ኢትዮጵያ ዘለዋ ሰፊሕ ፀጋ ኣለልያ እንተሰሪሓትሉ ልዑል ውፅኢት ክመፅእ ከምዝኽእል ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኢትዮጵያ ዘለዋ ሰፊሕ ተፈጥሮኣውን ሰብ ስራሕን ፀጋታት ኣለልያ እንተሰሪሓትሉ ዝዓበየ ውፅኢት ክመፅእ ይኽእል ‘ዩ፤ ኣብዚ ጉዳይ ሃገራዊ ትልሚ ብምቕማጥ እናተሰርሐ ‘ዩ ክብላ ሚኒስትር ዕዮን ክእለትን ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን፡፡

ወ/ሮ ሙፈሪሃት ኣብ ከተማ ኣዳማ ብኤጀንሲ ፕረስ ኢትዮጵያ ዝተዳለወ ሓሙሻይ ምዕራፍ ምእንተ ኢትዮጵያ መድረኽ ኣብ ዘመሓላለፈኦ ብናይ ቪድዮ መልእኽቲ፤ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ተፈጥሮኣውን ሰብ ዝሰርሖን ሃፍቲ ኣለዋ፤ ነዞም ፀጋታት ኣለሊኻ ብምንታይ መልክዕ እንተንሰርሕ ‘ዩ ዝዓበየ ውፅኢት እነምፅእ ዝብል ሃገራዊ ትልሚ ብምቕማጥ ብፍላይ ሃገር በቖል ሪፎርም ኢኮኖሚ ተግባራዊ ብምግባር እናተሰርሐ ‘ዩ።

ትካላትና ንሓፂር እዋን ብልጭ ኢሎም ዝጠፍኡ ከይኾኑ ፅሬት ብዘለዎ መንገዲ ዝቕረፁን ኣብ ተግባር እንትውዕሉን ሃፍቲ ዝፈጥሩ ክኾኑ ብምስርሑ ንውሕ ዝበለ ግዜ ናይ ምጉዓዝ ዕድሎም ሰፊሕ ‘ዩ ኢለን፡፡ ሚኒስትሪ ዕዮን ክእለትን ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ፣ ኢትዮጵያ ዘለዋ ፀጋ ብምምልካት ምስ ምዕባለ ክእለት፣ ምፍጣር ስራሕ ከምኡ’ውን ርክብ ኣስራሒን ሰራሕተኛን ዝተኣሳሰሩ ዓውድታት ብምውህሃድ ዘደንቕ ውፅኢት እናመዝገበ ‘ዩ፡፡ ምስ እዚ ጎኒ ንጎኒ ኣብ ህንፀት ትካላት ሰፊሕ ስራሕ እናሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡

ካብዞም ናይ ለውጢ ዓምድታት ሓደ ዝኾነ ዕድል ፈጠራ ስራሕ ኩሉ ግዜ ካብ እንፈልጦ ኣተሓሳስባ ዝተቐየረ ‘ዩ ዝበላ ወ/ሮ ሙፈሪሃት፤ እቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ዳርጋ ኣብ ምምላእ መዓልታዊ ድሌታትን ወፃኢታትን ዘተኮረ ምንባሩ ኣዘኻኺረን። እቲ ሕዚ ዘሎ ኣተሓሳስባ ግና ካብዚ ዝተፈለየ ምዃኑ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፤ ፈጠራ ስራሕ ዕድል ካብ ልዕሊ እንጀራ ሃብቲ ምፍጣር መበገሲን መዕለቢን ዝገበረ ኣተሓሳስባ ዝተላበሰ ምዃኑ ገሊፀን።

ኣብቲ መድረኽ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ግሩፕ ሚድሮክ ኣይተ ጀማል ኣሕመድ “ተራ ውልቀ ዘፈር ኣብ ምፍጣር ስራሕ ዕድል “ ብዝብል ፅሑፍ ዘቕረቡ እንትኾኑ ኣብዚ ሚኒስቴር ዕዮን ክእለትን፣ ዩኒቨርሲቲታትን ውልቀ ሴክተርን ብሓባር ኮይኖም ዕድላት ስራሕ ክፈጥሩ ከምዘለዎም ገሊፆም።

ሚድሮክ ግሩፕ ን74 ሽሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ ብምግላፅ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ልዑል መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ምፍጣር ስራሕ ትኹረት ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ።

ኣብዚ ግዜ እዚ ኩሉ ሰብ ነጋዳይ ክኸውን ‘ዩ ዝደሊ። እንተኾነ ግና መብዛሕትኡ ሰብ መፍራዪ እንተኮይኑ ንዝበዝሐ ዕድል ስራሕ ምፍጣር ከምዝከኣል ብምግላፅ፤ መንግስቲ ንኣፍረይቲ ዝተፈላለየ ደገፋት ክገብርን ውሽጣዊ ምህርቲ ዝዓቢሉ ሃዋህው ክፈጥርን ከምዝግባእ ኣመላኺቶም።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 5 ሰነ 2017 ዓ.ም

Recommended For You