20 ኪሎ ሜትር የማን ፀጋም መንገዲ ደብረሲና ኮምቦልቻ ብረት ሒዝካ ምንቅስቓስ ተኣጊዱ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፡- ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባታት ሰሜን ወሎ፣ኦሮሞ ብሄረሰብን ሰሜን ሸዋን ኮማንድ ፖስት ምጥያሹን ካብ ደብረሲና ክሳብ ኮምቦልቻ ኣብ ኣወሰንቲ ወረዳታት መንገዲ የማንን ፀጋምን ክሳብ 20 ኪሎ ሜትር ውሽጢ ኣፅዋር ኲናት ሒዝካ ምንቅስቓስ ከምዘይካኣል ገሊፁ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘውፅዎ መግለፂ ከምዝሓበሮ፣ መንገዲ ምዕፃዉ ሓዊሱ ኣብያተክርስትያናት፣ ትካላት መንግስትን ፣ንብረትን መንበርን ውልቀን ሰባትን ምዕናው ወይድማ ንዚ ተግባር ብጉጅለ ይኹን ብውልቀ ምንቕስቃሰ በጥብቂ ዝተኸልከለ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ኮማንድ ፖስት ናይቲ ከባቢ ፀጥታ ኣብ ምህዋኽ ስራሕ ዝሳተፉ ጉጅለ ጥፍኣት ስጉምቲ በምውሳድ ልዕልነት ሕጊ ናይ ምርግጋፅ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ ክብል ገሊፁ።

ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣብ ክፋል ሰሜን ሃገርና ክልል ትግራይ ውፅኢታዊ ተልእኾ ምኽባር ሕጊ ብጀግንነት እናሰርሐ ኣብ ዝርከበሉ ኣብዚ ኸዚ እዋን ፣ኣብ ሓደ ሓደ ክፍሊ ሃገርና ፀገም ፀጥታ እናተስተውዓለ ይርከብ።እዚ ኾነ ተባሂሉ ሕገመንግስቲ ተልእኾ ሰራዊት ንምዕንቃፍ ተሓሲቦም ዝተሰርሑ ጥፍኣት ተንኮል ብሰላም ፎታይ ህዝብናን ምክልኻል ሰራዊትናን ብዝተጣመረ ስራሕ ከይተሳኸዐ ተሪፉ ክብል እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ እዩ።

ኣብ መስመር መተማ ንዘመናት ሓቢሮም ዝነበሩ ኣብ መንጎ ቅማንትን ተወለድቲ ኣምሓራን ዝተፈጠሩ ፀገም ፀጥታ ሓይሊ ፀጥታ ፌደራልን ናይቲ ክልልን ምስ ሕብረተሰብን ሽማግለታት ዓድን ብሓባር በምስራሕ ዝተፈጠሩ ፀገማት ፀጥታ ንምፍታሕ እናተሰርሐ እዩ።

ኣብ ወለጋ ቡሬ መስመር ፣በጊዳ ኣያና ፣ኣንገር ጉቴ ኣዋሰንቲ ኸባቢታት ንነዊሕ እዋን ሓቢሮም ዝነበሩ ነበርቲ ክልል ኣምሓራን ኦሮምያን ኾነ ተባሂሉ ጎንፂ ንክፍጠር ዝተገበረ ፈተነ በቲ ኸባቢ ሕብረተሰብ ምትሕብባር ናብ ሰላማዊ ኩነታት ንምምላስ ከምዝተኽኣለ እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

ምንቅስቓስ ኣታዊን ወፃኢን ንግዲ ኢትዮጵያ ንምትእጉጓል በምሕሳብ ኣብ ሶማሌን ዓፋር ኢሳ ህዝብታት ንምጉናፅ ዝተሰርሐ ሽርሒ ብምትሕብባር ናይቲ ኸባቢ ህብረተሰብ ናብ ሰላማዊ ኩነታት ከምተመለሰ ኣመልኪቱ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዞባታት ሰሜን ሽዋ፣ ደቡብ ወሎ፣ ፍሉይ ዞባ ኦሮሞ ወረዳታት ብፍላይ ኣብ ኣጣዬ ከተማን ኸባቢኡን ብዝተዓጠቑ ሓይልታት ኣብ ህይወት ሰብን ንብረትን ብዝበፅሐ ዕንወት ሚንስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢ ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለፀ በዚ ሓደጋ ዝተጎድኡ ወገናት ፅንዓት ንክህቦም ተመንዩ።

ኣብዚ ፀገም ፀጥታ ተሳተፍቲ ዝኾኑ ገበነኛታት ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ንምውዓልን ከምኡ’ውን ብረት ብምሓዝ ኣብ ፀጥታ ኣካላት ተኹሲ ዝኸፈቱ ፣ናይቲ ሰራዊት ምቕስቃስ ዝዓገቱ ፀረ ሰላም ሓይልታት ሰራዊት ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝጀመረ ዝገለፀ፣ እቲ ሚንስቴር ፣መንገድ ምዕፃው ሓዊሱ ሕብረተሰብ ብምህዋኽ ዝተዋፈሩ ኣካላት ካብ ተግባሮም ንክቑጠቡ ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢ ብጥብቂ ኣታሓሳሲቡ እዩ።

ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ኣብ ቀፃሊ እቲ ኮማንድ ፖስት ንሕብረተሰብ ዝገልፆ ክልከላታት ጢሒሱ ዝተረኸበ ፓርቲ ፖለቲካ ፣መንግስታዊ መሓውርን ጉጅለን ሕጋዊ ስጉምቲ ዝውሰድ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ ክብል ኣብቲ መግለፂ ሓቢሩ እዩ።

ኣብ መወዳእታ መላእ ሕብረተሰብ ከምወትርኡ ኹሉ ምስ ኣካላት ፀጥታ ብምስላፍ ንሃገርና ሰላምን ድሕንነትን ናይ ግድኡ ንክሰርሕ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ወጋሕታ 14 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም

Recommended For You