
ኣዲስ ኣበባ፡– ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣወንታዊ መልሲ እንተረኺቡ ንሃገርን እቲ ኸባቢን ልዑል ረብሓ ኣለዎ ክብሉ ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ ገብረመስቀል ገሊፆም።
ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብዝነበሮም ፃኒሒት ከምዝገለፅዎ፤ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣወንታዊ መልሲ እንተረኺቡ ተረባሕቲ ዝኾና ኩለን ሃገራት እቲ ከባቢ ‘ምበር ኢትዮጵያ ጥራሕ ኣይኮነትን። ኢትዮጵያ ተጠቓሚት ኣፍደገ ባሕሪ ምስእትኸውን ተደጋጊፍካ ንምዕባይ ዝሕግዝ ‘ምበር ንማንም ሃገር ዝጎድእ ኣይኮነን።
ከም ገለፃ ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፤ ኣብ ምዕባይ ኢኮኖሚን ምስፋን ሰላምን ፀጥታን እቲ ከባቢ ዘለዎ ረብሓ ልዑል ስለዝኾነ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ክምለስ ኣለዎ፤ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ እትኸዶ ዘላ ክያዶ ትኽክል ‘ዩ፤ ብሓይሊ ኣይኮነትን እትኸድ ዘላ ብሰላም ‘ዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ነገር ብሰላም እንተኸይድካዮ ኢኻ ተራባሒ እትኸውን፤ እዚ ድማ ንኹለን ሃገራት እቲ ከባቢ ዝጠቕም ‘ዩ።
እቲ ሕቶ ትኽክልን ፍትሓዊን ክሳብ ዝኾነ ካልኦት ሃገራት ክቕበለኦ ኣለዎን ዝበሉ ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፤ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ምምላስ ማለት ተሓባቢርካ ብኢኮኖሚ ንምዕባይን ሰላምን ፀጥታን ንምርግጋዕን ዝጠቅም ስለዝኾነ ካልኦት ሃገራት እውን ክድግፈኦ ኣለዎን። ከምኡ ‘ውን ኩሉ ኢትዮጵያዊ ክድግፎ ኣለዎ ክብሉ ምዒዶም።
ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ቑልፊ ጉዳይ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ተጠቓሚት ኣፍደገ ባሕሪ ከትኸውን እንተላ ኩሉ እቲ ኸባቢ ተጠቓሚ ስለዝኸውን ሃገራት እቲ ካባቢ ብኣሉታ መልክዕ ክሪኢኦ የብለንን፤ ምኽንያቱ ተደጋጊፍካ ንምዕባይ ኣዝዩ ጠቓሚ ‘ ዩ፤ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ብምጥቓማ እቲ ዞባ ይጥቐም ‘ምበር ዝጉድኣሉ ኩነታት የለን ኢሎም።
ነዚ ብኣወንታ ምምልካት የድሊ። ሃገራት ቐርኒ ኣፍሪካ ክዓብያ ዝኽእላ ብምድግጋፍ ‘ምበር ብምንፅፃል ኣይኮናን። ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሓቢርካ ንምዕባይ ‘ምበር በይና ንምዕባይ ኣይኮነን። ሓቢርና ንዕበ ዝበለ ክድገፍ ‘ዩ ዝግበኦ ‘ምበር ብኣሉታዊ መልክዕ ክረኣይ የብሉን ክብሉ ገሊፆም፡፡
ኤርትራ ሰፊሕ ኣፍደገ ባሕሪ ሒዛ ተዘይ ተጠቒማትሉ ትርጉም የብሉን ዝበሉ እቶም ጀነራል፤ ኩልና ብስምምዕነት ተተጠቂምናሉ ንኹልና ዘርብሕ ‘ምበር ዝጎድእ ኣይኮነን። ዘይምጥቓም ንወለዶ ‘ዩ ዘምክን ዘሎ ‘ምበር ካሊእ ትርጉም የብሉን ኢሎም።
ኣፍደገ ባሕሪ እንተዘይተጠቒምካሉ ምህላዉ ትርጉም የብሉን፤ ናብ ረብሓ ክውዕል እንተሎ ብእኡ ልክዕ ኩለን ሃገራት እቲ ከባቢ ይለምዓን ይቕየራን፤ ንቐፃሊ ወለዶ ምሕሳብ የድሊ፤ እዚ ክኸውን እንተኾይኑ ድማ ኢኮኖሚያዊ ፀገም ይፍታሕ፤ ኢትዮጵያ እንተተጠቐመት ኩሉ ይርባሕ ‘ምበር ጉድኣት የብሉን፤ ብፍላይ ኤርትራ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ከትዕንቕፅ ኣይግበኣን ክብሉ ምዒዶም።
ኢትዮጵያ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ምልዓላ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘሰግእ ኣይኮነን፤ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ኣፍደገ ባሕሪ ክወስድ ‘የ ኣይበለትን፤ ንዘራረብ፤ ሓቢርና ንጠቐም፤ ሓቢርና ንዕበ ‘ያ ትብል ዘላ፤ ቕንዕና እንተልዩ ናብ ስግኣት ዘብፅሕ ኣይኮነን፤ ኣወንታዊ መልሲ ‘ዩ ዘድሊ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ብምጥቓማ ንህዝቢ ኤርትራ ይጠቕም ‘ምበር ኣይጎድእን ዝበሉ ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፤ ብሓባር እናተጠቐምካ እንተዓቢኻ ሰላምን ልምዓትን ይነግስ ‘ምበር ካሊእ ጉድኣት የብሉን ኢሎም።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 28 ግንቦት 2017 ዓ.ም