‹‹ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዕታት መግለፂ ባህሪኡ እዩ›› – ኣይተ በረከት ኣባዲ

ኣይተ በረከት ኣባዲ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፤ ኣብ ከተማ መቐለ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ክፍለ ከተማ ዓይደር እዮም።ኣብ ከተማ መቐለ ዝተወለዱ እንትኾኑ ካብ ቐዳማይ ክፍሊ ክሳብ 12 ክፍሊ ‘ውን ኣብ መቐለ እዮም ተማሂሮም፤ ቐዳማይ ዲግሪ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓድግራት ብመካኒካል ኢንጅነሪግ ተመሪቖም። ኣይተ በረከት ኣባል ናይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ፓርቲ ኣይኮኑን፤ ኮይኑ ግና ደጋፊ ብልፅግና ፓርቲ እዮም።ሓዱሽ ለውጢ ምስ መፀ ሓደ ሰብ ናብ መንግስታዊ ሓላፍነት ንምምፃእ ግዴታ ኣባል እቲ ገዛኢ ፓርቲ ክኸውን ኣለዎ ስለ ዘይብል መንግስታዊ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ንህዝቢ እናገልገሉ ምንባሮም እዮም ዝገልፁ። ክቡራት መንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ወድዓዊ ኩነታት ሃገርና ብፍላይ ድማ ምስ ኩነታት ትግራይ ተተሓሒዙ ምስ ኣይተ በረከት ዝገበርናዮ ፃኒሕት ከም ዝስዕብ ብምስንዳእ ኣቕሪብናልኩም ኣለና።ሰናይ ንባብ።

 ወጋሕታ፡- ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ መንግስታዊ ስራሕ እናሰርሑ እናሃለዉ ምስቲ ዝነበረ ኩነታት ተተሓሒዙ የጋጥምዎም ዝነበሩ ቐንዲ ቐንዲ ዕንቕፋታትን ከምኡ ‘ውን ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ዝውሰዱ ዝነበሩ ስጉምትታት ተዝገልፁልና።

ኣይተ በረከት፡- ዝተፈላለዩ ፀገማት ነይሮም እዮም፤ ዝተወሰኑ ንምጥቓስ ዝኣክል ግና ሕብረተሰብ ኣባና ዝነበሮ ኣመላኻኽታ ፅቡቕ ኣይኮነን ነይሩ። ሕብረተሰብ ንሕና ህዝቢ ንምግልጋል ኢልና እናሰራሕና ምንባርና ብትኽክል ኣብ ምርዳእ ፀገም ነይሩ እዩ። ንሕና ናይ ፖለቲካ ስራሕ ኣይንሰርሕን ነይርና፤ ህዝቢ ምግልጋል ጥራሕ’ምበር ፖለቲካዊ ስራሕ ከትሰርሕ ዝፍቐድ ‘ውን ኣይነበረን።ኣነ እኳ ካብ ኣባል ፖለቲካዊ ውድብ ናፃ እየ ነይረ።ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተፈላለዩ ፅልኢት ክሓድረና ይስራሕ ነይሩ እዩ። ነዚ ንምቕያር ብዙሕ ንሰርሕ ነይርና ኢና፤ ኮይኑ ግና ክቕረፍ ኣይከኣለን ነይሩ።ምኽንያቱ ምኽንያታዊ ዘይኮነ ፅልኢት እዩ ነይሩ። ኣብዚ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ሓይሉ ፀንቒቑ ይሰርሕ ነይሩ እዩ ከንብል ንኽእል ኢና፤ ኮይኑ ግና ኣብ ሓደ ሓደ ሕማቕ ስራሕቲ ዝሰርሑ ኣካላት ነይሮም እዮም። እዚ ንኽስተኻኸል ብዙሕ ፃዕሪ ንገብር ነይርና ኢና፤ ኮይኑ ግና ብስውር ካብ ዕላማ እቲ መንግስቲ ወፃኢ ዝስራሕ ዝነበረ ስራሕ ንምስትኽኻል ንኸዶ ዝነበርና ክያዶ ሙሉእ ብሙሉእ ዕውት ነይሩ እዩ ምባል ኣይከኣልን።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ህዝቢ ትግራይ ፅሞና የድልዮ እዩ ኢሉ ኵናት ጠጠው ኣብ ዝበለሉ ስዒቡ፣ ህወሓት ነዚ ከም ፅቡቕ ዕድል ተጠቒሙ ኣብ ክልል ኣፋርን ኣምሓራን ዝፍፅሞም ዘለዉ ግፍዕታት ንምንታይ ዕላማ እዩ ይብሉ?

ኣይተ በረከት፡- ህወሓት ነዚ ፍፃመታት እዚ ክወስድ እንተሎ ህዝቢ ትግራይ ንምጉዳእ እዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ምስ ጎረባብቲ ክልላት ንምፅላእ እዩ። እዚ ነቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ክጠቅም ይኽእል እዩ፤ ምኽንያቱ ኣሚንሉ እዩ ዝፍፅሞ ዘሎ። እዚ ፓርቲ እዚ ኣይሽንኳይዶ ሕዚ ሃገርና ኣብ ፀገም ኣብ ዘለትሉ እዋን ህዝቢ ትግራይ ኣብቲ ሰላም ግዜ ‘ውን እንተኾነ ዝጠቐሞ ነገር የለን፤ ረሲዕዎ ዝነበረ ህዝቢ እዩ።

ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ህዝቢ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዕታት ዋላ’ኳ መግለፂ ባህሪኡ እንተኾነ እቲ ቐንዲ ግና ንህዝቢ ትግራይ ንምፅላእ እዩ። ህዝባዊ ውድብ እየ እዩ ዝብል፤ ኮይኑ ግና ህዝባዊ ከምዘይኮነ ተግባሩ ምስክር እዩ። ጁንታ ህወሓት ግና ህዝባዊ ዕላማ ስለ ዘይብሉ እዩ እናሓለፈ ፀገም ዝፈጥር ዘሎ። ዝገብሮ ዘሎ ግፍዕታት ንህዝቢ ትግራይ ዝውክል ኣይኮነን፤ ህዝቢ ትግራይ ንማንም ህዝቢ ፀላኢ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ህዝቢ ትግራይ ምስ ጎረባብቱ ሰላም ኮይኑ ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ እዩ። ሕዚ ‘ውን ሕውነት፣ ፍቕርን ሰላምን ዝደሊ ህዝቢ እዩ። ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ዝወስዶ ዘሎ ግፍዕታት መግለፂ መንነቱ እዩ። እዚ ጉጅለ እዚ ኣብ ልዕሊ እውክሎ እየ ዝብል ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ዝተፈላለየ ግፍዕታት እናፈፀመ ዝርከብ ጉጅለ እዩ።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ፌዴራል ንዕጡቓት መናእሰይን ምልሻታትን ትግራይ ብሰላም ኢዶም ንመንግስቲ ሂቦም ናብ ሰላማዊ መነባብረኦም ክምለሱ ብተደጋጋሚ ፃውዒት የቕርብ እዩ፤ በዚ መሰረት ካብ ዞም ኣካላት እዚኦም ይኹን ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ?

ኣይተ በረከት፡- መንግስቲ ምእንቲ ህዝቢ ትግራይ ኢሉ ብተደጋጋሚ ፃውዒት እናቕረበ ምርካቡ ካብ ትዕግስቲ ዝነቐለ እዩ። ኮይኑ ግና እዚ ክሳብ ሕዚ ብሰንኪ እቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ተግባራዊ ክኸውን ኣይረአይን ዘሎ። መንግስቲ ክሳብ ሕዚ ትዕግስቱ እናቐፀለ እዩ ዘሎ። መንእሰይ ትግራይ ዝጠቕሞ ኵናት እንተይኮነስ ሰላም እዩ፤ ኵናት ገዲፉ ምስ ካልኦት ኣሕዋት ህዝብታት ኢትዮጵያ ኮይኑ ብዛዕባ ሰላምን ዕቤትን ሃገሩ እዩ ክሓስብ ዝግበኦ፤ ነቲ ፃውዒት ቐልጢፉ ተቐቢሉ ህዝቡ ሰላ ዝኾነሉ ኩነታት እዩ ክሓስብ ዘለዎ። መንእሰይ ትግራይ ካብ ኵናት እንተይከነስ ካብ ሰላም እዩ ክርባሕ ዝኽእል።

ህዝቢ ትግራይ ቕድሚ ሕዚ ብዙሓት ኵናት ኣሕሊፉ እዩ፤ ኮይኑ ግና ዋላ ሓንቲ ኣይተረብሐን፤ ኵናት ይኣኽሎ እዩ፤ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ሓደጋ ክወፅእ እዩ ዝግባእ። ዘለዎ ኩነታት ብጣዕሚ ከቢድ እዩ። ናይዚ ፀገም እዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ መበገሲኡ ይፈልጦ’ዩ። እዚ ፀገም እዚ ሸለል ዝባሃል ኣይኮነን።ክሳብ መዓዘ እዩ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከምዚ ዝበለ ፀገም ክነብር? ህዝቢ ትግራይ ብዝግባእ ስኽን ኢሉ ብምሕሳብ ዝጠቕሞ ክውስን ኣለዎ፤ ወትሩ ግዜ ኣብ ሓደጋ ክነብር የብሉን።ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ፓርቲ ደጋፊ ኮይንካ ምንባር ክኣኽሎ ኣለዎ፤ ዕድመ ልክዑ ናይ ሓደ ፓርቲ ዓጃቢ ኮይኑ ክነብር የብሉን።እዚ ከብቕዕ ኣለዎ። ራዕዳዊ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ፀገሙ ‘ምበር ክምችዎ እንተሎ ወይ ሰላም ኣብዝ ኾነሉ እዋን ኣስታዊስዎ ኣይፈልጥን። ህወሓት ሙሉእ ብሙሉእ ደርጊ ምስ ሰዓረ ብዙሓት ኣካሎም ዝጎሉ ተጋደልቲ ኪዱ ኣይፈልጠኩምን’ዩ ኢልዎም።ኣካሎም ጎዲሎም ዘምፅዎ ተጋድልቲ ዘኪርዎም ኣይፈልጥን፤ ነዞም ኣካላት እዚኦም ኣብ ኵናት ዓዲምዎም’ዩ፤ ኣብ ግዜ ሰላም ግና ዝተወሰኑ ኣመራርሓ ህወሓት እንተዘይኮይኖም ብዝተቓለስዎ ልክዕ ኣይተጠቐሙን። ውሱናት ኣመ ራርሓ ህወሓት ከምድሌቶም ይጥቐምሉ ዝነበረ ዘመን’ዩ ነይሩ። ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ትግራይ ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ከፊሉ ክሳብ ሕዚ ኣብ ድኽነት እዩ ዝርከብ፤ እኳደኣስ ቕድሚ ህወሓት ናብ ስልጣን ምምፅኡ ይሕሾ ነይሩ።ኣብ ህወሓት ዘመን ናብ ዝኸፍአ ድኽነት እዩ ተመሊሱ።ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ተረዲኡ ንህወሓት ምዕጃብ ይኣኽለኒ ብምባል ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌዴራል ኮይኑ ሰላሙ ከረጋግፅ ኣለዎ።

ህዝቢ ትግራይ ሕዚ ‘ውን መሕብኢ ህወሓት ኮይኑ እዩ ዘገልግል ዘሎ፤ ብፍላይ ህወሓት ለውጢ ኣይቕበልን ኢሉ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ትግራይ ምስ ከደ መሕብኢ ወይ ካብ ገበን ንመምለጢ’ዩ ዝጥቐመሉ ዘሎ። ህወሓት መገዛ ባዕሉ ኵናት ቖስቒሱ ክኸብዶ እንተሎ ህዝቢ ገዲፉ ናብ በረኻ እዩ ሃዲሙ።ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ፀገሙ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ወይ መንግስቲ ፌዴራል እዩ ኣብ ጎኑ ኮይኑ ይሕግዞ ነይሩ።ነቲ ዝነበረ ክፍተት ግዝያዊ ምምሕዳር’ዩ ሸፊኑ ይሰርሖ ነይሩ።እዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ንህዝቢ ትግራይ ንምሕጋዝ መስዋእቲ እናኸፈለ ዝነበረ እዩ። ህወሓት ግና ነዚ ከም ፀላኢ ብምሕሳብ ኣብ ርእሲኡ ዝተፈላለየ ግፍዒ እናወሰደ ይርከብ።

ህዝቢ ትግራይ ፅዕንቶ ጉጅለ ራዕዳዊ ህወሓት ናፃ ንኽወፅእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ብምባል ንህዝቢ ትግራይ ኣለኹልካ ክብሎ ኣለዎ፤ ህዝቢ ትግራይ ገጢምዎ ካብ ዘሎ ፀገም ንኽወፅእ ሓገዝ ህዝቢ ኢትዮጵያ የድልዮ እዩ። ሓሓሊፉ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ደሚርካ ምፅላእ ዝረአየሉ ኩነታት ኣሎ እዩ፤ እዚ ትኽክል ኣይኮነን፤ ጠጠው ክብል ኣለዎ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ውድብ ህወሓት ነፂሉ ክሪኦ ኣለዎ። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ክውገድ ክኽእል ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ።

ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ፅዒነን ዝኣተዋ መኻይን ዘይተመለሳሉ ምኽንያት ወታደራት ንምምልላስ እዩ ዝጥቐመለን ዝብል ሓበሬታት ይናፈሱ እዮም።እስቲ ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ ይግለፁልና።

ኣይተ በረከት፡- እወ፣ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ፅዒነን ካብተን ዝኣተዋ መኻይን ውስናት እየን ተመሊሰን።ዋላ ንፁር ሓበሬታ ኣይሃሉ’ምበር ከምቲ ኩልና ንሰምዖ ወታደር መመላለሲ ይጥቀመለን ከምዘሎ እዩ ዝሕበር።ኮይኑ ግና እቲ ራዕዳዊ ህወሓት ዝብሎ መምለሲ ነዳዲ ስለ ዘየለ እየን ዘይተመለሳ ‘ዩ ዝብል። እዚ ክኸውን ይኽእልዶ ኣይኽእልን ብዘይሻራዊ ኣካል ምፅራይ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ።

ወጋሕታ፡- ኣብ 24 መስከረም 2014 ዓ.ም ካብ

 ዝምስረት ሓዱሽ ፌደራል መንግስቲ እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ? ብፍላይ ድማ ምስ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ተተሓሒዙ።

ኣይተ በረከት፡- ሃገርና ካብቲ ገጢምዋ ዘሎ ፖለቲካዊ ፀገም ዘናግፋ ክኸውን ተስፋ እገብር፤ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ዘለዎ ፀገም ኣውፂኡ ሃገራዊ ሓድነት ዘጠናኽረሉ ኩነታት ክፍጠር ትፅቢት ይገብር፤ ውልቐ ጥቕሙ ዝሓስብ ፓርቲ ራዕዳዊ ህወሓት ተወጊዱ ናይ ሓባር ረብሓ ዝረጋገፀሉ ኩነታት ክፍጠር ትፅቢት እገብር።ብሓፈሻ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ሰለም ከትኸውን ብተስፋ ንፅበ ኣለና፤ ኣነ ብውልቐይ ከምዚ ክኸውን እየ ተስፋ ዝገብር።

ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ንምውፃእ እንታይ ክገበር ኣለዎ ይብሉ?

ኣይተ በረከት፡- ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ፀገም ገጢምዎ እዩ፤ ይኹን ‘ምበር እዚ ፀገም እዚ ናይ ህዝቢ ትግራይ ፀግም ጥራሕ ገይርካ ክውሰድ የብሉን። ህዝቢ ትግራይ ኣካል ህዝቢ ኢትዮጵያ ክሳብ ዝኾነ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ፀገም ህዝቢ ኢትዮጵያ ማለት’ዩ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ኣጋጢምዎ ዘሎ ፀገም ንኽወፅእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ደው ክብል ኣለዎ።ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ካብ ደንገርገር ክወፅእ ኣለዎ፤ ህወሓት ከም ዘይጠቕሞ ፈሊጡ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኢትዮጵያን መንግስትን ክስለፍ ኣለዎ።ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ዓፈና ንኸወፅእ ኣብ ጎኒ ህወሓት ክስለፍ የብሉን።

ካሊእ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ከምዚ ዝበለ ፀገምን ፀበባን ክወፅእ እንድሕር ኮይኑ ምስ ካልኦት ኣሓቱ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ሓድነቱ ከጣናኽር ኣለዎ።ሓድነት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ጥንኩር እንድሕር ኮይኑ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ህወሓት ምጥፋእ ይከኣል እዩ። በዚ መሰረት ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘለዎ ፀገም ክናገፍ ይኽእል እዩ።

ወጋሕታ፡- ግብረራዕዳዊ ህወሓት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከይኣቱ መንግስቲ ፌዴራል ከልኪሉ ዝብል ጥርዓናት ከቕርብ ንሰምዕ ኢና።እዚ ከመይ ይምልከትዎ? ሓቕነት ኣለዎ ዶ ይብሉ?

ኣይተ በረከት፡- እዚ ሓቕነት ዘይብሉ ጥርዓን እዩ፤ ናይ ባዕሉ ተግባር እናሃለወ ኮነ ኢሉ ሽም መንግስቲ ንምጥፋእ ዝግበር ዘሎ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ እዩ።መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ሰብኣዊ ሓገዝ እናላኣኸ ነይሩ እዩ፤ ሕዚ ‘ውን ይተሓባበር ኣሎ እዩ። ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና መኻይን ከይሓልፋ ኣብ ተፈላለዩ ከባቢታት ኵናት ብምኽፋት ዕንቕፋት ኮይኑ ዘሎ ባዕሉ ህወሓት እዩ። ህወሓት ከምዚ ዓይነት ተግባር ዝገብር ዘሎ ምኽንያት ንፕሮፖጋንዳ እዩ።

መንግስቲ ፌዴራል ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይኣቱ ከልኪሉ እናበለ ክሳብ ሃገራት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ብምንዛሕ ኣንፃር መንግስቲ ኢትዮጵያ

ጠጠው ክብላ ስለ ዝደሊ እዩ። ከምኡ ‘ውን መንግስቲ ፌዴራል ህዝቢ ትግራይ ብጥሜት ንምውዳእ ዓፅይዎ እናበለ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መንግስቲ ፌዴራል ኣሉታዊ ኣራኣእያ ከሕድር ምእንቲ’ዩ። ህዝቢ ትግራይ ድማ በዚ ተታሊሉ ኣብ ጎኒ ህወሓት ምእንቲ ጠጠው ክብል እዩ። ህወሓት ንመንግስቲ ይኹን ንህዝቢ ክብሪ ዝበሃል ኣይፈልጥን። ከምኡ ‘ውን ንናይ ደገ ሓይልታት ተለኣኣኽቲ ብምዃን ምስሊ ሃገር ብምጥፋእ እዩ።

ወጋሕታ፡- ትእዛዝ ማዕቐብ ፕረዚዳንት ጆባይደን ከመይ ተመልኪቶሞ?

ኣይተ በረከት፡- ቕድሚ ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ ዘይተለምደ ሓዱሽ ዓመት ኣመልኪቶም ናይ እንኳዕ ኣብፀኸኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም እዮም፤ ይኹን ‘ምበር ካብ ልቢ ዝነቐለ ዘይምዃኑ ተረዲእና ኢና።ናይ ኣሜሪካ ነገር ከም ምስላ ወለድና ‹‹ኮሓሎ መሲለን መንቖሮ›› እዩ ማለት ይከኣል። ብዝተፈላለየ መገዲ ኢትዮጵያ ንምብትታን እናሰርሐት እያ። እዚ ድማ ናይ ባዕላ ረብሓ ንምሕላው ‘ምበር ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዘጨንቓ ኣይኮነን። መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪካ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ምስርሓ ሓዱሽ ኣይኮነን። ኣብ እኒ ሊብያ ከምዚ ዓይነት ስራሕ እናሰርሐት መፂኣ እያ። ካብዚ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ብፍላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስቲ ሒዝዎ ዘሎ ጠንካራ ለውጥን ኣካይዳን ኢትዮጵያ ከይትዓቢ ስግኣት ስለ ዝሓደራ’ዩ። እዚ ናይ ምትዕንቓፍ ለውጢ ክሰምረላ ዝኽእል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ናይ ሕዚ መንግስቲ ከም ህወሓት ዝለኣኣኽ መንግስቲ ኣይኮነን፤ ምልእኣኽ ኣብዚ ለውጢ እዚ ዘብቐዐ ይመስለኒ። ህዝቢ ሓድነቱ ኣሐይሉ እናኸደ እዩ ዘሎ፤ ህዝቢ ሓደ እንተኾይኑ ድማ ዘስግእ ኣይኸውንን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሃገር ንድሕሪት ዘይብል ምዃኑ ብታሪኽ ይፍለጥ እዩ።ስለዚ ትእዛዝ ማዕቐብ ኣሜሪካ ግቡእ ኣይኮነን፤ ኮነ ተባሂሉ ንኢትዮጵያ ንምጉዳእ ስለ ዝኾነ ቕቡልነት የብሉን ዝብል ሓሳብ ኣለኒ።

ወጋሕታ፡- ርኢተኦም ስለ ዘካፈሉና የቕንየልና።

ኣይተ በረከት ፡- ኣነ ‘ውን ስለ ዝጋበዝኩምኒ የቕንየለይ።

መኣርግ ገ/ሄር

ጋዜጣ ወጋሕታ  20 መሰከም 2014 ዓ.ም

Recommended For You