‹‹ራዕዳዊ ህወሓት ዝሰርሐ መሬት ትግራይ ምድረበዳ ክትኸውን እዩ›› – ኣርቲስት ሰናይት ሃይለማርያም

ፍቕሪ ሃገር ካብ ዝግለፀሎም መገዲ እቲ ሓደ ስራሕ ጥበብ እዩ። ስራሕቲ ጥበበ ሓይሎም ልዑል ካብ ምዃን ተደሓሒዙ ብዙሕ መልእኽቲ ብሓደ ግዘ ብምትሕልላፍ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ልቦና ሰባት ብቕልጡፍ ብምስራፅ ብዘይ ምስሳዕ ዝዝከሩ እዮም።

ኣብ ሃገርና ደስ ዝብሉ ነገራት እንትህልዉ ከም ህዝቢ ውሽጣዊ ስምዒትና እንገልፀሉ ታሕጓስና ንዝቐረየ ዓለም ለኸ ክፍሊ እንገልፀሉ ናይ ጥበብ ስራሕና እዩ። ብተቓራኒ ድማ ኣብ ሃገር ደስ ዘይብሉ ነገራት እንትፍጠሩ ሓዘን እንትመፅእ ስምዒትና ንምግላፅ ስራሕ ጥበብ ብፍላይ ድማ ሙዚቃ ንጥቀም ኢና። ካብዚ ንላዕሊ ግና ሃገር ከም ኹናት ዝበሉ ኩነታት እንትገጥማት ወተደራት ብምብርትታዕ ህዝቢ ብምልዕዓል ግድኡ ልዑል ስለዝኾነ ንጥቀመሉ ኢና።

ኸዚ ከምዝገጠመና ዓይነት ሃገር ናይ ምድሓን ናይ ህልውና ኹናት ውሽጢ እንትንኣቱ ድማ ህዝቢ ሓደ ገይርካ ንምውዳብ ናይቲ ወታደር ስምዒት ፍቕሪ ሃገር ልዕል ንምባል ሙዚቃ ብኣብዝሓ ንጥቀም ኢና እናተጠቀምና ድማ ንርከብ።

ኣብ ቀረባ ድማ ሃገር ንምትርማስ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ኹናት ዝኸፈተ ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ንምድምሳስን ሃገርና ንምድሓን እናተኻየደ ዘሎ ኹናት ‹‹ህይወትና ሰዊኢና ደምና ኣፍሲስና ሓድነት ሃገርና ክንሕሉ ኢና፤ ዶብና ንውሽጢ ባንዳ ይኹን ንወፃኢ ኣሕሊፍና ኣይንህብን›› ብምባል ካብ ዝተፈላላየ ክልላት ተወፃፂኦም ኣብ ኣዋሽን ጦላይን ማዕኸላት ታዕሊም ንዝስልጥኑ ምልምላት ወታደራት ባዓል ሞያ ዓቕሚ ዝውስኹ፣ ፍቕሪ ሃገር ዘስርፁ ኣይዞኹም ኣብ ጎንኹም ኢና ንምባል ዘኽእሉ ስራሕቲ ጥበብ ኣቅሪቦም ተመሊሶም እዮም።

ብርግፅ ኪነ ጥበብ ቅድሚ ኸዚ ኾነ ኸዚ ብፍላይ ሓድነት ኢትዮጵያ ፀኒዑ ንክፀንሕ ኣብ ዝካየድ ኹናት ናይ ባዕላ ግደ እናበርከተት ፀኒሓ እያ። ካብዚ ብምልዓል ድማ ኹልጊዜ ሉኣላውነት ንምኽባር ዝግበር ወፍሪ ስራሕ ኪነ ጥበብን ባዓል ሞያታት ዝህልዎም ግደ ከምዚ ብቐሊሉ ዝጥቀስ ኣይኮነን።

ኣብ ዘመነ ጣልያን ወረራ ሓድነት ሞራላዊ ህዝቢ ብምልዕዓል ኢትዮጵያውያን ፍልልዮም ናብ ጎኒ ብምግባር ብሓድነት ንክስለፉ ብምግባር ጥበብ ዝነበሮ ግደ ልዕል እዩ ነይሩ። እዚ ሓድነት ድማ ንናይ ሎሚ ሓድነትና መሰረት ዝኾነ ኢሉ’ውን ንመላእ ፀለምቲ ህዝቢ ኹርዓት ዝኾነና ዓወት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ጣሊያን ንክነምፅእ ገይርና እዩ።

ኣብ ቐፃሊ’ውን ኢትዮጵያ ሉኣላወነታ ሓልያ ንክትቕፅል ሓድነት ህዝቢ፣ ሰላምን ፍቕርና ንክቕፅል ባዓል ሞያታት ዓብይ ሓላፍነት ከምዘለዎም ድማ ከይተሓለመ ዝተፈትሐ ሓቂ እዩ።

በዚ ድማ ንሃገርና ናይ ግደኦም እናበርከቱ ካብ ዝርከቡ ኣርቲስታት ናይ ሎሚ ጋሻና ሓንቲ እያ። ጋሻና ኣርቲስት ሰናይት ሃይለማርም ትባሃል። ወላዲ ኣቦኣ ነባር ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣባል እዮም ነይሮም። ንሳ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ምሸት ክበባት እናሰርሐት ፀኒሓ ኣብዚ ኸዚ ግና ኣብ ብሄራዊ ትያትር ተቖፂራ ዓሰርተ ሸውዓተ ዝበፅሑ ዝተፈላላዩ ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታት ደርፍታት ኣፅኒዓ ንኣድመፅቲ ተመልካቲኣ እናቕረበት እያ። ኣብ ቀረባ ኣዋሽን ጦላይን ዝርከቡ መከላከያ ሰራዊት ሃገር ወታደራት ንምብርትታዕ ኣብ ዝተኻየደ ፕሮግራም ግንባር ቀደም ኾይና ተሰሊፋ እያ። ንሕና ድማ ጋሻና ገይርናያ ኣለና።

 ወጋሕታ፡-ኣብዚ ኸዚ ኩነታት ኢትዮጵያ ከመይ ኢኺ ትሪእዮ?

ኣርቲስት ሰናይት፡- ኣነ ብሞያይ ብዙሓት ሃገራት ናይ ምርኣይ ኣጋጣሚ ነይርኒ እዩ። በዚ ድማ ንሃገረይ ናይ ኣምባሳደር ግደ ተዋፂአ እየ። ኣብ ሓደ ሓደ ሃገረት ካበይ ኢኺ ኢሎም እንትጥይቑኒ ኢትዮጵያዊ ከምዝኾንኩ እንትነግሮም ብጣዕሚ ብምድናቕ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈር ሞያ ሃገሮም ዘፀውዑ፣ ባንዴራ ልዕል ዘበሉ ሰባት ብምፅዋዕ ይድነቑ እዮም። ዕድለኛ ከምዝኾንኩ ድማ ይነግሩኒ እዮም።

ካልእ ነገር ድማ ኹሉ ገዲፍና ኽዳንና እኳ እንተሪእና ዓለም ዝግረምሉ፣ ኣብ ዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ድማ ዝምልክዕሉ እዩ። ኾይኑ ግና ከምዚ ዓለም ዝቐንአና ኾይና ንኸብዶም ዝሓድሩ ጥቕሞም ጥራሕ ዝሓስቡ ኣካላት ብዝሓስብዎ ተንኮል ብዝፈፀምዎ ሃገራዊ ክሕደት ኣብዚ ኸዚ ኢትዮጵያ ኣብ ዘላቶ ኩነታት ብጣዕሚ ዘሕዝን ዘባሳጩን ኾይኑ እዩ። ኢትዮጵያ ቅድሚ ኸዚ እንተኾነ’ውን ብዝተፈላለዩ ነገራታ ትኹረት እትስሕብ ኹርዓት ምስራቕ ኣፍሪካ ዋሓስ ዝነበረት ምስ ምዃና ተደሓሒዙ ናይ ብዙሓት ዓይኒ ኣባና እዩ ነይሩ። እዚ ክፍተት ተጠቒሞም ሃገርና ከምዝደልይዎ ንከፍርስዋ ዝተዳለዉ ኣካላት ብዙሓት እዮም። ነዚኦም ኣካላት ድማ ብፍላይ ናይ ውሽጢ ባንዳታት እናገበሩዎ ዘለዉ ነገር ብጣዕሚ ዘሕፍር ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ኣብዚ ኸዚ ሃገርና ዓለም ከምዝቐንአላ ኾይና ንኽትቕፅል ንምግባር ናይ ኹላትና ዝተሓባበረ ኢድ ከምዘድልያ ድማ ጥርጥር የብሉን።

ወጋሕታ፡-ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ናይ ባዕሉ ጥቕሚ ብምቕዳም ሃገር ንምፍራስ እናሰርሐ እዩ እሞ እዚ ከመይ ትርእዮ?

ኣርቲስት ሰናይት፡-እዚ ንክኾን ዝገበሮ ካልእ ኣካል ኣሎ ኢለ እየ ዝሓስብ። ንምንታይ ከምዚ ኢልኪ እንተይልክኒ ኣነ እኳ ብሞያይ ኣብ ዝዞርኽሉ እዋን ሃገራት ዘለዉ ህዝብታት ኢትዮጵያ እንትባሃል ምስ ብዙሕ ነገራት ኣተኣሳሲሮም ዝሪእሉ ኩነታት ኣሎ እዩ።

እዚ ድማ ብሕማቕን ፅቡቕን ዓይኖም እዩ። ሎሚ ዝመፀና ነገር እንትሓስቦ እዚኦም ባዕዳውያን ሃገራት ብሓቂ’ውን ናይ ኢትዮጵያ ቅንዕ ምባል ኣይፎትዩን ማለት እዩ። ኹልግዜ ስርናይ ለመንቲ ክንኾን ኢና ለካ ዝሓስቡ እየ ዝብል። ምኽንያቱ ኣብዚ ኸዚ ፅቡቕ መራሒ ረኺብና፣ ህዳሴ ግድብና ኣብ ሓደ ብርኪ በፂሑ ኢልና ኣብ ንሕጎሰሉ ንሕና ድማ ፅባሕ ሓሊፉልና ከምኣቶም ህዝብና ካብ ስደት ክነድሕን ኢና ኢልና እንትንሓስብ ኣብ ውሽጥና ብሕነምፍዳይ 27 ዓመታት ብዘመሓደሩና መራሕትና እዚ ዝኣመሰለ ሸፍጢ እንትፍፀም እንትርኢ ዝቐንአልና ፅቡቕና ዘይምነይሉና ሃገራት ኢድ እማ ኣለዎ ይብል እየ።

ኢትዮጵያውያን እኮ ዘኹርዕ ባህልና እቲ ሓደን

 ናይ መጀመርታን ሽምግልና እዩ። ምንም እንተበደልና እንተኸፍአና’ውን ሽማግለ ንዘይምኽፋእ ኢልና ይቕረይታ እንብል ህዝብታት ኢና፣ ኸዚ ግና ብባህልና ብመንነትና መሰረት ብዙሕ ነገር ተሞኪሩ ከይተሳኸዐ ተሪፉ ናብ ዘየድልየና ክሳብ ሎሚ ኣብ ዝገበርናዮ ብዙሕ ዋጋ ዘኽፈለና ናብ ኹናት ኣቲና ኢና።

ኸዚ ግና እዚ ጉጅለ ኣብ ውሽጢን ወፃእን ሃገርን ምስ ዘለዉ ሓገዝቱ ሓዊሱ ቕፅዓት ሂብና እንምነያ ሃገር ኣብ ኢድና ንምእታው ከምዘለና ይሓስብ። እዚ ዘየድሊ ኹናት ንምምካት ኣብ ማእኸል ታዕሊም ዝኣተወ መንእሰይ’ኮ በፅባፂ ተዘይህሉ ሃገሩ ዝሃንፅ እዩ ነይሩ።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ኸዚ ኹናት ዝኸፈተልና ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ሃገር ዘመሓደረን እናመርሐ ዝነበረ እዩ፤ ምልስ ኢልኪ እቶም ግዝያት እንትትሓስብዮም እዚ መዓልቲ ክመፅእ እዩ ኢልኪ ትሓስቢ ነይርኪ ዶ?

ኣርቲስት ሰናይት፡-ንሳቶም ሃገር እንትመርሑ ኣነ ናይ ውልቀን መንግስትን ስራሕ እናሰራሕኹ ምስኣቶም እየ ነይረ። ግን ድማ ሕማቕ ዝነበሩ ነገራት እንተነበሮም በዚ ብርኪ ልክዕ ናይ ኣዲኦም ጡብ ክነኽሱ እዮም ኢለ ግና ኣይሓሰብኩን። ብሕማቕ ኾነ ብፅቡቕ ንዛ ሃገር ዘበርክትዎ ነገር ነይሩ እዩ፤ ኸዚ ድማ ስልጣኖም ኣኺልዎም ዕርፍ ኢሎም ብዝሰርሕዎ ስራሕ እናተወደሱን እናተወቐሱን ንሳቶም ድማ ንድሕሪት ምልስ ኢሎም ንዝሰርሕዎ ስራሕ ተኸቢሮም ክነብሩ እናተገበኦም ን 27 ዓመት ኮፍ ዝበልዎ ስልጣን እኹል ኣይኮነን ኢሎም ሃገር ናብ ካልእ ቕልውላው ንክትኣቱ ምግባሮም ናይ ታሪኽ ተወቀስቲ ክገብሮም እዩ።

ወጋሕታ ፡-ኣብዚ ኸዚ ብፍላይ ድማ ኽልቲኦም ክልላት ብዓፋርን ኣምሓራን ምጥፋእ ዘርኢ ገበናት እናተፈፀሙ እዮም እሞ ንዓኺ እዚ ኹነታት እንታይ እዩ ዝፈጥረልኺ?

ኣርቲስት ሰናይት፡- ኢትዮጵያውያን መልክዕና ሓድነትና፣ ሓይልና ድማ ምድግጋፍና’ምበር ምጥፍፋእና ኣይኮነን፤ ኢትዮጵያውያን ናይ እከለ ዘርኢ ጠፊኡ ናይ እከለ ዘርኢ እዩ ክቕፅል ዘለዎ እንባሃል ኣይኮናን። ሓደ ኾይና ጠጠው እንትንብል ቀለምና ባህልና ቅርስታትና ጥራሕ ብሓፈሻ ንዓና ንምግላፅ ዓቕሚ ዝህልዎም ኹላትና እንትንነብር እዩ’ምበር ጭቡጥ ብዘይኾኑ ኣፈ ታሪኻት እናተመራሕና ኣምሓራ ናይ እገሌ ፀላኢ እዩ፣ እከለ ንእከለ ንምጥፋእ ተላዒሉ ምባል ካባና ዘይፅበ እዩ። ሎሚ ብንእሽተይ ጌጋታት ዝጀመርናዮ ህዝቢ ንህዝቢ ምብላዕ፣ ዘርኢ ደም ናብ ምቅባእ ስራሕ ንማንም ዘይጠቅም ውፅኢቱ ድማ ከም ሶርያን የመንን ከምኡ ድማ ከም ካልኦት ስኽን ኢልካ ምሕሳብ ምኽኣል ሲኢኖም ሃገሮም ከምዝበተኑ ዜጋታት እዩ ዝኸውን።

 ጉጅለ ህወሓት ብዓፋርን ኣምሓራን እናብፀሖ ዘሎ ምጥፋእ ዘርኢ ብጣዕሚ ዘሕፍር ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ንማንም ዘይጠቅም ሃገር ንከይትቕፅል ዕንቅፋት ዝኸውን እዩ። ብምዃኑ ኹሉ ዝፋለም ሃገር ንምምራሕ ህዝቢ ንምምሕዳር እንተኾይኑ ከምዚ ዝበለ ጨፍጫፍ ምስ ኣብፅሑ ንመን ከምዘማሓድሩ ባዕሎም እዮም ዝፈልጥዎ።

እዚ ጉጅለ ህወሓት እዚ ዝኣመሰለ ጭካነ ዝተመልኦ ሃገር ዝካሓደ ተግባር እናፈፀመ ተወሲድኒ ኢሉ ዝሓስቦ ስልጣን ንምምላስ እዩ። ግና ከምዚ ክልል ምስ ክልል ዘርኢ ምስ ዘርኢ ደም ኣቃቢኡ ኢትዮጵያ እትኣክል ሃገር ንክትፈርስ ዝኽእሎ ኹሉ ምስ ተሓባበርቱ ብምዃን ኣየንኡ ህዝብን ሃገርን እዩ ዝምራሕ? ንኹሉ ነገር ስኽን ርግዕ ኢልካ ምሕሳብ ኣድላይ እዩ።

እዚ ኹሉ ህዝቢ ተወዲኡ ናብ ወንበሩ እንተመፀ’ኳ ንስኻ ዝገበርካዮ ምብህሃል ክመፅእ እዩ፤ ብምዃኑ ህዝቢ ንምምራሕ እንተኾይኑ ድልየቱ ካልእ ዕላማ እንተዘይሃልይዎ ብሰላማውን ዲሞክራስያውን ብመረፃ ከይዲ ናብ ቦትኡ ምማፃእ እናተኽኣለ ኹናት ምልዓል ንማንም ኣይጠቅምን።

ወጋሕታ፡-ራዕዳዊ ህወሓት ሰብኣዊ ሓገዝ ብኣግባቡ ንከይበፅሑ መንገዲ እናዓፀወ ዝተፈላለዩ ፀገማት እናተፈጠረ ግብረ ራዕዳውነቱ ብግልፂ እናርኣየ እዩ እሞ እዚ ጉጅለ ብሓቂ ንህዝቢ ትግራይ ጠጠው ዝበለ እዩ ክባሃል ይካኣል ዶ?

ኣርቲስት ሰናይት፡- ወላዲ ኣቦይ ተወላዲ ትግራይ እዩ፤ ኣነ’ውን ዝተወለድኩ እንዳየሱስ ዝባሃል ኸባቢ እዩ። ምንም እኳ ዕብየተይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንተኾነ ብስራሕን ብኻልእ ጉዳይ ናብቲ ክልል ኣብዝተጉዓዝክሉ እዋን ግና እቲ ህዝቢ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ ነይሩ። ዘላኣለሙን ንኹናት ደቁን ተፈጥሮ ሃፍቱን ዝሃበ ኣብዚ ኸዚ ጥራሕ ኢዱ ዝተረፈ ካብ ምዃኑ ኣብዚ ዘመን ነዚ ኹናት ክላዓለሉ ከቢድ እዩ።

ኣደ ትግራይ ንብዙሓት እዋናት ሓቢራታ ዝፀንሐት ሓንቲ ደርሆ እተሃልያታ ጋሻ መፂኡ ኢላ ሓሪዳ እተብልዕ ኣደ እያ፤ ሎሚ ብብዙሕ ፀገም ወሊዳ ዘዕበየቶ መንእሰይ ወዳ ብኹናት እናተመንጠለት ዘላ፣ እዚ ድማ ብጣዕሚ

ዘሕዝን ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ነፃ ክነውፅእ ኢና ኢሎም ካብ ቅድም ጀሚሩ ናብ በረኻ ኣትዩ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ስልጣን ፀኒሑ ብዙሕ ነገር ዝራኣየ ጉጅለ ሎሚ ኣብዚ ምስኪን ህዝቢ ምንም ዘይምጥቃሙ ክናሳሕ ኣብ ዘለዎ እዋን መሊስኻ ናብ ዕንወት መሊስኻ ኣደ ንክትሓዝን ምግባር ግቡእ ኣይኮነን። ራዕዳዊ ህወሓት ዝሰርሐ መሬት ትግራይ ምድረበዳ ክትኸውን እዩ ።

ብሓቂ ቃልን ተግባርን ሓደ እንተዝኾን ነይሩ ሎሚ ክልል ትግራይ ብዕብየት ብህዝቢ ተጠቃሚነት ኣበይ ምበፅሐት ነይራ፣ ኾይኑ ግና ካብ መጀመሪኡ እንተኾነ’ውን ብስሙ እናነገደ እዩ ነይሩ ኸዚ’ውን ከምኡ እዩ። ፈጣሪ በቃ እንተዘይሉ ንቅድሚት’ውን ዝቕፅል እዚ እዩ።

 ወጋሕታ፡-ኣብ ጦላይን ኣዋሽን ማእኸል ታዕሊም ምስ ዝገብሩ ምልምል ወታደራት ፃንሒት ገይርኹም ኢኹም፣ እቲ ዝነበረ ኹነታት ከመይ ትገልፅዮ?

ኣርቲስት ሰናይት፡- እቲ ኩነታት እንኳዕ ኢትዮጵያዊት ኾንኩ ዘብል እዩ፤ ኣብ ማእኸል ታዕሊም ዝተረኸቡ መናእሰይ ብፍላይ ድማ ጉጅለ ህወሓት ሃገር ናይ ምክሓድ ተግባር ኣኾርይዎም ተላዒሎም ዝመፁ ብምዃኖም ኢትዮጵያዊ ቀለምን መልክዕን እዩ ዝረኣዮም። ምናልባት ብዘይ ምንም ምግናን ንሕና ንዓኣቶም ሞራል ንምዃን ኣጆኹም ኣብ ጎንኹም ኢና ንምባል ከይድና’ምበር፤ ሞራል ረኺብና ሃገርና ኢትዮጵያ ካብ ማንም ንላዕሊ ከምዝኾነት ብዝግባእ ተረዲእና ዝመፃና ንሕና ኢና።

ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት እዚ መሰል ሃገር ምክሓድ ተዘይፍፅም ነይሩ በዚኦም ዝተመልመሉ ወታደራት ዝረአ ኢትዮጵያውነት ከምኡ’ውን ዓቕምን ወነን ንኻልእ ልምዓት ስራሕ ኣውዒልናዮ ተዝኸውን ነይሩ ኣበይ ክንበፅሕ ከምንኽእል ምግማት ቀሊል እዩ።

ወጋሕታ፡- ኣርቲስታት ብፍላይ ድማ ሃገር ኣብ ከምዚ ኩነታት እንትትኸውን ንወታደር ደጀን ብምዃን ዝነበረኩም ግደ ቀሊል ኣይኮነን፤ ንቕድሚት እንታይ ዓይነት ትልሚ እዩ ዘለኩም?

ኣርቲስት ሰናይት፡- ብፍላይ ኣነ ዝሰርሐሉ ብሄራዊ ትያትር እንተዝዛረብ እቲ ትካል ሃገር ንዘይፈልጡ ኹሉ ዓብይ ስራሕ እናሰርሐ እዩ። እዚ ዝኣመሰለ ናይ ክሓድቲ ተንኮል ኣብ ሃገር እንተጋጥም ድማ ሓላፍነቱ ዕፅፊ እዩ ዝኸውን። ኸዚ ኣብ ሃገርና ዘላቶ ኩነታት ብፍላይ ድማ ናይ ሃገርና ውሽጣዊ ጉዳይ ኢድ እናኣተዉ እናፈትፈቱ ዝነበሩ ምዕራባውያንን ትካላቶምን ውድቀትና ዝፅበይዎ ዝነበሩ እዋን እዩ፤ ብምዃኑ ንሕና እዚ እናራእና ሃገርና ዘላትሉ ኩነታት ኣብ ግምት እናእተውና ብኽልተ ደንበ ዝራኣይ ፀገም ንምፍታሕ ብቑርፀኝነት ጠጠው ኢልና ኢና። ኣብ ቐፃሊ ድማ ሃገር ንዓና ኣብ ትደልየሉ ኩነታት ኹሉ ቀዲምና ብምርካብ ምንቅቓሕ ኣብ ዘድልዮ ቦታ እናኸድና ጀጋኑና ኣጀኹም ክንብል ኢና፣ ካባና ትፅቢት ዝግበር ብምግባር ሙሉእ ምድላውን ፍቓደኝነትን እዩ ዘለና።

ወጋሕታ፡-ኸዚ ካብ ዘለናዮ ፀገም ወፂእና ሃገርና ናብ ዝነበረትሉ ሰላም ህዝቢ ‘ውን ናብ ልምዓት ተመሊሱ ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ዕብየት ንኽቕፅል ካብ መን እንታይ ትፅቢት ይግበር ትብሊ?

ኣርቲስት ሰናይት፡-ንሕና እኮ ኹናት ብርቅና ኣይኾነን። ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ክወሩና ዝመፁ ናይ ወፃኢ ሓይልታ እናተቓለስና ኢና ዝነበርና። ግን ድማ ካብ ጅግንነት ታሪኽ ዝዘለለ ምንም ንህዝቢ ጠብ ዝበለ ነገር የለን ኢልና

 እንተሓሲብና ድማ ምንም የለን። ንዘመናት ሓሊፍናዮ ምንም ንዘይጠቐመና ኹናት ሎሚ ኣብ ዝሰልጠነ ዘመን ተዘራሪብካ ምርድዳእ ኢሉ’ውን መልሲ ምርካብ ኣብ ዝካኣል እዋን ናብ ኹናት ምእታው ዘሕዝን እዩ።

ንዓና ዝጠቕመና ንስኻ ትብእስ ንስኺ ተባሂልና ምቕፃል እዩ ዘድለይና። ኣብዚ ኸዚ ኢትዮጵያ ንምፍርራስ ዝምነዩ ኹሉ እዚ እዋን ብሃንቀውታ እናተፀበዩ እዮም። እዚ ከይኾን ግና ፀገማት’ኳ እንተሃለዩ ብዝሰኸን ብዝተረጋገዐ መንፈስ ኩነታት ኮፍ ኢልካ ብምዝርራብ ሃገር ካብ ምፍርራስን ህዝቢ ካብ ሞትን ምግልታዕን ምድሓን የድሊ።

ኣሽንኳይዶ ሃገር ንምምራሕ ብርኪ ዘለዉ ኣካላት ኣብ ሓደ ቤተሰብ ኣብ ሓደ ዓይነት ጉዳይ ዝተፈላላዩ ቅዋም ክሕዝ ይኽእል እዩ፤ ዘይስማዕማዕ ይኽእል እዩ። ኾይኑ ግና ኣብ ሓደ ጉዳይ ኣይተስማዕማዕናን ኢሎም ገዘኦም ኣይብትኑን። ከም ቤተሰብ ኣይንቕፅልን ኣይብሉን። ብዘስማዕምዖም ነገራት እናተስማዕምዑ፣ ብዘይስማዕምዖም ድማ ዘተ እናገበሩ እዮም ዝቕፅሉ። ምናልባት ብግዜ ከይዲ ናብ ሓሳብ ምቅርራብ’ውን ከምፅኡ ይኽእሉ እዮም። ኣነ ከምዝሓስቦ ሃገር’ውን ከምዚ እዩ ክኾን ዝግበኦ። መራሕቲ ኹሉ ጊዜ ይስማዕምዑ እዮም ማለት ኣይኮነን። ኾይኑ ግና ብሓሳብ ምፍልላይ ምስምዕማዕ ዝባሃል ነገር ንባዕሎም ብምዝርራብ

 ምቕፃሉ ዝሓሸ መመረፂ እዩ። ምናልባት ኹናት ምስ ዘልዓልዎ ኣካላት ፍልጠቱ ንከይህለወኒ ይኽእል እዩ። ህዝቢ ትግራይ እንታይ ስለዝጥፈአ እዩ ዘመኑ ብምሉኡ ብኹናት ዘሕልፎ ? ኹልግዜ ኹናት ጥምየት ብሓፈሻ ዝመፀ ኹሉ እቲ ክልል ናይ ስቓይ መሬት እንትግበር ብጣዕሚ እዩ ዘሕዝን። እዚኦም ጉጅለ እንተናኣስ ንዝሓለፈ 30ዓመታት ሃገርን ክልልን ኣመሓዲሮም እዮም። ብዙሕ ነገር ይፈልጡ እዮም። ምንም ከምዘይጠቐምዎ ይፈልጡ እዮም። ኸዚ’ኳ ኣብ ናይ መወዳእታ እዋኖም እቲ ህዝቢ ነዚ መከራ ‹ኣደ ወደይ በፂሕለይ›ኢላ ተዛሪባ ከይወደአት ካብ ሕቑፋ ከሕድጉዋ የብሎምን። ብሓቂ ነቲ ህዝቢ ሓራ ንምውፃእ ጠጠው ኢልና ኢና ኢሎም እንተሓሲቦም እዚ እዩ ክሰርሑ ዝግበኦም።

ወጋሕታ፡-ኹናት ዓብይ ጉድኣት ካብ ዘብፀሐሎም ክፍልታት ሕብረተሰብ ደቂ ኣንስትዮ ይርከብኦ፤ እሞ ኣደታት ትግራይ ኣብዚ ኸዚ እዋን ዘለዎኦ ኩነታት እንክትርኢ እንታይ ይስመዐኪ?

ኣርቲስት ሰናይት፡- ኣደታት ትግራይ እማ ዘመነን ኹሉ ብኹናት ዘሕለፋ ብጣዕሚ ዘሕዝኑ መሰረታዊ ዝባሃል ድልየተን እንኳ ከይተማለአለን ንሰባት ፃምእ ስልጣን ደቀን ኣብ ምርካብ እየን ዝርከባ። ዝግርም እኮ ቐደም ኣብ ቃልሲ‹ ኣደታት ነፃ ክነውፅእ ኢና፣ ከም ካልአት ክልላት ንሕና’ውን

 መሰረታዊ ድለየትና ተማሊኦም ደቀን ተማሂሮም ክልልና ለሚዑ ንምንባር ምችው ክኸውን እዩ› ኢለን ደቀን መሪቖም ናብ ኹናት ካብ ምልኣኽ ጀሚሮም ንሳቶም’ውን ብዝኽእልዎ ኹሉ ኣብ ኹናት ተሳቲፎም መስዋእትነት ኸፊሎም እዮም። ኾይኑ ግና ኹሉ ነገር ምስ ተወደአ ሓራ ክነውፅኣኩም ኢና ዝበልዎም ናብ ስልጣን ምስ ደየቡ ምንም ረብሓ የለን። ፅሩይ ዝስተ ማይ’ኳ ኣብ ከባቢኦም የለን። ሃፍቶም ንባዕሎም እናተጠቐሙ ንዓኣቶም ብሓገዝ ዝመፅእ ረድኤት ንክነብሩ እዮም ዝተገበሩ፤ ኸዚ ድማ ናብ ኹናት ንክኣትዉ ኣገዲዶምዎ እዮም። ኩነታት ብጣዕሚ ዘሕዝን ዕድመ ልክዖም ናይ ስልጣን ፃምእ መጥቀምቲ ምዃኖም ምንም ንላዕሊ ዘናስሕ እዩ።

ወጋሕታ፡-ካብ ኣደታት ትግራይ እንታይ ትፅቢት ይግበር?

ኣርቲስት ሰናይት፡- ትፅቢት ዝግበር ብዙሕ እዩ፤ ኣብ ውሽጢ ፈተና እየን ዘለዋ። ኣደታት ትግራይ ፈተና ዘብዘሖም ዘበኣኣሰ ደቆም ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ንምባል ይካአል ናብ ኣእምሮኦም ካልእ ኣማራፂ ንከይኣቱ ለካ እዚ’ውን ኣሎ ድዩ ኢሉ ንኸየገናዝብ ኾይኖም ኣብ ትሕቲ ሓደ ፓርቲ ምውዳቖም እዩ ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ህወሓት መንእሰይ ትግራይ ምንም ኣማራፂ ንከይሓስብ ገይርዎ እዩ። ኸዚ እቲ ጉጅለ ንባዕሎም ስልጣን ድልየት ዝለኮስዎ ሓዊ ብርሑቕ ኾይኖም ናብቲ ሓዊ ዘእትዉ ንዝሓለፈ ሰላሳ ዓመታት ብኣእምሩኡ ዝተጫወትዎ

 መንእሰይ እዩ። እዚ ድማ ንኣደ ክንደይ ዝኣክል ከቢድ ከምዝኾነ ንማንም ግልፂ እዩ።

ግና ንኽንደይ ዓመት እዩ ወዳ ወሊዳ ዘዕበየቶ ናብ በረኻ እትልእኽ፤ ንሳ’ውን እኮ ኣብ በረኻ ነይራ እያ፤ ካብ በረኻ ወፂኣ ወሊዳ፤ ኣዕብያ ድማ ንበረኻ እናሃበት እያ። ኸዚ ካብ ኣደ ትግራይ ትፅቢት ዝግበር እዚ ነገር ኹሉ ዘይጠቅምን ናይ ውሑዳት ድልየት ከምዝኾነ ንመንእሰይ ተዝመኽራ፣ ይኣክል፣ ንሕና ድማ ከም ካልኦት ክልላት ወሊድና ብሰላም ክንነብር ንደሊ ኢና ብምባል ኣብ ዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ኹሉ ደቀን ክመኽራ ኣለዎን።

‹ንኣደ ትግራይ ክብላ ዝደሊ ንደቅኺ ካብ ምድቃሶም እናቀስቀስኺ ኹናት ኣይጠቕም፣ ንዓኻን ንዓይን ኣይጠቅመናን፣ ወፂኻ ኣይትሙተኒ፤ ፅባሕ ኹሉ ነገር ተወዲኡ ሰላም ምዃኑ ኣይትረፍን፣ ኢትዮጵያ ከም ሓድሽ ክትስራሕ እያ፣ ንስኻ’ውን ክትነብረላ ኢኻ ኢላ› ክትመክር ይደሊ እየ።

ወጋሕታ፡-ኣብ መወዳእታ እተሕለፍዮ እትደልዮ መልእኽቲ እንተሃልዩ?

ኣርቲስት ሰናይት፡- ኣነ ከሕልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ሃገር ማለት ዓብይ ነገር እዩ። ሰብ ከም ዕቡድ እኳ ኽዳኑ ደብርዩ ንምኻድ ሰላም ዝሰፈና ሃገር ኣድላይ እዩ። ለሚንካ ንምብላዕ’ውን ከምኡ፤ ሃገር ንክትህሉ ድማ ኹላትና ምኽፋል ዝግበኣና መስዋእትነት ኹሉ ክንኸፍል ኣለና።

ወጋሕታ፡-ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን።

ኣርቲስት ሰናይት ፡- ኣነ‘ውን የመስግን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ጋዝጣ ወጋሕታ 4 ጳጉሜን 2013 ዓ.ም

Recommended For You