
ኣዲስ ኣበባ:– ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ 7ይ ሃገራዊ መረፃ ንምክያድ ስራሕቲ ምድላው ጀሚረ ኢሉ።
ኣካቢት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሜላተወርቅ ሃይሉ ምድላው ዝቕፅል ሃገራዊ መረፃን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ኣመልኪተን መግለፂ ሂበን።
ኣብ መግለፂአን ድማ እናተወገነ ዝርከብ ስራሕቲ ኣብ 2018 ዓ.ም ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ መሰረት ብምግባር ‘ዩ ኢለን።
ቦርድ መረፃ ኣብ 7ይ ሃገራዊ መረፃ ኣድሂቡ ብዘካየዶ መፅናዕቲ ናይ ሓሙሽ ዓመት ስትራቴጂያዊ ፕላን ከምዘሰናደአ ኣፍሊጠን። እቲ ስትራተጂ ብ 6 ዓምድታት ዝተዋደደ ምዃኑ ድማ ፀሪሐን ።
ንዝቕፅል መረፃ እታወት ዝኾኑ ተሞክሮታትን ክመሓየሹ ኣብ ዝግበኦም ጉዳያት ‘ውን ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ዘተ ከምዝተገበረ ሓቢረን።
ንኣዋጅ ቁፅሪ 1162/2011 መረፃ፣ ምዝገባ ውድባት ፖለቲካን ስነ ምግባር መረፃን ኢትዮጵያ ንምምሕያሽ ኣብ መበገሲ ሓሳባት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝታይ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ከምዝቐረበ ኣብ መግለፂአን ሓቢረን።
ጣቢያታት መረፃ ብግቡእ ንምፍላይን ንምቁፅፃርን ዘኽእል ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ብምሕባር፤ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት 50 ሺሐ ዝኾኑ ጣቢያታት መረፃ ናይ ምድላው ስራሕ እናተሰርሐ ም ዃኑ ተዛሪበን።
ፈተና ኣፈፀምቲ ጣቢያታት መረፃ ብኦንላይን ከምዝወሃብ ዝገለፃ እተን ኣካቢት፤ ኣብ እዋን መረፃ ናይ ሕድሕድ በዓል ሙያ ምንቅስቓስ ዘመላኽት ኦፕሬሽናል ማንዋል ከምዝተሰናደአ ገሊፀን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
ወጋሕታ 28 ግንቦት 2017 ዓ.ም