ቢል ጌትስ ዓብይ ኒሻን ኢትዮጵያ ተሸሊሞም

 ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ምሸት ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ንቢል ጌትስ ዓብዪ ክብሪ ኒሻን ኢትዮጵያ ኣበርኪቶም። እዚ ሽልማት ቢል ጌትስ ፋውንዴሽን ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ንዝገበሮ ኣሳጋሪ ስራሕን ዓበይቲን ዘመን ተሳጋሪን ኣወንታዊ ተፅዕኖ ዘኽበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብቲ ስነ-ስርዓት ሽልማት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ኣብዚ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ህይወት ሚልዮናት ዝቐየሩ ቢል ጌትስ ፋውንዴሽንን ቢል ጌትስን ዘለና ልባዊ ምስጋና ንምግላፅ ‘ዩ ኢሎም።

“እቲ ዝሰራሕኩሞ ስራሕ ሓቀኛ መዐቀኒ ህይወት ብዘለና ዘይኮነስ ንኻልኦት እንህቦ ምዃኑ ኣርእዩና’ዩ” ክብሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ተዛሪቦም። ቢል ጌትስ ብጥንካረን ዕላማን ዝኸይድ ሰብ፤ ፍልጠት ንምድላይ ዝነበሮ ድሌት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ሳይንስ፣ ጥዕናን ሰብኣውነትን ከም ዝወሰዶ ‘ውን ኣመልኪቶም።

ካብ ሃፍቱ ወይ ዝናኡ ንላዕሊ ሰናይነቱን ፅልዋኡን ተበፃሒ ኮይኑ ኣሎ። ቅድሚ ብህዝቢ ከም ገባሪ ሰናይ ምፍላጡ ንዓለም ክቐርፅ ክኢሉ፤ መስራቲ ማይክሮሶፍት ኮይኑ ዓንዲ ሕቖ ዲጂታላዊ ዓውዲ ብምዃን ንዘመናዊነት መሰረት ኣንቢሩ፤ ለውጢ ከም ዝውረስ ዘይኮነስ ከም ዝፍፀም ከም ዘርኣየ ‘ውን ኣመልኪቱ’ዩ ክብሉ ገሊፆም።

‹‹ ኣብ ሲያትል ይኹን ኣብ ሲዳማ ኩሉ ህይወት ብዋጋ ማዕረ ‘ዩ ዝብል እምነት ሒዙ ናብ ኢትዮጵያ መፂኡ፤ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ዝተራእዩ ለውጥታትን ምምሕያሻትን ዓቢ ሓይሊ ኮይኑ ፀኒሑ፤ መባእታዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣሐይሉ፣ ንኣናእሽቱ ሓረስቶት ደጊፉ፣ ሳይንሳዊ ምህዞታት ኣስፋሕፊሑን ኣብ መረዳእታ ዝተመርኮሰ ውሳነታት ንምውሳን ሓጊዙን›› ክብሉ ሓቢሮም።

ብቢል ጌትስ ፋውንዴሽን ኣብ ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ ናብ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ክበፅሕ ተኻኢሉ ‘ዩ። ኣብታ መዓልቲ ኩሎም ፕረዚደንታት ክልላት ዝተረኽቡሉ ምኽንያት ድማ ነዚ ንምምስካር ምዃኑ ኣመልኪቶም። “ክቡራት ብፆት እቲ ኣገዳሲ ነገር እቲ ዝተረኽበ ዓወት ዘይኮነስ፣ እቲ ብድሕሪኡ ዘሎ መንፈስ’ዩ” ኢሎም።

ቢል ጌትስ ፋውንዴሽን ንባህግታት ህዝብን መራሕትን ኢትዮጵያ ይሰምዕ፣ ይርዳእን የኽብርን። ብተወሳኺ እቲ ዝምድና ኣብ ሕድሕዳዊ ምክብባር ዝተመስረተ ምዃኑን ብሓባር ምስራሕ ኣብ መንጎ ትካላት፣ ማሕበረሰባትን ውልቀሰባትን ምትእምማን ከምዝሃነፀ ‘ውን ገሊፆም።

ብፍላይ ኣብ ዓቕሚ እታ ሃገር ዝተርኣየ እምነት፣ ከምኡ’ውን ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ለውጢ ንኢትዮጵያ፣ ትካላትናን ህዝብናን ዝተራኣየ ዓብይ ደገፍ ነመስግን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ብተወሳኺ እቲ ፋውንዴሽን ንዓለምለኻዊ ቅልውላዋት ጥዕናን ተፈጥሮኣዊ ብድሆታትን ዘይተናወፀ ህፁፅ ምላሽ ክህብ ከምዝፀንሐ ኣመልኪቶም።

እቲ ፋውንዴሽን ብስራሕቱ ንጠለባት ህዝቢ ሃገርና ንምምላስ ዓቕሙ ኣጠናኺሩ ‘ዩ። ጥዑይ፣ ፍትሓዊትን ንኹሉ ዝሓቁፍን መፃኢ ኢትዮጵያ ንምርኣይ እንገብሮ ጉዕዞ ንበይንና ዘይኮነስ ምስቶም ዕላማና ዝካፈሉን ኣብ ዓቕምና ዝኣምኑን መሻርኽትና ‘ዩ ኢሎም።

ዝቕፅል ምዕራፍ ዝምድናታትና ዝያዳ መሳጢ፣ንኹሉ ዝሓቁፍ፣ ብሃገር ቦቀል ፍልጠትን ኣመራርሓን ዝምራሕ ክኸውን ኣለዎ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ብሽም ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ድማ ንቢል ጌትስ ፋውንዴሽን ፣ ኣመራርሓኡ፣ ሰራሕተኛታቱን ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብ ዝነበረ ጉዕዞ እጃሞም ንዘበርከቱ ኩሎም ኣመስጊኖም።

‹‹መብዛሕትኡ ሃብትኻ ንዓለም ፅቡቕ ንምግባር፣ ዓቕምኻን ድምፅኻን ክትውፍዮ ዝወሰድካዮ ውሳነ ዝድነቕ ጥራይ ዘይኮነ ታሪኻዊ’ውን ‘ዩ። ብዓብይኡ ንክንሓስብ፣ብዓሚቕ ዕላማ ክንመላለስን ብሕያውነት ክንመርሕን የገድደና። ስራሕካ ንብዙሓት ህይወት ምትንካፍ ይቕፅል። ስለዚ ድማ ናይ ብሓቂ ነመስግን። ስራሕካ መዐቀኒ ሓቀኛ ህይወት ብዘለና ዘይኮነስ ንኻልኦት ብእንህቦ ምዃኑ ኣርእዩና ‘ዩ›› ኢሎም።

ወጋሕታ 28 ግንቦት 2017 ዓ.ም

Recommended For You