‹‹እቲ ዋና መንቀሊ ፀገም ራዕዳዊ ህወሓት ‘ዩ››-ኣይተ ጌታቸው ንጉሰ

ኣይተ ጌታቸው ንጉሰ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ እንትኾን ፣ ሓላፊ ሚዲያን ርክብ ህዝብን ብልፅግና ትግራይ ‘ዩ። ቕድሚ ኣዋርሕ ህዝቢ ትግራይ ንምግልጋል ምስ ጊዚያዊ ምምሕዳር ብምዃን ናብ ክልል ትግራይ ብምኻድ ህዝቡ እናገልገለ ዝፀንሐን ሐዚ ‘ውን ኣብ ምግልጋል ይርከብ።ምስ ኣይተ ጌታቸው ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ሃገርና ፃንሒት ገይርና ኣለና ከምዝስዕብ ክነቕርቦ ኢና።

ወጋሕታ፡-ሐዚ ዘሎ ወድዓዊ ኹነታት ሃገርን ክልል ትግራይን ከመይ ትገልፆ?

ኣይተ ጌታቸው፡- ሐዚ ዘሎ ሃገራዊ ኹነታት ብኽልተ ጉዳይ መቒልኻ ምርኣይ ይከኣል እዩ።እቲ ሓደ መኽረርቲ ሓይልታት ብዝተፈላለየ መገዲ ሃገር ንምብትታንን ህዝብታት ከይረዳድኡን፤ ሰላምን ምርግጋዕን ንኸይህሉ ዝሰርሑሉ ኹነታት ኣሎ።ብፍላይ ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ኦነግ ሸኔን ዝበሃሉ ጉጅለታት ራዕዲ ዝሰርሕዎ ስራሕ ኣሎ።ክልል ትግራይ ድማ ከምቲ ዝፀንሐ ሓገዝ ረድኤት ብኣግባቡ ንከይኸይድ ዕንቅፋት እናፈጠሩ ይርከቡ፤ ብኻልእ ወገን ድማ ህዝብታት ኢትዮጵያ ሃገር ንምድሓን ልዕሊ ዝኾነ እዋን ሓደ ኾይኖም ብምንቅስቓስ ኣድላዪ ዝተብሃለ መስዋእቲ ንምኽፋል በብዝተዋፈሩሉ ዕማም ውፅኢት ንምምዝጋብ ዝልዓለ ምንቅስቓሳት እናገበሩን እናሰርሑን ዝርከቡሉ ግዘ እዩ ምባል ይከኣል።

ወጋሕታ፡-ብዛዕባ እተን እኽሊ ረድኤት ፅዒነን ዝኸዳ መኻይን ዘይምምላሰን ተተሓሒዙ ዘለካ መረዳእታ እንታይ እዩ?

ኣይተ ጌታቸው፡- ብዙሓት መኻይን ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ሒዘን ኸይደን ኣይተመለሳን፤ ኣትሪፎመን እዮም።ናይዚ ምኽንያት ድማ ንህዝቢ ውግንና ከምዘይብሎም ዘመላኽት እዩ።እተን መኻይን ሰብኣዊ ሓገዝ ሒዘን ኸይደን ተመሊሰን ድማ ኻሊእ እየን ከመላልሳ ነይረን ወይ ድማ ናብ ኻሊእ ዝተፈላለየ ቦታ ግልጋሎት እየን ክህባ ነይረን።ይኹን ‘ምበር ንህዝቢ ውግንና እንድሕር ዘይብልኺ፣ ንዓኺ ተተመቹይኪ፣ ተዘይጠሚኺ፣ ተዘይጎዲልኪ ካብ ዓርሶም ሓሊፎም ንህዝቢ ምሕሳብ ስለዘይከኣሉ እዮም።

ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይረክብን ተወሳኺ ሓገዛት ንኸይጉዓዓዝን ዝተገበረ ኹነታት እዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ኣብ ዝኸፍአ ኹነታትን፣ ኣብ ጥምየትን ስቓይን እዩ ዝርከብ።እዚ እናርኣየ ኸሎ እቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕቲ ግና ውግንና ህዝቢ ከምዘይብሉ እዩ ዘርእይ፤ ኾይኑ ግና መንግስቲ ፌደራልን ዓለምለኸ ትካላት ገበርቲ ሰናይን እቲ ብግብረ ራዕዲ ዝተፈረጀ ጉጅለ ዝገብሮ ዘሎ ግብሪ ባህሪያዊ እዩ፤ ስለዝኾነ ድማ መኻይን ተሪፈን ተባሂሉ ሓገዝ ረድኤት ጠጠው ክብል የብሉን፤ ዝተፈላለዩ መማረፅታት ብምጥቃም ሰብኣዊ ሓገዝ ይኹን ኻሊእ ንህዝቢ ዝጠቅም ሓገዛትን ድጋፋትን ክገብር ንላቦ።ምኽንያቱ ሓላፍነት ዝወስድ መንግስቲ ስለዝኾነ’ዩ።

እቲ ጉጅለ ራዕዲ ድማ እተን መኻየን ከትርፈን ከምዝኸእል ዝግመት እዩ ነይሩ፤ ይኹን ‘ምበር እቲ ህዝቢ ግና ንምንታይ ክብል ይግበኦ፤ ሰብኣዊ ሓገዝ ሒዘን ዝመፃ መኻይን ከምዚ ዝበለ ነገር እንትፍፀም ክሓትት ይግባእ።ምኽንያቱ ፈላማይ ተጎዳኢ ህዝቢ ስለዝኾነ፤ እዚ ድማ ብናይ ባዕሎም ሚዲያታት መኻይን ማሪኽና እናበሉ ንፖለቲካ ፕሮፖጋንዳ ክጥቀሙሉ ህዝቢ ይሰምዕ እዩ።ብምዃኑ ድማ ህዝቢ ክነቅሕ ይግበኦ።እዚ ማለት ከይተረድኦ ተሪፉ ዘየኮነስ ካብ ፍርሒ ዝነቐለ ሱቕታ ከምዝመረፀ የሰማመዐና እዩ።ብፍላይ መናእሰይ ሕቶ እንተቕሪቦም ናብ ማእሰርትን መቕተልትን ስለዝዳረጉ ‘ምበር እተን ንረድኤት ዝኸዳ መኻይን ማሪኽናየን እናበሉ ከምዝዛረቡ ይፍለጥ እዩ።ኾይኑ ግና ህዝቢ ንባዕሉ ኣብ ሕቶ ምንባር ወዲቑ ስለዝርከብን ከመይ ገይሩ ህይወቱ ከፅንሕ ከምዘለዎ ስለዝተጨነቐን ኣብ ጥምየትን ፀገምን ስለዝወደቐን ‘ምበር ኹሉ ተንኮላት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ጠፊእዎ ኣይኮነን፤ ኾይኑ ግና ነዚ ሕቶ ከልዕል ይፅገም እዩ።

ወጋሕታ፡-ሎሚ ቕነ ፕሬዝዳንት ሃገረ ኣሜሪካ ባይደን ዘመሓላለፎ ጉዳይ ትእዛዝ ማዕቐብ ከመይ ትሪኦ?

ኣይተ ጌታቸው፡-ንኢትዮጵያ ብማዕቐብ ኣቢልኻ ምፍርራሕ ወይ ድማ ንምድንጋፅ ምፍታን ታሪኽ ኢትዮጵያ ዘይምፍላጥ እዩ። ብተወሳኺ ድማ ፍቕሪ ሃገር ኢትዮጵያውያን ኣሽንካይዶ ሐዚ ቐደም ‘ውን ዓርሱ ዝኸኣለ ፍሉይ ታሪኽ ዘለዋ ሃገር እያ።ከም ኻልኦት ሃገራት ኣይኮነትን ዘኹርዕ ታሪኽ ጅግንነት ዘለዋ ከምዝኾነት ብፅንዓት ተሓጊዞም ክፈልጡን ክርድኡ ስለዘይከኣሉ ካብዚ ዝነቐለ እዩ እቲ ዝፍትንዎ ዘለዉ ፈተነታት።

 እዚ ኸዓ ምንም ስለዘይኮነ ክንፈርሕ የብልናን፤ እቲ ቐንዲ መፍትሒ ክኸወን ዘለዎ ብድኽመታትና ክመፁ ይኽእሉ እዮም።እዚ ማለት ዝተፈላለዩ ሓገዛትን ዲፕሎማሲያዊ ስራሕትታትን ከተዓናቕፉልና ስለዝኽእሉ ኣንሕና ድማ ዝያዳ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ጠንኪርና ከንሰርሕን ሓድነትና ክነጠናኽርን ብፍላይ ድማ ሙሉእ ንሙሉእ ዓርስና ኽኢልና ጠጠው እንብለሉ ኹነታት ምፍጣርን በይንና ጠጠው ንምባል ክኸብደና ስለዝኽእል ነዚ ፍታሕ ዝኸወን ድማ ዲፕሎማሲና ምጥንኻር ከምዝግበኣናን፤ ኣሜሪካ ትኹን ምዕራባውያን እቲ ሓቂ ክርድእዎ ከምዝግባእን፣ ናይ ዓብላላይነት ፕሮፖጋንዳ ዘይኮነስ እቲ ሓቂ ኣበይ ከምዘሎ ጠጠው ኢሎም ክርድኡ ክኽእሉ ኣለዎም።

ኣንሕና ድማ ሓቂ ንኽፍለጥን ማሕበረሰብ ዓለም ንኽርድኦን ለይትን ቐትርን ክንሰርሕ ኣለና፤ እቲ ዋና ዲፕሎማሲና ምጥንኻር እዩ ዝጠቕመና።ይኹን’ምበር ዲፕሎማሲ ጥራሕ ኣሚንና ሱቕ ምባል ዘይኮነስ እንድሕር ብዲፕሎማሲ ዘይርድኦም ኾይኑ ሓይልን ዓቕምን ከምዘለና ክፈልጡ ግድን ‘ዩ ክኸውን።እዚ ድማ መከላኸሊ ሃገር ዝያዳ እናተጠናኸረ ‘ዩ።ዘሎ ብቑፅሪ፤ ብፅሬቱን ብዘበናዊ ስልጠና ዝተሃነፀን ልዕሊ ኹሉ ድማ ፍቕሪ ሃገር ዝተሓንገጠ ሰራዊት እያ ተፍሪ ዘላ ሃገርና፤ ብምዃኑ ድማ እቲ ዘለና ዓቕሚ ሰራዊት ክነርእዮምን ጎናጎኒ ድማ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ክንሰርሕን ክንኽእል ኣለና ‘ምበር ክንደናገፅ የብልናን።

ኣሜሪካ መብዛሕትኡ ግዘ ኢድ ኣእታውነት ተብዝሕ እያ፤ ቕድም ክብል ኣብ መንጎ ኢትዮ ኤርትራ ኣትያ ኤርትራ ንኽትግንፀል ዓብይ ስራሕ እናሰርሐት ዝነበረት ኣሜሪካ እያ።እዚ ዝገበረትሉ ምኽንያት ድማ ዓባይ ኢትዮጵያ፣ ጥንክርቲ ኢትዮጵያ ንኸይትፍጠር ስለትደሊ’ዩ።ሐዚ ‘ውን ኣብ ስራሕቲ ምብትታን ጠንኪራ እናሰርሐት ትርከብ።ኣንሕና ድማ ነዚ ተረዲእና ሓድነትናን ኢትዮጵያውነትናን ብምጥንኻር ብፍቕርን ብምሕዝነትን ምንቅስቓስ፤ ተዘይኮይኑ ድማ ከምቲ ዝበልክዎ ብቕልፅምና ‘ውን ክነርእይ ከምእንኽል ምግንዛብ ኣድላይ እዩ።ብተወሳኺ ድማ ምስቲ ማዕቐብ ተተሓሒዙ ምድንጋፅ ንኸይፍጠር ኣብ ዝወፈርናሉ ስራሕቲ ኹለመዳያዊ ምንቅስቓሳት ክነጠናኽርነ ፅቡቕ ውፅኢት ንኽነምፅእ ይግበአና፤ ልዕሊ ኹሉ ግና ሓሳብ ኣሜሪካ ምርዳእ ኣድላይ እዩ፤ ናታ ሓሳብ ጥንኩር መንግስቲ ንኸይህሉ ካብ ዘለዋ ድሌት ዝተበገሰ እዩ፤ ብምዃኑ ድማ እዚ ጉዳይ ኣብ ሓቂ ጠጠው ኢላ ሓሳባ ክተዓራርይን ደጊማ ክትውስንን ኣለዋ፤ ተዘይኮይኑ ግና ስረ ኢትዮጵያውያን ትፈልጦ እያ።

ወጋሕታ፡-24 መስከረም 2014 ዓ.ም ዝግበር ምስረታ ሓዱሽ መንግስቲ ፌደራል ከመይ ትገልፆ?ኹነታት ክልል ትግራይ ኸ ምስቲ መረፃ ዘይምክያዳ ተተሓሒዙ ከመይ እያ ክትኸውን?

ኣይተ ጌታቸው፡-ኣንሕና ዋላኳ ናይ ትግራይ ኣመራርሓ እንተኾና ‘ወን ሓፈሻዊ ኹነታት ሓዱሽ ምስረታ መንግስቲ ግና ከምቲ ዝፍለጥ ሓዱሽን ጥንኩርን ኣመራርሓ ንቕድሚት ንምምፃእ ዝዓለመ እንትኸውን ብፍላይ ድማ ብብሄርን ብኣፈላላይን ዘይሓስብ እኳድኣስ ሰብ ብሰብነቱ ማዕረ ገይሩ ክዳንይ ዝኽእልን ብህዝቢ ዝእመንን ጥንኩር ኣመራርሓ ክመፅእ፤ ሕቶታት ህዝቢ ንኣብነት ሰላም ምርግጋፅ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ይኹን ትግራይ ብዘይ ሓንቲ ስግኣት ወፂኡ ክኣትው ክኽእል ኣለዎ።

ድሕሪኡ ድማ መሰረታዊ ነገራት ሓገዝ ረድኤት ብትኽክል ተባፂሑ በሊዑ ክሓድር ኣለዎ፤ ቐፂሉ ብዓርሰ ድሌቱ መረፃ ክመርፅን፤ ኣብ ትግራይ ዝተፈላለዩ ፓርትታት ኣለዉ እዮም ህዝቢ ድማ ንዝመሰሎ መሪፁ ጠንካራ ዝኾነት ክልልን ሃገርን ክፈጥርን ክመርሕን ዝኽእል ብፍላይ ድማ ሓፈሻዊ ሕቶ ህዝብታት ክምልስ ዝኽእል፤ ሰላምን ዲሞክራስን ከስፍን ዝኽእል ኣመራርሓ ብርግፀኝነት ናብ ቕድሚት ምምፅእን ክሰርሕ ምግባርን ይከኣል እዩ።ተዘይኾይኑ ‘ውን ከምቲ ዝፍለጥ ነዞም ሕቶታት ክምልስ ተዘይኽኢሉ ድማ ንሓሙሽተ ዓመት ዝፀንሕ ጊዚያዊ መንግስቲ ስለዝኾነ ባዕሉ እቲ ህዝቢ ዝፈርዶ እዩ ዝኸውን።እዚ ማለት ብትኽክል ብኢትዮጵያውነት ኣሚኑ ንኢትዮጵያውያን ዘገልግል፤ ብኢትዮጵያውነቱ ዘይደራደር ንናይ ደገ ሓይልታት ዘይለኣኣኽ ኣመራርሓን መንግስትን ንምምስራት ኣብ ምንቅስቓስ እዩ ዝርከብ።እዚ ምንቅስቓስ ዕውት ክኸውን ተስፋ ይገብር፤ ከምቲ ዘፍለጥ እዋኑ ምስ በፅሐ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ክትግበር እዩ።

ኣብ ትግራይ ድማ እቲ ወድዓዊ ኹነታት ተዓራርዩ ህዝቢ እኹል ሓገዝን ምርግጋዕን ምስ ረኸበ ብሓባር እንሪኦ እዩ ዝኸውን።ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ መንግስቲ እዩ ክመሓደር ዘለዎ፤ እዚ ድማ ትግራይ ስለዘይመረፀት ምስተን ዘይመረፃ ከባብታት ኾይና ፈለማ ሕቶ ህዝብታት ኣለዉ ክምለሱ

 ዝግበኦም፤ መሰረታዊ ጉዳያት ሰላምን ምርግጋዕን ፈላማይ እዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ብሰላም ወፂኡ ብሰላም ክኣትው ይግበኦ፤ ብዘይ ሓንቲ ስግኣት ምውፃእን ምእታው ምስ ጀመረ እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ብትኽክል ናብ ህዝቢ ተባፂሑ ኹሉ በሊዑ ክሓድር ክኽእል ኣለዎ።ድሕሪኡ ናብ መረፃን ምስረታ መንግስትን ክንኸይድ ንኽእል ኢና።ብዝመረፆ ክመሓደር ክኽእል ኣለዎ፤ ኣብ ትግራይ ሓሙሽተ ዝኾኑ ተቓወምቲ ፓርትታት ኣለዉ እዚኣቶምን ኻልኦት ‘ውን እንተሃልዮም ብመሰረት ሕጊ መረፃ ቦርድ ፌደራል መረፃ ተኻይዱ ትግራይን ህዝቢ ትግራይ ከገልግል ዝኽእል መንግስቲ ክነመቻችው ኢና፤ እዚ ማለት ድማ ህዝቢ ባዕሉ ዝመረፆ መንግስቲ ክምስረት እዩ።

ወጋሕታ፡-ኣብ መወዳእታ ንመንእሰይን ህዝቢ ትግራይን ተሕልፎ መልእኽቲ እንተሃልዩ?

ኣይተ ጌታቸው፡- ህዝቢ ትግራይ ክነቅሕ ክኽእል ኣለዎ፤ ጥፍኣት ህወሓት እዩ ናብዚ ኹሉ ዕንይንይን ኽሳራን ዘእተወና፤ ህዝብና ክልልና ናብ ዘየድሊ ገልጠምጠም ዘእተዎ ህወሓት ከምዝኾነ ክኣምን ክኽእል ኣለዎ።እቲ ቐንዲ መበገሲኡ ህወሓት እዩ።እቲ ድሕሪኡ ዝመፀ ክንዲ ዝኾነ ይኹን እቲ ዋና መንቀሊ ፀገም ራዕዳዊ ህወሓት እዩ።

ህወሓት ህዝብታት ተዘይንዕቕ ነይሩ፤ ኣፈላላይ እናፈጠረ ተዘየጓንፅን ብሕብረትን ብምሕዝነትን ተዝድመር ነይሩ፤ ኹሉ ብሓድነት ኾይኑ ንዝምስርቶ ሓዱሽ ስርዓት ተዝሰማማዕ ነይሩ እዚ ኹሉ መከራ ኣይምተፈጠረን።ይኹን ‘ምበር ናይዚ ኹሉ ምኽንያቱ ድማ ፅምኢ ስልጣን ከምዝኾነ ብተግባር ኣርእዩ እዩ።እቲ ዝተወሰነ ጉጅለ ዝሃረፎ ስልጣን ንምርካብ ተባሂሉ ደቂ ህዝቢ ህይወቶም ክኸፍሉ የብሎምን፤ ንብረቶም ከዕንዉ ኣይግባእን እዚ ትኹረት ሂብካ ክሕሰበሉ ይግባእ እዩ፤ ከምዝፍለጥ ስርቂ ናታቶም እዩ፤ ብዕሊ ዝተዛረብዎ እዩ ‹‹ኣንሕና በስቢስና ኢና ተበላሺና ኢና›› ኢሎም ኣብ ኣደባባይ ዝተዛረብዎ ስለዝኾነ፤ እንድሕር ተበላሽኹም ንህዝቢ ይቕረታ ሓቲትኹም ብሓዱሽ መንእሰይን ሓዱሽ ኣሰራርሓን ሃገር ንህነፅ ተባሂሎም ነይሮም።

እሳቶም ግና ብዘይኾነ ፕሮፖጋንዳ ሕሶት ህዝቢ ናብ ዘየድሊ ኲናት ኣእትዮሞ፤ ይኹን ‘ምበር ሐዚ ‘ውን እንተኾነ ህዝቢ ትግራይ ይኣኽለና ክብል ኣለዎ ኲናት እስካዕ መኣዝ እዩ?ህዝብና ምስ ተወደአ ኣንሕናኸ ንመን ኢና ክንመርሕ እሳቶምኸ ኣይሓስቡን ድዮም ንመን ክመርሑ እዮም?እሳቶም ብትኽክል ህዝቢ ትግራይ ከም ፅላል እናተጠቐሙሉ እዮም፤ ከም መከላኸሊ ተሓቢኦምሉ እዮም ዘለዉ ‘ምበር ህዝቢ ትግራይ ንዓኣቶም ጉዳዮም ኣይኮነን ስለዝኾነ ድማ ህዝቢ ባዕሉ ጠጠው ኢሉ ከስተውዕል ኣለዎ፤ ህዝቢ ብዘየድሊ ኲናት ንረብሓ ውሑዳት ሰባት ኢሉ ናብ ሓዉን ረመፅን ክኣትው የብሉን፤ ኮፍ ኢሉ ሰላምን ልምዓትን ከምፀአሉ ኣብ ዝኽእል ጉዳይ ክዛተይን ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ብምስታፍ ሃገሩ ናብ ዘገልግለሉ ኹነታት ክሰጋገር ኣለዎ።

 ስልጣን ናይ ውሑዳት ሰባት ስለዝኾነ ሰበስልጣን ይመፁ ይኸዱ እዮም፤ ኣብ ትግራይ ግና ከምዚ ዓይነት ስራሕ ስለ ዘይተሰርሐን ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ገዲፎም ታሪኽ ህወሓት ጥራሕ እናዘመሩ ስለ ዝመፁ 46 ዓመታት ታሪኽ ህወሓት ጥራሕ እናደጋገሙ ነቲ ጅግንነትን ስረ ትግራዋይነትን ክዝከር ፍቓደኛታት ስለዘይነበሩ ነቲ መንእሰይ ክሽወድ ገይሮሞ እዮም።

ሐዚ ‘ውን እንተኾነ ኣይረፈደን እቲ ዝተረፈና ህዝቢ እነድሕነሉ፤ እተን ኣዴታትና ኣሕዋትናን ኣሓትናትናን ብፀገምን ብጥምየትን እናሞታ ዘለዋ፤ ነቶም ህፃውንቲ ኣብ ምድሓን ‘ውን ጊዜ ኣለና እዩ፤ ጠጠው ኢልና እቶም ብሕጊ ዝድለዩ ኣካላት ኣሕሊፍና ሂብና ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ናፃ ኣውፂእና ልክዕ ከምቶም ኻልኦት ህዝብታትና ብሰላምን ብፍቕርን ናብ እንነብረሉ ኹነታት ክንምለስ ክንኽእል ኣለና ኢልና ኢና ንሓስብ ብተወሳኺ ‘ውን ናይ ሃገራት ፅዕንቶን ኢድ ኣእታውነትን ክንርዳእ ኣለና።ከም ሃገር ጥንኩራት ክንኸውን ስለዘይደልዩና እዩ።እዚ ድማ ክሕሰበሉ ክኽእል ኣለዎ ‘ምበር ኣብ ኲናት እናተነበረ ምንም ዘምፅእዎ ለውጢ የለን፤ ባዕልና ኢና ጠጠው ክነብሎ ንኽእል፤ ኣንሕና ኣብ ልዕሊ መን ኢና ንትኩስ?ትማሊ ብሓንሳብ እናበላዕና እናሰተና ዝነበርና ሰባት ሎሚ ነንርእስና ክንቀታተል ኸለና እንጉዳእ ኹላትና ኢና፤ እሳቶም ግና ኻሊእ ጉዳይ ፖለቲካ ስለዘለዎም ‘ምበር ንህዝቢ ትግራይ ሓሲቦምሉ ኣይኮነን።ስለዝኾነ ትግራዋይ ብኹለመዳይ ጅግና እዩ፤ ብኹሉ መዳይ ተንቀሳቒሱ ለውጢ ከምፅእ ዝኽእል ህዝቢ እዩ።እዚ ህዝቢ ኣብ ኲናት ጥራሕ ክዳጎን የብሉን።ብዙሓት ጀጋኑ ነይሮምና እዮም ብፍላይ ኣፍሪካዊ ጀነራል ኣሉላ ኣባነጋ እስካብ ሐዚ ብህወሓት ሽሞም ከይልዓል እናተገበረ እንተፀንሐኳ ንህዝቢ ኢሎም ኽሳዶም ዝህቡ በዓል ሃፀይ ዮሃንስ ምርኣይ ይከኣል እዩ፤ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ብቐሊሉ ዝርኣይ ጉዳይ ኣይኮነን፤ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ታሪኽ ህወሓት ጥራሕ ገይርኻ ምርኣይ ፈፂሙ ጌጋ እዩ።

እቲ ቓልስና ንኾርዐሉን ንኣምነሉን እዩ ህዝቢ ትግራይ ዘመዝገቦ ታሪኽ እዩ፤ ይኹን ‘ምበር ድሕሪ 1983 ዓ.ም ታሪኽ ውልቀ ሰባት ኾይኑ ኣብ ስርቅን ኣብ ግዕዝይናን ስለዝኣተዉ እቲ ታሪኽና ‘ውን ተሸፊኑ እቶም መስዋእትን መቑሰልትን ዝኸፈሉ ተጋደልቲ ‘ውን ከይተኸበሩ፤ ምንም ረብሓ ከይረኸቡ እስካዕ ሐዚ ኣብ ልመናን ኣብ ዘይግበኦም ፀገማትን ወዲቖም ‘ዮም ዝርከቡ፤ እዚ ብግልፂ ዘርእየና መራሕቲ ህወሓት ንውልቆም ‘ምበር ንህዝቢ እዚኣ ትበሃል ጥቅሚ ከምዘይብሎም እዩ፤ ስለዝኾነ ድማ መንእሰይ ካብ ዘየድሊ ኲናት ዓርሱ ከግልልን ኣዴታት ‘ውን ኲናት ይኣኽለና ኢልኽን ደቅኽን ክትእክባ ይላቦ።

ወጋሕታ፡-ንዝነበረና ፃኒሒት የመስግን።

ኣይተ ጌታቸው፡-ኣነ’ውን የመስግን።

ትርሓስ ፍቃዱ ጋዜጣ ወጋሕታ  20 መሰከም 2014 ዓ.ም

Recommended For You