‹‹ናህሪ ዋጋ ንምቕናስ ፅቡቕ ምሕደራ ብምዝርጋሕ መሰረታዊ ሸቐጣት በቢጣብይኡ ክቐርብ ኣለዎ›› -ፕሮፌሰር ኣለማየሁ ገዳ

ፕሮፌሰር ኣለማየሁ ገዳ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ኢኮኖሚክስ መምህር እዮም። ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ዘምሃሩን ሕዚ ‘ውን ኣብ ምምሃር ዝርከቡ እዮም። ፕሮፌሰር ኣለማየሁ ብዛዕባ ምስ ኢኮኖሚ ዝተተሓሓዙ ነገራት ፅንዓትን ምርምርን ብምክያድ ይፍለጡ። እምበኣርከስ ክቡራት ኣንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ ሃገርና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ በፂሑ ዘሎ ናህሪ ዋጋ (ኢፍሌሽንን) ቐንዲ ነጥብታት መንቐሊ ናህሪ ዋጋን መፍትሒኡን ኣመልኪትና ዝገበርናዮ ፃኒሒት ከምዝስዕብ ብምስንዳእ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ሃገርና ዝረአ ዘሎ ናሕሪ ዋጋ መበገሲኡ እንታይ እዩ ይብሉ?

ፕሮፌሰር ኣለማዮህ፡- ነዚ ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ መበገሲ ናህሪ ዋጋ እቶም ቐንዲ ነጥቢታት ዝባሃሉ ኣርባዕተ እዮም፤ ቐዳማይ ናይ ሕርሻ ኢኮኖሚ ብዝግባእ ክድንፍዕ ብዘይ ምኽኣሉ እዩ። ሕርሻ ክዝምን ዘይምኽኣሉ እንትኸውን እዚ ንናይ ቕድሚ ሕዝን ከምኡ ‘ውን ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ዘሎ ናሕሪ ዋጋ ምኽንያት እዩ። ንኣብነት ከም ስርናይ፣ መሸላን ጣፍን ዝመሳሰሉ ኣዝርእቲ ኣብ ሃገርና ብጣዕሚ ወሰንቲ እዮም፤ ኮይኑ ግና ክንድትዝድለ ኣይፈርን ዘሎ፤ ኣብ ምፍራይ ፀገም ኣሎ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ዝምረት እኽሊ ብሄክታር ከትርእዮ እንተለኻ ዝምረተሉ መጠን ካብ ባዶ ንታሕቲ እዩ። በዚ መሰረት ናብ ዕዳጋ ዝቐርቡ ፍርያት ብጣዕሚ ውሐዳት እዮም። እዚ ቐዳማይን መሰረታዊ ፀገምን እዩ።

ካልኣይ መሰረታዊ ፀገም ድማ በርግፅ ናይዚ መንግስቲ እዚ ጉድለት ኣይኮነን ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ኢህወዴግ ብዝግባእ ኣብ ሕርሻ ትኹረት ገይሩ ዘይምስርሑ ነዚ ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ሓደ ጉድለት እዩ። ካሊእ ናይዚ መንግስቲ እዚ ጥፍኣት እዩ ዝብሎ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ዋጋ ብር ክረክስ ምግባሩ እዩ። እዚ ጉድለት እዚ ብፅንዓት ዝረኸብክዎ እዩ። ኣነ ኣብ ተፈላላዩ ሚድያትትን መድረኻትን ተዛሪበ እየ። ግና እዚኒ ሂቡ ዝሰምዕ ኣካል የለን። ኣብ ተፈላላዩ መድረኻት ንመንግስቲ እናሓበርና ፀኒሕና ኢና። ብር ብዓሰርተ ሚኢታዊ ክተሕስሮ እንተለኻ ዋጋ ዕዳጋ ብዒስራ ሚኢታዊ እዩ ዝውስኽ። ኣቑሕት ብዕፅፊ አናወሰኹ እዮም ዝኸዱ። ስለዚ ዋጋ ዓቕሓ ዕፅፊ ዋላ እንተኾነ ዘገርም ኣይኮነን።

ካሊእ ሳልሳይ ምኽንያት ኮይኑ ዝረኸብክዎ ናይ ቕድሚ ሕዚ መንግስቲ ማለት ብህወሓት ዝምራሕ ኢህወዴግ ብር ብበዝሒ ምሕታም እዩ። ብጣዕሚ ብዙሕ ገንዘብ እዩ ተሓቲሙ። ዝተሰርሑ ኩሎም ልምዓታት ከንሪኦም እንተለና ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ወፃኢኦም ብበዝሒ ብር እናሕተምካ ወይ ብናይ ደገ ልቓሕ እዮም ዝሽፈኑ ነይሮም። ከባቢ ክልተ ሺሕ ጀሚርካ ክሳብ 2012 ከምኡ ‘ውን 2013 ኣብ ዝነበሩ ዓሰርተ ክልተ ዓመታት ውሽጢ መንግስቲ ዘሕትሞ መጠን ገንዘብ ብ13 ዕፅፊ እዩ ወሲኹ። ጠቕላላ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ብር ኢህወዴግ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብብልዮናት እዩ ተሓቲሙ። ኢህወዴግ ካብ ስልጣን ምስ ለቐቐ ‘ውን በብግዚኡ ብበዘሒ እናተሓተመ እዩ ዘሎ።

ራብዓይ ድማ ነጋዶታት ግቡእ ዘይኮነ ከስቢ ናይ ምርካብ ድሌት ስለ ዘለዎም እዩ፤ እዚ ‘ውን ሓደ ምኽንያት እዩ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ደላላ ‘ውን ናይ ባዕሉ ዓብዪ ግደ እናተፃወተ እዩ ዘሎ። ሓረስታይ ዝረኽቦ ገንዘብን ነጋዶን ደለልትን ዝረኽብዎ ገንዘብ ዓብዪ ፍልልይ ኣለዎ። ሓረስታይ ክረኽቦ ዝግባእ ብዝተፈላለዩ ምጭብርባራት ነጋዴን ደላሊን እዩ ዝካፈሎ ዘሎ። ስለዚ ኣብዚ ኣብ ሃገርና ዋጋ ሸቐጣ ሸቐጥ ዝውስና መንግስቲ እንተይኮነስ ደላሊ እዩ ምባል ይከኣል። ኣብ ከምኒ ኣሜሪካ ዝመሳሰሉ ዝማዕበሉ ሃገራት ነጋዶ ዓሰርተ ሚኢታዊ ዘትርፉ እንትኾኑ ኣብ ሃገርና ግና ሚኢቲ ፐርሰንት እዮም ዘትርፉ። ስለዚ ብሓፂሩ ኣነ ብፅንዓት ዝረኸብክዎም መሰረታዊ ምኽንያታት ናህሪ ዋጋ እዚኦም ኣርባዕቲኦም እዮም።

ካሊእ ሕዚ ዝተፈጥረ ድማ ኣብ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዘሎ ኵናት ነዚ ናህሪ ዋጋ እዚ ብጣዕሚ እዩ ዘጋድዶ፤ ኵናት ብዙሕ ገንዘብ እዩ ዝበልዕ፤ ሕድሕድ ጥይት ከትትኩስ እንተለኻ ዶላር ኢኻ ትትኩስ ዘለኻ። ምኽንያቱ ኢትዮጵያ እዚ እዩ ዝበሃል ሚሊታሪ ኣቑሑት ኣይተፍርን። ኩሉ ኣፅዋር ብዶላር እዩ እናተገዝአ ዝመፅእ። እዚ ዝትኮስ ዘሎ ጥይት ዶላር ማለት እዩ፤ እዚ ድማ ዶላር ክኸብር ይገብሮ። ዶላር እንትኸብር እንተሎ ድማ ኢንፍሌሽን ይመፅእ። ከምዝፍለጥ ኢትዮጵያ መብዛሕትኦም ሸቐጣሸቐታት ካብደገ ብዶላር ገዚኣ እያ ተምፀኦ። ዶላር እናኸበረ እንትኸይድ እንተሎ ኩሉ ኣቁሕት ሃገርና ይኸብር እዩ። መንግስቲ ንባዕሉ ነዚ ብዙሕ ወፃኢ እዩ ዘውፅእ። ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ከም ዝነገሩና ኣብዚ ኵናት እዚ ንሰብኣዊ ሓገዝ ጥራሕ 100 ቢልየን ብር እዩ ወፃኢ ኮይኑ። ካሊእ ዘይተነገረ ድማ ካብኡ ንላዕሊ ክህሉ ይኽእል እዩ ኢለ ይግምት። እዚ ንሃገርና ኣብዪ ወፃኢ እዩ። ሕዚ ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ትግራይን ዓፋርን ብሰንኪ እዚ ኵናት እዚ ፍርያት ጠጠው ኢሉ እዩ ዘሎ። በዚ ኩነታት እዚ ፍርያት ደው ኢሉ ኣሎ ማለት ኣቕርቦት ቐኒሱ ኣሎ ማለት እዩ። ካብዚ ዝላዕለ ድማ ዋጋ እናወሰኸ ከምዝኸይድ ግልፂ እዩ። በዚ ተፈጢሩ ዝኒሀ ኵናት ሓረስታይ ንጥፈታት ሕርሽኡ እናከናወነ ኣይኮነን ዘሎ፤ ኣብ ኵናት እዩ ዘሎ። ከምኡ ‘ውን በዚ ሰንኪ ኵናት እዚ ኢንቨስተራት መዋእለ ንዋዮም ኣየፍስሱን ዘለዉ፤ እዚ ማለት ፍርያት ኣየፍርዩን ዘለዉ ማለት እዩ። ስለዚ ብዝበኣሰ ደረጃ ዶላር ምኽባሩ ኣይቐርን እዩ። ከምዚኦም ዝመሳሰሉ ነገራት ተደማሚሮም ዋጋ ዶላር የበኣእሱ እዮም።

ኣብ ከምኒ ኣሜሪካን ኣውሮፓን ብዝነበረ ካልኣይ ኵናት ዓለም ዝጋጠመ ኩነታት ኣሎ፤ እቲ ኵናት ዋላ ጠጠው እንተበለ እኳ ቐፂሉ ንዝነበረ እዋናት ክሳብ ከባቢ ሐደ ዓመት ኢንፍሌሽን ቐፂሉ ነይሩ እዩ። ስለዚ ካብዚ ተመኩሮ ምውሳድ ኣድላይ እዩ። ኣብ ሃገርና’ውን ከምዚ ከጋጥመና ይኽእል እዩ። ሕዚ ዓብዪ ሚሊተሪ እናጠራቐምና ኢና ዘለና። እዚ ወትሃደር እዚ ኣብ ውግእ እዩ ዘሎ’ምበር ምህርቲ እናፍረየ ኣይኮነን ዘሎ። ከምዚ ክብል እንተለኹ ግና ወትሃደር ኣየድልን ማለተይ ኣይኮነን። ወትሃደር እንተዘይ ሃልዩ ሓረስታይ ሰላሙ ተሓልይሉ ፍርያት ከፍሪ ኣይኽእልን።

ስለዚ ወትሃደር ዘፍርዎ ፍርያት ስለ ዘየለ ናይ ባዕሉ ፀገም ኣለዎ እዩ። እዚ ኵናት እዚ ፅባሕ ዋላ ጠጠው እንተበለ እዚ ወትሃደር እዚ ካብ መንግስቲ ተፀባዪ እዩ ዝኸውን፤ ከትብትኖ እንተበልካ ድማ ካሊእ ፀገም ክመፅእ ይኽእል እዩ። ስለዚ ነዚ ወተሃድር ደሞዝ ኢኻ ከትኸፍል ካብኡ ዕዳጋ ከይዱ እዩ ክገዝእ። ስለዚ ፍርያት ኣብ ዘይወሰኸሉ ጠለብ ግና ይውስኽ ኣሎ ማለት እዩ፤ እዚ ድማ ዕዳጋ ዘይምርግጋዕ ከስዕብ ይኽእል። ናይ ካልኦት ሃገራት ተመኩሮ እናንበብኩ ነይረ፤ ካብዚ ዝተረዳእኽዎ እዞም ክልተ ሓይልታት እዚኦም ዋላ እኳ ፅባሕ እንተዝስማዕምዑ ክሳብ ከባቢ 6 ወርሒ ወይ ሓደ ዓመት ኢንፍሌሽን ምቕፃሉ ኣይቐርን እዩ።

ወጋሕታ፡- ሃገርና ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣጋጢምዋ ዘሎ ፖለቲካዊ ፀገም ናሕሪ ዋጋ በዚ እንተቐፂሉ ክፈጥሮ ዝኽእል ሳዕቤን ከመይ ይገልፅዎ?

ፕሮፌሰር ኣለማየሁ፡- ኣብዚ መንግስታዊ ቕቡልነት ወሳኒ እዩ። እዚ መንግስቲ እዚ ብህዝቢ ዝተፀልአ መንግስቲ እንተዝኾን ነይሩ በዚ ናህሪ ዋጋ ዝተላዕለ ምኽንያት ህዝቢ መንግስቲ ክግልብጥ ይኽእል እዩ። ኮይኑ ግና ከም ፅቡቕ ዕድል ክውሰድ ዝኽእል እዚ መንግስቲ እዚ ኣብ ዝሓለፈ መረፃ ከም ዝረኣናዮ መብዛሕትኡ ህዝቢ መሪፅዎ እዩ። ዶክተር ኣብይ እንተዘይህሉ ነይሩ ብልፅግና ዘይክምረፅ ይኽእል ይነብር። ህዝቢ ድማ ሰላም እዩ ዝደሊ፤ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ‘ውን ኩሉ ግዜ ሰላም እዮም ዝሰብኹ። ስለዚ ህዝቢ ድማ ሰላም ዘምፅእ ዶክተር ኣብይ እዩ ኢሉ ስለ ዝኣምን ብዛዕባ ናብራ ኣይሓስብን ቕድሚኡ ሰላም እዩ ዝሓስብ። ህዝቢ ሰላም ከይስእን፣ ከይፋናቐል እዩ ዝጭነቕ። እንተነኣሰ ምስ ናይ ቕድሚኡ ዝነበሩ ስርዓታት ክነናፃፅሮ እንተለና ሕዚ ዝኒሀ መንግስቲ ዲሞክራቲክ መንግስቲ እዩ። በርግፅ ኩሉ ሰብ ናይ ባዕሉ ኣመላኻኽታ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ከም ከማይ ግና ዲሞክራቲክ መንግስቲ እዩ ኢለ እየ ዝገልፆ። ስለዚ ዶክተር ኣብይ ብህዝቢ ቕቡሉነት ኣለዎ ማለት እዩ። በዚ ምኽንያት ዋላ ናህሪ ዋጋ ይሃሉ ህዝቢ ክዕገሶ ይኽእል እዩ ዝብል ሓሳብ እዩ ዘለኒ። ዶክተር ኣብይ ብህዝቢ ዝፍቶ መራሒ ተዘይኾን ነይሩ በቲ ኣጋጢሙ ዝኒሀ ናህሪ ዋጋ ተላዒሉ ህዝቢ መንግስቲ ምገልበጠ ነይሩ። ህዝቢ ካብ ናህሪ ዋጋ ሰላም ኣቕዲሙ ይሓስብ ኣሎ ማለት ይከኣል። እዚ መንግስቲ እዚ ብህዝቢ ዝተፀልአ እንተዝኸውን ነይሩ ህወሓት ድማ ብህዝቢ ተቐባልነት ተዝህልዎ ነይሩ ህዝቢ ክዕምፅ ምኸኣለ ነይሩ። ድሕሪ ሰላም ግና ናይ ናብራ ለውጢ ተዘይመፂኡ ማለት በዚ ዝኒሀዎ እንተቐፂሉ ህዝቢ ክነብር ኣይከኣልናን ኢሉ ፀገም ክፈጥር ይኽእል’ዩ።

ወጋሕታ፡-ነጋዶ ኣብ ሸቐጣ ሸቐጥ ብዘይ ኣግባብ ዋጋ ብምውሳኽ ነቲ ዝኒሀ ፖለቲካዊ ፀገም ንምብእኣስ እዩ ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ። ንሶም እዚ ከመይ ይምልከትዎ?

ፕሮፌሰር ኣለማየሁ፡- ኣነ ከም ዝመስለኒ ኣብዚ ኩነታት እዚ ኣብ ክልተ ከፊለ እየ ዝሪኦ፣ ቐዳማይ ኩሉ ነጋዳይ ናይ ህወሓት ደጋፊ ኣይኮነን። ብጣዕሚ ውሕዳት ፅንፈኛታት ናይ ህወሓት ደገፍቲ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ከምዚኦም ዝበሉ ነጋዴታት ዓቕሓ ብምሕባእ ዝተፈላለዩ ተንኮላት ክሰርሑ ይኽእሉ እዮም። እቲ ዋና ነገር ፀባይ ነጋዴታት እንታይ ይመስል ምፍላጥ ኣድላይ እዩ። ስነ ምግባር ዝጎደሎም ንባዕሎም’ምበር ንዜጋ ዘይሓስቡ ነጋዶ ኣለዉ እዮም። ናይ ነጋዴታትን ደለልትን ፀባይ ኣብ ግዜ ኵናት እንደምንም ኢሎም ገንዘብ ምትራፍ እዮም ዝደልዩ። ነዚ ድማ መረጋገፂ እንታይ ኣሎ እንተይልካኒ እዚ ፀገም እዚ ቕድሚ ኵናት ‘ውን ነይሩ እዩ። ስለዚ ነጋዳይ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ከምዕድል ተጠቒሙ ዘይተደለየ ትርፊ ንምትራፍ እዩ ዝጓየ። ነጋዶ ፖለቲካዊ ፀገም ንምብእኣስ ድዮም ዋጋ ዝውስኹ ዘለዉ ኣይኮነን፤ ኣነ ሙሉእ መረዳእታ የብለይን መንግስቲ ግና ክህልዎ ይኸእል እዩ። ብጣዕሚ ውሕዳት ነጋዶ ምስ ፖለቲካ ዘተሓሓዝዎ የለቡን ማለት ኣይከኣልን። ከም ዝመስለኒ ኣነ ናይ ነጋዳይ ፀባይ እዩ ክኸውን ዝኽእል እየ ዝብል። እዞም ነጋዶታት እዚኦም ኣብ ሰላም ግዜ ‘ውን ሚኢቲ ፐርሰንት እናትረፉ እዮም ነሮም። ስለዚ ብዙሕ ሓዱሽ ዝተፈጠረ ዘሎ ኣይመስለንን።

ካሊእ ድማ ናይ ነጋዶታት ፀገም ዘይክትብሎ እትኽእል ኩነታት ‘ውን ኣሎ እዩ። ከምዚ ክብል እንተለኹ ነጋዶታት ካብ ወፃኢ ዘምፅእዎ ኣቑሑ ስለ ዝኸበሮም ‘ውን እዩ። ዶላር ብምኽባሩ ንነጋዳይን ተራ ገዛኢን ከምዝኸብሮ ግልፂ እዩ። እኳደኣስ ሓደ ሓደ ቸርቸርቲ ዋጋ ክነግሩኻ እንተለዉ እናተሰከፉ እዮም ዝነግሩኻ። ኣብቲ ንገዝኦ ቦታ ስለ ዘኽበሩልና እዩ እዮም ዝብሉኻ። ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገርና መሰረታዊ ዝበሃሉ ሸቐጣት ውሱናት ነጋዶ እዮም ተቖፃፂሮሞ ዝርከቡ። ንኣብነት ከም ዘይቲ ዝመሳሰሉ ኣብ ኢድ ውሱናት ነጋዶ እዩ ዘሎ። ስለዚ ኣብ ነጋዶ ዝረአ ፀገም ምፍታሕ ዘድሊ እንተኾይኑ ካብ ላዕሊ ጀሚሩ ክፍታሕ ኣለዎ፤ እንተዘይ ኮይኑ ከቢድ እዩ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ሃገርና ናህሪ ዋጋ ኣጋጢሙ ዝኒሀ ድሌትን ኣቕርቦትን ብዘይምጥዕዓሙ እዩ ዝብሉ ኣካላትት ኣለዉ፤ ከምኡ ‘ውን ስርዓት ቑፅፅር ዝላሕለሐ ስለ ዝኾነ እዩ ዝብሉ ኣለዉ፤ እስቲ ኣብዚ ዘለዎም ሓሳብ ኣታሓሒዞም ይንገሩኒ?

ፕሮፌሰር ኣለማየሁ፡- እዚ ከምዚ ምዃኑ ዳርጋ ኩሉ ዝፈልጦ ጉዳይ እዩ። እቲ ዋና ሕቶ ክኸውን ዘለዎ ሕቶ ግና ንምንታይ ኣቕርቦት በዝሐ ንምንታይስ ድሌት ጠለብ በዝሐ እዩ። ድሌት ጠለብ ንምንታይ በዚሑ እንተይልና እቲ ቐንዲ ምኽንያት ብር ብበዝሒ ስለ ዝተሓተመ እዩ። ኣቕርቦት ንምንታይ ንኢሱ እንተይልና ድማ ብዝግባእ ፍርያት ክድንፍዕ ስለ ዘይተኻኣለ እዩ። ኣብዚ ፍርያት ብዝግባእ ኣብ ምፍራይ ፀገም ስለ ዘሎ እዩ። ክስረሐሉ እናተኻኣለ ብዘይ ምስርሑ እዩ። ንምንታይ ኣቕርቦት ውሒዱ ንምንታይከ ድሌት ጠለብ በዚሑ ኢልካ ምርዳእ የድሊ። ካብኡ እቲ ፀገም ፈሊጥካ ናብ መፍትሒ ምኻድ እዩ።

እቲ ካሊእ መንግስታዊ ቑፅፅር ስለ ዝንእስ እዩ ዝብል ነገር፣ መንግስቲ ቑፅፅር እንተብዚሑ ናብ ግዕዝዕይና እዩ ዘምርሕ። ንኣብነት ቕድሚ ሕዚ ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ ኢህወዴግ ጀሚርዎ ነይሩ እዩ፤ ብዙሓት ኣዋጃት ኣውፂኡ ነይሩ እዩ፤ ኮይኑ ግና ኣይኸኣለን። ንኹሉ ነጋዳይ ከመይ ገይርካ ኢኻ ተቖፃፂርካ እትኽእሎ። ከም ዝመስለኒ ጥዑያት ሰባት ኣብ ንግድን እንዱስትሪን ብምቕማጥ ብግዕዝይናን ሌብነትን ዘይታለሉ መሰረታዊ ቑፅፅር ዝገብሩ ክኾኑ ኣለዎም። ኮይኑ ግና እዚ መሰረታዊ መፍትሒ ክኸውን ኣይኽእልን። ካብ ቑፅፅር ኣንፃር ኣነ መፍትሒ ዝመስለኒ ቕድም ከምዝበልክዎ መንግስቲ በብጣብያኡ ልክዕ ከም ከነማ ፋርማሲ መሰረታዊ ነገራት ምቕራብ። ‹‹ሸመቶች›› ፀገም ኣለዎም እዩ፤ ብጥቕሚ ዝተኣሳሰሩ እዮም ብጋንኡ ናብቲ መሸጢ ቦታ እንተይመፀ ኣብ ቦትኡ እዩ ተሸይጡ ዝውዳእ።

 ተደራዲሮም ንናይ ደገ ነጋዶ እዮም ዝሸጥዎ። ከነማ ፋርማሲን ከም ኢትፍሩትን እንተሪእና ካብ ዝምስረቱ ጀሚሮም ፅቡቕ እናገልገሉ እዮም ዝርከቡ። እዞም ትካላት እዚኦም ካብ ደርጊ ዘመን ጀሚሮም ዝተጣየሹ እዮም። ክሳብ ሕዚ ድማ ፅቡቕ ይቕፅሉ ኣለዉ። እዚኦም ንኸባቢ ሓምሳ ዓመት ንምንታይ እዮም እንተይሰረቑ ፀኒሖም ኢልካ ብምምርማር ከምዚ ዓይነት መገዲ ምኽታል ዝሓሸ ይመስለኒ። እዚኦም ፅቡቕ ስርዓት ምሕደራ ተዘርጊሕሎም ሞያዊ ዝኾነ ምሕደራ ኣለዎም። ካብዚ ትምህርቲ ብምውሳድ ከም ጣፍ፣ ስገም፣ሽሮ፣ ሽኳርን ዘይትን ከምዚኦም ዝበሉ መሰረታዊ ነገራት ኣካይዳ ፋርማሲ ከነማ ተኸቲልካ በቢጣብያኡ ምጥያሽ የድሊ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ከምዚ እንተኾይኑ ህዝቢ ዝደለዮ መሰረታዊ ሸቐጣት ከምድሌቱ ክረክብ እንተሎ ነጋዶታት እንተይፈተዉ ዋጋ ከውርዱ ይኽእሉ እዮም። ክንድ ድልየትካ ተትቖፃፀር ፀገሙ ከትፈትሖ ኣይትኽእል ኢኻ፤ ቕድሚ ሕዚ ተፈቲኑ ኣይተኻእለን።

ወጋሕታ፡- ግና እቲ ክትትል ጥንክር ስለይበለን ካብ ዘረባ ሓሊፉ ናብ መሬት ኣይወረደን ዝብል ኣካላት ‘ውን ኣለዉ፤ እዚ ክኸውን ኣይኽእልን ዶ ይብሉ?

ፕሮፌሰር ኣለማየሁ፡- እዚ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢለ ኣይግመትን። ምኽንያቱ ሓደ መንግስቲ ሰራሕተኛ ንርአ፤ ደሞዙ ውሕድ እዩ ማለት መብዛሕትኡ ትሕቲ ዓሰርተ ሽሕ እዩ። እዚ ገዛ ዘይብሉ እንተኾይኑ ብኻሊእ ወገን ድማ ብዓል ሓደር እንተኾይኑ ብፍላይ በቲ ናይ ሕዚ ዝኒሀ ናህሪ ዋጋ ከመይ ኢሉ ክነብር ይኽእል። ስለዚ እንተይፈተወ ካብ ምስራቕ ዓዲ ኣይውዕልን። ፀገም የግድደካ እዩ። ሰብ እንተጨኒቕዎ ተቖፃፂርካ ከተፅንዖ ኣይትኽእልን ኢኻ። ከመይ ጌርካ ኢኻ ሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ ደሞዙ 3 ሺሕ ኮይኑ እናሃለወ ዋጋ ሚኢቲ ሽሕ ኣቕሓ ተቖፃፀር እትብሎ። ሰብ እንተዘይበሊዑ ክሰርሕ ኣይኸእልን እዩ። እዚ ተፈጥሮኣዊ እዩ።

ወጋሕታ፡- ኣብ 27 ዓመታት ኢኮኖሚ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ውሱናት ሰባት ተጠቒሊሉ ስለ ዝነበረ እዩ ነዚ ናይሕዚ ናህሪ ዋጋ ምኽንያት ኮይኑ ዘሎ ዝብሉ ኣካላት ‘ውን ኣለዉ እዚ ከመይ ይሪእዎ?

ፕሮፌሰር ኣለማየሁ፡- እዚ ምስ ናህሪ ዋጋ(ኢንፍሌሽን) ዘተሓሕዝ ጉዳይ የብሉን። ኣብ 27 ዓመታት ምስ ሰበ ስልጣናት መንግስቲ ቕርበት ዝነበሮም ኣካላት ብኢኮኖሚ ዝተጠቐሙ ኣለዉ እዮም። ፍትሓዊነት ዝጎደሎ ስርዓት ምንባሩ ፍሉጥ እዩ። ብኢህወዴግ ግዜ ውሑዳት ሰባት ምስ ሰበ ስልጣን ተኣሳሲሮም ሰብ ሃፍቲ ኮይኖም እዮም። ይኹን’ምበር እዚኦም እዮም እቲ እንፍሌሽን ኣምፂኦሞ ኢለ ኣይግምትን። ብኢህወዴግ ዘመን ልዕሊ 30 ቢልዮን ዶላር ካብ ሃገር ወፂኡ እዩ። እዞም ሰባት እዚኦም እቲ ገንዘብ ምስረኸቡ እቲ ዝረኸብዎ ገንዘብ ሕጋዊ ስለ ዘይኮነ ከይውረሱ ብምፍራሕ ናብ ደገ የህድምዎ ነይሮም እዮም። ገንዘብ ናብ ደገ ክተውፀኦ እንተለኻ ዶላር ንምኽባር ምኽንያት ይኸውን እዩ። ምኽንያቱ ብዶላር ኢኻ እተውፀኦ ዘለኻ። ዶላር ብዝኸበረ ቑፅሪ ብር እናሓሰረ ስለ ዝኸይድ፤ ዶላር ንምግዛእ ብዙሕ ብር ኢኻ እተውፅእ። ነጋዶ ‘ውን ብፀሊም ዕዳጋ ዶላር እናገዝአ እዩ ካብ ደገ ኣቑሑ ዘምፅእ። ኣብ ዝሓለፉ ስርዓታት ብኢ-ሕጋዊ ዝረኸብዎ ገንዘብ ዘድልዎም ኣቕሓ ንምግዛእ ስለ ዘይፅገሙ ንድኻ ሕብረተሰብ ናይ ምግዛእ ዓቅሙ ክትሕት ገይርዎ እዩ። ስለዚ ኣብዝሓለፉ ስርዓታት ዝነበረ ዘይፍትሓዊ ስርዓት ብፍላይ ምስ ግዕዝይና ገንዘብ ተተሓሒዙ ኣብ ዜጋታት ፀገም ኣምፂኡ እዩ።

ወጋሕታ፡-ሃገርና ሕዚ ኣጋጢምዋ ዘሎ ኢንፍሌሽን መፍትሒኡ እንታይ እዩ ይብሉ?

ፕሮፌሰር ኣለማዮሁ፡- ልዕል ኢለ ዝገለፅክዎም ፀገማት ነዚ መፍትሒ እዮ። ‹‹ፈረንጂ እንታይ ይብሉ ፀገማት ምዝርዛር ናይቲ ፀገም መፍትሒ እዩ›› ይብሉ። ዝዘርዘርናዮም ኩሎም ገልቢጥና እንተሪእናዮም መፍትሒ እዮም። ንኣብነት ብሄክታር እነፍርዮም ካብ ዓመት ናብ ዓመት መጠኖም ክውስኹ ምግባር፤ ማለት ሕርሻ ብምዝማን ፍርያት ምድንፋዕ። ዝማዕበሉ ሃገራት ብሄክታር 100 ኩንታል ዘምርቱ እንተኾይኖም ንሕና ንምንታይ ኣብ 40 ኩንታል ጠጠው ንብል ኢልካ ምሕሳብ እዩ። ካሊእ ብር ዘሕስር ነገር ማለት ብበዝሒ ብር ምሕታም ክቕነስ ኣለዎ። ብር ምሕታም ብጣዕሚ እንተቐኒስካ ድማ ኢኮኖሚ ጠጠው ክብል ይኽእል እዩ። ስለዚ ሚዛናዊ ምግባር ።ብር ምሕታም ኢንፍሌሽ ዘየምፅእን ዕቤት ሃገር ጠጠው ዘየብል ክኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ ምሕታም ብር ሕዚ መንግስቲ ፅቡቕ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኮይኑ ግና ከይበዝሕ ጥንቓቐ ክግበር ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ንዝበረና ፃንሒት የቕንየለይ።

ፕሮፌሰር ኣለማየሁ፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ።

6 መስከረም ጋዜጣ  ወጋሕታ

መኣርግ ገ/ሄር

Recommended For You