ምእካብ ኣጀንዳ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ትግራይ ተበፃሒ ንምግባር ከምዝስራሕ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡- ምእካብ ኣጀንዳ ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ቀፃሊ ክልል ትግራይ ተበፃሒ ንምግባር ከምዝስርሑ ዋና ኮሚሽነር ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያ(ፕ/ር) ገሊፆም ።

ኣብ መድረኽ ምእካብ ኣጀንዳ ዘተ ትካላትን ማሕበራትን ፌዴራል ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ዋና ኮሚሽነር መስፍን ኣርኣያ(ፕ/ር) ከምዝበልዎ፤ እቲ ምኽክር ሓቛፊ ስለዝኾነ ክልል ትግራይ እንተይሓዝና ናይቲ ዘተ ዕዉትነት ኣይሕሰብን ‘ዩ።ስለዝኾነ ኣብ ክልል ትግራይ ተበፃሒ ንምግባር ኣብ ቀፃሊ እቲ ኮሚሽን ዝሰርሖ ተግባር ‘ዩ።

ብተመሳሳሊ ዜና ሃገራዊ ኮሚሽን ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዘካይዶ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ኩሎም ክፋላት ማሕበረሰብ ብንቑሕ ተሳትፎ ሓሳቦም ንክገልፁ ፃውዒት ቀሪቡ።

ላዕለዋይ በዓል ሞያ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን እቲ ኮሚሽን ግርማሞገስ ጥበቡ ምስ ፋና ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ከይዲ ተሳትፎ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ኣድላይ ስለዝኾነ ኩሎም ኣካላት ሓሳቦም ብነፃነት ዘንሸራሽሩሉ ምችው ባይታ ዝፈጥር ‘ዩ።

እቲ ኮሚሽን ክሳብ ሐዚ ኣብ 11 ክልላትን ከልተ ምምሕዳራት ከተማን ኣጀንዳ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕቱ ምዕማሙ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ ድማ ኣብ ክልል ትግራይን ኢትዮጵያዊያን ዲያስፖራን ስራሕቲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ከምዘካይድ ተዛሪቦም።

ኣብ ትግራይ ቅድሚ ምኽክር ምጅማሩ መፅናዕቲ ብምክያድ ብመፅናዕቲ ዝተደገፈ ኣጀንዳ ክእከብ ‘ዩ ‘ውን ኢሎም።

ብተወሳኺ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዘለዉ ተወለድቲ እቲ ክልል፣ ሰብ ሞያ ሚዲያ፣ ትካላት ሃይማኖትን ነጋዶን ኣቐዲሙ መድረኽ ዘተ ከምዝካየድ ተዛሪቦም።

ድሕሪ እዚ ስራሕቲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ኣብ ካልኦት ክልላት ብዝተወሰደ ተሞክሮ ኣብ ክልል ትግራይ ‘ውን ካብ ሕድሕድ ከተማታትን ክላስተራትን ስራሕቲ ምትእእኸብ ኣጀንዳ ክሳለጥ ‘ዩ ኢሎም።

ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ነቲ ከይዲ ዘተ ይጠቕሙ ‘ዮም ኢሉ ዝኣመነሎም ተሞክሮታትን ትካላዊ ፍልጠታትን ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት እናማዕበለ ምፅንሑ ሓቢሮም።

ካብ ኩሎም ክፋላት እታ ሃገርን ማሕበረሰብ ዲያስፖራን ግልፂ ኣሳታፋይን ሓቛፋይን ብዝኾነ መገዲ ዝተኣከቡ ኣጀንዳታት በቢ ዓውዱ ተፈልዮም ንቤት ምኽሪ እቲ ኮሚሽን ድሕሪ ምቕራቦም ናብ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ከምዝቐርቡ ኣፍሊጦም።

ከይዲ ምእካብ ኣጀንዳ ዜጋታት ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ኣብቲ ከይዲ በቢ ብርኩ ተሳተፍቲ ንክኾኑ ዝገብር ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብርሃ ሓጎስ

 ወጋሕታ 28 ግንቦት 2017 ዓ.ም

Recommended For You