”ራዕዳዊ ህወሓት ህፃናት ናብ ኵናት እናእተወ ዘርኢ የፅንት ኣሎ‘’- ኣይተ ተሻለ ንጉሰ

ኣይተ ተሻለ ንጉሰ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትግራይ ዲሞክራቲክ ፓርቲ(ትዴፓ) እዮም። ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ተወሊዶም ኣብ ዓድዋ ዝዓበዩ እንትኾኑ ካብ ቐዳማይ ክሳብ 12 ክፍሊ ‘ውን ኣብ ዓድዋ ቤት ትምህርቲ ንግስተ ሳባ እዮም ተማሂሮም። ኣይተ ንጉሰ 12 ክፍሊ ምስ ወድኡ ኣብ 1974 ዓ.ም ኣብ ኣስመራ መሰልጠኒ መምህራን ሰልጢኖም ንዝተወሰነ ግዜ ብመምህርነት ኣገልጊሎም እዮም። ኣብቲ እዋን ዝነበረ ስርዓት ደርጊ ብምቕዋም ኣብ 1975 ዓ.ም ናብ ቓልሲ ህወሓት ብምፅማር ደርጊ ንምውዳቕ ናይ ባዕሎም ግደ ተፃዊቶም እዮም። ኮይኑ ግና ድሕሪ ደርጊ ምውዳቑ ህወሓት ዝኽተሎ ዝነበረ ኣካይዳ ስለ ዘይጠዓሞም ካብ 1984 ዓ.ም ጀሚሮም ካብቲ ውድብ ብምውፃእ እናተቓለሱ ፀኒሖም እዮም። እምበኣርከስ ኣይተ ተሻለ ዘለዎም ነዊሕ ፖለቲካዊ ተሞክሮ ንኸካፍሉና ብፍላይ ድማ ኣብ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርናን ትግራይ ኣመልኪትና ዝገበርናዮ ፃኒሕት ከምዝስዕብ ኣሰናዲእናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

 ወጋሕታ፡- ኣብ ሃገርና ብፍላይ ምስ ክልል ትግራይ ተተሓሒዙ ዘሎ ፖለቲካዊ ፀገም ብኸመይ ክፍታሕ ይኽእል ይብሉ?

ኣይተ ተሻለ፡- ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ብጣዕሚ ናብ ዝኸፍአ ብርኪ እናበፅሐ እዩ ዘሎ። እዚ ፖለቲካዊ ፀገም እዚ ካብ መሰረታዊ ባህሪኡ ተበጊስካ ክፍታሕ ኣለዎ እየ ዝብል። ሕዚ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ፀገም እንተይኮነስ ንነዊሕ ግዜ እናተጠራቐመ ዝመፀ እዩ። ሕቶ ህዝቢ በቢግዚኡ ብኣግባቡ እናተፈትሐ ኣይመፀን፤ ዲሞክራስያዊ ሕቶታት ህዝቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ መፂኡ እዩ። ፍልፍል ፀገም እዚ ዲሞክራስያዊ፣ህዝባዊ ዝኾነ ስርዓት ዘይምህላው እዩ። ዲሞክራስያዊ ስርዓት ብዘይምትካሉ ዝተፈጥረ ፀገም እዩ። ህወሓት 27 ዓመታት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝጨቖኖ እንትኸውን ንህዝቢ ትግራይ ድማ ን30 ዓመት ዝኣክል ኣብ ርእሲኡ ቸቸ ኢልዎ እዩ። ነዚ ጨቋኒ ስርዓት ህዝቢ ተሓባቢሩ ካብ ስልጣኑ ከውርዶ ክኢሉ እዩ። ኮይኑ ግና ህወሓት መሊኡ ስለዘይተወገደ ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ጨቋኒ ስርዓት ኣይተናገፈን። እዚ ስርዓት እዚ ንህዝቢ ትግራይ ብጣዕሚ ሓስይዎ እዩ።

ከሳብ ሕዚ ኣብ ሃገርና ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣይተተኸለን። ፖለቲካዊ ፀገም ከጋጥም እንተሎ ብሓይሊ ንምፍታሕ ካብ ሙሙኳር ሓሊፉ ዲሞክራስያዊ ስራሕ ኣይተሰርሐን። መሰረታዊ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ህወሓት ዝኽተሎ ዘሎ ስርዓት እዩ። ብሰንኪ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ናብ ውግእ ኣትዩ እዩ። እዚ ፈፂሙ ክኸውን ዘይነበሮ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ሰላም፣ ለውጢ እዩ ዝደሊ፤ ደላዪ ኵናት ኣይኮነን፤ ቕድሚ ሕዚ ተደጋጋሚ ኵናት ኣካይዱ ዝተረብሖ ነገር የለን። ስለዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ፀገም ንምፍታሕ መጀመርያ ህዝባዊ ፓርቲ ክህሉ ኣለዎ፤ ሕቶ ህዝቢ ዘዳምፅ፣ ፍትሒ ዘረጋጋፅ ክኸውን ይግባእ። እዚኦም ኣብዘይብሉ ስርዓት ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክፍታሕ ኣይኽእልን። ኮይኑ ግና ህወሓት ኣብ ትግራይ ዝኽተሎ ዘሎ ስርዓት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣይኮነን።

ካሊእ ፖለቲካዊ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ ውዳበ ክህልዎ ኣለዎ፤ ተወዲቡ ኣንፃር ህወሓት ክቓለስ ኣለዎ። ፀገም ህዝቢ ትግራይ ተፈቲሑ ኣሎ ማለት ፀገም ህዝቢ ኢትዮጵያ ምፍታሕ ማለት እዩ፤ ምኽንያቱ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ እያ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ብምዃን ክቓለስ ኣለዎ። ህወሓት ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ጥራይ እንተይኮነስ ናይ ኩሎም ህዝቢታት ኢትዮጵያ እዩ። ህወሓት ካብ ስልጣን ኣሊኻ ህዝቢ ዝቖፃፀሮ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል መሰረታዊ ፍታሕ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኵናት ንምፍታሕ ብቕንዕና ተቐራሪብካ ምዝርራብ የድሊ። እዋናዊ መፍትሒ ክኸውን ዝኽእል ንፖለቲካዊ ፀገም ፖለቲካዊ መፍትሒ ክቕመጠሉ እንተሎ እዩ። ብዅናት ክፈትሖ እየ እትብ እንተኾይንካ ስዒቡ ዝመፅእ ፀገም ብዙሕ እዩ። ሕዚ ዝኒሀ ፀገም ከቢድ እዩ፤ ሰላም ምስኣን፣ድሕንነትካ ኣብ ሕቶ ምልክት ምውዳቕ፣ ህዝቢ ብሰላም ወፂኡ ብሰላም ክኣቱ ብዘይምኽኣሉ ኣብ ፀገም ወዲቑ እዩ። ኣብ ሓንቲ ሃገር ሰላም እንተዘይሃልዩ ዓብዪ ቚልውላው እዩ ዝመፅእ።

 ብሰንኪ ህወሓት ዝተለዕለ ፖለቲካዊ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ ኣጋጢምዎ ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ ንብረቱ ተዘሪፉ እዩ፤ ዝበልዖ የብሉን። ሂወቱ ይግብር ኣሎ እዩ፤ ፖለቲካዊ ስልጣን የብሉን። ወለዶ ይበርስ ኣሎ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ካብ ቐደም ጀሚሩ ‘ውን ብዙሕ ኵናት ኣሕሊፉ እዩ። ኩሉ ግዜ ንኢትዮጵያ ክወርር ዝመፀ ሓይሊ ብኣንፈት ትግራይ እዩ ዝኣቱ ነይሩ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ብደጋዊ ሓይልታት ቐደም ዝገጥሞ ዝነበረ ኵናት ከይኣኽሎ ሕዚ ‘ውን ብናይ ውሽጣዊ ሓይሊ ዝተላዕለ ፖለቲካዊ ፀገም ኣብ ኵናት ጥሒሉ ይርከብ።

ህወሓት ፖለቲካዊ ፀገም ብሰላማዊ መገዲ ፈቲሑ ኣይፈልጥን፤ ክምስረት እንተሎ ጀሚሩ ዝገጥምዎ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ፀገማት ብጠበንጃ እዩ እናፈትሖ መፂኡ፤ ህወሓት ምስ ደርጊ ፖሊካዊ ፀገም እንትገጥሞ ‘ውን እቲ ፀገም ህዝባዊ እናሃለወ ከም ናይ ውልቑ ገይሩ ሕቶ ህዝቢ ከየማእኸለ ብብረት እዩ እናፈትሖ መፂኡ። ምስ ደርጊ ጥራሕ ኣይኮነን ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት ብሓይሊ እዩ ይፈትሖ ነይሩ። ፖለቲካዊ ሓይልታት ከም ተፃባእቲ እዩ ዝቖፅሮም። ካብ ቐደም ኣትሒዙ ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት ብሓይሊ እናወገዶም እዩ መፂኡ። ኣብ ታሪኹ ብሰላም ዝፈትሖ ፖለቲካዊ ርክብ የለን። ህወሓት ዓብላሊ ፓርቲ ክኸውን እዩ ዝደሊ። ማዕርነት ዝኣምን ፓርቲ ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ካሊእ ዝቓናቐኖ ፓርቲ ክህሉ ኣይደልን። ነዚ ‘ውን እዩ ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ ጠንካራ ፓርቲ ክህሉ ዘይከኣለ። ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ብኣግባቡ እናተመለሰ ኣይመፀን። ኣብ ትግራይ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ማእኸላዊ መንግስቲ ዝመስል ኣካይዳ እዩ ይጥቐም ነይሩ።

ወጋሕታ፡- ኣሜሪካ ሓዊሱ ሬድኤት ዘቅርባ ትካላት ዓለም መተሓላለፊ ኮሪደር ብኣንፈት ምዕራብ ትግራይ ንክኽፈት ድፍኢት እናገበሩ ይርከቡ። እዚ ከመይ ይምልከትዎ?

ኣይተ ተሻለ፡- እዞም ሓይልታት እዚኦም ቅድሚ ሕዚ ፖለቲካዊ ፀገም ኢትዮጵያ ክፍታሕ እንተኾይኑ ሰራዊት ኤርትራ፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ካብ ትግራይ ክወፁ ኣለዎም እናበሉ ፀኒሖም እዮም። ንምንታይ እንተይልና እቲ ኵናት ሚዛኑ ሓልዩ ክቕፅል እዩ። ሕዚ ድማ ህወሓት ካብ ክልል ኣምሓራ ይውፃእ እናበሉ እዮም ዝርከቡም። እዚ ንምንታይ እዩ እንተይልና ህወሓት ዝሓየለ መሲሉ ስለዝተሰመዖም ኮይኑ ሚዛኑ ሓልዩ ንኽቕፅል እዩ። እዚ ድማ ንሳቶም ህወሓት ካብ ክልል ኣምሓራ ይውፃእ ስለ ዝበሉ ኣይኮነን ዝወፅእ ብሓይሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ ዝወፅእ።

ብኣንፈት ምዕራብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ክነቅርብ ይከፈተልና ዝብሉ ዘለዉ ድማ ህወሓት ዘድልዮ ነገር ከአቱ ስለ ዝደልዩ እዮም። ህወሓት እታወታት እንተረኺቡ ክዳኸም ኣይኽእልን እዩ ኢሎም ስለ ዝሓስቡ እዮም።

ወጋሕታ፡- ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ፖለቲካዊ ፀገም ኢትዮጵያን ምፍታሕን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቐራብን ምስ ናይ ሱዳን ቐዳማይ ሚኒስትር ሃምዶክ ከምተስማዕምዑ ገሊፁ ነይሩ። ኣብዚ ኩነታት እዚ ርኢቶኦም ተዝገልፁልና።

 ኣይተ ተሻለ፡- ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገዲፎም ምስ መንግስቲ ሱዳን ክዘራረቡ ምኽኣሎም መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓይልታት ደገ ተኣዛዚ ዘይምዃኑ እዩ ዘሪእየካ። ሱዳን ጠንካራ መንግስቲ ዘይብላ ብሓይልታት ወፃኢ እትጥምዘዝ ሃገር እያ። መንግስቲ ሱዳን ድሌት ሓይልታት ካብ ምስኻዕ ሓሊፉ ናይ ባዕሉ ቕዋም የብሉን። ነዚ እዩ ንሱዳን ክሳብ ክተዘራርብ ወይ ክተተዓርቕ ትኽእል እያ ኢሎም ዝዛረቡ ዘለዉ፤ ንምንታይ እንተይልና ብመንግስቲ ሱዳን ኣቢሎም ብሄራዊ ረብሐኦም ንምስኻዕ እዩ። ሱዳን ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዘለዋ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ክተተዓርቕ ኣይትኽእልን እያ። ንባዕላ ዝተረጋገዐ መንግስቲ የብላን፤ ብናይ ደገ ኢድ ኣእታውነት እትዝወር ሃገር እያ። ከምኡ ‘ውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ብኢትዮጵያ እትእመን ሃገር ኣይኮነትን፤ ንባዕላ ልዕሊ ሓምሳ ኪሎ ሜትር መሬት ኢትዮጵያ ወሪራ ሒዛ ከተዓርቐኩም ምባላ ንዓይ ቐልዲ እዩ።

 ኣብዚ ጉዳይ እዚ ድሌት ኣሜሪካን መንግስቲ ኢትዮጵያን ፈፂሙ ክስማዕማዕ ኣይኽእልን። እዚ ዝግበር ዘሎ ተግባር መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምድኻም ዝዓለመ እዩ። ኣሜሪካ ሰብኣዊ ሓገዝ ብኣንፈት ምዕራብ ትግራይ ከአቱ እየ ምባላ ትርጉሙ ካሊእ እዩ። ንህወሓት ንምሕጋዝ ስለ ዝደለዩ እዮም። ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንምቕራብ እኮ ብጅቡቲ እዩ ዝቐርብ። ንምንታይ በቲ ዝተፈቐደሎም መስመር ጥራሕ ዘየኣትዉ። እዚ ኣካይዳ እዚ ቕንዕና ዘለዎ ኣካይዳ ኣይኮነን። ንኢትዮጵያ ብኹሉ ኣንፈት ናይ ምኽባብ ስራሕ እዩ ዝስራሕ ዘሎ። ካሊእ ብኣንፈት ሱዳን ክፍቲ ብምግባር ህወሓት ዝደለዮ ነገር ንኸአቱ ንምምችቻው እዩ። ኮይኑ ግና ንሳቶም ዝበልዎ ይኸውን ዶ ኣይኸውንን ካሊእ ጉዳይ እዩ። ክሳኸዐሎም ዝኽእል ኣይኮነን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዞም ሓይልታት እዚኦም ዝእዘዝ ኣይኮነን። መንግስቲ ሱዳን ክእዘዘሎም ዝኽእል መንግስቲ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ግና ዝእዘዘሎም መንግስቲ ስለ ዘየለ ካብ ምዝራብ ሓሊፎም ብተግባር ዘምፅእዎ ለውጢ ኣይህሉን።

እዞም ናይ ደገ ሓይልታት እዚኦም ቅድሚ ሕዚ ‘ውን ብኻልኦት ከም እኒ ሶማሊያ ዝበላ ሃገራት ገይሮም ፅዕንቶ ንምፍጣር ሞኪሮም ኣይተሳኸዐሎምን፤ ሕዚ ብወገን ሱዳን ዝመፁና ዘለዉ እቲ መንግስቲ ድኹም ስለ ዝኾነ እዩ። ሱዳን ከም ኢትዮጵያ ጠንካራ ዝባሃል መንግስቲ የብላን እዩ። እዞም ሓይልታት እዚኦም ኣብ ኢትዮጵያ ዘይምርግጋዕ ስራሕ ክሰርሑ እዮም ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ። ሰብኣዊ ሓገዝ ምኽንያት ብምግባር እዮም ንሃገርና ኢትዮጵያ ከባሳብሱ ዝደልዩ ዘለዉ። ይኹን’ምበር መንግስቲ ነዚ ዝኸውን ምድላዋት ገይርሉ ስለ ዝኾነ ክሳኸዐሎም ዝኽእል ኣይኮነን።

መንግስቲ ኣሜሪካ መራሕትና ተንቐሳቒሶም ዲፕሎማስያዊ ስራሕቲ ከይሰርሑ ገይሩ እዩ። እዚ ኣካይዳ እዚ ሃገርና ንምጉዳእ እዩ። እዚ ፍፁም ትኽክል ኣይኮነን። ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ ረዲኤት (USAID) ሳማንታ ፖወር ‘ውን ኣብ ክንዲ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ስራሕ ሰሪሓ ምኻድ ፖለቲካዊ ስራሕቲ እያ ሰሪሓ ከይዳ። እዚ ድማ ክኸውን ዘይግበኦ እዩ ነይሩ።

ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ህፃናት እናመልመለ ናብ ኵናት የሰልፍ ኣሎ ኣሎ። እዚ ዓለምለኸ ገበን እንዳሃለወ ሃገራት ዓለም ክኹንነኦ ዘይኸኣለሉ ምኽንያት እንታይ እዩ ይብሉ?

 ኣይተ ተሻለ፡- ህወሓት ምስ ደርጊ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ ውግእ ‘ውን መብዛሕትኡ ሰራዊት ትሕቲ ዕድመ እዩ ነይሩ። ህወሓት እቲ ኣጀንዳ ህዝባዊ እናሃለወ ንህዝቢ ትግራይ ኣታሊልዎ እዩ። ኣብቲ እዋን ንሱ ኣብቲ ምዕራባውያን ምስ ደርጊ እዮም ነይሮም። ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ተዛሪቦም ኣይፈልጡን ነይሮም። ንምንታይ እንተይልና ምስ ዝጠቕሞም እዮም ዝኸዱ፤ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ዝግድሾም ኣይኮነን። ኣብ እዋን ደርጊ ኣሜሪካ ህወሓት ናብ ሰልጣን ክመፅእ ድሌት ነይርዋ እዩ። ትሕግዝ ‘ውን ነይራ እያ። ሕዚ ‘ውን ኣሜሪካ ንሱ እያ እትሰርሕ ዘላ። ሕዚ ህወሓት ምስ ወደቐ መንግስቲ ኣሜሪካ ሕጉስ ኣይኮነን። ህፃናት ናብ ሓደጋ እናእተዎም መንግስቲ ኣሜሪካ ዋላ ሓንቲ ኣይተዛረበን። ህፃናት ናብ ሓደጋ ምእታው ማለት ሰብኣዊነት ዝጎደሎ ኣካይዳ ማለት ጥራሕ እንተይኮነስ ዓለምለኸ ወንጀል ‘ውን እዩ።

ህወሓት መጀመርያ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ከቢድ ጥቕዓት ብምፍፃሙ ወፍሪ ሕጊ ምኽባር ተኻይዱ እዩ። ኮይኑ ግና ናብ ዝኸፍአ ኩነታት እዩ ተሳጋጊሩ።

ወጋሕታ፡- ትዴፓ ከም ፖለቲካዊ ፓርቲ ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ዝተፃወቶ ዘሎ ግደ ተዝገልፁልና?

ኣይተ ተሻለ፡- ኣብ ሃገር ሕጊ ናይ ምኽባር ብቐንዱ ዝምልከቶን ዘማእኽሎን መንግስቲ ፌዴራል እዩ። ንሕና ከም ፓርቲ ድማ ሃገራዊ ግዴታና እናተዋፃእና መፂእና ኢና። ሕዚ ‘ውን ንዋፃእ ኣለና ኢና። ብዝተወሃበና ዕድል መጠን እናተሳተፍናን እንትንኸውን ኣድላይ ዝባሃል ስራሕቲ እናሓበርናን መፂእና ኢና። ህወሓት ቕድሚ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቓዕቲ ምውሳዱ ብንዕዘቦ ዝነበርና ኣካይዳ እቲ ውድብ መንግስቲ ክገብሮ ዘለዎ እናሓበርና ነይርና ኢና። መንግስቲ ብሰላም ንምፍታሕ ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ፃእሪ ንሕና ‘ውን ብሰላም ብዕርቒ ክፍታሕ ንሰርሕ ነይርና ኢና። መንግስቲ ‘ውን ብዕርቒ ንምፍታሕ ብዙሕ ክያዶ ከይዱ እዩ። መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓድን ፍሉጣት ሰባትን ብምልኣኽ ብዙሕ ፈቲኑ እዩ። ኮይኑ ግና ብወገን ህወሓት ተቐባልነት ብዘይምርካቡ መንግስቲ ተገዲዱ ናብቲ ስጉምቲ ኣትዩ እዩ። እቲ ከይዲ ‘ውን ብናይ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ሓፂር ግዜ ክዛዘም ክኢሉ እዩ። ኮይኑ ግና ብዝነበሩ ሓደ ሓደ ጉድለታትን ህወሓት ነዚ ተጠቒሙ ህዝባዊ ኵናት ገይርዎ እዩ።

 ብሓፂሩ ግን ግደ ትዴፓ ከም ፖለቲካዊ ፓርቲ ግቡኡ እናፈፀመ መፂኡ እዩ፤ ሕዚ ኣብ ምፍፃም እዩ ዘሎ። ግብኡ ኣብ ዝፍፅመሉ እዋን ‘ውን ዝኸፈሎ መስዋእቲ ቐሊል ኣይኮነን። ብዙሓት ኣባላት ብህወሓት ተቐቲሎሞ እዮም። ሕዚ ‘ውን ኣብ ትግራይ ዘለዉ ኣባላትና ይእሰሩን ይቕተሉን ኣለዉ እዮም። ስለዚ ትዴፓ መስዋእቲ ክሳብ ምኽፋል እዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ወጋሕታ፡- ኣዚ ሰሙን እዚ ብወገን ጉጅለ ራዕዲዊ ህወሓት እቲ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ህዝባዊ ኵናት ከምዝኾነ ቐሪቡ ነይሩ፤እስቲ ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ ይግለፁልና?

ኣይተ ተሻለ፡- ኣብዚ ሰሙን እዚ ብወገን ጉጅለ ራዕዲዊ ህወሓት ብመልክዕ ቓለ መሕትት ዝቐረበ ሓሳብ ህዝባዊ ኵናት እዩ ክብል ሰሚዕናዮ ኢና። ዝካየድ ዘሎ ኵናት ረብሓ ጉጅለ ህወሓት ንምርግጋፅ ዝካየድ ዘሎ ኵናት እዩ። ህዝቢ ሓሲቡን መኺሩን ዘይተሳተፈሉ ኵናት ህዝባዊ ኵናት ክባሃል ኣይኽእልን። ህወሓት ቕድሚ 7ወርሒ ተሳዓሩ እዩ። እዚ ህዝባዊ ኵናት ተዝኾን ነይሩ ኣይምተሳዓረን ነይሩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ክሰዓር ኣይኽእልን። ህወሓት ንበዓሉ ረብሓ ኢሉ ንህዝቢ እናላዓዓለን እናገደደን ዘካይዶ ዘሎ ውግእ እዩ። እዚ ኵናት እዚ ህዝባዊ ስለዘይኮነ ድማ መሓውሩ ፈሪሱን ተደምሲሱን እዩ። ደሓረ እዩ ተባታቲኑ ዝነበሩ ተረፍመረፍ ክተኣኻኸብ ጀሚሩ ዘሎ። ኣብ ውሽጢ ድኽነት ዝርከብ ህዝቢ እናገደደን እናታለለን ከምኡ’ውን ህፃናት እንተይተረፉ ናብ ኵናት እናሰለፈ ህዝባዊ ኵናት ኢና ነካይድ ዘለና ማለት ፕሮፖጋንዳ እዩ።

ካብ መጀመርትኡ እዚ ኵናት እዚ ብዝርርብ እዩ ክፍታሕ ነይርዎ፤ ምኽንያቱ ብኵናት ዝጥቐም ህዝቢ የለን። ኵናት በላዒ ሂወት ሰብን ንብረትን እዩ። ንውልቐ ጥቕሙ ዘካይዶ ዘሎ ኵናት እዩ፤ ድሕንነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ሓሲቡ ዘካይዶ ዘሎ ኵናት ኣይኮነን። ኮይኑ ግና ሕዚ ህዝባዊ ኵናት ንምምሳል ይምኩር ኣሎ እዩ። ህፃናት ብዝተፋላለየ መገዲ እናታለለ ከም ቖፅሊ ንኽረግፉ ይገብር ኣሎ። እዚ ድማ ዓለምለኸ ገበን እዩ።

ወጋሕታ፡- ካሊእ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ከም’ዝኾነ እዩ ገሊፁ ዘሎ፤ እዚ ከመይ ተመልኪቶሞ? ናብ ምግንፃል ዶ ከምርሕ ይኽእል?

ኣይተ ተሻለ፡- ኣብዚ ሰሙን እዚ ብወገን ጉጅለ

 ራዕዲዊ ህወሓት ብመልክዕ ቓለ መሕትት ዝቐረበ ሓሳብ እነካይዶ ዘለና ቓልሲ ንዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ እዩ ዝብል ሓሳብ ሕዚ ‘ውን ፕሮፖጋንዳ እዩ። ንባዕሉ ረብሓ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ እዩ። መሰል ዓርሰ ውሳነ ማለት ትርጉሙ ምግንፃል ማለት ኣይኮነን። መሰል ዓርሰ ውሳነ ማለት ሓደ ኣካል ወይ ህዝቢ የዋፀኒ እዩ፣ የርበሐኒ እዩ ኢሉ ዝመርፀሉ ፖለቲካዊ ስርዓት እዩ። ህዝቢ ትግራይ ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ተቃሊሱ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምፍቕቓድ ዝተመስረተ ፖለቲካዊ ሓድነት እዩ ዝኣምን። ህዝቢ ትግራይ ኣብ እዋን ደርጊ ዝነበረ ወፅዓን ኣድልዎን ንምቕራይ እዩ ተቓሊሱ። ምንፃል ኢኮኖሚያዊ ርብሓን ፍትሓዊ ስርዓትን ከረጋግፅ ኣይኽእልን። ህዝቢ ትግራይ ሓድነት፣ፍትሕን ማዕርነትን ዝደሊ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ህወሓት ካብ ስልጣን ክወርድ እንተሎ ዝግንፀለሉ ህወሓት ናብ ስልጣን እንትድይብ እንተሎ ድማ ዘይግንፀለሉ ኩነታት ኣይህሉን። ንሶም ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበርሉ እዋን ሓደ ዝነበረ ህዝቢ ሕዚ ዝግንፀለሉ ምኽንያት የብሉን። ይኩን’ምበር ብናይ ፕሮፖጋንዳ ስራሕ ሓደ ሓደ ዝደናገር ኣካል ክህሉ ይኽእል እዩ።

ምንፃል ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕሞ ኣይኮነን፤ ዓለም ናብ ሓደ ጠረጴዛ ኣብ እትመፀሉ እዋን ምንፃል ዝድገፍን ዝጠቕምን ኣይኮነን። ኣብ ጥንቲ ግዜ ህዝቢ ትግራይ ማእኸሉ ኣኽሱም ገይሩ ብሰሜን ኣንፈት ክሳብ የመን ብደቡብ ኣንፈት ‘ድማ ክሳብ ማዳጋስከር ዝገዝእ ዝነበረ ህዝቢ እዩ። ሕዚ ብኸባብያዊ ወይ ብሰፈር ኣፅቢቡ ዝሓስበሉ ኩነታት ኣይህሉን። ጁንታ ህወሓት ግና ኣብ ውሽጢ ትግራይ’ውን እንተኾነ ብዞባ፣ ብወረዳን ዓሌትን እናገበረ ከፋፊልዎ እዩ፤ ናይ ምግንፃል መሰል ዓርሰ ውሳነ ዝካየድ ዝተደላደለ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ዘለዎ እዩ ዝሰርሕ። ጁንታ ህወሓት ህዝቢ ኣብ ዘባሳብሰሉ ዘሎ እዋንን ኣብ ዝተበላሸወ ፖለቲካዊ ኩነታትን ኮይንካ እዚ ክኸውን ኣይኽእል እዩ።

ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ትግራይ፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ተወሳኺ ግፍዒ እናብፀሐ ከምዝርከብ ሓበሬታታት የመላኽቱ ኣለዉ። እዚ ካብ ምንታይ ዝነቐለ እዩ ይብሉ?

ኣይተ ተሻለ፡- ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ህዝቢ ትግራይ ግፍዒ እናፈፀመ መፂኡ እዩ። ሕዚ ‘ውን

 ኣብዞም ክልላት እዚኦም ተወሳኺ ግፍዒ ይፍፅም ኣሎ። እዚ ንምንታይ እዩ እንተይልና ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝብታት ኣምሓራን ዓፋርን ክፈላልዮ ስለ ዝደሊ እዩ። ራዕዳዊ ህወሓት ከፋፊልካ ምግዛእ ዝብል ስትራተጂ እዩ ዝኽተል። ስለዚ ዝፍፅሞ ዘሎ ተግባር ከፋፊልካ ንምግዛእ ዝዓለመ ተግባር እዩ፤ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ዝኽተል ዘሎ ህዝቢ ዓፋር ይኹን ህዝቢ ኣምሓራ እቲ ግፍዒ ብህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ መሲሉ ክስመዖን ብእኡ ኣቢሉ ድማ ምስ ህዝቢ ትግራይ ክበኣስን ስለዝደሊ እዩ። ጁንታ ነዚኦም እናዋገአ ንባዕርሱ ብሰላም ምእንቲ ክነብር እዩ ድሌቱ። ኣብ መንጎ ክልላት ሰላም ክሰፍን ድሌት የብሉን። ጁንታ ክነብር እንተኾይኑ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኵናት ክህሉ ኣለዎ ኢሉ እዩ ዝኣምን። ሰላም እንተሃልዩ ጥቕሙ ዝተተንከፈ እዩ ዝመስሎ። ጁንታ ህወሓት ነዚ ዝፍፅሞ ዘሎ ካብ ዕላማ ተበጊሱ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ሰላም ረኺቡ ደቒሱ ክሓድር ድሌት የብሉን።

ወጋሕታ፡-ኣብ መወዳእታ ክቐሪ የብሉን ዝብልዎ ሓሳብ ወይ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ እንተልይዎም ዕድል ክህቦም፤

ኣይተ ተሻለ፡- ህዝቢ ትግራይ ከቢድ መስዋእቲ ኸፊሉ እዩ። ሕዚ ‘ውን ይኸፍል ኣሎ እዩ። እዚ ዝኸፍሎ ዘሎ መስዋእቲ ብሰንኪ ህወሓት እዩ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ህወሓት ፀላኢኡ ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ። ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዝፃባእ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ እዩ። ካብ ህወሓት ንላዕሊ ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዝፃባእ የለን። ህዝቢ ትግራይ ምስ ደርጊ ገጢሙ ኣሸኒፉ ኣይተረብሐን። ንምንታይ እንተይልና ህወሓት ኣጀንዳ ህዝቢ ትግራይ ናብ ናይ ባዕሉ ረብሓ ጠሊፍዎ። ህዝቢ ትግራይ ንህወሓት ደምሲሱ ረብሕኡ ከረጋግፅ ኣለዎ፤ ህዝቢ ትግራይ መሰሉ ተረጊፁ እዩ። ሕዚ ድማ ራዕዳዊ ህወሓት ህፃናት ናብ ኵናት እናእተወ ዘርኢ የፅንት ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ፍትሒ ኣይረኸበን፤ ዕድል ትምህርቲ ብዝግባእ ኣይረኸበ፤ መሰረተ ልምዓት ‘ውን ከምኡ፤ ካብ ስደትን ተመፅዋታይነትን ኣይወፀን። ስለዚ ናይዚ ኩሉ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ተሓታቲ ህወሓት እዩ። ህዝቢ ትግራይ እዚ ተረዲኡ ዝጠቕሞ ውድብ ክምስርት ኣለዎ እየ ዝብል።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየለይ።

ኣይተ ተሻለ፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ።

 መኣርግ ገ/ሄር

 ወጋሕታ 13 ነሓሰ 2023

Recommended For You