
ኣይተ ዮውሃንስ ጎይተኦም ኣቦ ወንበር ማሕበራት ሲቪክ ኢትዮጵያውያን ተጋሩ እዮም። ኣይተ ይውሃንስ ነባር ተጋዳላይ ህወሓት ዝነበሩ እንትኾኑ ኣብ ከይዲ ብምኽንያት ናይ ዕላማ ፍልልይ ካብ 1985 ዓ.ም ጀሚሮም ካብቲ ውድብ ብምውፃእ ንስርዓት ህወሓት ካብ ዝቓወሙ ኣካላት ሓደ እዮም። እምበኣርከስ ክቡራት ኣንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ እዋናዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና መሰረት ብምግባር ምስ ኣይተ ዮውሃንስ ዝገበርናዮ ፃኒሒት ከምዝስዕብ ኣሳናዲእናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።
ወጋሕታ፡- ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝገብሮ ዘሎ ምንቕስቓስ ብፍላይ ድማ ድሕሪ ለውጢ ከመይ ይገልፅዎ?
ኣይተ ዮውሃንስ፡- ኣብ 2010 ዓ.ም ብማዕበል ህዝቢታት ኢትዮጵያ እቲ ለውጢ ደፊኡ ምስመፀ ህወሓት ኣካል እቲ ለውጢ ክኸውን ኣይደለየን ነይሩ፤ ነዚ ለውጢ ብዘይምቕባሉ ምኽንያት ናብ ትግራይ ከምዝኸደ ይፍለጥ እዩ። ምስቲ ዝነበረ ዓንቐፍቐፍ ህወሓት ናብ ሰላም ክመፅእ መንግስቲ ብዙሕ ፃዕርታት ገይሩ እዩ። ከምቲ ኩልና ንፈልጦ 24 ጥቕምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ናይ ክሕደት ጥቕዓት ክፍፀም ክኢሉ እዩ። በዚ መሰረት መንግስቲ ብዘለዎ ሓላፍነት ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ወሲዱ እዩ። ኣብ መወዳእታ ኩልና ከምንፈልጦ 21 ሰነ 2013 ዓ.ም መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ናይ ፅሞና ግዜ ንኽህልዎ ብምሕሳብ ወይ ‘ውን ሓረስታይ ተረጋጊዑ ኣብ ሕርሽኡ ክዋፈር ብምሕሳብ ወተሃደራቱ ካብ ትግራይ ከምዘውፀአ ይፍለጥ። በዚ ምኽንያት መንግስቲ በይናዊ ጠጠው ምባል ተኹሲ ገይሩ እናሃለወ ጁንታ ህወሓት ግና ከምቲ ንሪኦ ዘለና ክሳብ ጎረባብቲ ክልላት ኣትዩ ብዙሕ ግፍዒ እናብፀሐ እዩ ዝርከብ።
እዚ ጉጅለ እዚ ተግባር ግብረ ራዕዳዊነቱ ኣጣናኺሩ እዩ እናፈፀመ ዝርከብ። ንኣብነት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ወትሃደራዊ ግፍዕታት እናፈፀመ እዩ ዘሎ። እዚ ብመሰረቱ መግለፂ ግብረ ራዕድነቱ እዩ። እዚ ተግባር እዚ ንህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ድማ ንሃገርና ናብ ከቢድ ሓደጋ ዘአቱ ተግባር እዩ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ።
ወጋሕታ፡- ጉጅለ ራዕዳዊ ህወሓት ጥቕሚ ህዝቢ ትግራይ ከም ኣጀንዳ ሒዘ እየ ዝቓለስ ዘለኹ ይብል። እስቲ ኣብዚ ዘለዎም ሓሳብ ይገልፁልና?
ኣይተ ዮውሃንስ፡- ህወሓት ከም ናይ ፖለቲካ ሓይሊ ንህዝቢ ትግራይ እቓለስ ኣለኹ ክብል እንተሎ ብህዝቢ ትግራይ ክሽቕጥ ግድን እዩ። ከም ፖለቲካዊ ሓይሊ ነዞም ቓላት እዚኦም ክጥቐመሎም ናይ ግድን እዩ። ብተግባር ክረአ እንተሎ ግና ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት መግዛእቲ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕም ነገር ዝሰርሐ ሓይሊ ኣይኮነን። ከም ዝፍለጥ ንባዕሎም መራሕቲ ህወሓትን ደገፍቶምን ተጠቐምቲ ዝነበርሉ እዋን ዝነበረ እንትኸውን ህዝቢ ትግራይ ግና ከም ህዝቢ ኣብ ዝሓሸ ብርኪ መነባብሮ ዝበፅሐሉ ኩነታት ኣይኮነን ነይሩ። ብርክት ዝበለ ህዝቢ ብሴፍቲኔት ከምዝመሓደር ይፍለጥ እዩ። ንባዕሉ ዝምግብ ኣይኮነን። ስለዚ ብመሰረቱ ህወሓት ክረአ እንተሎ ከም ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ሓይሊ ንህዝቢ ትግራይ ኢለ እየ ዝቓለስ ዘለኹ ድኣ ይበል’ምበር ብተግባር ንህዝቢ ትግራይ ሓልዩ ዝቓለስ ሓይሊ ኣይኮነን ምኽንያቱ እዚ ሓይሊ እዚ ዲሞክራሰያዊን ህዝባዊን ሓይሊ ኣይኮነን። ናይ ስርቕን ግብረ ራዕድን ተግባር ዘለዎ ሓይሊ እዩ።
ኣብዚ ሰዓት እዚ እኳ ህወሓት ማለት ናይ ፖለቲካ ሓይሊ ገይርካ ዝረአ ኣይኮነን። ብባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ‘ውን ናይ ግብረ ራዕዲ ኮይኑ ተሰይሙ እዩ። ህወሓት ካብ ኣፋጣጥርኡ ጀሚሩ ንውልቑ’ምበር ንህዝቢ ዝሓስብ ውድብ ኣይኮነን። ንህዝቢ ትግራይ እዚ ዝባሃል ብታሪኽ ክግለፅ ዝኽእል ወይ ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ኣይሰርሐን።
ወጋሕታ፡- መንግስቲ ኣብ ርእሲ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዝወስዶ ስጉምቲ ካብ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ትፅቢት ይግበር?
ኣይተ ዮውሃንስ፡- ህዝቢ ትግራይ ኩሉ ይፈልጥ እዩ፤ ለባም ህዝቢ እዩ። ኮይኑ ግና ጠጠው ኢሉ ከይሓስብ ዝተመቻቸሉ ኩነታት የለን፤ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዓፈና እዩ ዘሎ። ኢትዮጵያ ንህዝቢ ትግራይ ብጣዕሚ ተድልዮ እያ። ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ክነብር እንተኾይኑ ኢትዮጵያ ከትህሉ ኣለዋ። ህዝቢ ትግራይ ብዘይ ኢትዮጵያ ክነብር ኣይኽእልን። ብታሪኽ፣ ብሃይማኖትን ባህል ክረአ እንተሎ ህዝቢ ትግራይ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝፈልዮ ነገር የብሉን፤ ተፈልዩ ‘ውን ክነብር ኣይኽእልን። ስለዚ እዚ ህዝቢ እዚ ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣይትጠቕመንን ኢሉ ብምውጋድ ናብ ዝሓሸ መገዲ ክኣቱ ኣለዎ ኢለ እየ ዝኣምን።
ህዝቢ ኢትዮጵያ ብተግባር ይሪኢ ኣሎ እዩ፤ ህዝቢ ኢትዮጵያ ህወሓት ዝፍፅሞም ዘሎ ግብረ ራዕዲ ተግባራት ጠጠው ከብል በርቲዑ ክቓለስ ኣለዎ። በርግፅ ህዝቢ ኢትዮጵያ ህወሓት ካብ መሰረቱ ንምጥፋእ ፅቡቕ ምንቕስቓስ ይገብር ኣሎ እዩ። ደቁን ገንዘቡን ብምልኣኽን ደም ብምልጋስን ይረባረብ ኣሎ እዩ። እዚ ተግባር እዚ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ።
ወጋሕታ፡-ዕላማን ምንቅስቓስን ጁንታ ህወሓት ከመይ ይገልፅዎ?
ኣይተ ዮሃንስ፡- ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሃገር ካብ ምፍራስ ሓሊፉ ብዝገብሮ ዘሎ ምንቕስቃስ ካሊእ ንፁር ዕላማ የብሉን። ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝጠቕም ንፁር ኣጀንዳ የብሉን፤ ዕላምኡ ብግልፂ ዝፍለጥ ኣይኮነን። ሓደ ሓደ ግዜ ኮሪደር ንምኽፋት እየ ዝዋጋእ ዘለኹ ይብል፤ ካሊእ ግዜ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ግፍዒ ዝፈፀሙ ኣካላት ካብ ስልጣን ንምውራድ እየ ይብል፤ ብኻሊእ ወገን ድማ ሪፐብሊክ ትግራይ ንምምስራት እየ ይብሉ። ኩሎም ኣብ ኣመራርሓ ህወሓት ዘለዉ ዕላመኦም ዝተፈላለየ እዩ። ሓደ ዓይነት ዕላማን ኣረኣእያን ዘለዎም ኣይኮኑን። ንፁር ዕላማ ዘይብሉ ኣካል ድማ ሃገር ንምምራሕ እንተይኮነ ዝንቐሳቐስ ሃገር ንምፍራስ እዩ። ህወሓት ነባዕርሱ ዕላምኡ ዝፈልጥ ሓይሊ ኣይኮነን። ዓርሱ ንባእርሱ ዝዋቓዕ ሓሳብ እዩ ዝዛረብ። ብመሰረቱ ህወሓት ከም መጠን ግብረ ራዕዲ ንሃገር ዝጠቕም ዕላማ ክህልዎ ኣይኽእልን። እዚ ሓይሊ እዚ ካብ ፖለቲካዊ ሓይሊ ናብ ብርኪ ግብረ ራዕዲ ሓይሊ ወሪዱ እዩ። ናይ ፖለቲካ ሓይሊ ዘይኮነ ውድብ ፖለቲካዊ ሓይሊ ክኾን ኣይኽእል። ስለዚ ህወሓት ሃገር ካብ ምፍራስ ወፃኢ ካሊእ ዕላማ ክህልዎ ኣይኽእልን።
ጁንታ ህወሓት ናይ ፖለቲካ ሓይሊ ስለ ዘይኮነ ብሓይሊ ክውገድ ኣለዎ። ምስ ከምዚ ዝበለ ሓይሊ ዝኾነ ዓይነት ልዝብ ምግባር ኣይከኣልን። ምኽንያቱ ምስ ሓይሊ ግብረ ራዕዲ ብዝኾነ ይኹን መዐቐኒ ልዝብ ምግባር ከቢድ እዩ። ንምንታይ እንተይልና ዕላምኡ ሃገር ምፍራስ እምበር ካሊእ ንሃገር ዝጠቕም ንፁር ዕላማ የብሉን። ህወሓት ከም መጠን ግብረ ራዕዲ ሓይሊ በቲ ዝመፆ መገዲ ክውገድ እዩ ዘለዎ። ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ሃንደበታዊ ጥቕዓት ብምፍፃሙ ስዒቡ በቲ ዝተወሰደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ተባታቲኑ ነይሩ እዩ። ኮይኑ ግና ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝተወሰነ ሂወት ብምስርዑ ዝተፈላለዩ ግፍዕታት እናፈፀመ ይርከብ።
ጁንታ ህወሓት መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ዝሃቦ ፅሞና ተጠቒሙ ናብ ጎረቤት ክልላት ኣትዩ ራዕዲ ምፍጣሩ ክንደየናይ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘይጠቕም ምዃኑ እዩ ዘሪአካ። ሃገር ምስ ዘፍርስ ራዕዲ ሓይሊ ፀገማት ብልዝብ ምፍታሕ ከቢድ እዩ፤ ምኽንያቱ እዚ ራዕዲ እዚ ፖለቲካዊ ሓይሊ ስለ ዘይኮነ። ራዕዳዊ ሓይሊ ከየፍረስካ ሰላም ዝበሃል ክመፅእ ኣይኽእልን፤ ሰላም፣ ቕሳነትን ራህዋን ክመፅእ እንተኾይኑ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ መሊእኻ ክፈርስ እንተሎ እዩ። ስለዚ ሃገር ከም ሃገር ከትቕፅል እንተኾይና ሃገር ዘፍርስ ዘሎ ሓይሊ ተሓጋጊዝካ ክውገድ እንተሎ እዩ።
እዚ ሓይሊ እዚ ንሃገር ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ኣብዪ ሓደጋ ብምዃኑ ቐልጢፍካ ክውገድ ኣለዎ። እንተዘይተወጊዱ ሳዕቤኑ ብዙሕ እዩ። ሃገር ከም ሃገር ተረጋጊዓ ዕቤታ ከይተቕፅል፣ ሓረስታይ ሓሪሱ ከይበልዕ፣ ነጋዳይ ነጊዱ ከይልወጥ፣ ሲቪል ሰርቫንት ህዝቢ ከየገልግል፣ ተምሃራይ ከይመሃር እዩ ዝገብር ዘሎ። ዕለታዊ ስራሕ ሰሪሑ ዝነብር ኣብ ዝኸፍአ ሓደጋ ክወድቕ ብምግባር ስሩዕ ዝኾነ ናብራ ከይ ህልዎ ገይርዎ እዩ።
ብሓፈሻ እዚ ሓይሊ እዚ ሃገር ንድሓር ከትምለስን ኢሉ ‘ውን ከትፈርስን እዩ ዝንቐሳቐስ ዘሎ። ህወሓት ዘይምውጋድ ማለት መከራን ፀገምን ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ክናዋሕ ምግባር ማለት እዩ። ጁንታ ህወሓት ካብ ሰብ ሓሊፉ ኣብ እንስሳ ዘቤት ‘ውን ግፍዕታት ይፍፅም ኣሎ እዩ። እዚ ተግባር እዚ ናይ መወዳእታ ተግባር ግብረ ራዕዲ እዩ። ስለዚ ነዚ ግብረ ራዕዲ እዚ ናብ ሕጊ ንምቐራብ ኣብ ዝግበር ምንቕስቀስ ህዝቢ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ብምዃን ክረባረብ ይግበኦ።
ወጋሕታ፡- ጁንታ ህወሓት ንህፃናት ተባሂሉ ብመልክዕ ሓገዝ ዝመፀ ሓይሊ ወሃቢ ምግቢ ንወታደር ምግቢ የውዕሎ ኣሎ፤ እዚ ከመይ ተመልኪቶሞ?
ኣይተ ዮውሃንስ፡- እዚ ብጣዕሚ ዘሐፍር ስራሕ እዩ፤ ንህፃናት ተባሂሉ ዝመፀ ሓይሊ ዋሃቢ ምግቢ ካብ ህፃናት ኣሕዲግካ ንወታደር ምግብነት ምውዓል ማለት ዘሐዝን ተግባር እዩ። እዚ ዓርሱ ዝኸኣለ ገበን ብምዃኑ ብሕጊ ዘጥይቕ ተግባር እዩ። ስለዚ ንህፃውንቲ ተባሂሉ ዝመፀ ሓገዝ ምግቢ ንዕጡቓት ምግቢ ይጥቐምሎም ከምዘሎ ብሰፊሑ ይጋዋሕ ኣሎ እዩ። ኣብዚ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ብፍላይ ድማ እቶም ሓገዝ ዘቕርቡ ኣካላት ኣብ መዓልኡ ክውዕል ክትትል ክገብርሉ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ኣለኒ። ንዝጠመየን ንዝተፀገመን ተባሂሉ ዝመፀ ሓገዝ እኽሊ ካብ ዕላማ ወፃኢ ክውዕል ምግባር ዓርሱ ዝኸኣለ ገበን እዩ።
ወጋሕታ፡- ኣብ ሃገርና ኢድ ኣእታውነት ምዕራባውያን ከመይ ይመልከትዎ
ኣይተ ዮውሃንስ፡- ብመሰረቱ ምዕራባውያን ይኹኑ ኣሜሪካ ንህዝቢ ትግራይ ሓልዮም ኣይኮኑን ኣብ ሃገርና ኢዶም ዘእትዉ ዘለዉ፤ ካብቲ ዘለናዮ ጂኦፖለቲክስ ቐርኒ ኣፍሪካ ኩነታት ብምብጋስ ረብሐኦም ንምሕላው እዩ። እቲ ኵናት እናጠንከረ ኣብ ዝኸደሉ ግዜ ናብ ኩሉ ቐርኒ ኣፍሪካ ከይስፋሕፋሕ እሞ ጥቕሞም ከይጎድሎም እዩ። ስለዚ ዝገብርዎ ዘለዉ ኢድ ኣእታውነት ካብ ናይ ባዕሎም ረብሓ ብምብጋስ እዮም። ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፍንውዎ ዘለዉ ተቓውሞ ንህዝቢ ትግራይ ዝሓልዩ እናመሰሉ እቲ ቐንዲ ምኽንያት ናይ ባዕሎም ረብሓ ንምርግጋፅ ስለ ዝኾነ ህዝቢ ክርደኦ ኣለዎ።
እዞም ሃገራት እዚኦም ንህዝቢ ትግራይ ሓሲቦም እንተዝኾኑ ነይሮም ህወሓት ብርክት ዝበሉ ትሕቲ ዕድመ መናእሰይን ብዕድመ ዝደፍኡን ናብ ኵናት እናዳጎኖም እናሃለወ ዋላ ሓንቲ ኣይተዛረቡን። ብምኽንያት ራዕዳዊ ህወሓት ብርክት ዝበለ ትሕቲ ዕድመን ብዕድመ ዝደፍአን ኣብ ኵናት ኣትዩ እናረገፈ እናሃለወ ዘይተዛረቡ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ምሕዳር ማለት ንህዝቢ ትግራይ ምሕላይ ማለት ኣይኮነን። ከምኡ ‘ውን ብፍሉይ መልክዕ ዝተዳለዉ ሓይሊ ምግብታት ህወሓት ካብ ዕላማ ወፃኢ ከውዕሎ እንተሎ ሓቕነት ተዝህልዎመ ክዛረቡ ነይሮም እዮም። ነዚ ተግባር እዚ ክኹንንዎ ነይርዎም።
እንባዓል ኣሜሪካን ሃገራት ምዕራባውያንን ኣብ ከም እኒ የመን፣ ሶርያ፣ ኢራቕን ሊብያን እንታይ ከምዝገበሩ ይፍለጥ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ‘ውን ከምዚ ዓይንት ናይ ምፍፃም ድሌት ስለ ዘለዎም እዩ’ምበር ንህዝቢ ትግራይ ሓልዮም ኣይኮኑን። ንክብርን መሰልን ህዝቢ ትግራይ ተገዲሾም ኣይኮኑን። ካብቲ ጂኦፖለቲካ ቐርኒ ኣፍሪካ ብምብጋስ እዮም። ዝደልይዎ ነገር ካብ ኢዶም ንዘይምውፃእ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝነበረ ናይ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣኼባ ‘ውን ሓሳቦምን ዕላመኦም ተመሳሳሊ ከምዝነበረ ርኢናዮ ኢና። እኒ በዓል ቻይና፣ራሻ፣ ህንድን ኬንያን ካብ እኒ ኣሜሪካን ምዕራባውያንን ሓሳብ ዝተፈለየ ቅዋም ኣንፀባሪቐን እየን።
ወጋሕታ፡- ነዚ ከምዚ ዝበለ ፅዕንቶ ሓይልታት ወፃኢ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኸመይ ክምክቶ ይኽእል ይብሉ?
ኣይተ ዮውሃንስ፡- ነዚ ኢድ ኣእውነት ሓይልታት ደገ ንምምካት እቲ ቐንዲ ሓድነት ምጥንኻር እዩ። ህዝቢ ሓደ እንድሕር ኮይኑ ወይ እንድሕር ሰሚሩ ምዕራባውያን ከደፍሩ ኣይኽእሉን። ህዝቢ ክመቓቐል እንተሎ እዩ ንምድፋር ዝሙኩሩ፤ ብኸምዚ ዓይነት ኢድ ኣእታውነት እዩ ሃገራት ዝበታተና ዘለዋ።
ቐፂሉ ወትሃደራዊ ሓይሊ ምጥንኻር እዩ። ዲፕሎማሲያዊ ኩነታት ‘ውን ምጥንካር ኣድላይ እዩ። ምናልባት ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ከም ኣብነት እንተወሲድና ሓዳሽ፣ ንእሽተይን ድኻን ሃገር እያ። ብተፈላለየ ውዲት ንዒስራ ዓመት ዝኣክል ዝተፈላለየ ማዕቐብ ከዓርፋ እንተሎ ከም ሃገር ቐፂላ እያ። ስለዚ ከም ሃገር
ከትቕፅል ዝገበራ ናይቲ መንግስቲ ጥንካረን ሓድነት ህዝብን እዩ። ከምዚ ዓይነት ጥንካረ ኣድላይ እዩ። ብኸምዚ ኢድ ኣእታውነት ሓይልታት ደገ ምክልኻል ይከኣል እዩ። ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ምዕራባውያን ብዙሓት ሃገራት ከም እኒ የመን፣ ሶርያ፣ ኣፍጋኒስታንን ሊብያን ፈሪሰን እየን።
ብኻሊእ ወገን ምዕራባውያን ኢዶም ኣእትዮምለንን ክነድዝካኣል ሞኪሮምን ዘይኮነሎም ‘ውን ኣሎ እዩ። ኣብ ታሪኽ ከም ዝግለፅ እቶም መንግስታት ዲሞክራቲክ ድዮም ኣይኮኑን ካሊእ ጉዳይ ኮይኑ ከም በዓል ኤርትራ፣ ቬትናም፣ ኢራን ሰሜን ኮርያ ዝበላ ሃገራት ሳላ ሓድነትን ጥንካረ መንግስታተንን ክፈርሳ ኣይኸኣላን። እዚአን ብምዕራባውያን ዘይተሰኮና ሃገራት እየን። ኢትዮጵያ ‘ውን ከምዚአን ከትኸውን ኣለዋ።
ወጋሕታ፡- እቲ ሕዚ ኣጋጢሙ ዝኒሀ ፖለቲካዊ ፀገም ብኸመይ ክፍታሕ ኣለዎ ይብሉ?
ኣይተ ዮውሃንስ፡- ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ፀገም ሓደ ሓደ ሰባት ብልዝብ ክፍታሕ ኣለዎ ይብሉ እዮም። ኣነ ግና እዚ ሓሳብ ብመሰረቱ ኣይቕበሎን እየ። ህወሓት ብባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ተባሂሉ ተሰዪሙ እዩ። እዚ ጉጅለ እዚ ናይ ፖለቲካ ሓይሊ ኣይኮነን። ራዕዳዊ ጉጅለ እዩ። ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ምስ ራዕዳዊ ሓይሊ ምዝርራብ ከቢድ እዩ። ሓደ ህወሓት ከም ራዕዳዊ ሓይሊ ንመዛራረቢ ዝኸውን ዕላማ የብሉን። ስለዚ በታ ጀሚርዋ ዘሎ ክውዳእ ኣለዎ።
መንግስቲ ፌዴራል ሰራዊቱ ናይ ፅሞና ግዜ ብዝብል ካብ ትግራይ ምስ ኣውፀአ ህወሓት ነዚ ተጠቒሙ ሓይሉ ናብ ጎረባውቲ ክልላት ብምስፍሕፋሕ ብዙሕ ግፍዕታት እናብፀሐ እዩ ዝርከብ። ህወሓት ካብ ፖለቲካዊ ሓይሊ ናብ ራዕዳዊ ሓይሊ ወሪዱ እዩ። ስለዚ ምስ ከምዚ ዝበለ ሓይሊ ምዝርራብ ዝከኣል ኣይኮነን። እዚ ራዕዳዊ ሓይሊ እዚ ሙሉእ ብሙሉእ ክፈረስ ኣለዎ። ነዚ ሓይሊ እዚ ከየፍረስካ ሰላም ዝባሃል ነገር ክመፅእ ኣይኽእልን። እዚ ሓይሊ እዚ እንተዘይጠፊኡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ
ድማ ንህዝቢ ትግራይ ዓብዪ ሓደጋ እዩ። ሓረስታይ ከይሓርስ፣ ነጋዳይ ከይነግድ፣ ህዝቢ ብሰላም ወፂኡ ብሰላም ከይኣቱ ብምግባር ሃገርና ናብ ዝኽፍአ ብርኪ እናወሰዳ ስለ ዝኾነ መንግስቲ ኣብ ዝወስዶ ስጉምቲ ህዝቢ ኣብ ጎኑ ጠጠው ብምባል ኩሉ ዝከኣሎ ክሕግዝ ኣለዎ። ስለዚ ብሓፂሩ ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ቚልውላው ክፍታሕ እንድሕር ደኣ ኮይኑ እዚ ራዕዳዊ ሓይሊ እዚ ክፈርስ ክኽእል ኣለዎ።
ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየለይ።
ኣይተ ዮውሃንስ፡- ኣነ ‘ውን ስለ ዝጋበዝኩምኒ የቕንየለይ።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 4 ጳጉሜን 2013 ዓ.ም