‹‹ራዕዳዊ ህወሓት ኣሽንኳይዶ ኢትዮጵያውነት ስምዒትን መንፈስን ትግራዋይነትውን የብሉን››-መምህር ተስፋይ ኣለማየሁ

መምህር ተስፋይ ኣለማየሁ ኣብ ክልል ትግራይ ከባቢ መቐለ ኵሓ ከተማ ዝተወለዱ እንትኾኑ ዝዓበይሉን ካብ ቐዳማይ ክሳብ ካልኣይ ብርኪ ዝተማሃርሉን ኣብ ዞባ ምብራቅ ከተማ ዓዲ ግራት እዩ። ድሕሪ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ምውደኦም ኣብ ኮተቤ መምህራን ኮሌጅ ብሞያ መምህርነት ብታሪኽን ሕብረተሰብን ተመሪቖም ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኢሉኣባቦራ ን11 ዓመታት ኣብ ካልኣይ ብርኪ ብመምህርነት ኣገልጊሎም እዮም። ከምኡ ‘ውን ድሕሪ 1986ዓ.ም ጀሚሮም ኣብ ዘፈር ቱሪዝም ቱርጋይድ ኮይኖም እናሰርሑ ዝርከቡ እንትኾኑ ብተወሳኺ ኣብ ናይ ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ምኽትል ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኮይኖም እናሰርሑ ይርከቡ። ክቡራት ኣንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ እዋናዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና መሰረት ብምግባር ምስ መምህር ተስፋይ ዝገበርናዮ ፃኒሒት ከምዝስዕብ ኣሳናዲእናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ካብ ኣመሰራርትኡ ብምብጋስ ባህርያት ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ከመይ ይገልፅዎ?

መምህር ተስፋይ፡- ኣነ ነዚ ጉጅለ እዚ ካብ ኣመሰራርትኡ ጀሚረ ክገልፆ ዝኽእል ከሓዲ፣ ሽፍታ፣ ተለኣኣኺ ሓይልታት ደገ እየ ክብሎ ዝኽእል። እዚ ጉጅለ እዚ ዋላ ሓንቲ ብፅቡቕ ዝግለፀሉ ኩነታት የለን። ካብዚ ጉጅለ እዚ ፅቡቕ ነገር ከትፅበ ኣይትኽእልን። ካብ ተጣየሸሉ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ዝተጓዓዞም ርሕቐት ክምልከቶ እንተለኹ ምንም ፅቡቕ ነገር ኣይረኣኽሉን። እዚ ከሓዲ ዝኾነ ተለኣኣኺ ሓይልታት ደገ ካብ ተፈጥርኡ ቕንዕና ዘይብሉ ፓርቲ እዩ። እዚ ጉጅለ እዚ ሕማቕ ብምስርሑ ዘግርም ኣይኮነን። እኳደኣስ ፅቡቕ እንተሰሪሑ እዩ ዘግርም። ምኽንያቱ እዚ ጉጅለ እዚ ካብ ኣመሳራርትኡ ጀሚሩ ፅቡቕ ዝባሃል ነገር ሰሪሑን ሓሲቡን ኣይፈልጥን።

ጉጅለ ህወሓት እዚ ኣብ ደቒ ሰባት መዕርነት፣ ሓድነትን ቅንዕናን ተዘስፍን ነይሩ ንባዕሉን ንሃገሩን ፅቡቕ እዩ ነይሩ። እዚ ራዕዳዊ እዚ ባህሪኡ እንታይ ይመስል ኢልካ እንተሪእኻዮ ኣብ ሓሶት ዝተመስረተ ፕሮፖጋን እዩ ዝነዝሕ ነይሩ። ኣብ ሂወቱ ከሓዲነት ዝዓብለሎ ኣካይዳ እዩ ዝኸድ ነይሩ፤ ሕዚ ‘ውን ከምኡ ኢዩ ዘሎ፤ ናይ ሓሶት ባንኪ ኣለዎ እዩ፤ ሓሶት ከም ንግዲ እዩ ዝጥቐመሉ። ዘይውዳእ ሓሶት፣ ክሕደትን ተንኮልን እዩ ዘለዎ። ስለዚ ካብ ወያነ ፅቡቕ ነገር ምፅባይ ኣይከኣልን፤ ባህሪኡን ስርሑን ካብ ቕንዕና ዝረሓቐ እዩ።

ህወሓት ንበረኻ እንትወፅእ እንተሎ ንፍትሒ፣ መዓርነትን ሓድነትን ህዝቢታት ዝወፀ መሲሉና ነይሩ። ካብ ሽሙ ከንርኢ እንተለና ሓርነት እዩ ዝብል ኮኑ ግና ሓራ ዘውፅእ ኣይነበረን። እዚ ጉጅለ እዚ ኣብ በረኻ እናሃለወ ናፃ መውፅኢ፣ ኣብ ስልጣን እናሃለወ ናፃ መውፀኢ፣ ምስተባረረ ‘ውን ናፃ መውፅኢ እዩ ዝብል ሽሙ። ናፃ ናይ ምውፃእ ተግባር እንታይ እዩ ክትብል ተለኻ ከምዚ ኣይኮነን፤ እዚ ገጅለ እዚ ናፃነት ዘይፈልጥ ናፃ መውፅኢ ውድብ እዩ። ህወሓት ናፃነት ዝፈልጥን ዝርደኦን ሓይሊ ኣይኮነን። ናፃነት ዝፈልጥ ተዝኾን ነይሩ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኩሉ መንግስታዊ ማሕውር በይኑ ኣይምተቖፃፀሮን ነይሩ። እዚ ጉጅለ እዚ ናይ በሓቒ ንናፃነትን ፍትሕን ዝቓለስ እንተዝኾን ነይሩ ወይ ድማ ቕንዕና ዘለዎ እንተዝኾን ነይሩ ኣይምተባረረን ነይሩ። ብተግባሩን ስርሑን እዩ ተባሪሩ። ሽሙ እዩ … ሓርነት ትግራይ ዝብል’ምበር ንሓርነት ህዝቢ ተግራይ ዝቓለስ ኣይኮነን።

እዚ ጁንታ እዚ ኣብ መሬት ዘየለ ነገር እዩ ዝዛረብ። እዚ መንግስቲ እዚ ኣሃዳዊ ስርዓት እዩ ዝኽተል ዘሎ ይብል። ኣሕዳዊ ስርዓት ዝኽተል ዝነበረ እማ በዓሉ ጁንታ ህወሓት እዩ። ኮይኑ ግና ህዝቢ ንምድንጋር ንጉሆን ምሸትን እዚ ስርዓት እዚ ኣሓዳዊ ስርዓት እዩ እናበለ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ እዩ ዝነዝሕ። ኣነ ናይ ብሄረሰባት ተቖርቓሪ እየ እናበለ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰብብ ብዝብል ኣካይዳ ህዝቢ ብምድንጋር ኣብ ስልጣን ንምፅናሕን ዝጥቐመሉ ዝነበረ ኣካይዳ እዩ፤ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝፀንሐሉ ድማ ንህዝቢ ይዘርፍን ይቐትልን እዩ ነይሩ። ንህዝቢ ፈትዩ ኣይኮነን ኩሉ ግዜ ብሄር ብሄረሰብ ዝብል ነይሩ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ንጁንታ ህወሓት ካብ ህዝቢ  ትግራይ ንላዕሊ እዩ ተሸኪምዎ ነይሩ፤ ወያነ ንፍትሒ፣ ናፃናትን መዓርነትን ህዝቢ ኢሉ ኣይተቓለሰን። ህወሓት ሃገር ከፋፊልካ፣ ብሓሶት፣ ብኽህደት ናይ ምግዛእ መገዲ እዩ ዝኽተል ነይሩ። ሐዚ ‘ውን ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ እዩ ዝኽተል ዘሎ። ህወሓት ተቖርቋሪ ብሄር ብሄረሰብ እየ ይብል፤ እዚ ሓሶት እዩ። ብሄረሰብ ትማሊ ነይሮም ሕዚ ‘ውን ኣለዉ ፅባሕ ‘ውን ክህልዉ እዮም።

ህዝቢ ትግራይ ከም ደስ ዝበሎ ተንቐሳቒሱ ከይሰርሕ እዩ ገይርዎ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ደስ ዝበሎ ክልል ቅድሚ ሕዚ ሰሪሑ ይነብር ነይሩ እዩ፤ ምንም ኮይኑ ኣይፈልጥን። ጁንታ ናብ ስልጣን ምስ መፀ ግና ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ፈላልይዎ እዩ። ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝቖመ ፓርቲ ኣይነበረን። ኣብ ርእሲ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ቑማር እዩ ዝፃወት ነይሩ። ህዝቢታት እናዘረፈ ዝነበረ ጉጅለ ንህዝቢ ዝቖምኩ ውድብ እየ ነይረ ክብል ኣይኽእል እዩ።

ወጋሕታ፡- ህወሓት ንህዝቢ ዘይጠቅም እንተነይሩ ንምንታይ እዩ ህዝቢ ትግራይ ዘይቃወሞ?

መምህር ተስፋይ፡- ህዝቢ ትግራይ ዘይተቓወመ ኣይኮነን፤ ምቕዋም ይጅምር ግና ኣብኡ እናሃለወ እዩ ዝዕፍኖ፤ ምኽንያቱ ስልጣን፣ ጥይትን ሓደ ንሓሙሽተን ዝብል ኣዋዳድባ ኣብ ኢዱ እዩ። ንህዝቢ ኮነ ኢሉ ከፋፊልዎ እዩ። ህወሓት ሓው ንሓው እንተይቐረየ ከፋፊልዎ እዩ። ጁንታ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ፍትሒ ምስኣን ጥራሕ እንተይኮነስ መናእሰይ ምእሳር፣ ምቕታል እዩ ስርሑ ገይሩ ሕዚ ‘ውን ኣጠናኺሩ ይቕፅለሉ ኣሎ። ሕዚ ድማ ህፃናት ብሓሸሽ ክዕውኑ እናገበረ ናብ ኵናት የአትዎም ኣሎ። እቲ ካሊእ ወትሃደር እንትውዳእ ካልኦት ትሕቲ ዕድመ እናሰልጠነ ብምትካእ ናብ ሓዊ እዩ ዝኸቶም ዘሎ። ስለዚ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ መማረፂ ኣስኢኑ ብኵናት እዩ ዝውደኦ ዘሎ። ኣብ ትግራይ ጋዜጠኛ ብናፃናት ኣትዩ ክፅብፅብ ኣይኽእልን ናይ መከራ ማእኸል እያ ኮይና ዘላ። ኩሉ ቤት ትምህርትታት ቤት ማእሰርቲ እዩ ኮይኑ ዘሎ፤ ንማእኸላይ መንግስቲ ትድግፉ ኢኹም ብምባል ብዙሓት ዜጋታት ይቐትል ኣሎ እዩ።

ወጋሕታ፡- ህወሓት ንህዝብታት ኢትዮ ጵያ ዝኸፋፍለሉ ምኽንያት ቐንዲ ዕላምኡ እንታይ እዩ ይብሉ?

መምህር ተስፋይ፡- ንምንታይ ከፋፊልዎ እንተይልና ምግዝኡ ክጥዕመሉ እዩ። ህዝቢ እንተተኻፋፊሉ ስልጣነይ ከናውሕ እኽእል እየ፤ ህዝቢ ሓደ ኮይኑ ክዕምፅ ኣይኽእል ብዝብል ሓሳብ እዩ ። ምኽንያቱ ዝተወደበ ሓይሊ ዝዓግቶ የለን። እዚ ተግባር እዚ ናይ ገዛእቲ ደርቢ ባህሪ እዩ። ህዝቢ ምክፍፋል ንጁንታ ህወሓት ንግዲ እዩ፤ ከፋፊልካ፣

 ኣደንቚርካ ምግዛእ ናይ ህወሓት ባህሪ እዩ። ህወሓት ኢትዮጵያውነት ዝባሃል ስምዒት የብሉን፤ ራዕዳዊ ህወሓት ኣሽንኳይዶ ኢትዮጵያውነት ስምዒትን መንፈስን ትግራዋይነትውን የብሉን።

እታ ዝዓበየላ ትግራይ ‘ውን ባህላን መንነታን ኣይፈልጣን፤ እምነት ዘይብሉ ፓርቲ እዩ። ህዝቢ ትግራይ እኮ እምነት ዘለዎ ህዝቢ እዩ፤ ፈታውን መኽበሪን ሰብ እዩ፤ ሃገሩ ዝፈቱ ክቡር ባህሊ ዘለዎ ህዝቢ እዩ፤ ሃገር ዝሃነፀ ህዝቢ እዩ፤ ህወሓት ግና ካብዚ ህዝቢ እዚ ዝወፀ ኣይመስልን።

ህዝቢ ትግራይ ከም ካልኦት ኣሓት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ሰሪሑ ዝነብር ህዝቢ እዩ፤ ናይ ሰብ ገንዘብ ዝደሊ ህዝቢ ኣይኮነን፤ ገንዘብ ህዝቢ ወሪሩ ኣይፈልጥን፤ ህወሓት ግና ካብዚ ህዝቢ እዚ ዝወፀ ኣይመስልን። ባህሪኡ ውፅእ ዝበለ እዩ። ሃገር ምውራር፣ ክሕደት፣ ህዝቢ ምብስባስ እዩ ስርሑ። ኮይኑ ግና እዚ ኣካይዳእዚ ንህወሓት ኣይጠቐሞን። ህወሓት ተሳሓሒቱ እዩ’ምበር ክነበር ዝኽእል ዝነበረ ብፍቕሪ እዩ ነይሩ። ናይ ህዝቢ ፍቅሪ እንተዝህልዎ ነይሩ ህዝቢ ኣይነባረሮን ነይሩ። ጁንታ ህወሓት ነዚ ዝፈፀሞ ኩሉ ጥፍኣታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ህዝቢ ብይቕርታ ሓሊፍዎ ነይሩ እዩ። ኮይኑ ግና ነዚ ዕድል እዚ ክጥቐመሉ ኣይከኣለን። ምኽንያቱ ተልእኾ እኒ ግብፂ፣ ኣሜሪካን ሃገራት ኣውሮፓን ሒዙ እዩ ዝጓዓዝ ዘሎ። እዞም ናይ ደገ ሓይልታት ድማ ህዝቢ ክከፋፈል እዮም ዝደልዩ። ንኢትዮጵያ ፅቡቕ ዝምነዩላ ሃገራት ኣይኮኑን። ህወሓት ድማ ናይ ዚኦም ልኡኽ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ንጁንታ ህወሓት ሓቚፉ ሒዝዎ ነይሩ እዩ። ይኹን’ምበር ካብ ፅጋብ ዝተላዕለ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምጥቓዕ ንህዝቢ ናብ ዘይተደለየ ከቢድ መከራ ጠቢስዎ እዩ። እዚ ጉጅለ እዚ በቶም ናይ ደገ ሓይልታት ዝተቖፀረ ኮይኑ ዕላመኦም ዘሳልጥ

 ውድብ እዩ። ን27 ዓመታት ዝኣክል ናታቶም ተቖፃሪ ኮይኑ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ከምዚ ዓይነት ልእኹቶ እንተዘይፈፂሙ እቶም ልኣኽቱ የፈራርሕዎ ይመስለኒ። ዝበልናካ እንተዘይፈፂምካ፣ ዝሃብናካ ገንዘብ ክነሕድገካ ኢና ዝብልዎ እዩ ዝመስለኒ። ስለዚ ህወሓት ናይ ሓይልታት ወፃኢ መምለኽን ልኡኽን እዩ።

ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምምሕዳር ድዩ ዝዋጋእ ዘሎ ወይስ ካሊእ ዝተፈለየ ድሌት ኣለዎ እዩ ይብሉ?

መምህር ተስፋይ፡- መጀመርያ ህወሓት ክስዕር ኣይኽእልን፤ ተዝስዕር ‘ውን ኣይሽምካይዶ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ትግራይ ‘ውን ናይ ምምሕዳር ዓቅሚ የብሉን። ብህዝቢ ዝድለ ውድብ ኣይኮነን። እዚ ሓይሊ እዚ ትግራይ መቕበሪቱ እያ ከትኸውን። ጁንታ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ መማረፂ ፓርቲ ከይረክብን ንስልጣኑ ስለ ዝፈርሕን ከም እኒ ዴ.ም.ህ.ት ዝበሉ ንህዝቢ ዝቓለሱ ውድባት ኣጥፊእዎም እዩ።

ወጋሕታ፡- ጥምረት ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ከመይ ተመልኪቶሞ?

መምህር ተስፋይ፡- ህዝቢ ኦሮሞ ብሓፈሻ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንኦነግ ሸኔ ብኽብሪ ተቐቢልዎ እዩ። እዚ ሓይሊ እዚ ቕድሚ ሕዚ ጁንታ ህወሓት ካብ ሃገር ዘባረሮ ሓይሊ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ራዕዳዊ ኦነግ ሸኔ ናፃናት ህዝቢ ኦሮሞ ክጠፍእ ዝገብር ዘሎ ውድብ እዩ፤ ትማሊ ህወሓት ኣብ ምውጋድ ዝረብሕ ኣስተዋፀኦ ዘይገበረ፤ ብጁንታ ወያነ ብሽምን ብተግባርን እንዳተዋረደ ዝነበረ፣ ቓልሲ ኦሮሞ ዘጨናገፈ እዩ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ናይ ፀላእየ ፀላኢ ፈታውየ እዩ ዝባሃል ኣይሰርሕን። ትማሊ ሓውካ ዝቐትለልክ ዝነበረ ማሕዛኻ ምግባር ከቢድ እዩ። ይቕርታ ከትበሃሃል ትኽእል ኢኻ፤ ኮይኑ ግና ሃገር ንምጥፋእ ብሓደ

 ምስራሕ ማለት ዕብዳን እዩ። ቐታልን ተቐታልን ሃገር ንምፍራስ ዝሓብርሉ ኣብ ታሪኽ ሪአ ኣይፈልጥን። ህዝቢ ኦሮሞ ‘ውን ንሸኔ ኣግሊልዎ እዩ፤ ምኽንያቱ ሸኔ ዝገብሮ ዘሎ ምንቕስቓስ ንኽብሪ ህዝቢ ኦሮሞ ዝምጥን ኣይኮነን።

ሸኔ ሕቶ ህዝቢ ኦሮሞ ንምምላስ እንተይኮነስ ስልጣን ንምሓዝ እዩ ዝቓለስ ዘሎ። ፃምእ ስልጣን ስለ ዘለዎ እዩ። ህወሓት ድማ ሃገር ንምፍራስ ኣይሽንኳይዶ ምስ ሸኔ ምስ ሰይጣን ‘ውን እንተኾነ ከምዝተሓባበር ነጊሩና እዩ። ክልተ ከሓድትን ዕሱባትን እዮም ተራኺቦም ዘለዉ። ብዙሓት ሙሁራን ኦሮሞ ንሓምሳ ዓመት ዝኣክል ዝቓለሱ ዝነበሩ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ብሰላም ምስ መንግስቲ እናሰርሑ፣ መንግስቲ እናማኸሩ እናሃለዉ ሸኔ ግና ምስ ህወሓት ኮይነ ንህዝቢ ኦሮሞ ክቓለስ እየ ማለት ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ ኣይስመዐንን። ኣቡዕሩ ሓሪዱ ዝተቐበሎ ህዝቢ ገዲፉ ምስ ካሊእ ኢትዮጵያዊ ኣይኮንኩን ዝብል ውድብ ሃገር ንምፍራስ ዝፅዕር ዘሎ ሓይሊ ኮይነ ክዋጋእ እየ ምባል ጥዕና ዘለዎ ኣካይዳ ኣይኮነን። እዚ ድማ ሃገራዊ ክሕደት እዩ። እዚኦም ክልቲኦም ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሓይልታት እዮም። ሓደ ግዜ ህዝቢ ኣምሓራ ፀላኢኻ እዩ ይብሉ፤ ካሊእ ግዜ ግዜ ድማ ናይ ሕዚ ስርዓት ኣሃዳዊ እዩ ይብሉ ህዝቢ ንህዝቢ ንምፅላእ እዩ ስረሖም። ህዝቢ ኢትዮጵያ ፍቕሪ መስሪቱ ብሓደ ክነብር ኣይደልዩን። ስለዚ ሸኔ ምስ ህወሓት ምሕባሩ ፅባሕ ብታሪኽ ዘሕትቶ ይመስለኒ።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ነዞም ሓይልታት እዚኦም ንምጥፋእ ኣብ ዝገብሮ ቓልሲ ብፍላይ ካብ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኦሮሞን እንታይ ትፅቢት ይግበር?

መምህር ተስፋይ፡- እዞም ሓይልታት እዚኦም ክልቲኦም ኣረመኔታት እዮም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዙሕ ኣረመናዊ ተግባር እናርአዩና እዮም ዘለዉ። እዚ ኩነታት እዚ ንኩሉ ህዝቢ እዩ ዝምልከቶ፤ መንግስቲ ነዞም ሓይልታት እዚኦም ኣብ ዝገብሮ ቓልሲ ኩሉ ህዝቢ ክረባረብ ኣለዎ።ኮይኑ ግን ክልቲኦም ሓይልታት ኣብ ህዝቢ ኦሮሞን ትግራይን ውሽጢ ስለ ዝርከቡ ብዝበለፀ ድማ ናይ ክልቲኡ ክልላት ህዝቢ ክራባረቡ ክኽእሉ ኣለዎም፤ ኣይትጠቅሙናን፣ ሰላም ክተምፅኡልና ኣይትኽእሉን ክብሎም ኣለዎ። ኣሕሊፉ ንመንግስቲ ኣብ ምሃብን ምቕላስን ዝላዕለ ተራ ክፃወት ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ።

መንግስቲ ነዞም ኣረመናት ንምውጋድ ኣብ ዝገብሮ ልዑል ምንቕስቓስ ኩሎም ህዝቢታት ኢትዮጵያ ብሓሳብ፣ ብተግባር ክቓለሱ ኣለዎም። እንተዘይኮኑ ኢትዮጵያውያን ነዞም ኣረመኔታት እዚኦም በርቲዖም ከውግድዎም እንተዘይክኢሎም ኣብ ታሪኽ ዘሐፍር ኩነታት ከገጥመና ይኽእል እዩ። ወለድና ኣብዚ ብርኪ ክብሪ እዚ ገዲፎምና እዮም፤ ንሕና ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ዘየሐፍር ብርኪ ብምብፃሕ ናብ ቐፃሊ ወለዶ ናይ ምምሕልላፍ ሓላፍነት ኣለና እዩ። ብፍላይ ድማ ሓይልታት ወፃኢ ዝደለይዎ ክገብሩ ከንፈቅድ የብልናን። ብኣዕፅምትን ደምን ወለድና ዝተሃነፀት ሃገር ክነድፍራ የብልናን። ነዞም ሓይልታት እዚኦም ተምበርካኺ ምዃን ማለት ፍፁም ዘይሓልፍ ስቓይ እዩ ማለት ይከኣል። ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ገጢሙና ዘሎ ፀገም ንምስጋር ልዑል ርብርብ እዩ ዘድልየና። ንመስዋእቲ ድልዋት ከንኸውን ኣለና።

ወጋሕታ፡- ኣሜሪካን ሃገራት ኣውሮፓን ኣብ ሃገርና ዝተፈላላየ ፅዕንቶ እናፈጠሩ ይርከቡ፤ እዚ ካብ ምንታይ ዝነቐለ እዩ ይብሉ? ብኸመይስ ምምካት ይከኣል?

መምህር ተስፋይ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ናይ ሓይልታት ወፃኢ ልኡኽ እዩ። ስለዚ ሃገራት ኣውሮፓ ይኹኑ ኣሜሪካ ንኣረመንያዊ ተግባር ህወሓት ክኹንንዎ እዮም ኢልካ ትፅቢት ዝግበር ኣይኮነን። ጁንታ ህወሓት ተለኣኣኽኦም ስለ ዝኾነ ዝገበረ እንተገበረ ከውግዝዎ እዮም ኢልካ ትፅቢት ኣይግበርን። ኢትዮጵያ ናይ ነዊሕ ዘመን ታሪኽ ዘለዋ ሃገር እያ። እዞም ሓይልታት እዚኦም ታሪኾም ክፍትሹ እዩ ዘለዎም። ብፍላይ ኣሜሪካ ታሪኻ ብምፍታሽ ዝመፀቶ ታሪኻዊ ከይዲ እንተትፈልጥ ፅቡቕ እዩ። ኣባና ፅዕንቶ ንምፍጣር ጥራሕ ተዘይትምኩር ይሕሽ ይመስለኒ።

ፅዕንቶ ሓይልታት ደገ ብኸመይ ምቕልባስ ይከኣል ዝብል ሕቶ፣ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ሓደ ልቢ ክኸውን ኣለዎ። ሓድነትና ኣሕይልና ከንምክት ኣለና። ናይ ባዕልና ሓድነት ኣጠናኺርና ኩልና ኣብ ዝተዋፈርናሉ ዓውደ ስራሕቲ ብብቕዓት ከንዋፃእ ኣለና። ሓድነትና ዝሽርሽር ክህሉ የብሉን፤ ከምዚ እንተልዩ ክእረም ክግበር ኣለዎ። ንኣብነት ኣብዚ ሕዚ እዋን ነጋዴታት ዝገብርዎ ዘለዉ ናህሪ ዋጋ ክእረሙ ኣለዎም፤ ኣብ ፈታኒ እዋን ከምዚ ዓይነት ተግባር ቐልጢፍካ ክእረም ኣለዎ። ንሕና ኢትዮጵያውያን ኵናት ዝተኸፈተና ኣብ ናይ ኵናት ሜዳ ጥራሕ ኣይኮነን። ኣብዚ ኣብ ውሽጥና ብዘለዉ ነጋዶታት ‘ውን ተኸፊቱና እዩ። ከምዚ ክብል እንተለኹ ዘይተደለየ ዋጋ ብምውሳኽ ህዝቢ ከማርርን ክጎሳቖልን እዮም ዝገብሩ ዘለዉ። እዚ ሓድነት ዝፈታተን ስራሕ እዩ።

ካሊእ ኩሉ ኣብ መንግስታዊ ይኹን ዘይመንግስታዊ ትካላት ዝሰርሕ ሰብ ፍትሒ ክሰፍን ኣለዎ። ፍትሒ እንተዘይሃልዩ ሓድነትና ዝፈታተን ኩነታት ክገጥመና ይኽእል እዩ። ሓድነትና ዝፈታተን ተግባርን ፍትሒ ዘጓድልን እንተልዩ ካብ ጁንታ ህወሓት ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ሃገር ጠጠው ከትብል እንተኾይና ኩሉ ህዝቢ ንሃገሩ ብቕንዕና ከገልግል ኣለዎ።

 ወጋሕታ፡- መንግስቲ ኣብ ልእሊ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ካብ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ?

መምህር ተስፋይ፡- ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ህዝቢ ትግራይ ፀላኢኡ ብዝግባእ ዝፈለየ ይመስለኒ። ህዝቢ ትግራይ ብጁንታ ህወሓት ከምዘይተጠቐመ ይፈልጥ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ተሓባበሪ እንተረኺቡ ንህወሓት ናይ ምውጋድ ድሌት ኣለዎ እዩ። ተዓፊኑ እዩ ዘሎ። ብሓፂሩ ግና ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ጁንታ ህወሓት እዚ ክላቐቕ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ህዝቢታት ኮይኑ ክቓለስ ኣለዎ። ይኣኽለኒ ክብል ኣለዎ። ከም ካልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ናፃ ንኽወፅእ ምስ ህዝቢ አትዮጵያ፣ መንግስቲ ብዝህቦ ኣንፈት ተኸቲሉ በርቲዑ ብምቕላስ ናፃ ክወፀእ ኣለዎ እየ ዝብል። ህዝቢ ትግራይ ተሓባበሪ እንተረኺቡ ንጁንታ ሕወሓት ንምውጋድ ንድሕሪት ዝብል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ፀላኢኡ እናፈለጠ እዩ ዘሎ።

ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ዘይተጠቐመ ህዝቢ ምዃኑ ባዕሉ ይፈልጥ እዩ። ምኽንያቱ ህወሓት ቕድሚ ኵናት ይኹን ድሕሪ ኵናት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኵናት ክኣቱ ብምግባርን ብዓሉ ‘ውን እንተይቐረየ ደገፍተይ ኣይኮንኩሙን ብምባል ክፀንት ገይርዎ እዩ። ሕዚ እኳ እንተሪእና ደገፍቲ መንግስትን ብልፅግና ኢኹም ብምባል ብዙሕ ስቓይን ቕትለትል የብፀሐሉ ኣሎ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣንፃር ህወሓት ክቓለስ ኣለዎ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ በቲ ጀሚርዎ ዘሎ ኣካይዳ ደገፉ ቐፃሊ ክኸውን እየ ዝላቦ።

ወጋሕታ፡-ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየልና።

መምህር ተስፋይ፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ።

መኣርግ ገ/ሄር

Recommended For You