‹‹መንግስቲ ንሰላም ዘለዎ ተወፋይነት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ምርኣይ ይከኣል ‘ዩ›› – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፡- መንግስቲ ፌዴራል ንሰላም ዘለዎ ተወፋይነት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ምርኣይ ይከኣል ‘ዩ፤ እዚ መንግስቲ ንሰላም ዘለዎ ተወፋይነት ልዑል ምዃኑ ዘርኢ’ዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ተኸታታሊ ቃለ መሕትት ኣብዝገበርዎ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ትግራይ ምስ ዝነበረ ኵናት ስዒሩ እናሃለወ ናብ ድርድር ዝኣተወሉ ምኽንያት ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ከምዝነበረ እዚ’ውን መንግስቲ ንሰላም ዘለዎ ተወፋይነት ልዑል ምዃኑ ‘ዩ ዘርኢ ኢሎም።

ብዛዕባ እዚ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ታሪኽ ከፅንዕ ዝደሊ ሰብ ክምርምር ይኽእል ‘ዩ። ኣብ ዝኾነ ዘመን መንግስቲ ንተፈታተንቲ ሓይሊ እናሰዓረ ዝደራደር የለን ኢሎም፡፡

መንግስቲ ካብ 24 ክሳብ 48 ሰዓታት ንመቐለ ንምቑፅፃር ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ኩናት ጠጠው ኣቢሉ ብድርድር ሰላም ይኹን ኢሉ ናብ ድርድር ኣትዩ ‘ዩ፤ እዚ ኣብ ታሪኽን ንመጀመርያ ግዜ ፓርቲ ብልፅግና ‘ዩ ገይርዎ።

መንግስቲ ናብ መቐለ ንምእታው ሓደ ክልተ መዓልቲታት ተሪፍዎ እናሃለወ፤ ኣብቲ ኲናት ተዓዊቱ እናሃለወ ኮይኑ ግና ኣብ ኲናት ምስዓር ዘላቒ ዓወት ስለዘየምፅእ ሰላም ንምንጋስ ኢሉ ናብ ምፍርራም ኣትዩ ‘ዩ ክብሉ ደጊሞም ገሊፆም።

መንግስቲ ምስ ነበር ህወሓት ኣብ ኩናት ኣብ ዝነበረሉ ተደራዲርና ናብ ዕርቒ ክንኣቱ እንተለና ኣብ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ሓደ ዓንኳር ተደራዳሪ ዝነበረ ጌታቸው ረዳ ‘ዩ፤ እቲ ካልኣይ ፃደቃን ‘ዩ ነይሩ፤ እዚኦም እዮም እቶም ቀንዲ ተደራደርቲን ዝርዝር ናይቲ ድርድር ዝፈልጡን፤ ሕዚ ምስ እዞም ሰባት እዚኦም ምትዕራቕ ጥራሕ ኣይኮነን ብሓባር እውን ንሰርሕ ኣለና ኢና ክብሉ ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል፣ ጋምቤላ፣ ኣምሓራ፣ ከምኡ እውን ብጣዕሚ ብርክት ዝበሉ ሓይልታት ኣብ ኦሮሚያ ምስ መንግስቲ ተደራዲሮም ስልጣን ተኻፊሎም እናሰርሑ እዮም ዝርከቡ ክብሉ ገሊፆም፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 5 ሰነ 2017 ዓ.ም

Recommended For You