‹‹ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ክቕፅል ድዩ ኣይቕፅልን ንዓይ ሕቶ እዩ››-ኣይተ ሊላይ ሃይለማሪያም

 

ኣይተ ሊላይ ሃይለማሪያም ረዳ ተወሊዶም ዝዓበይሉ ካብ ከተማ ጂንካ ውፅእ ኢላ ትርክብ ገጠር እንትኸውን ካብ ቐዳማይ እስካዕ ሻምናይ ክፍሊ ኣብ ጂንካ ዝተምሃሩ እንትኸውን ታሽዓይን ዓስራይን ኣብ ሆሳእና ቤት ትምህርቲ ልጅ ኣበበ፣ ዓስራይን ዓሰርተ ሓደን ኣብ መቐለ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዮሃንስ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዝተኸታተሉ እንትኸውን፤ ኣብ 1968 ዓ/ም ኣባል ህወሓት ኾይኖም ኣብ ከተማ እናተንቀሳቐሱ ነይሮም ኣፍቲ እዋን እሱ ትግርኛ ይሰምዑ’ምበር ምዝራብ ኣይኽእሉን ነይሮም።

ኣይተ ሊላይ ሃይለማሪያም ካፍቶም ዓሰርተ ሸሞንተ ኣመራርሓ ህወሓት ሓደ ዝነበሩ እንትኾኑ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህወሓት ካብ ተራ ተጋዳላይ እስካዕ መራሒ ጋንታ ብምዃን ተቓሊሶም እዮም፤ ኣብ ህወሓት ብዝነበረ ዘይምዕሩይ ኣሰራርሓን ብፍላይ ድማ ኣብ ካባቢ እንደርታን ተምቤንን ህወሓት ኣዝዩ ይፅላእን ህይወት ብዙሓት መናእሰይ የጥፍእ ስለዝነበረን፤ ንህይወቶም ብምስጋእ ካፍቲ ዝነበሩሉ ወፂኦም ናብ ደርጊ እንትፅበሩ ደርጊ’ውን ስለዝጠርጠሮም ብፅቡቕ ኣይተቐበሎምን። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ምምሃር እንተጀመሩኳ ይከታተልዎም ስለዝነበሩ ብጭንቀት ክመሃሩ ከምዘይከኣሉን ብምኽንያት ወላዲኦም (ብላታ ሃይለማሪያም ረዳ) ተመሊሶም ናብ ህወሓት ከምዝኣተዉን ድሕሪ ዝተወሰነ ፃንሒት ድማ ንህወሓት ገዲፎም ብምውፃእ ናብርኦም ኣብ ወፃኢ ሃገር ከምዝገበሩን ኣብዚ ሐዚ እዋን ድርጊታት ራዕዳዊ ጉጅለ እናተቓለሱን እናንቅሑን እንትኾኑ፤ መስራትን ኣካብን ምንቅስቓስ ራእይ ተጋሩ ኢትዮጵያውያን ብምዃን እናተንቀሳቐሱ ይርከቡ። ምስ መስራቲ ምንቅስቓስ ራእይ ተጋሩ ኢትዮጵያዎያን ኣይተ ሊላይ ሃይለማሪያም ዝስዕብ ፃንሒት ገይርና ኣለና ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ጉጅለ ህወሓት ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ንህዝቢ ትግራይ ፖለቲካዊ መማረፂ ንኸይህልዎ ገይሩ እዩ፤ ዲሞክራት እየ እናበለ ዲሞክራሲ ኣስኢኑዎ እዩ ፀኒሑ ኣብዚ ዘለኩም ርኢቶ እንታይ እዩ?

ኣይተ ሊላይ፡- ህወሓት ካብ ዝፍጠር ኣትሒዙ ፀረ ዲሞክራሲ እዩ። እዚ ኣፈጣጥሩኡ ግና ብኽልተ መልክዕ ዝግለፅ እዩ፤ ሓደ ንሓቃዊ ህዝባዊ ቓልሲ ዝወፁ መናእሰይን ኻልኣይ ድማ ንተንኮል ዝወፁ ውልቀ ሰባትን ዘካተተ እዩ ነይሩ። ካብ 1968 እስካዕ 1969 ተወለድቲ ሽረ ብሙሉኦም እናቐተለ እዩ መፂኡ መስራቲ እቲ ውዳበ ዝነበረ ገሰሰ፣ ኣግኣዚ ከይተረፈ ኣቕቲሎም እዮም፤ ካብ 1969 ጀሚሩ እስካዕ 1977 ድማ ተወለድቲ ዓጋመ፣ ኽልተ ኣውላዕሎ፣ እንደርታ ኣፈላላይ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሓሪዱ ወዲኡ እዩ። ድሕሪ እዚ ድማ ደቂ ዓድዋ ኾይኖም ናይ ኣተሓሳስባ ኣፈላላይ ዘለዎም ምቕታል ጀሚሮም፤ በዓል ኣባይ ፀሃየ፣ ስብሓት ነጋ ፍሉጣት ቐተልቲ ነብሲ እዮም ነይሮም፤ ብዙሓት እናቐተሉ እዮም መፂኦም። ኣብዚ ሐዚ እዋን መናእሰይ ትግራይ እናዋግኡ ዘለዉ ጀነራላት ኽእለት ዘይብሎምን ናይ ታክቲክ ኲናት ዘይፈልጡን ብምዃኖም ኣብዚ ሓያል ቑርን ኽረምትን ኣብ ጎቦ ጉና ኲናት ዝግበረሉ እዋን ኣይኮነን ነይሩ፤ እዞም ጀነራላት ግና መናእሰይ ትግራይ ናብ ዘይኸውን ቦታ እናእተዉ ከዋግኡ ብምልሻ ናይቲ ከባቢ ክረግፉ ገይሮሞም እዮም፤ እዞም ተዋጋእቲ ናይ ዓድዋ ነፃ ኣውፃእቲ ‘ምበር ናይ ህዝቢ ትግራይ ኣይኮኑን ምኽንያቱ ብመንነት ትግራይ ዝተሸፈነ መንነት ዓድዋ ስለዝኾነ ንትግራይ ኣይውክልን።

ኣብ 1983 ዓ/ም ‘ውን ካብ በረኻ ደደቢት ሒዞሞ ዝመፁ ሰራዊት ናብ ከተማ ምስኣተወ ክሒድዎም እዮም። በዚ ምኽንያት ድማ ኣፈላላይ ኣተሓሳስባ ኣለዎም ኢሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ካምፕታት ንኣብነት ኣዋሽ ኣርባ 850 ዝኾኑ ኮንትሮባንድ ትነግዱ ኢኹም ብምባል ቐቲሉ እዩ፤1984 የካቲት 7 ምሩኻትን እስረኛታትን ኢህኣፓ ዝነበሩ ቐቲልዎም እዩ፤ ብሓፈሻ ከባቢ 1500 ተጋደልቲ ቐቲሎም እዮም።ስለዝኾነ እዚ ውዳበ ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ እስካዕ ሐዚ ኣብ ምቕታል ዘሎ እዩ፤ እቲ ውዳበ ፈለማ ብኣረጋዊ በርሀ ይምራሕ ነይሩ፤ ሐዚ ድማ ብደብረፅዮን እዩ ዘሎ እዚኣቶም ብሙሉኦም ደቂ ዓድዋን ናይ ኤርትራ ዲቓላታትን እዮም፤ ኢትዮጵያውያን ኣይኮኑን፣ ኣባይ ፀሃየ፣ መለስ፣ ስብሓት ብፍላይ ደብረፅዮን

 75 ሚኢታዊ ኤርትራዊ እዩ፤ ምስ ኢሳያስ ደቂ ኽልተ ኣሕዋት እዮም፤ ኣፈጣጥርኦም ‘ውን ሻዕብያ ኤርትራ ንምድኻም ዝፈጠሮም እዮም።እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ግና 45 ዓመት ሙሉእ መንእሰይ ትግራይ ዘጨፍጨፉ እዮም። ሐዚ ‘ውን እናተዋግኡ ዘለዉ፤ ኲናት ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ እናመርሑ ዝነበሩ ሐዚ ‘ውን እናቐፀሉ እዮም።

ሓደ ዘሕዝን ዛንታ ክነግረኩም ዮሃንስ ወዲ ኣሸብር ዝበሃል ኣዛዚ ሰራዊት ንዓድዋ ናፅነት ዝቃለስ ‘ምበር ንትግራይ ከምዘይኮነ ኣንዳዕዲዐ እየ ዝርድኦ፤ ብዘይካ ፃድቃንን ታደሰ ወረደን 98 ሚኢታዊ ኹሎም መራሕቲ ጦር ተወለድቲ ዓድዋ እዮም፤ እቲ ዮሃንስ ወዲ ኣሸብር ዝበልኩኹም ኣብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ ፆሮና ብኣሽሓት ዝቑፀሩ መናእሰይ ክውድኡ ገይሩ እዩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ናብ ጎቦ ጉና ዘምፅእ ሓንቲ ምኽንያት የለን፤ ኣሽንኳይዶ ኣብዚ ሐዚ ኽረምቲ ኣብ እዋን ሓጋይ እኳ ብርቱዕ ኣስሓይታን ቑርን እዩ፤ ናብዚ እንተወፍሩ እቶም ወተሃደራት ትግራይ ሸበጥን ኽፉት ሳእንን ገይሮም 9 ሽሕ መናእሰይ ክኣትዉ ተገይሩ ካብኣቶም ፍርቆም ኣይተመለሱን ብኹነታት ተፈጥሮ ኣየር፤ ብተወሳኺ ድማ ሓረስታይ ባዕሉ እዩ ተፃዊትሎም። ናብ ንፋስ መውጫ ኣብዚ ሐዚ እዋን ፈፂሞም ክኸዱ ኣይምተገበኦም እዚ ኹሉ ግና ብሰንኪ ዘይረብሑ መራሕቲ ሰራዊት እናኾነ ዘሎ ዘሕዝን ተግባር እዩ።

ኣብ ዓፋር ኣብ ሰጣሕ ሜዳ ብሄሊኮፍተር እዮም ተጨፍጪፎም። እግረኛ ኣይከደን ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ነገር እዩ ዝስማዕ፤ ኣብ ዓፋር ቤተሰብ ኣለውኒ ክነግሩኒ ከለዉ መጀመሪያ መዓልቲ ከባቢ ሓደ ሽሕ መፂኦም ካብኣቶም ዒስራ ዝኾኑ እዮም ተሪፎም። ብፍላይ ድማ ተወለድቲ እንደርታን ራያን ስለዘይኣምንዎም ጠበንጃ ኣይህብዎምን ቦምቢ እዮም ዝህብዎም፤ ቦምቢ ኣትሒዞም ናብ ምሽግ ይሰድዎም፤ ሕሰብዎ ጠያይቲ ናብ ዝሓዙ ወተሃደራት ቦምቢ ሒዝካ እንትትኸይድ እንታይ ከምዝገብሩኻ፤ ከምዚ እናገበሩ መንእሰይ ራያን እንደርታን ኣወዲኦሞ እዮም። እቲ ዝነገርኩኹም ዮሃንስ ዝተብሃለ መራሒ ሰራዊት ቕድሚ ሐዚ ብዝሰርሖ ጌጋ ተባሪሩ ዝነበረ እዩ፤ ተመሊሱ ኣትዩ እዚ ኹሉ መንእሰይ ዘርግፎ ዘሎ። ሐዚ’ውን እናገበርዎ ዘለዉ ዓባይ ትግራይ ክንምስርት ኢና እናበሉ ዘይጭበጥ ሕልሞም ጋህዲ ንምግባር ፈለማ ህዝቢ ኣምሓራን ዓፋርን ከጥፍኡ እዩ ድሌቶም፤ ምኽንያቱ መሬቱ ‘ምበር ሰብ ኣይንደልዮን ኢሎም ተዛሪቦም እዮም፤ ልክዕ ከም መሬት እንደርታን ራያን።

ወጋሕታ፡ -ህወሓት ኣብ ስልጣን እናሃለወ ዝሓለፉ ዓመታት ከመይ ይሪእዎ?

ኣይተ ሊላይ፡- ኣነ ህወሓት ኣብ ስልጣን ዘሕለፎ 27 ዓመታት ናይ መከራ ዘበን ኢለ እየ ዝገልፆ። ህንፃታት ስለዝተሰርሑ ጥራሕ ሰላም ነይሩ ማለት ኣይኮነን እኳድኣስ ዘበነ መሳፍንቲ እዩ ዝዝከረኒ፤ ኢትዮጵያውያን ብዘርኢ ብሃይማኖት ዝተኸፋፈሉሉ ዳግማይ ዘበነ መሳፍንቲ እዩ ነይሩ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዘበና ሪኣቶ ዘይትፈልጥ ምብትታን እዩ ተራእዩ፤ ፌደራሊዝም እንትምስረት ኣትሒዘ ነይረ እየ፤ ኣብ ሂልተን መብዛሕትኡ ሰርትፊኬት ፌደራሊዝም ንሓይልታት ፈደራሊዝም ዝህቦም ኣነ እየ ነይረ፤ ካሱ ኢላላ

 ካብ ለንደን መፂኡ ካባይ እዩ ሰርተፊኬት ዝተቐበለ፤ ኣፍቲ እዋን እሱ ኦነግ ምግንፃል እዩ ዝደልይ ነይሩ፤ ህወሓት ድማ በዓል ብኣዴን ስለዝፈጠረ ምግንፃል ኣይደልን ነይሩ።

ኣፍቲ እዋን እሱ ዝኾነ ሰብ መፂኡ ናይ እኸለ ብሄር እናበለ ሂልተን መፂኡ ሰርተፊኬት ይወስድ ነይሩ፤ ፓርቲ ፎርሜሽን ገለመለ ዝበሃል የለን፤ ሕሶት እዩ። እንትምስረት ጀሚሩ ብናይ ህወሓት ኣርክቴክታት ብመለስን ብታምራት ላይኔል ዝኣመሰሉን እዩ ተመስሪቱ።

ካብ ፈለማ እንትምስርትዎ እሳቶም ብዝደልይዎ መገዲ ቐሪፆም፤ ድሓር ድማ ንምፍራስ ክጥዕሞም ዝገበርዎ ውዲት እዩ። ዒስራን ሸውዓተን ዓመት ክንብል ከለና ኣንሕና ኣተሓሳስባ ሰባት ምቕያር ማለትና እዩ፤ ኣነ ዕብየት ዝብሎ ፅሬት ትምህርቲ ዓለምለኸ ብርኪ ሒዙ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ናትና ሙሁራት ዋጋ እንትህልዎም ምረኣይ እዩ። ኣነ ዕብየት ዝብሎ ኢትዮጵያ ብዘፈር ሕክምና ስታንዳርዱ ዝሓለወ ትካል ጥዕና ኣለዋ ዶ?ኻሊእ ይትረፍ ምስ ሃገራት ኬንያ እኳ ኣይንወዳደርን፤ ኢትዮጵያ ንዒስራን ሸውዓተን ዓመት ዝተዘረፈቶ ገንዘብ ተዝህሉ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣንሕና ካብ ኮሪያ ኣይምነኣስናን፤ ኣብ ዝሓለፈ ዒስራን ሸውዓተን ዓመት ብፍላይ ኣብ ትግራይ መማረፂ ፖለቲካ ኣይነበረን እንተሃልዩ ድማ ይቕተል፤ ብዙሕ ሰብ ተቐቲሉ እዩ፤ ልዕሊ ኽልተ ሚሊየን ህዝቢ ትግራይ ብሴፍትኔት እዩ ዝመሓደር ነይሩ፤ ኣብ ትግራይ ፅሩይ ዝስተ ማይ የለን፤ እሳቶም ኣብ መቐለ ውዒሎም ኣይሓድሩን ማይ ስለዘየለ ንግሆ ሓደ ሰዓት ብኣውሮፕላን በሪሮም ምሸት ኣርባዕተ ሰዓት ይምለሱ፤ መለስ ይኹን ስብሓት መቐለ ሓዲሮም ኣይፈልጡን ኣኼብኦም ወዲኦም ናብ ኣዲስ ኣበባ እዮም ዝምለሱ።

መንእሰይ ትግራይ ሰታይ፣ ቐሓሚ ጫት፣ ደቂ ኣንስትዮ ሰብነተን ክሸጣ እዮም ገይሮም። ኣብ ትግራይ ዝነበራ ካምፓንታት ኢፈርት ንሳቶም በብተራ ዝጥቀሙለን እየን ነይረን፤ ህዝቢ ትግራይ ተጠቒሙለን ኣይፈልጥን።

ብሓፈሻ ዝሓለፈ ዒስራን ሸውዓተን ዓመት ከም ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ባርነቱ ፍልይ ዝበለ እዩ ነይሩ፤ ካባይ ጀሚሩ ደቂ ትግራይ ተሰዲትና ኢና ተፀጊሙ እዩ፤ ደኽዩ እዩ፤ ሞይቱ እዩ። ካብ እንጦጦ እስካዕ ኮተቤ እንተተፈቲሹ መዓት መቓብር እዩ ዘሎ።ኦነግ እናተብሃለ ምሸት ምሸት ዝቕተል ብዙሕ እዩ ነይሩ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘይሰርሕዎ ግፍዒ የለን ክኒን ሂቦም ካብ ውሽጢ ኣካላት ኹላሊትኺ ወይ ልብኺ ዝጎድእ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ዝቐትል መድሓኒት ምስ ዝብላዕ ምግቢ ይህቡ ነይሮም። ካብ በረኻ ጀሚሮም በዚ ግብረተ ኽፍኣቶም ፍሉጣት እዮም፤ ምስ ወዲ ተባዕታይ ፆታዊ ርክብ ይፍፅሙ ነይሮም፤ ኣብ ዓለም ተገይሩ ዘይፈልጥ ግፍዒ ሪኢና ሰሚዕና ኢና ዘበነ መቕዘፍቲ ተበልክዎ ይገልፆ እዩ። እንታይ ዘይገበርዎ ነገር ኣሎ።ኦሮሞ ምስ ሶማል ክዋጋእ ይገብርዎ፤ ትግራይ ምስ ኣምሓራይ ኹሉ ነንርእሱ ክጨፋጨፍ ገይሮሞ። ሐዚ ‘ውን ዝገርም እናኸዱ ይወሩ ናብ ኣምሓራ ናብ ዓፋር፤ ኣነ ብወገነይ ንእንደርታ ዝወረረ ኣምሓራይ ይኹን ዓፋር ሰሚዐ ኣይፈልጥን። እሳቶም ፈላሊዮምና ‘ምበር ኣንሕና ሓደ ህዝቢ ኢና ዓድዋ ግና ዓሙሽተ ጊዜ ንእንደርታን ንራያን ወሪሮምና እዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየዱ ሓሙሽተ ኲናታት ኣብ ትግራይ እዮም፤ እቲ ሓደ ኲናት ምስ ጣልያን ዝተገበረ እንትኾን እዚ ‘ውን ብዓድዋ እዩ ነይሩ፤ እቲ ኻልኣይ ኲናት ህዝቢ እንደርታን ራያን እንትልዓል ዓድዋን ኣኽሱምን መፂኦም ወጊኦምና እዮም። እቲ ራብዓይ ቃልሲ 17 ዓመት እዚ ‘ውን እሳቶም ዝመርሕዎ ናይ ህልቂት ኲናት እዩ። ኲናት ኢትዮ ኤርትራ ከም እትፈልጥዎ ንምንታይ ተጀሚሩ ዝፍለጥ ነገር የለን። እዚ ናይ ሐዚ ሓምሻይ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዚ ዝተገበረ እዩ፤ እዚ ሰሜን ዒስራን ሸውዓተን ዓመት ቤት ትምህርቲ እናሃነፀ ኣብ ትግራይ ንሳቶም ዘይሰርሕዎ ዝተፈላለዩ ልምዓታዊ ስራሕቲ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኾይኑ እናሰርሐ ዝነበረ እዩ። እቲ ኹሉ ዝተፈፀመ ክትዛረቦ ዘፍርሕ ነገር መከላኸሊ ሃገር ኣይተዛረቦን ‘ምበር ተዝዛረቦ ነይሩ ነገራት ክቕየሩ ነይሮም እዮም። ሓፁር ኾይኑ እናሓለወና ንዝነበረ ሰራዊት ከምዚ ዝበለ ግፍዒ ዝፈፀሙ ኣረመኔታት እዮም። ናብ ኤርትራ ሮኬት ቶኪሶም ሰራዊት ኤርትራ ድማ ሰተት ኢሉ መፂእዎም ምኽንያቱ ደምበር ኽፉት እዩ ነይሩ።

ደብረፅዮን ትግራይ መቓብር ክንገብራ ኢና ኢሉ ፎኪሩ፤ ትግራይ ሐዚ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ መቓብር እያ። ህዝቢ ትግራይ ሐዚ ከም ህዝቢ ይቕፅልዶ ኣይቕፅልን ዝብል ስግኣት ኣለና። ምናልባት ክንብተን ንኽእል ኢና። ልዕሊ ሚኢቲ ሽሕ ሞይቱ እዩ፤ ልዕሊ ኽልተ ሚሊየን ተፈናቒሉ እዩ፤ ልዕሊ እዚ ዘሕስበኒ ግና እቲ ሐሽሽ እናሃቡ ናብ ኲናት ዘእተውዎ መንእሰይ ሰላም እንተተፈጢሩ እኳ እዚ መንእሰይ ከመይ ገይሩ ናብ ንቡር ህይወቱ ይምለስ ዝብልን እቲ ኻሊእ ድማ ድሕሪ ኲናት ዝፍጠር ሕማም ጭንቀት ኣሎ፤ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ እየ ነይረ፤ ብዛዕባ ድሮን ከየዕረፉ ዘውግዑ ውልቀ ሰባት ኣለዉ። ሐዚ ‘ውን ክትመፅእዶ ትኸውን እናበሉ ዝጭነቑ ኣለዉ። ህዝቢ ከም ህዝቢ ዝጠፍአሉ ክልል እዩ።

ቕድም ኢሎም ኽተት እንትብልዎ ህዝቢ ፅቡቕ ኣይመለሰን ነይሩ ድሓር ከምዚ ኢሎሞ ‹‹ፈታኹም ፀላእኹም ህወሓት እንተጠፊኣ ህዝቢ ትግራይ ክጠፍእ እዩ››ስለዚ ኽተቱ ኢሎሞም፤ ሕፍኒ ብዘይመልኡ ቐተልቲ ነብሲ ሸሞንተ ሚሊዮን ህዝቢ ክጠፍእ ተፈሪድዎ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ኣብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ መንእሰይ ዘህለቑ ሐዚ ‘ውን ደጊሞም መንእሰይ ትግራይ ክውዳእ ፈሪዶምሉ እዮም። ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ክቕፅል ድዩ ኣይቕፅልን ንዓይ ሕቶ እዩ።

ወጋሕታ፡-ኢትዮጵያውነት ንዘቐንቅኑ ተጋሩ፤ ሸዋውያን ተጋሩ እናተብሃሉ ስጉምቲ ይውሰደሎም ነይሩ ይበሃል ኣብዚ ዘለኩም ሓሳብ እንታይ እዩ?

ኣይተ ሊላይ፡- እዚ ካብ 1967 ዓ/ም ጀሚሩ ዝነበረ እዩ። ኣባል ኢህኣፓ፣ ሓሽከር ኣምሓራይ፣ ኢዱ ብሓፈሻ ካፍቲ ናታቶም ኣተሓሳስባ ውፅእ እንተይልካ ሸዋውያን ተጋሩ ኢኻ ትበሃል፤ ይኹን ‘ምበር ሐዚ ‘ውን እናተገበረ እዩ። ባንዳ እናበሉ እናበሉ ይቐትሉ እዮም። ሐዚ ኣብ ቐረባ እዋን ቕድሚ ሸሞንተ ወርሒ ምስቲ ዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ኾይኖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣብ ፖለቲካ ፈፂሞም ዘይኣተዉ፤ ህዝቢ ዘገልግሉ ዝነበሩ ሰለይቲ ብልፅግና ኢኹም ተባሂሎም፤ ተሓሪዶም ተቐቲሎም ንኣራዊት ተዋሂቦም እዮም፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ‘ውን ብናታቶም ተለኣኣኽቲ እናተኣሰርና ኢና፤ ፀርፊ ጥራሕ ኣይኮነን እናሳደዱና እዮም።

ወጋሕታ፡-ብዛዕባ ምምስራትን ዕላማን ራእይ ተጋሩ ኢትዮጵያውያን ዶ ክነግሩና?

ኣይተ ሊላይ፡- ራእይ ተጋሩ ካብ ዝጣየሽ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ገይሩ እዩ፤ እዚ ክነጣይሽ ከለና መብዛሕትኡ መንእሰይ ትግራይ ተስፋ እናቖረፀ ናብ በረኻ እናኸደ ነይሩ፤ ኣንሕና ተኣኺኽብና እንታይ ንግበር ዝብል ምኽክር ገይርና። ብልፅግና ትግራይ ‘ውን ዝረብሕ ኣይኮነን፤ ብሌብነትን ብዘይረብሕ ኣተሓሳስባን ዝተተብተቡ ኾይኖም ኢና ረኺብናዮም። ኻሊእ ይትረፍ ብኽልተ ወገን ደመወዝ እናወሰዱ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ዘለውዎ ፓርቲ እዩ። ናብ ትግራይ ኸይዶም ዝረብሕ ስራሕ ኣይሰርሑን እንትርፊ ስረቂ፤ በዚ ምኽንያት ድማ ራእይ ተጋሩ ክንምስርት ኽኢልና ኢና። ራእይ ማለት ብዘለዎ ጭቡጥ ኹነታት ንቕድሚት ኣርሒቑ ዝርእይ ማለት እዩ።

ኣብ ራእይ ተጋሩ ዝቐመጥናዮም ኣብ ናይ ኣቦታትና ቐዳማይ ወያነ ሓሙሽተ ዓምድታት(ፒላራት) ኣለዉ፤ እቲ ሓደ መራሒና ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ወይ ድማ ፈጣሪ ኣላህ እዩ እዮም ዝብሉ፤ ኻልኣይ ባንዴራና ባንዴራ ኢትዮጵያ እያ፤ ሳልሳይ ኣብ ሩባና ብናይ ባዕልና መራሒ ኢና ንዳነ ይብሉ፤ ራብዓይ ደቂ ኣንስትዮ ዝደፈረ ኣብ ሩባና ቦታ የብሉን፣ ሓምሻይ ዘራፍን ንብረት ሰብ ዝበልዕ፣ ጉበኛ ኣብ ሩባና ቦታ የብሉን። እዚአን ሓሙሽቲአን

 ዓምድታት ቐዳማይ ወያነ እየን። ኣንሕና ኽልተ ወሲኽናለን፤ ሻድሻይ ዓባይ ኢትዮጵያ ራእይ ዘለዋ ሃገር ምስ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ኾይንና ክንሃፃ ኢና፤ ሻብዐይቲ ድማ ጉዳይ መሬት እንትኸውን ብዘይ ኣግባብ ዝተወሰደ መሬት ንበዓል ቤቱ ይመለስ ወይ ድማ ካሕሳ ይኸፈሎ ዝብል እዩ። እዘን ሸውዓተ ዓምድታት ገይርና ተሰማሚዕና ምንቅስቓስ ራእይ ተጋሩ ጀሚርና።

መራሒና ፈጣሪ እዩ ክንብል ከለና ኹሉ ርኢናዮ ኢና ዲሞክራሲ፣ ሶሻሊዝም ማርክስ ሌኒን ኣይሰርሑን እስኪ ናይ ኣቦታትና እግዚኣብሄር ሒዝና ንፈትኖ ባንዴራና ባንዴራ ኢትዮጵያ ዝበልናሉ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን፤ ኣንሕና ኣብ ትግራይ ቖልዓ እንትውለድ ብባንዴራ ኢና ንቕበሎ ሬሳ እንትቕበር ‘ውን ብባንዴራ ኢትዮጵያ እዩ ዝፋነው። ምልክት ባንዴራ ኢትዮጵያ ዘይብሉ ቤተክርስትያን ኣብ ትግራይ ኣይትረክብን፤ እቲ ሳልሳይ ብሩባና ንዳነይ ዝበልናሉ ምኽንያት መብዛሕትኦም ካብ ዓድዋ ዝመፁ እዮም ዝመርሑና ሚኢቲ ፐርሰንት ኣብ ትግራይ ዝሽፍንዎ ንሳቶም እዮም፤ ንምንታይ እንደርታ ብእንደርታ ዘይመሓደር፣ ዓድዋ ብዓድዋ ዘይመሓደር፣ ወለጋ ብወለጋ ዘይመሓደር ሰብ እስካዕ ዘይተስኣነ ንምንታይ ዝብል እዩ።

ብዛዕባ ምድፋር ደቂ ኣንስትዮ ቐደም ኣብ ቐዳማይ ወያነ ደቂ ኣንስትዮ ዝደፈረ ይቕተል ነይሩ፤ ይግባኝ ኣይነበሮን ሞት እዩ ነይሩ። ሰራቒ’ውን ብተመሳሳሊ መጀመሪያ እቲ ዝሰረቖ ኣሸኪሞም የዝርዎ ደሓር ይቀትልዎ።እዚ ኹሉ ተገይሩ እዩ።

ሐዚ መራሕቲ ህወሓት ግና ሃይማኖት የብሎምን ኣንሕና ፈጣሪና እግዚኣብሄር ዝበልናሉ ምኽንያት በዚ እዩ፤ ሳልሳይ ኣብ ከባቢ ሽረ ዓዲ ዳዕሮ ሓምሳ ኣንስቲ ዝደፈረ ካፍቲ ዝነበሮ ቦታ ቐይሮም ኣብ ከተማ መቐለ ሹመት ሂቦሞ እዮም፤ ኣብ ማይ ጨው ዒስራን ሸውዓተን ደቂ ኣንስትዮ ዝደፈረ ናብ መቐለ ወሲዶም ሹመት ሂቦሞ እዮም። በዓል ስብሓት ነጋ ሰለስተ ኣንስቲ ሒዞም እዮም ዝድቅሱ፤ እዚ ዓለም ዝፈልጦ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝፈልጦ እዩ። እዚ ዓምዲ ዝገበርናዮ ድማ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ንምሕላው እንትኾን ንብረትን ሃፍትን ኣብ ትግራይ ብጉቦን ብስርቅን ተቖፃፂሮሞ እዮም፤ መሬት ብዝምልከት መሬት እንደርታን ራያን ብዓድዋ ተወሪሩ እዩ። ብኽልተ ቕርሽን ሓምሳን ዓዲጎም ብስሳ ሽሕ ንካሬ ይሸጥዎ። እዚ ጠጠው ንኽብል ኢና ኣውፂእናዮ።

ኣብ ትግራይ 1 ነጥቢ ሹዱሽተ ሚሊየን ኣባል ነይሩና፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ተጋሩ መናእሰይ ናብ ኲናት ክኸዱ ከምዘይብሎም እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ ማእኸል ዓዲ ዝተደናገሩ ተጋሩ ብኢትዮጵያውነቶም ከይሓፍሩ ኣንዳዕዲዖም ክርድኡን ሳልሳይ ድማ ኣብ ራእይ ተጋሩ ተኣኻኺብና ዘለዉና እሴታት ክነኽብር፤ ንኣብነት ጳጉሜ ሰለስተ በዓል ኣሸንዳ ክነኽብር ኢና፤ እነኽብረሉ ምኽንያት ድማ ኹሉ ግዘ ይኽበር ስለዝነበረ ሎሚ‘ውን ክኽበር ኣለዎ ጁንታ ስለዘየለ ዲና ዘይነኽብሮ፤ ኢትዮጵያዊ እሴት እዩ ኣብ ዩኔስኮ ንኽምዝገብ እንፅዕረሉ እዩ፤ ኣብ ምንቅስቓስ ራእይ ተጋሩ ሓደ ሓፈሻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ክንገብር ‘ውን ሓሲብና ኢና ልዕሊ ኹሉ ግና ኣብ ኢንተርናሽናል ኮሚኒቲ ኢና ንሰርሕ ዘለና።

ራዕዳዊ ህወሓት ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ እዩ፤ ንዓና ኣይውክል ዝብል ሓሳብ ንምንፅብራቕ እዩ። ናብ ፓርቲ ቐይርዎሞ ክንሕግዘኩም ዝበለና ኣካል ኣሎ ራዕዳዊ ጉጅለን መንግስቲ ፌደራልን ንኸይዛተዩ ገይርና ኢና፤ ምኽንያቱ ብዙሕ ደጋፊ ኣብ ትግራይ ስለዘለና ከም መማረፂ ኢና፤ ኣብ ማእኸል ዓዲ ‘ውን ኣብ ቐረባ ቢሮ ክንኸፍት ኢና፤ ብመንግስቲ ‘ውን ፅቡቕ ድጋፍ ረኺብና ኢና፤ ይኹን‘ ምበር ዝተወሰኑ ኣባላትና ተኣሲሮምና ነይሮም ተፈቲሖም እዮም። ሐዚ ‘ውን ዕንቅፋታት ኣለዉና እዮም ብራዕዳዊ ጉጅለን ብብልፅግና ትግራይን ብፍላይ ኣብ ብልፅግና ኾይኖም ኽልተ ደመወዝ ዝወስድ ዝነበረን ዲፕሎማ ሒዙ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብልፅግና ዝነበረ እዚኣቶም ልዕሊ ህወሓት እናተቓወሙና እዮም።

ራእይ ምንቅስቓስ ተጋሩ ኢትዮጵያውያን፤ ብዓሌት ኣይንኣምንን ኢትዮጵያውያን ኢና ተጋሩ ኢና እሴታትና ሒዝና ምስ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋትና ኾይንና ብሓድነት ሕማቕን ፅቡቕን ንምቕባልን፤ ዋና ዕላማና ዝተደናገሩ ተወለድቲ ትግራይ መስመር ንምትሓዝ፣ ዝተኣሰሩ እንተሃልዮም ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኾይንና ክፍትሑ ምግባር እዩ፤ ብርግፅ እቲ ዓብዪ ዝረኸብናዮ ሓይሊ ካብ ወፃኢ እዩ፤ ካብ ዲያስፖራ ተጋሩ ዓብዪ ድጋፍ ረኺብና ኢና።

ወጋሕታ፡-ኣብ መወዳእታ ከሕልፍዎ ዝደልዩ መልእኽቲ እንተሃልዩ?

ኣይተ ሊላይ፡-ንተጋሩ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋተይን ሓፍተይን ከሕልፎ ዝደልዮ እዛ ሃገር ብደምናን ብኣዕፅምትናን ዝመስረተት ጥራይ ዘይኮነትስ ሃይማኖትን ፊደልን ዝመፀ ካብ ትግራይ እዩ። ንኢትዮጵያ ብብዙሕ መመዘኒ መሰረት ኢና ብቤተ ክርስያን ይኹን ብመስጊድ መሰረት ኢና፤ ስለዝኾነ ነዞም ሕፍኒ ዘይመልኡ ዓሌታውያን ጉጅለ ኣሚኖም ዝፅበዩ እንተሃልዮም ጠጠው ኢሎም ክሓስቡ ፃውዒት የቕርብ።

መንእሰይ ኣብ ዘይግበኦ ኲናት ክኣትው ከምዘይብሉ፤ እዚ ኲናት ናይ ህዝቢ ትግራይ ኣይኮነን እኳድኣስ ናይ ዉሑዳት በሃግቲ ስልጣን ድሌት እዩ፤ ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝመፀ ባዕዳዊ ወረራ እዩ። ብግብፃውያን ዝተደገፈ እዩ፤ መንእሰይ ነዚ ተገንዚቡ ብሓድነት ክቃለሶ ይግባእ። ንኢትዮጵያውያን ኣሕዋተይ ክብሎ ዝደልይ ብሽም ተጋሩ ንኹሉ ሓደ ምግባር ግቡእ ዘይኮነን ክተርፍ ዝግባእ ኣተሓሳስባ ስለዝኾነ ኻሊእ ምቹው ነገር ንፀላኢ ከይንኽፈት፤ ኢትዮጵያውነትና ኣጠናኺርና ብዓሌትን ብሃይማኖትን ምክፍፋል ገዲፍና ኣብ ትሕቲ ባንዴራ ኢትዮጵያ ዓሲልና ንኢትዮጵያ ዝጠቅም ዲፕሎማሲያዊ ስራሕቲ ክንሰርሕን ኹሉኹም ተጋሩ ኣብ ራእይ ኢትዮጵያ ክትሳተፉን ኹሉኹም ኢትዮጵያውያን ድማ ክትድግፉን ፃውዒተይ የቕርብ።

ወጋሕታ፡-ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን።

ኣይተ ሊላይ፡- ኣነ’ውን የመስግን።

ትርሓስ ፍቃዱ

6 መስከረም ጋዜጣ  ወጋሕታ

Recommended For You