ጅማ ብባዮ ቴክኖሎጂ ተመሪቓ፡፡ወይዘሪት ገነት ኣባል ናይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ፓርቲ ኣይኮነትን፤ ኮይኑ ግና ደጋፊት ብልፅግና ፓርቲ እያ፡፡ሓዱሽ ለውጢ ምስ መፀ ስዒቡ ናብ መንግስታዊ ሓላፍነት ዝመፅእ ሰብ ግድን ኣባል እቲ ገዛኢ ፓርቲ ክኸውን ኣለዎ ስለ ዘይብል፣ ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ መ ሓላፍነት ተዋሂብዋ ንህዝቢ ብቕንዕና እናገልገለት ምንባራ እያ ትገልፅ። ክቡራት መንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ወድዓዊ ኩነታት ሃገርና ብፍላይ ድማ ምስ ኩነታት ትግራይ ተተሓሒዙ ምስ ወይዘሪት ገነት ዝገበርናዮ ፃኒሕት ከም ዝስዕብ ብምስንዳእ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- እስቲ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ዘፈር ኢኮኖሚ ምምሕዳር ከተማ መቐለ እናሃለኺ ምስቲ ፖለቲካዊ ኩነታት ተተሓሒዙ ዘጋጥሙ ዝነበሩ ተጓንፎታት ከምኡ ‘ውን ንምፍታሕ እትኸድዎ ዝነበርኩም ክያዶ ግለፅልና፡፡

ወይዘሪት ገነት፡- ዘፈር ኢኮኖሚ ክባሃል እንተሎ ዓርሱ ዝኸኣለ ሰፊሕ ሴክተር እዩ፡፡ዝተፈላለዩ ዓይነት ስራሕቲ ኣብ ትሕቲኡ ኣለዉ፡፡ ቐንዲ ኢኮኖሚ እቲ ከተማ ዝኾነ ዝዓበየ ስራሕቲ ከም ደቐቕትን ኣናእሽተይን ዝበሉ ስራሕቲ ዝስረሖ እዩ። እቲ ናይ ደቐቕትን ኣናእሽተይን ስራሕቲ መናእሰይ ኣብ ምውዳብ’ዩ ዝዓበየ ስራሕ ይሰርሕ ነይሩ፡፡ኣብዚ መናእሰይ ወዲብካ ንምምፃእ ብዙሓት ተጓንፎታት የጋጥሙ ነይሮም እዮም። እቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት ተረጋጊዕና ከይንሰርሕ ይገብረና ነይሩ። ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ተመሊሱ ክመፅእ ይኽእል ‘ዩ፤ ፀገም ከስዕበልና ይኽእል ‘ዩ ዝብል ዓብዪ ፍርሒ ነይሩ ‘ዩ፡፡በዚ ምኽንያት ዝተላዕለ እቲ መንእሰይ ንምውዳብ ኣይደፍርን ነይሩ፡፡ኮይኑ ግና ነቶም መናእሰይ በዓልትና ክሳብ ታሕቲ ጣብያታት ወሪድና ብምልዕዓል ከም ከተማ መቐለ ብዙሓት መናእሰይ ንኽውደቡ ብምግባር ብዙሕ ስራሕቲ ንሰርሕ ነይርና ኢና፡፡ስለዚ እቲ ዓብዪ ተጓንፎና መንእሰይ ናብ ምወዳብ ዘይምምፃእ’ዩ ነይሩ።

እቲ ካልኣይ ስራሕና ማኑፋክቹሪንግ ዝብል ዓብዪ ስራሕ ‘ዩ ነይሩ፤ ማኑፋቹሪንግ ስራሕ ብጣዕሚ ብዙሓት ናይ እታዎታት ሕፅረት ዝነበረሉ ኩነታት ስለ ዝነበረ እተን ዓበይቲ ፋብሪካታት ዝባሃላ ከም እኒ መሰቦ ስሚንቶ ፋብሪካ፣ ሱር ኮንስትራክሽን ዝተፈላለዩ ፋብሪካታት ዝተዓፀወሉ ኩነታት ምስቲ ምንባሩ ሰብ ናብ ስራሕ ንምምፃእ ብጣዕሚ ፈታኒ ኩነታት’ዩ ነይሩ፡፡እዚኣቶም እቶም ዓበይቲ ዝባሃሉ ተጓንፎታት ‘ዮም ነይሮም፡፡ልዕል ኢለ ከም ዝገለፅክዎ እቲ ዘፈር ብጣዕሚ ዓብዪ ምስቲ ምናበሩ ብዙሕ ስራሕቲ ነይርዎ እዩ፡፡

ካሊእ ባህልን ቱሪዝምን ናይ ባዕሉ ዓበይቲ ስራሕቲ ዝነበሮ ሴክተር’ዩ ፤ ሕብረተሰብ ኣብቲ ዘፈር ባህልና ቱሪዝም፣ እቶም ሓድግታት መግለፂ መንነቱ ክሳብ ዝኾነ ከይዝረፉ ወይ ጉድኣት ከይበፅሖም ምስ ተፈላላዩ ዝምልከቶም ኣካላት ብፍላይ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ምስቲ ዘፈር ዝቐረበ ርክብ ዘለዎም ኩሎም ኣካላት ሓቢርና ንምስራሕ ብዙሕ ክያዶታት ዝተኸየደሉ ‘ዩ ነይሩ፡፡ኮይኑ ግና ደፊርካ ኣብ ምስታፍ ክንዲ ዝተኻኣለ ኣዕጋቢ’ዩ ነይሩ ምባል ኣይከኣልን፡፡መንግስቲ ኣብ ዝመደበካ ስራሕ ሓላፍነትካ ናይ ምውፃእ ግቡእ ስለ ዘለካ ዝተፈላለየ ፃዕርታት ምግባር ግቡእ ‘ዩ፡፡በዚ ምኽንያት ኣነ ከም

 ሓላፊት እቲ ቤት ፅሕፈት ምዃነይ ከምኡ ‘ውን ካብ ሓደ መራሒ ትፅቢት ዝግበር ንምውፃእ ኣብዚ ኩነታት እዚ ካብ ሓለፍቲ ጀሚሩ ክሳብ ታሕተዋይ ሰራሕተኛ ክሳብ ታሕቲ እናወረድና ብዙሕ ስራሕቲ ብምስራሕ ብዙሓት ነገራት ክሳኽዑ ገይርና ኢና፡፡

ከም ኣብነት ብሃገር ደረጃ ዝኽበር መዓልቲ ቱሪዝም ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃን ብድምቐት ኣኽቢርናዮ ኢና፡፡ዘይሩ ዘይሩ ግና ከምቲ ቕድም ኢለ ዝገለፅክዎ ህወሓት ክመፅእ ይኽእል ‘ዩ ዝብል ወረታት ይናፈስ ስለ ዝነበረን እንተመፂኡ ድማ ጉድኣት ከብፀሐልና ይኽእል’ዩ ኣብዚ መንእዩ ዋስትና ዝወስደልና ዝብል ዓብዪ ፍርሒ ኣብቲ ሕብረተሰብ ነይሩ’ዩ፤ ኮይኑ ግና ከምዚኦም ዝበሉ ተጓንፎታት ብምስባር ናብ ዝሓሸ ብርኪ በፂሕና ነይርና ኢና። ኮይኑ ግና እቲ ሕብረተሰብ ብዙሕ ሓጋዚ ኣይኮነን ነይሩ፤ ተሎ ናይ ምቕራብ ፀገም ነይርዎ ‘ዩ፡፡ድሓረ ግና ብንገብሮ ዝነበረርና ፃዕርታት ሕብረተሰብ ዳርጋ ደጋፊ እናኾነ መፅዩ ነይሩ ‘ዩ፡፡

ወጋሕታ፡- ሕብረተሰብ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበሮ ኣመለኻኽታ ከመይ ነይሩ?

ወይዘሪት ገነት፡- ኣብ መጀመርያ ከባቢ ህወሓት ክምለስ ይኽእል ‘ዩ ብዝብል ስግኣት ነቲ ለውጢ ኣብ ምቕባል ዝተወሰነ ፀገም ነይሩ ‘ዩ፤ ኮይኑ ግና ደሓረ ኣብ ከተማ መቐለ ዳርጋ ኩሉ ብረቱ ኣርኪቡ ለውጢ ተቐቢሉ ነይሩ ‘ዩ፡፡ በዚ መሰረት ሕብረተሰብ ዳርጋ ሓጋዚ እናኾነ ‘ዩ ነይሩ፡፡ነዚ ሓደ መርኣያ ክኸውን ዝኽእል ከምትዝበልክዎ ዕጥቒ ንመንግስቲ ምርካብ ‘ዩ ነይሩ። ካልኣይ ድማ ሕብረተሰብ ባዕሉ በቢከባቢኡ መረፃ ክገብር ተወካሊኡ መሪፁ መን ‘ዩ ከመሓድሮ ዝብል ናይ ባዕሉ ዝተፈላለዩ ኣኼባታት ብምግባር ማለት ሕብረተሰብ ሓጋዚ ንኽኸውን ብዙሕ ዓይነት መድረኻት ፈጢርና ነይርና ኢና፡፡በዚ መሰረት እቲ ሕብረተሰብ ነቲ ለውጢ እናደገፈ መፂኡ ነይሩ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓርን ዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዕታት ካብ ምንታይ ዝነቐለ እዩ ትብሊ? ንህዝቢ ትግራይ ከ እንታይ ትርጉም ኣለዎ?

ወይዘሪት ገነት፡- መንግስቲ ህዝቢ ትግራይ ተረጋጊዑ ስርሑ ክሰርሕ ብምሕሳብ ምክልኻል ሰራዊት ሃገር ካብ ትግራይ ከውፅእ እንተሎ ምስኡ ኢና ወፂና፤ እቲ ራዕዳዊ ህወሓት ተመሊሱ ናብ መቐለ ኣትዩ ‘ዩ፤ ከይኑ ግና እቲ ጉጅለ ንህዝቢ ኣብ ክንዲ ዕረፍቲ ምሃብ ህዝቢ ብምልዕዓል ናብ ክልላት ዓምሓራን ዓፋርን ኩናት ብምስፍሕፋሕ ዝተፈላለዩ ግፍዕታት እናፈፀመ ይርከብ። እዚ ድማ መግለፂ ውፅኢት እቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ‘ዩ፡፡እዚ ዝገብሮ ዘሎ ዝተፈላለየ ወረራን ግፍዕታትን ንህዝቢ ትግራይ ዝህቦ ረብሓ የለን፡፡ህዝቢ ትግራይ ከምዚ ዓይነት ተግባር እንተይኮነ ዘድልዮስ ሰላም፣ ልምዓት፣ ዲሞክራሲን ሰናይ ምምሕዳርን ‘ዩ ነይሩ፡፡ ናይማትካ ዓዲ ምውራር ንህዝቢ ትግራይ ክሳራ ‘ምበር ዝህቦ ረብሓ የለን፡፡ ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ ምስ ጎረባብቱ ምፅላእ ዝደሊ ህዝቢ ኣይኮነን። ሓቢሩ ብሰላም ክነብርን ክልወጥን ‘ዩ ዝደሊ፡፡ እዚ ህወሓት ዝገብሮ ዘሎ ተግባር ካብ ድሌት ህዝቢ ትግራይ ወፃኢ ‘ዩ፡፡

ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኣፃሊእዮ ‘ዩ፤ ሕዚ ድማ ምስ ዓፋርን ኣምሓራን ከፃለኦ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ፡፡ስለዚ እዚ ተግባር ይቕረ ንህዝቢ ትግራይ ክጠቕም ንህወሓት ‘ውን ዕድሚኡ ካብ ምሕፃር ሓሊፉ ዝጠቕሞ ኣይኮነን፡፡እዚ ንህዝቢ ትግራይ ደቑ ናብ ኩናት ክወፍሩ ብምግባር ኣዶ ትግራይ ብዘይ ውላድ ከትቐሪ ዝገብር ተግባር ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ፡፡እቲ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ሕሊና ካብ ዘለዎ ሰብ ኣይትፅበዮን ኢኻ፤ እዚ ተግባር እዚ ንህዝቢ ዘይሓስብ ምዃኑ’ዩ ዘመላኽት፤ ሓደ ፓርቲ ንህዝቢ ዝወከልኩ’የ ዝብል እንተኾይኑ ንህዝቢ ክሓሊ ኣለዎ፤ ኮይኑ ግና እዚ ብተፃራሪ’ ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ካብ ሓደ መራሒ ትፅቢት ዝግበር ህዝብኻ ምስ ኩሉ ህዝቢ ተሳንዩ ክነብር ኢኻ ከትሰርሕ ዘለካ፡፡ስለዚ እዚ ተግባር እዚ ናይ ባህሪ ውፅኢት’ዩ ምባል ከትኽእል ኢኻ። ህወሓት ብፖለቲካ ተስማዕሚዕኻ ናይ ምንባር ፀገም ዘለዎ ውድብ ‘ዩ። ህዝቢ ምስ ጎረባብቱ ብሰላም ከይነብር ምግባር ሰይጣናዊ ስራሕ ‘ዩ እየ ክብሎ ዝኽእል፡፡

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ፌዴራል ንዕጡቓት መናእሰይን ምልሻታትን ትግራይ ብሰላም ኢዶም ንመንግስቲ ሂቦም ናብ ሰላማዊ መነባብረኦም ክምለሱ ብተደጋጋሚ ፃውዒት የቕርብ እዩ፤ በዚ መሰረት ካብ ዞም ኣካላት እዚኦም ይኹን ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ እንታይ ትፅቢት ይግበር ትብሊ?

 ወይዘሪት ገነት፡- መናእሰይን ምልሻታትን እቲ ጉጅለ ዕጥቖም ብሰላም ንመንግስቲ ኣርኪቦም ናብ ሰላማዊ ናብረኦም ክምለሱ መንግስቲ ብተደጋጋሚ እሞ ድማ ትዕግስቲ ብዝተመልኦ ፃውዒት የቕርብ ‘ዩ፤ ኮይኑ ግና እዚ ክትግበር እናተገበኦ ብሰንኪ እቲ ሰላም ዘይደሊ ጉጅለ ተግባራዊ እንተይኮነ ተሪፉ ‘ዩ፡፡እዚ ፃውዒት እዚ ንህዝቢ ትግራይ ብምሕላይ ‘ዩ፡፡ህዝቢ ትግራይ ተደጋጋሚ ኩናት ኣሕሊፉ ‘ዩ፤ መንግስቲ ድማ ናይ ኩናት ሳዕቤን ብምርዳእ ‘ዩ ብተደጋጋሚ ፃውዒት ዘቕርብ ዘሎ፡፡

ህዝቢ ድማ ነቲ ፃውዒት መንግስቲ ፌዴራል ተቐቢሉ ተግባራዊ ክገብር ኣለዎ፤ እዚ ክብል እንተለኹ ደቑ ናብ ሰላም ክምለሱ፣ ናብ ምግዳል ከይኸዱ ክመኽሮም ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ትርጉም ንዘይብሉ ኩናት ደቑ ክህብ የብሉን፡፡ወለዲ ኩናት መፍትሒ ፀገም ከምዘይኸውን ተረዲኦም ደቖም ብዛዕባ ሰላም ዝሓስብሉ ኩነታት ‘ዮም ከመቻችዉ ዘለዎም፡፡ ደቕና ኣይንሰድድን ክብሉ ኣለዎም፤ በዚ ኩነታት እዚ ንመንግስቲ ብምትሕብባር ንባዕሎም ክጥቐሙ ይኽእሉ ‘ዮም፡፡እዚ ኩናት እዚ ምስ ካሊእ ሃገር ኣይኮነን ምስ ናይ ባዕልኻ ህዝቢ ወይ ዜጋ ‘ዩ፡፡መስዋእቲ ንሃገር ኢልካ ‘ምበር ንፓርቲ ኢልካ ከትኸፍል የብልካን። ሕዚ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ንረብሓ እቲ ጉጅለ ‘ምበር ንህዝቢ ዝጠቕም ኣይኮነን፡፡ስለዚ እዚ ትርጉም ዘይብሉ ኩናት ስለ ዝኾነ መንእሰይ ትግራይ እቲ ዝጠቕሞ ሰላም ስለ ዝኾነ ብተደጋጋሚ ዝግበረሉ ፃውዒት ብምቕባል ዕድሉ ክጥቐመሉ ‘ዩ ዝግባእ ዝብል ሓሳብን ምኽርን ‘ዩ ዘለኒ፡፡ህዝቢ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ዝቐርብሉ ኩነታት ክተሓባበር ኣለዎ፡፡ኩሉ ነገር ብሕግን ብምዝርራብን ‘ዩ ክፍታሕ ዝኽእል ‘ምበር ብኩናት ዝፍታሕ ፀገም የለን።

ወጋሕታ፡- ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይቲ ራዕዳዊ ጉጅለ መራሕቲ ውግእ እዚ ኩናት እዚ ኣጣናኺሮም ከምዝቕፅልሉ መግለፂ ሂቦም ነይሮም፡፡እዚ ከመይ ተመልኪትክዮ?

ወይዘሪት ገነት፡- እቲ መግለፂ ብግልፂ ንውግእ ዘለዓዕል ‘ዩ ነይሩ፤ እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ውግእ ንህዝቢ እንተይኮነስ ንናይ ባዕልቶም ረብሓ ከምዝኾነ ‘ዩ እቲ መግለፂ ዘሪአካ፡፡እዚ ቓልሲ እዚ ንህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ዝጎድእ ‘ምበር ዝጠቕም ኣይኮነን፡፡ ምናልባት ንሳቶም ኣሚኖምሉ ይዋግኡ ስለ ዘለዉ ኣብ ስልጣኖም ንምፅናሕ ክጠቕሞም ይኽእል ይኸውን፡ ፡ካብዚ ወፃኢ ፈፂሙ ንህዝቢ ዝጎድእ ‘ምበር ካሊእ ትርጉም ዘለዎ ኣይኸውንን። ኣብ 47 ዓመት ህዝቢ ትግራይ ሰለስተ ግዜ ኩናት ኣሕሊፉ ‘ዩ፤ እዚ ድማ ንሓደ ፓርቲ ንምንጋስ ዝግበር ፃዕሪ እዩ። ትግራይ ብዙሕ ኣወንታዊ ታሪኻት ዝሓዘት ክልል እናሃለዎት ሕዚ ግና እዞም ሰባት እዚኦም ብናይ ኩናት ታሪኽ ከትፍለጥ ‘ዮም ዝገብሩ ዘለዉ፡፡

ህወሓት ዝገብሮ ዘሎ ኩናት ናብ ስልጣን ንምምላስ ስለ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ተማሂሩ ኩናት ይኣክል ክብል ‘ዩ ዝግበኦ፡፡ህዝቢ ትግራይ ካብ ሰላም ‘ምበር ካብ ኩናት ዘይጥቐም ምዃኑ ፈሊጡ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌዴራል ጠጠው ክብል ኣለዎ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚካሊን ‘ዩ ዝጠቕሞ ‘ምበር ኩናት ክጠቕሞ ኣይኽእልን፡ ፡ተደጋገምቲ ኩናት ኣሕሊፉ ‘ዩ፤ ኮይኑ ግና ካብ ሶፍቲኔት ኣይወፀን፡፡ስለዚ እቲ መግለፂ ካብ ስነ ልቦና ህዝቢ ትግራይ ዝወፀን ናይ ውሕዳት ስልጣን ዘመን ንምንዋሕ ዝግበር ኩናት ከምዝኾነ እዩ ዘሪአካ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ን17 ኣመታት ክቓለስ እንተሎ ናፃነት፣ ዕቤት፣ ሰላም፣ ዲሞክራሲ ንምርካብ ‘ዩ ነይሩ። ኮይኑ ግና ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ናብ ናይ ባዕሎም ረብሓ ብምውዓል ህዝቢ ናይ ሰፍቲኔት ተሓጋዚ ክኸውን ኢዮም ገይሮሞ፡፡ሕዚ ‘ውን ዝግበር ዘሎ ኩናት ተመሳሳሊ ዕላማ ‘ዩ ዘለዎ። ካብዚ ዝተፈለየ ኣይኸውንን፡፡ህዝቢ ናይቲ ለውጢ ተጠቓሚ ከይኸውን ብምግባር ናይ ባዕልቶም ናይ ስልጣን ፃምእ ንምርዋይ ዝገብርዎ ዘለዉ ቓልሲ ‘ዩ ምባል ይከኣል። እዚ ኩናት እዚ መናእሰይ ተጋሩ እናቐጠፈ ዕድመ ህወሓት መናውሒ ‘ዩ፡፡ስለዚ እዚ ቓልሲ እዚ ኣካል ምጉዳል፣ሞት፣ ድኽነት፣ ህፃናት ብዘይ ወለዲ ካብ ምቕራይ ሓሊፉ ትርጉም ዘለዎ ኩናት ኣይኮነን፡፡

ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ንምውፃእ እንታይ ክገብር ኣለዎ ትብሊ?

ወይዘሪት ገነት፡- ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ እቲ ቐንዲ ክዋሳእ ዘለዎ ህዝቢ ትግራይ

 ‘ዩ፤ ይኹን ‘ምበር ናይ ትግራይ ፓርቲታትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ክሳተፉ ‘ዩ ዝግበኦም፡፡ መንግስቲ ነዚ ንምፍታሕ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ ‘ዩ፤ ኣብዚ ሓጋዚ የድልዮ ‘ዩ፤ ነዚ ፀገም እዚ መንግስቲ ጥራሕ ክፈትሖ ትፅቢት ክግበር የብሉን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ይኹን ፖለቲካዊ ፓቲታት ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠተው እንተይሎም ዘይፍተሐሉ ኩነታት ኣይህሉን ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡ኣብ ደገን ውሽጥን ንርከብ ተጋሩ ‘ውን እዚ ፀገም እዚ ቀልጢፉ ተፈቲሑ ህዝቢ ናይ ሰላም ኣየር ምእንቲ ከተንፍስ ናይ ባዕልትና እጃም ከንፃወት ‘ዩ ዝግበአና። ብፍላይ እዚ ኩናት እዚ ንህወሓት ስልጣን መናውሒ ተባሂሉ ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ህዝቢ ክርደኦ ንሕና ሓላፍነትና ከንዋፃእ ይግበአና ይብል። ተጋሩ ሓድነትና ብምድልዳል ኣብቲ ናይ ለውጢ ወይ መንግስቲ ፌዴራል መፍትሒ ኢሉ ዘቐመጦም ነጥቢታት ሓገዝቲ ኮይና ከንርከብ ኣለና። ከምዚ ብምግባር ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ከቢድ መከራ እዚ ንኽወፅእ ኩሉ ዝኸኣልናዮ ስራሕ ከንሰርሕ ኣለና። ነዚ ፀገም እዚ ንምፍታሕ ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ዝወሃብ ኣይኮነን፡፡ ስለዚ እቲ ቐንዲ መፍትሒ ክኸውን ዝኽእል ኣብ ጎኒ ህዝቢ ብምዃን ተወዲብካ ምቕላስ እዩ፡፡

ወጋሕታ፡- ሃገራት ምዕራባውያን ይኹና ኣሜሪካ ንህወሓት እናሓገዛ ከም ዘለዋ ‘ዩ ብተደጋጋሚ ዝዝረብ፡፡ እዚ ካብ ምንታይ ዝነቐለ ‘ዩ ትብሊ? ነዚ ንምቕልባስ ከ እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብሊ?

ወይዘሪት ገነት፡- ኢድ ኣእታውነት ሓይልታት ደገ ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ትግራይ ምሕጋዝ ንጁንታ ህወሓት ‘ዮም ዝሕግዙ ዘለዉ፡፡እዚ ድማ ዕላምኡ ንህወሓት ናብ ስልጣን ንምምላስ ‘ዩ፡፡እዞም ሓይሊታት እዚኦም ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣትዮም ብዙሕ ክፍትፍቱ ዋላ ይፈትኑ ዝሳኸዐሎም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሕዚ ዝኒሀ መንግስቲ ብጣዕሚ ጠንካራ ‘ዩ። ሃገሩ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየአቱ ናይ ለውጢ መንግስቲ ‘ዩ

 ዝኒሀ፡፡ኢትዮጵያ ብታሪኽ ከምዝፍለጥ ክሳብ ሕዚ ንደጋዊ ሓይሊ ክብራ ኣድፊራ ዘይትፈልጥ ሃገር’ያ። ቕድሚ ሕዚ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ሃገራት ኣውሮፓ እንትወድቓ ኢትዮጵያ ክብራ ሓልያ ንዓለም መርአያ ኮይና ዝነበረት ‘ያ፡፡እዞም ሓይልታት እዚኦም ድማ ትርጉም ሉኣላውነት ሃገር ተረዲኦም ኢዶም ክስሕቡ ‘ዩ ዝግበኦም፡፡

ዕላማ ኢድ ኣእታውነት ናይ ደገ ሓይልታት ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ጠንካራ መንግስቲ ከፍጠር ድሌት የብሎምን፡፡ጠንካራ መንግስቲ እንተልዩ ጥቕምና ክጎድለና ‘ዩ ኢሎም ስለ ዝሓስቡ ‘ዮም፡፡ስለዚ ዕላማ እዞም ሃገራት እዚኦም ኣብ ኢትዮጵያ ንዐኦም ዝእዘዞም ደካማ መንግስቲ ብምቕማጥ ናይ ባዕሎም ጥቕሚ ንምሕላው ‘ዩ፡፡ነዚ ዘፍፅመሎም ድማ ህወሓት ‘ዩ ኢሎም ስለ ዝሓስቡ ‘ዮም፡፡

ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ነዚተረዲኡ ሓድነቱ ብምጥንኻር ኢድ ኣእታውነት ሓይልታት ደገ ክከላኸል ኣለዎ፡፡ንሕና ኢትዮጵያውያን ሓንቲ ሃገር ‘ያ ዘለትና በዚ ምኽንያት ካሊእ መማረፂ ስለ ዘይብልና ጥቕሚ ሃገርና ኣሕሊፍና ንዘይ ምሃብ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይና ክንቓለስ ‘ዩ ዝግበአና፡፡መንግስቲ ዲፕሎማስያዊ ስራሕቱ ከሐይል ኣለዎ፡፡ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ብምጥቓም ኢትዮጵያ ዘይትደፈር ሃገር ምዃናን እቲ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቒ ንዓለም ሕብረተሰብ ኣብ ምግላፅ ምርብራብ የድሊ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ፡፡

ወጋሕታ፡- ናይ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ናብ ትግራይ ሓገዝ እኽሊ ፅዒነን ዝኣተዋ መኻይን ኩለን ክምለሳ ዘይከኣላሉ ምኽንያት እንታይ ‘ዩ? ብወገን ህወሓት መምለሲ ነዳዲ ስለ ዘየለ ‘ዩ ዝብል ሓሳብ ኣሎ። እስቲ ኣብዚ ዘለኪ ርኢቶ ግለፅልና።

ወይዘሪት ገነት፡- ክሳብ ሕዚ ዝተረጋገፀ ሓበሬታ የለን፤ ኮይኑ ግና ኣነ ከም ዝመስለኒ ሰብኣዊ ሓገዝ ፅዒነን ዝኣተዋ መኻይን እኹል ነዳዲ ሒዘን ከም ዝኣትዋ ‘የ ዝግምት፤ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ዕፁው ምዃኑ ይፍለጥ ‘ዩ፤ ነዳዲ ይኹን ካሊእ ነገር ክኣቱ ከምዘይኽእል ስለ ዝፍለጥ ናይ ባዕለን መኽየድን መምለስን እኹል ነዳዲ ሒዘን ዝኣትዋ ይመስለኒ። ኮይኑ ግና ጁንታ ህወሓት ምስቲ ናይ ባህሪ ፀገም ምህላዉ ንዝተፈላለዩ ዕላማታት እናተጠቐመለን ክኸውን ይኽእል ‘ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ፡፡እዚ ድማ ባህሪኡ ‘ዩ። ዕጡቓት መናእሰይ ናብ ናይ ውግእ ቦታ እናመላለሳ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ፡፡

ካሊእ እቲ ትካል ተወሳኺ ሓገዝ ንምቕራብ መኻይን ተፀጊመ እናበለ እናሃለወ ዘይመለሰን ምኽንያት ናይ ባዕሉ ስራሕ ‘ምበር ብዛዕባ ፀገምን ጥሜትን ህዝቢ ትግራይ ዝጭነቕ ኣይኮነን፡፡እተን መኻይን ምሓዞም ህዝቢ ክጠሚ ‘ዩ ኢልካ ምሓሳብ ዘይኮነስ ዝተፈላለየ ፕሮፖጋንዳ ሰሪሕኻ ናይ ስልጣን ፃምእኻ ንምርዋይ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ንብርክት ዝበሉ ኣዋርሕ ብዘይ ስልኪ፣ መብራህትን ካልኦት መንግስታዊ ግልጋሎታትን ተፀጊሙ እናረኣዮ ከምዚ ምግባሩ ንናይ ባዕሉ ረብሓ ‘ምበር ንህዝቢ ሓሲቡ ዘይፈልጥ ፓርቲ ‘ዩ፡፡በዚ ‘ውን ኣየብቐዐን፤ ህዝቢ ትግራይ ጥሜት ከይኣኽሎ ኣብ ካልኦት ክልላት ዝተፈላለዩ ግፍዕታት ምፍፃም ማለት ንህዝቢ ትግራይ ተወሳኺ ፀላኢ ንኽህልዎ ምግባር ‘ዩ፡፡ስለዚ እዚ ጉጅለ እዚ ሰይጣናዊ ባህሪ ስለዘለዎ ‘ዩ ‘ምብር ነቲ ዝተዋሃበ ፅሞና ተጠቒሙ ኣብ ቦትኡ ክፅንሕ ምኸኣለ ነይሩ፡፡

ወጋሕታ፡- ካብ ሓዱሽ መንግስቲ ምስ ኩነታት ትግራይ ተተሓሒዙ እንታይ ትፅቢት ይግበር?

ወይዘሪት ገነት፡- ካብ ሓዱሽ መንግስቲ፣ ኣነ ከም ውልቐ ሰብ ሃገርና ካብቲ ዘለቶ ፀገም ናብ ዝሓሸ ኩነታት ዘሰጋግር፣ ሰላም፣ ዲሞክራሲን ልምዓትን ከምኡ ‘ውን ኢድ ኣእታውነት ሓይልታት ደገ ስርዓት ክሕዙ ኣብ ምግባር ዓብዪ ግደ ዝፃወት ክኸውን እየ ተስፋ ዝገብር፡፡ካሊእ እቲ ዝኒሀ ኩናት ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ተወዲኡ ሃገርና ሙሉእ ብሙሉእ ሰላማ ረኺባ ልምዓታ ብዝበለፀ እተቀላጥፈሉ ግዜ ክኸውን ‘የ ተስፋን ትፅቢትን ዝገብር፡፡

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየለይ።

ወይዘሪት ገነት፡ – ኣነ ‘ውን የቕንየለይ

 መኣርግ ገ/ሄር

4 ጥቅምቲ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You