‹‹ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንምፍጣር እትገብሮ ዘላ ሙከራ ንህዝቢ ትግራይ ሓልያ እንተይኮነስ ንባዕላ ረብሓ እዩ›› – ኣይተ ገብረፃድቕ ገብረመድህን

 ኣይተ ገብረፃዲቕ ገብረመድህን ሓላፊ ዘፈር ኣዋዳድባ ብልፅግና ትግራይ እዮም። ማእኻላይ ኣመራርሓ ህወሓት ብምዃን ዝሰርሑ እንትኾኑ ህወሓት ዝኽተሎ ኣካይዳ ስለ ዘይኣመንሉ ብድሌቶም ገዲፎሞ ብምውፃእ እናተቓወሙ ይርከቡ። ኣብ ከይዲ ለውጢ ምስ መፀ ድማ ናብ ብልፅግና ፓርቲ ብምእታው ኣንፃር ህወሓት እናተቓለሱ ይርከቡ። ኣብ ትግራይ ኣብ ተፋላለዩ መንግስታዊ ሓላፍነት ዝሰርሑ እንትኾኑ ብፍላይ ድሕሪ ለውጢ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣማኻሪ ዋና ስራሕ ፈፃሚ ኣዋዳድባ ህዝቢ ከተማ ኮይኖም እናሰርሑ ነይሮም እዮም። ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ጋዜጣ ወጋሕታ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ኣመልኪትና ምስ ኣይተ ገብረፃድቕ ዝገበርናዮ ፃንሒት ከምዝስዕብ ኣሳናዲእናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

 ወጋሕታ፡- ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ተፈላላዩ መንግስታዊ ስራሕ እናሰርሑ ነይሮም እዮም። እስቲ ምስቲ ዝነበረ ኩነታት ተተሓሒዙ ዘጋጥሞም ዝነበረ ቐንዲ ቐንዲ ፀገማት ይግለፁልና።

ኣይተ ገብረፃድቕ ፡- ዘጋጥሙና ዝነበሩ ፀገማት ብዙሓት እዮም፤ እቶም ቐንዲ ነጥቢታት ግና መንግስቲ ዝልእኾ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ብኣግባቡ ናብ ህዝቢ ኣብ ምብፃሕ ዕንቕፋታት ይገጥሙና ነይሮም እዮም። ንኣብነት ካብ መቐለ ናብ ራያ ዓዞቦ ዝለኣኽ ሓገዝ እኽሊ መን ተቐቢሉ ንመን የካፍሎ ኣብ ዝብሉ ነገራት ንፅገም ነይርና። እቲ ማሓውር ኣይፀረየን ነይሩ። እዚ ክስተኻኸል በቢእዋኑ ሓበሬታ ንህብ ነይርና ኢና። ኮይኑ ግና ካብ መቐለ ክለኣኽ እንተሎ ብዝግባእ ተቐቢሉ ናብ ህዝቢ ዝወስድ ስለ ዘይነበረ እቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ተቐቢሉ ይወስዶ ነይሩ እዩ። ነዚ ንኽስተኻኸል ዋላ ብዙሕ ፃዕሪ ይገበር ፤ ኮይኑ ግና ብሕቡእ ልኡኻት እቲ ጉጅለ ራዕዲ ስለ ዝነበሩ ንምስትኽኻል ኣፀጋሚ ይኾነና ነይሩ እዩ።

ወጋሕታ፡- ንምንታይ እዩ ከምዚ ዓይነት ፀገም ክጋጥም እንተሎ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከስተኻሕሎ ዘይከኣለ?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ንምስትኽኻል ብዙሕ ፃዕርታት ንገብር ነይርና ኢና፤ ኮይኑ ግና ኮነ ኢሎም ነዚ ዘተዓናቕፉ ኣካላት ነይሮም እዮም። ንኣብነት ብሰንኪ ናይ ፀጥታ ፀገም ክስተኻኸል ኣይከኣለን ነይሩ። እቲ ናይ ፀጥታ መሓውር ጠንካራ ስለ ዘይነበረ እቲ ኣብ ተፈላለዩ ሓላፍነት ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣካል ዓርሰ እምነት ኣሕዲሩ ከይሰርሕ ገይርዎ እዩ።

ወጋሕታ፡- እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝሰርሖም ስራሕቲ ተዝገልፁልና። ከምኡ ‘ውን ኣብ ምንታይ ዓይነት መደባት ትኹረት ገይሩ ይሰርሕ ከምዝነበረ?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ትግራይ ንምርግጋዕ ተባሂሉ ዓበይቲ ሽቶታት ተታሒዙ ነይሩ እዩ። ግዝያዊ ምምሕዳር እተን ክስረሓ ኣለዎን ኢሉ ሒዝዎን ዝነበረ 6 መደባት እየን ነይረን። ቐዳማይ ዝፈረሰ መሓውር መንግስቲ መሊስካ ምውቓር ዝብል እዩ ነይሩ። እዚ ብቐጥታ ኣብ ከተማ በቢጣቢያኡ ብህዝቢ 20 ኣባላት መሪፅካ ካብኦምለ ሓሙሽተ ስራሕ ፈፃሚ ገይርካ፣ ሸውዓተ ናይ ህወሓት ውዳበ ፕሮፖጋንዳን ዝነበረ ቖሪፅካ ኣቦ መንበርን ፀጥታ ምምሕዳር፣ ሓላፊ ትልምን ፋይናንስን፣ ሓላፊ ጉዳይ መንእሰይን ስፖርትን፣ ሓላፊ ጉዳይ ደቒ ኣንስትዮ ብዝብል ከም ብሓዱሽ ብምውቓር ዝብል ትልምታት ሒዝና እዚኦም ብዝግባእ ክሰርሑ ኢና ንሰርሕ ነይርና። ካልአይ መሓውር መንግስቲ ስራሕ ክጅምር፣ ማለት ሰራሕተኛ መንግስቲ ብሰንኪ እቲ ኵናት መሃያኡ ጠጠው ኢሉ ስለ ዝነበረ መያሃኡ ሂብካ መንግስታዊ ግልጋሎት ክህብ ዝብል እዩ ነይሩ። ብጀካ ማእኻላይ ኮሚቴ ካብ ዞባ ንላዕሊ ፖለቲካዊ ሽሞኛ ካሊእ ኩሉ መሃያኡ ተዋሂቡ እዩ ነይሩ። ግን መሃያኡ ሒዙ ወረ ዘማላላስ ኣካል ነይሩ እዩ። በዚ መሰረት ግቡእ ግልጋሎት ኣይህብን ነይሩ።

እቲ ሳልሳይ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ናብ ቦትኡ ምምላስ ዝብል እዩ ነይሩ፤ ሰብ ወፊሩ ብሰላም ክኣቱ፤ ኩሉ ሰብ መደበኛ ስርሑ ክሰርሕ፤ ኮይኑ ግና እዚኣ ዕውቲ ኣይነበረትን። ዕዉት ኣይነበረን ክብል እንተለኹ ሰባት ብተፈላላየ ምኽንያት በቲ ጁንታ ይሕረዱ፣ ይቕተሉ፣ ይስረቑ ነይሮም እዮም። ራብዓይ ሕዚ ‘ውን ብሰንኪ እቲ ኵናት ፀገም ዝገጠሞም ክፋል ሕብረተሰብ ብሴፍቲኔት ዝመሓደሩ ዝነበሩ ሓዊሱ ናይ ሓገዝ እኽሊ ክረኽቡ ዝብል እዩ ነይሩ። ነዚኦም ካብ ጥሜት ንምውፃእ ዝብል እዩ ነይሩ። መንግስቲ 70 ሚኢታዊ ዝኣክል ሓገዝ ሂቡ እዩ። እቲ 30 ሚኢታዊ ድማ ካብቶም ለገስቲ ትክላት እዩ ነይሩ። ኮይኑ ግና እዚ ብኣግባቡ ኣብ ምብፃሕ ፀገም ነይሩ እዩ። እዚ ክብል እንተለኹ ምስቲ ግብረ ራዕዳዊ ርክብ ዝነበሮም ኣካላት ይወስድዎ ነይሮም እዮም። ኣብዚ ፅፉፍ ዝኾነ ስራሕ ስለዘይተሰርሐ ውፅኢታዊ ኣይነበረን። ግልፅነትን ተሓታትነትን ዝዓሰሎ ስራሕ ኣይነበረን።

ሓሙሻይ መሰረተ ልምዓት ናብ ቦተኦም ክምለሱ ምግባር፤ ንኣብነት ቴሌ፣ መብራህቲ፣ ባንኪ ዝፈረሰ ፅርግያ ዝኣመሳሰሉ ብምልኦም ዝፅገኑ ፀጋጊንካ ግልጋሎት ክህቡ ምግባር ዝብል እዩ ነይሩ። እዚ ዕዉት እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ እዚኦም መብዛሕትኡ ሽዑ ንሽዑ ስረሖም ጀሚሮም እዮም። ህወሓት ዝነበሮ ቦታ ግና ፀገም ነይሩ እዩ። ኣብዚ ዕንወት ዝበፅሖም መሰረተ ልምዓታት ፅንዓት ገይርካ ዝፅገን ፀጊንካ ክሰርሑ ምግባር ዝብል ‘ውን ቖላሕታ ተገይርሉ ዝስራሕ ዝነበረ እዩ ነይሩ። እቲ ሻድሻይ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ መረፃ ሕጋዊ ስለ ዘይነበረ ንሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ዝኸውን ምድላዋት ገይርካ ሕጋዊ መረፃ ምክያድ ዝብል እዩ ነይሩ። ብሓፈሻ ግና ኣብዚ ክንድትዝድለ ኣድሚዕና ስለ ዘይሰራሕና ኣይተዓወትናን።

ኣብዚ ነቲ ለውጢ ዝድግፍን ዘይድግፍን ኣመራርሓ ነይሩ እዩ፤ ኣብ ውሽጢ ኮይኑ ብዘይተፈልጠ ነቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ዝድግፍ ነይሩ እዩ። ኣብ ምስራቕ ዝተዋፈረ ኣካል ነይሩ እዩ፤ ብኸባብያዊ ምጉጅጃል ነይሩ፤ ስልጣን ህርፋን ነይሩ፤ ተዋዲድካ ንህዝቢ ኣብ ክንዲ ምግልጋል ኣብ ናይ ባዕልኻ ጥቕሚ ቖላሕታ ምግባር ነይሩ። ስለዚ ተናቢብና ስለ ዘይሰራሕና ንባዕልትናን ንሕብረተሰብና ድሕንነት ከንኾን ኣይከኣልናን።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ህዝቢ ትግራይ ፅሞና የድልዮ እዩ ኢሉ ኵናት ጠጠው ኣብ ዝበለሉ ስዒቡ፣ ህወሓት ነዚ ከም ፅቡቕ ዕድል ተጠቒሙ ናብ ክልል ኣፋርን ኣምሓራን ብምንቕስቓስ ዝፍፅሞም ዘለዉ ግፍዕታት ከመይ ይምልከትዎ?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ህወሓት ነዛ ሃገር እዚኣ ን27 ዓመታት ከመሓድራ እንተሎ ከምድሌቱ እዩ ዝገብር ነይሩ። ግፍዒ ዝፈርሕ ውድብ ኣይኮነን። ነዚ ‘ውን እዩ ከም ደስ ዝበሎ ይሰርቕ፣ ይቐትል፣ ይኣስርን የባርርን ነይሩ። ሕዚ ድማ ከምዚ ዓይነት ምስርሑ ቕድሚ ሕዚ ለሚድዎ ዝመፀ ስራሕ እዩ። ካብ መሰረቱ ‘ውን ህወሓት ኣብ ስልጣን እንዳሃለወ ዝፍፅሞም ዝነበረ ገበናት ንኸይሕተት ሃገር ከትረጋጋዕ ስለ ዘይደሊ ናብ መቐለ ብምኻድ ፀገም እነፈጠረ እዩ ዘሎ። ኣብ ትግራይ ናይ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ናይ ሰራዊት ኤርትራን ዩፎርም ብምግባር ዝተፈላለዩ ግፍዕታት ዝፍፅም ዝነበረ ብናይ ባዕሉ ኣባላት እቲ ገይሩ እዩ። ኮይኑ ግና ካብቶም ካልኦት ዝተሳተፉ ወታደራዊ ሓይልታት ዝተጋገየ የለን ማለት ኣይኮነን። ሰብ ፍፁም ኣይኮነን።

ጁንታ ህወሓት ኣብ ህዝቢ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዕታት እቲ ቐንዲ ንህዝቢ ትግራይ ደም ንምቕባእ እዩ። ህዝቢ ትግራይን ምስ ህዝቢ ኣምሓራን ዓፋርን ሕዱር ቒም ንኽህሉ እዩ። ተስማዕሚዖም ከይነብሩ። ቕኑዕ ዕላማ ዘለዎ ውድብ ህዝቢ ንህዝቢ ኣየባልዕን። ጁንታ ህወሓት ግና ቕኑዕ ዕላማ ስለ ዘይብሉ እዩ እናሓለፈ ፀገም ዝፈጥር ዘሎ። ደም ንምቕባእ፣ ፅልኢ ንምፍጣር፣ መናእሰይ ትግራይ ንምውዳእ፣ ኣዴታት ብዘይ ውላድ ክቐርያ እዩ።

ብሓፂሩ ህወሓት ከምዚ ዝገብር ዘሎ ምኽንያት፣ ‹‹ኣነ እንተሞይተ ደንዴር ኣይትብቖላ በለት ኣድጊ›› ዝብል ዓይነት ኣካይዳ እዩ ዝኽተል ዘሎ። ኣነ ኣብ ስልጣን እናሃለኹ ሰላም ነይሩ ንኽብል ደልዩ እዩ። ክብሪ ህዝቢ ትግራይ ብምሕላው ናይ ጁንታ ህወሓት ታሪኽን ክብርን ክጠፍእ እዩ ዝግባእ። ህወሓት ዋላ ሲኦል ኣቲና ኢትዮጵያ ክነፍርሳ ኢና ኢሉ እዩ። ኣነ ትሃልየ ኢትዮጵያ ትቐፅል፣ ኣነ እንተዘይሃልየ ግና ኢትዮጵያ ትፍረስ ዝብል ኣካይዳ እዩ ዝኽተል ዘሎ። ካብ ትግራይ ሓሊፉ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝፍፅሞ ዘሎ ግፍዕታት ህዝቢ ትግራይ ሰላም ከይረክብ፣ ምስ ጎረባብቱ ሰላም ኮይኑ ንኸይነብር ብምሕሳብ እዩ። ኮይኑ ግና ህዝቢ ዓፋርን ኣምሓራን ለባምን መስተውዐልን ህዝቢ ስለ ዝኾነ ህወሓት ዝፍፅሞ ዘሎ ኣካይዳ ኣይኽተልን። መስተውዐልን መስተንተንን ስለ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ

ፈታዊኡን ሓውን ህዝቢ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ ህወሓት ከም ዝሓስቦ ኣይኾንን። ህዝቢ ትግራይ ንማንም ህዝቢ ፀላኢ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ህዝቢ ትግራይ ምስ ጎረባብቱ እናተፃልአ ሰላም ስኢኑ ቐሲኑ ከይነብር እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ህወሓት ንሱ እንተዘይሃልዩ ትግራይ ዝኾነት ትኹን ዘጨንቖ ኣይኮነን።

ወጋሕታ፡- ግብረራዕዳዊ ህወሓት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ዕንቕፋታት እናፈጠረ ከም ዘሎ ይሕበር እዩ። እዚ ካብ ምንታይ ዝነቐለ እዩ ይብሉ?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ኵናት ኣብ ዘለዎ ከባቢ ማሕበራዊ ምንቕስቓሳት ክህልዉ እዮም ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ህወሓት ከምዚ ዓይነት ተግባር ዝገብር ዘሎ ምኽንያት፣ ንህዝቢ ትግራይ ንምጥማይ እዩ። ከም ኣተሓሳስባ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ብድሌት ህወሓት ክጎዓዝ እንተኾይኑ ክጠሚ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ እንተጠምዩ እዩ ዝእዘዘኒ ዝብል ኣተሓሳስባ እዩ ዘለዎ። ህዝቢ ትግራይ ፀጊቡ እንተሓዲሩ እሺ ኢሉ ኣይእዘዘለይን ኢሉ እዩ ዝሓስብ። ነዚ ‘ውን እዩ ኣብ ዓፋር እኽሊ ከይሓልፍ እናኸልከለ ህዝቢ ትግራይ ብጥሜት ክመውት ዝገብር ዘሎ። ደቕኹም እንድሕር ዘይትህቡ ረድኤት ዝበሃል ኣይትወሃቡን ይብሎም ኣሎ እዩ፤ ከምዚ ዓይነት ከስቢ ንምርኻብ እዩ። ካሊእ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብዓለማት ክውቐስ ምእንቲ እዩ፤ መንግስቲ ዲፕሎማስያዊ ርክቡ ንምብልሻው እዩ። ኣነ ኣይከልከልኩን መንግስቲ እዩ ከልኪሉ እናበለ ክሳብ እኒ ኣሜሪካን ሃገራት ኣውሮፓን ኣንፃር መንግስቲ ኢትዮጵያ ጠጠው ክብላ ስለ ዝደሊ እዩ። ከምኡ ‘ውን ንህዝቢ ትግራይ መንግስቲ ፌዴራል እዩ ህዝቢ ትግራይ ብጥሜት ንምውዳእ ስለ ዝደሊ ዓፅይዎ ዝኒሀ እናበለ ንምትላል እዩ። ህዝቢ ትግራይ ድማ በዚ ተታሊሉ ኣብ ጎኒ ህወሓት ምእንቲ ጠጠው ክብል እዩ። ህወሓት ንመንግስቲ ይኹን ንህዝቢ ክብሪ ዝበሃል ኣይፈልጥን። መንግስቲ ፌዴራል ህዝቢ ትግራይ ክፅላእ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ከምኡ ‘ውን ብናይ ደገ ኣዘዝቱ ገይሩ ምስሊ ሃገር ብምጥፋእ ዲፕሎማሲ ንምብልሻው እዩ።

ወጋሕታ፡- ናይ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ናብ ትግራይ ሓገዝ እኽሊ ፅዒነን ዝኣተዋ መኻይን ኩለን ክምለሳ ዘይ ከኣላሉ ምኽንት እንታይ እዩ? ብወገን ህወሓት መምለሲ ነዳዲ ስለ ዘየለ እዩ ዝብል ሓሳብ ኣሎ። እስቲ ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ ይግለፁልና።

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- እወ ሓገዝ እኽሊ ፅዒነን ዝኣተዋ መኻይን ክምለሳ ከም ዘይከኣላ ይፍለጥ እዩ፤ ኣብፂሒን ክምለሳ እናተገበአን ዘይምምላሰን ተሓታቲ ዝኸውን እቲ እምነት ዘጉደለ ጉጅለ ራዕዳዊ ህወሓት እዩ። ምኽንያቱ ነቲ ክልል ዘመሓድር ዘሎ ኣካል በዓሉ እቲ ራዕዳዊ ህወሓት እዩ። እዚ ሓይሊ እዚ ሓላፍነት ዝስመዖ ኣካል ኣይኮነን። ኣይሽንኳይዶ ከምዚ ረኺቡ ናይ ህዝቢ ገንዘብ ንምዝራፍ ንድሓር ዘይብል ሓይሊ ምዃኑ ይፍለጥ እዩ። እቲ ዋና ግና ህወሓት ኣብ ፀገም ወዲቑ ስለ ዘሎ መጎዓዓዚ ወትሃደር ይጥቐመለን እዩ ዘሎ ዝብል ግምት ኣለኒ። ጭቡጥ ሓበሬታ ዋላ ኣይንርከብ ካብ ከምዚ ዝሓልፍ ኣይኮነን።

መምለሲ ነዳዲ ስለ ዘየለ እዩ ዝብል ሓሳብ ካብ ሓቒ ዝረሓቐ እዩ፤ ነዳዲ መንግስቲ ገዲፍዎ ዝመፀ ኣሎ እዩ፤ ብዓሉ እቲ ጁንታ ዝሓብኦ ‘ውን ኣሎ እዩ። ስለዚ እዚ ነዳዲ ስለ ዘየለ እዩ ዝብል ሓሳብ ኮነ ተባሂሉ ንምጭብርባርን ናይ መንግስቲ ሽም ንምፅላም እዩ። መንግስቲ ነዳዲ ከይኣቱ ከልኪሉ ተባሂሉ ተወቓሲ ንምግባር እዩ። ብሓፂሩ ዋላ ካብቲ ክልል ጭቡጥ ሓበሬታ ዝህበና ኣካል ኣይሃሉ ኣብ ናይ ወትሃደር ወፍሪ ኣዋፊርዎን ከምዝኸውን ምግማቱ ዘፅግም ኣይኮነን። ህወሓት ብግቡእ ክምልሰን እናኸኣለ ዘይምምላሱ ድማ ዝእመን ፓርቲ ከም ዘይኮነ እዩ ዘሪአየካ ።

ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ንምውፃእ እንታይ ክገብር ኣለዎ ይብሉ?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ሓደጋ እዩ ዘሎ፤ ከቢድ ጥሜት ኣጋጢምዎ ኣሎ፤ ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ክነብር እንተኾይኑ ከም ማንም ሰብ ምግቢ የድልዮ። ኮይኑ ግና ህዝቢ ትግራይ ምጥማይ ንህወሓት ምንም ኣይመስሎን፤ ምኽንያቱ ህወሓት ማለት ሰብኣውነት ዝባሃል ነገር ኣይፈልጥን። ዕላማ ህወሓት ኩሉ ነገር ብናይ ህዝቢ ረብሓ እንተይኮነስ ብናቱ ረብሓ ጥራሕ እዩ ዝፃወት። ህዝቢ ትግራይ ካብ ዓፋኒ ስርዓት ህወሓት ክወፅእ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ክገብር ምኸኣለ ነይሩ፤ ኮይኑ ግና ክዕፈን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ደቀይ ኣይህብን ክብል ይኽእል እዩ። ኮይኑ ግና ጁንታ ከምዚ ዝበለ ከጋጥሞ እንተሎ ኣብ ርእሲኡ ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት እዩ ዝወስድ። ሓገዝ እኽሊ ክህቦ ኣይኽእል። ዋላ ብኣተሓሳስባ ‘ውን ከባቢ ን40 ዓመት ቖሪንዎ ፀኒሑ እዩ። ንህዝቢ ትግራይ ዝምጥን ኣካይዳ ኣይኮነን ዝኸይድ ዘሎ። ኣነ እንተዘይሃልየ የለኻን እናበለ እዩ ዝሰብኮን ዘፈራርሖን። ህዝቢ ነባሪ እዩ፤ ፓርቲ ግና ይውለድ፣ ይዓብን ይመውትን እዩ። ስለዚ ምንም ዘራኽብ ነገር የብሉን። ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ዓፈና ንኸወፅእ ንቕሓቱ ከብርኽ ኣለዎ። ንቕሓቱ ክብርኽ ድማ ዝተፈላለዩ ቐረባት የድልዮ እዩ።

ካሊእ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ከምዚ ዝበለ ፀገምን ፀበባን ክወፅእ እንድሕር ኮይኑ ምስ ካልኦት ኣሓቱ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ሓድነቱ ከጣናኽር ኣለዎ። ሓድነት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ጥንኩር እንድሕር ኮይኑ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ህወሓት ምጥፋእ ይከኣል እዩ። በዚ መሰረት ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘለዎ ፀገም ክናገፍ ይኽእል እዩ። ህወሓት ግዜ እንተይወሰደ ክጠፍእ ኣለዎ፤ ኵናት እንተተናዊሑ ሃፍትን ሂወት ሰብን ይበልዕ እዩ። ስለዚ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክጠፍእ ምእንቲ ህዝቢ ሓድነቱ ኣስጢሙ ክረባረብ ኣለዎ።

መንእሰይ ትግራይ ፃዊዒት መንግስቲ ኣኽቢሩ ኢዱ ንምክልኻል ሰራዊት ክህብ ኣለዎ። ከንቱ ክጠፍእ የብሉን። ካብ ኵናት ዝርከብ ጥቕሚ የለን፤ ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ኵናት ኣሕሊፉ እዩ፤ ኮይኑ ግና ኣይተጠቐመን እኳዳኣስ ብጣዕሚ እዩ ተጎዲኡ። ሕዚ ብዙሕ ህዝቢ ይመውት ኣሎ እዩ። እዚ ከይኸውን መንእሰይ ትግራይ እምቢ ኣይዋጋእን ብምባል ታሪኽ ክሰርሕ ኣለዎ። ወይ ኣንፃር ህወሓት ክስለፍ ኣለዎ። ንውሑዳት ሰበ ስልጣናት ክብል ሂወቱ ብኸንቱ

 ክጠፍእ የብሉን። ወይ እንተኾይኑ ህወሓት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ይቕርታ ብምሕታት ናብ ሰላም ክመፅእ ኣለዎ። ጥፍኣቱ ብሰላማዊ መገዲ ክረአ ናብ ሕጊ ክቐርብ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ብኵናት ከወድኦ የብሉን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝሃብካኒ ቕፅዓት ክቕበል እየ ኢሉ ቕፅዓቱ ክቕበል ኣለዎ።

እንተዘይ ኮይኑ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ንህዝቢ ትግራይ ሓራ ከውፀኦ ኣለዎ። ኣብ ትግራይ ዓፈና ስለ ዘሎ ሓሳብካ ከትገልፅ ኣይትኸእልን ኢኻ። ሓሳብካ እንተገሊፅካ ሓዞ፣ መን እዩ፣ ወዲ መን እዩ፣ ከመይ እዩ እናተባህለ ክሳብ ወለድኻ እናተፀናዕኻ ዝተፈላለዩ ግፍዕታት እዩ ዝበፅሐካ። ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ጁንታ ህወሓት ኣብ ዕጥቓዊ ቓልሲ ደርግን ሻዕብያን ብኣሻሓት ደቑ ገቢሩ ሕዚ ‘ውን ይግብር ኣሎ። መንእሰይ ትግራይ ንሕና ይኣኽለና ሂወት እናገበርና ኣይንነብርን ክብል ኣለዎ። እዚ እንተዘይገይሩ ድማ ኢዱ ብምሃብ ትግራይ ካብ መከራ ከውፀኣ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ፕረዚዳንት ጆ ባይደን ኣብ ኢትዮጵያ ማዕቐብ ንምንባር ዘሕለፍዎ ትእዛዝ ከመይ ተመልኪቶሞ?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ኣሜሪካ ከም ኢትዮጵያ ታሪኽ ዘለዋ ሃገር ኣይኮነትን። ኣሜሪካ ንቡዙሕ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ እንግሊዝ ዝነበረት ሃገር እያ። ኢትዮጵያ ግና ብማንም ባዕዳዊ ደርቢ ዘይተገዝአት ሃገር እያ። ከምኡ ‘ውን ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ዓመት ዘቑፀረት ታሪኻዊት ሃገር እያ። ምልክት ናፃነትን ኩርዓት ኣፍሪካውያን እያ። ኣሜሪካ ንምንታይ እያ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንፍጣር ትምኩር ዘላ እንተይልካ ግና ንህዝቢ ትግራይ ወይ ንህወሓት ሓልያ እንተይኮነትስ ንባዕላ ረብሓ እዩ። እቲ ቐንዲ ናይ ኢኮኖሚ ጉዳይ እዩ። ንረብሓኣ ኢላ እያ ትቓለስ። ካልእ ምስ ኤርትራ ፅቡቕ ርክብ ምፍጠራ ደስ ኣይበላን፤ ዞባዊ ውዳበ እንተሃልዩ ኢትዮጵያ ብኢኮኖሚያዊ መዳይ ከትጥንክር ኣይትደልን። ምብራቕ ኣፍሪካ ዕቑር ሃፍቲ ኣለዎም እዩ፤ እዚ እንተኾይኑ ድማ ጥቕመይ ክንካእ እዩ ኢላ ስለ ትሓስብ እዩ።

ኣሜሪካ ዋና መሳርሒ ገይራ ትጥቐመሉ ዘላ ሰብኣዊ ሓገዝ እዩ። ኢትዮጵያ እንተተረጋጊዓን ብኢኮኖሚ እንተጠንኪራን ናይ ኣሜሪካ ሓገዝን ትእዛዝን ኣይትፅበን እያ። ስለዚ ኢትዮጵያ እንተጠንኪራ ናይ ኣሜሪካ ፖሊሲ ኣይትቕበልን እያ። ከምኡ ‘ውን ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ እትገብሮም ምንቕስቃሳት ንምዕጋት እዩ። ዕዳጋ ከትረክብ እንተኾይና ድማ ነዚ ዞባ እዚ ከትቖፃፀሮ ኣለዋ። እዚ ናይ ለውጢ ሓይሊ እዚ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝመስል ሕገ መንግስቲን ፕሮግራምን ኢና ንኽተል፣ ዓርስና ዝኸኣልና ኩርዓት ህዝቢታት ኢና፤ ተለኣኣኽቲ ኣይኮናን አዩ ዝብል ዘሎ ፤ ኣሜሪካ ግና ናተይ ፖሊሲን ኣካይዳን ተኸተሉ እያ ትብል ዘላ።

ኣሜሪካ ንህወሓት ትሕግዝ ኣላ ዝብል ጌጋ እዩ። ኣሜሪካ ወያናይ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ኣይትቕበሎን እያ። ንህወሓት ደጊፋ መሲላ ኣንፃር ኢትዮጵያ እያ ትሰርሕ ዘላ። ስለዚ ከም መሳርሐ እያ ትጥቀቐመሉ ዘላ። ኣሜሪካ እንተተኻኢሉ ዝእዘዘካ መንግስቲ ምፍጣር፣ እንተዘይተኻኢሉ ድማ ከም እኒ ባዓል ሊቢያ ኣፋራሪስካ ሃፍቲ ምጉሕጋሕ እዩ። ዕላማ ከምዘለዎ ኮይኑ ኣሜሪካ ንህወሓት ጥራሕ ኣይኮነትን ትሕግዝ ዘላ፤ ኢትዮጵያ ንምድኻም ግድብ ኣባይ ምኽንያት ብምግባር ንግብፂ ‘ውን ትድግፋ ኣላ እያ። ግድብ ኣባይ ንሱዳንን ግብፅን ስለ ዝጎድእ ኣይኮነትን ትሕግዝ ዘላ ኢትዮጵያ ንምድኻም እዩ። ኢትዮጵያ ብኹሉ ነገር እንተጠንኪራ ኣይትእዘዘለይን ኢኮኖሚ ምብራቕ ኣፍሪካ ከም ድሌተይ ክጥቐም ኣይክእልን ኢላ ስለ ትሓስብ እዩ። ስለዚ ኣሜሪካ ከምዚ እትገብር ዘላ ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን ረብሓ ኣ ንምሕላው እዩ።

ነዚ ኹሉ ዝግበር ዘሎ ፅዕንቶ ንምቕልባስ ግና እቲ ቐንዲ ሓድነትና ምጥንኻር እዩ። ኢትዮጵያውነት መንፈስ ናብ ሓደ ምምፃእ እዩ። ድሕሪኡ ሓደ እንተኾይና ድኽነት ምጥፋእ ቐሊል እዩ። ኢትዮጵያ እንተልያ ትግራይ ኣላ፣ ኦሮሚያ ኣላ፣ ኣምሓራ ኣላ ኮታስ ኩለን ክልላት ኣለዋ እየን ማለት እዩ። ናይ ህወሓት ኣካይዳ፣ ብሃይማኖትን ብሄርን ምፍልላይ ዳርጋ ሕዚ እናቐረየ እዩ ዘሎ ። ብብሄር ምሕሳብ ክቐሪ ኣለዎ፤ ኩሉ ኢትዮጵያዊ እዩ። ስለዚ ብብሄር ገዲፍና ብኢትዮጵያውነት ክንሓስብ ኣለና።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየለይ።

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ።

መኣርግ ገ/ሄር

ጋዜጣ ወጋሕታ 13 መሰከረም 2014

Recommended For You