‹‹እዚ ሓዱሽ መንግስቲ ነቲ ኲናት ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ወዲኡ ሃገርና ናብ ሰላማ ክመልሳ ተስፋ ይገብር›› – ወይዘሪት ገነት መብራህቱ

ኣዲስ ኣበባ፡- ‹እዚ ሓዱሽ መንግስቲ ንቲ ኲናት ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ወዲኡ ሃገርና ናብ ሰላማ ክመልሳ ተስፋ ይገብር ክትብል ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነበር ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ዘፈር ኢኮኖሚ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ወይዘሪት ገነት መብራህቱ ተዛሪባ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ትርጉም ንዘይብሉ ኩናት ደቑ ክሰድድ የብሉን ክትብል’ውን ገሊፃ፡፡

ወይዘሪት ገነት መብራህቱ ምስጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ከምዝገለፀቶ፣ ካብ ሓዱሽ መንግስቲ፣ ከም ውልቐ ሰብ ሃገርና ካብቲ ዘለቶ ፀገም ናብ ዝሓሸ ኩነታት ዘሰጋግር፣ ሰላም፣ ዲሞክራሲን ልምዓትን ትፅቢት ትገብር፡፡

እዚ ሐዱሽ መንግስቲ ኢድ ኣእታውነት ሓይልታት ደገ ስርዓት ክሕዙ ኣብ ምግባር ዓብዪ ግደ ዝፃወት ክኸውን ‘ዩ ኢላ ተስፋ ከምትገብር ዝገለፀት ወይዘሪት ገነት፣ እቲ ዝኒሀ ኩናት ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ተወዲኡ ሃገርና ሙሉእ ብሙሉእ ሰላማ ረኺባ ልምዓታ ብዝበለፀ እተቀላጥፈሉ ግዜ ንክኸውን ‘የ ተስፋን ትፅቢትን ከምትገብር ገሊፃ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ዕላማን ትግርጉምን ንዘይብሉ ኩናት ደቑ ክህብ የብሉን ዝበለት ወይዘሪት ገነት፣ እቲ ሕዚ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ንውሱናት ጉጅለ ራዕዳዊ ህወሓት ክባሃል ስለ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ደቑ ናብ ኩናት ክሰድድ የብሉን፡፡ ንውሑዳት መናውሒ ስልጣን ኢሉ ደቁ ክግብር ኣይግበኦን ኢላ፡፡

እዚ ኩናት እዚ ትርጉም ዘይብሉ ኩናት ስለ ዝኾነ መንእሰይ ትግራይ እቲ ዝጠቕሞ ሰላም ስለ ዝኾነ ብተደጋጋሚ ካብ መንግስቲ ዝግበረሉ ፃውዒት ብምቕባል ዕድሉ ክጥቐመሉ ይግባእ ከትብል ተዛሪባ፡፡

ብሰንኪ ውሑዳት ደለይቲ ስልጣን ህዝቢ ትግራይ ከይጉዳእ ብምሕሳብ መንግስቲ ብተደጋጋሚ ናይ ሰላም ፃውዒት ከቕርብ እንተሎ ህዝቢ ትግራይ ደቑ ናብ ሰላም ክምለሱ፣ ካልኦት ‘ውን ናብ ምግዳል ከይኸዱ ክመኽሮም ኣለዎ፤ ወለዲ ኩናት መፍትሒ ፀገም ከምዘይኸውን ተረዲኦም ደቕና ናብ ኩናት ኣይንሰድድን ክብሉ ንባዕሎምን ንሃገሮምን ኣወንታዊ ኣስተዋፀኦ ክገብሩ ይግበኦም ኢላ፡፡

እዚ ኩናት እዚ መናእሰይ ተጋሩ እናቐጠፈ ዕድመ ህወሓት መናውሒ ‘ዩ፡፡ እዚ ቓልሲ እዚ ኣካል ምጉዳል፣ ሞት፣ ድኽነት፣ ህፃናት ብዘይ ወለዲ፣ ወለዲ ብዘይ ውላድ ካብ ምቕራይ ሓሊፉ ትርጉም ዘለዎ ኩናት ከምዘይኮነ ኣመልኺታ፡፡

ህወሓት ዝገብሮ ዘሎ ኩናት ናብ ስልጣን ንምምላስ ስለ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ተማሂሩ ኩናት ይኣክል ክብል ‘ዩ ዝግበኦ፡፡ ህዝቢ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ዝቐርብሉ ኩነታት ክተሓባበር ኣለዎ፡፡ህዝቢ ትግራይ ተደጋጋሚ ኩናት ኣሕሊፉ ‘ዩ፤ ኮይኑ ግና ካብ ሴፍቲኔት ኣይወፀን፡፡

እዚ ኩናት እዚ መናእሰይ ተጋሩ እናቐጠፈ ዕድመ ህወሓት መናውሒ ‘ዩ፡፡ እዚ ቓልሲ እዚ ኣካል ምጉዳል፣ ሞት፣ ድኽነት፣ ህፃናት ብዘይ ወለዲ፣ ወለዲ ብዘይ ውላድ ካብ ምቕራይ ሓሊፉ ትርጉም ዘለዎ ኩናት ከምዘይኮነ ኣመላኺታ፡፡ እዚ ሓዱሽ መንግስቲ እቲ ዝኒሀ ኩናት ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ወዲኡ ሃገርና ሙሉእ ብሙሉእ ሰላማ ረኺባ ልምዓታ ብዝበለፀ እተቀላጥፈሉ ግዜ ንክኸውን ‘የ ተስፋን ትፅቢትን ከምትገብር ገሊፃ፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

27 መሰከረም 2014 ዓ.ም  ጋዜጣ ወጋሕታ 

Recommended For You