
ትንታነ- ዜና
ኤክስፖ ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ 2025 ኣብ ማእኸል ዓለም ለኸ ኮንቬንሽን ኣዲስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተዳልዩ ነይሩ ‘ዩ። ስዳሮ ዲጂታል ኢትዮጵያ እንታይ ይመስል?
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ “ቴክ ቶክ ሰለሞን” ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝተዛረብዎ፤ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ሚኢቲ ንሚኢቲ ዝተሳኽዐ ትልሚ ‘ዩ። ሐዚ ድማ ትልሚ ዲጂታል 2030 እናተዳለወ ይርከብ። እዚ ጋህዲ ክኸውን እንተኾይኑ ኣብ ሃገርና ፍልጠት ዝመርሖ ኢኮኖሚ ንምህናፅ መሰረት ከግበር ኣለዎ ይብሉ።
ከም ገለፃ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፤ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኣብ ጥዕና ግብርና፣ ትምህርትን ኻልኦት ዘፈራትን ዝወሃቡ ግልጋሎታት ቕልጡፋትን ተበፃሕትን ንምግባር ዕዙዝ ግደ ኣለዎ። ከምኡ ‘ውን ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ንዜጋታት፣ ትካላትን ገፀ ምድርን ሞተር ለውጢ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዓቕምን ኣጠቓቕማን ቴክኖሎጂ ንምዕባይ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ምስርሓ ይሕብሩ፤ ካብቲ ዝተሰርሐ ስራሕ ‘ውን መብዛሕቲኡ ህዝቢ ብተመጣጣኒ ዋጋ ከም ግልጋሎት ብሮድባንድን ሞባይልን ምርካብ ምኽኣሉ ይዛረቡ።
ኣብ ቐፃሊ ‘ውን ኣብ 2030 ትራንስፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ ጋህዲ ብምግባር ብቴክኖሎጂ ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ጋህዲ ክንገብር ኢና ብምባል፤ ቴክኖሎጂ ሓቛፋይ እንተዘይኾይኑ ግና ዕላማ ዘይብሉ ዝተሓላለኸ ነገር ‘ዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሓቛፋይነት ቴክኖሎጂ ንምዕባይ ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝግባእ ‘ውን የረድኡ።
ኢትዮጵያ ብስራሕቲ ኣርቴፊሻል ኢንተሊጀንስ፣ዲጂታል መሰረተ ልምዓታትን መማዕበሊ ክእለትን መርኣያ ኮይና ኣብ ኣፍሪካ እናመርሐት ከምዘላ ‘ውን ይግለፅ።ከም ኢንስቲትዩት ኣርቴፊሻል ኢንተሊጀንስ፣ዲጂታል መለለዪ መንነት ከምኡ ‘ውን ኮደርስ 5 ሚልዮን ዝበሉ ፕሮግራማት ኢትዮጵያ ሕልምታታ ናብ ዝጭበጥ ፅልዋ ፈጣሪ ስራሕቲ ምቕያር ኣኽኢሎማ ‘ዮም ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ 2030 ዝኾነ ኣካል ንድሕሪት ብዘይተርፈሉ መልክዑ ኣፍሪካ ኣርቴፊሻል ኢንተሊጀንስ ብናይ ባዕላ መልክዕ ብስነ ምግባር፣ሓቛፋይነትን ዘላቕነትን ቅርፂ ክተትሕዞ ከምዝግባእ ‘ውን የረድኡ።
ብተወሳኺ መንግስቲ ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ኣብ ልውውጥን ሉኣላዊነትን ዳታ ብትኹረት ክሰርሕ ‘ዩ። ነዚ ተግባራዊ ንምግባርን ዘፈር ግልጋሎት ንምሕጋዝን ምዋህለሊ ዳታ ማእኸላት ክስርሑ ‘ዮም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነት፣ ልምዓት ኮሪደር፣ ካፒታል ዕዳጋ ኸምኡ ‘ውን ስታርትኣፕ ንዲጂታላይዜሽን ምችው ንምግባር ካብ መንጎ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ምዃኖም ውን ሓቢሮም ‘ዮም።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሰ ብወገኖም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዲጂታል ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ዝተሰርሑ ስራሕቲ ርኡይ ውፅኢት ምምዝጋቦም ገሊፆም። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ፈላማይ ዝኾነ ኤክስፖ ቴክኖሎጂ ኣብ ሓድሽ ዓለም ለኸ ማእከል ኮንቬንሸን ብዕሊ እንትኸፍቱ ኣብ ዘስምዕዎ መደረኦም , ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዲጂታል ኢትዮጵያ ግሁድ ንምግባር ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓት ምህናፆም ብምሕባር፣ እዚ ድማ ነቲ ዓውዲ ዝተውሃበ ትኹረት ዘርኢ እዩ ኢሎም።
ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ስትራቴጂ ሓንፂፁ ብምትግባር ዓውዲ ዲጂታል ፈጠራ ባህሊ ንምጉልባት ምኽኣሉ ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ኣብ ዲጂታል ህንፀት ኢኮኖሚ ንኣፍሪካ ከም ኣብነት ዝኸውን ኣቕሚ ንምሕናፅ ጠመተ ሂባ እናሰርሐት እያ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ። ተለዋዋጢ ዓለም ለኸ ኩነታት ኣብ ግምት ዘእተወ ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ምህናፅ ኩለመዳያዊ ደሕንነትን ዝተማልአ ሉኣላውነትን ንምርግጋፅ ወሳኒ ምዃኑ ገሊፆም።ኢትዮጵያ ዲጂታል ስርዓተ ክፍሊት ተግባራዊ ምግባራ ስርዓት ፋይናንስ ብምቅልጣፍን ተበፃሒን ክኸውን መስርሑ ኣልዒሎም።
ኢትዮጵያ ምህዳር ድሕንነት ሳይበር ዘጠናኽሩ ቁልፊ መሰረተ ልምዓታት ዲጂታል ከምዝሃነፀት ዝገልፃ ድማ ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ትዕግስት ሓሚድ፤ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ፈላማይ ዝኾነ ኤክስፖ ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ ኣብ ማእኸል ዓለም ለኸ ኮንቬንሽን ኣዲስ ከምዝቀረበን ኣካል ናይዚ ድማ 1ሽሕን 500ን ድሮናት ዝተሳተፍሉ ብዓይነቱ ፈላማይ ዝኾነ ዘደንቕ ምርኢት ድሮን አብ ትሐቲ ሰማይ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱን እዚ ድማ ኢትዮጵያ ብዓዉዲ ቴክኖሎጂ ዝበፅሐትሉ ዓቕሚ ዘመላኸታ።
እተን ዋና ዳይሬክተር ከምዝበልኦ፤ ቴክኖሎጂ መሰረት ኩሉ ነገር እናኾነ መፂኡ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ነዚ ነባራዊ ኩነታት ብግቡእ ብምርዳእን ቴክኖሎጂ ንኩለመዳያዊ ልምዓት ሃገር ዘለዎ ረብሓ ብምግንዛብን ዲጂታል መሰረተ ልምዓት እናስፋሕፈሐት ከምዝትረከብ ‘የን ዘረድኣ። “ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ዘለና ራእይ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ንልምዓትን ብልፅግናን እታ ኣህጉር ምጥቃም ‘ዩ” ዝብላ ከዓ ምክትል ኣዶ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ሰልማ መሊካ፤ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኣብ ጂኦ-ኢኮኖሚክስን ጂኦ-ፖለቲክስን ውሽጢ ወሳኒ ግደ ዘለዎ ኾይኑ ይቅልቀል ከምዘሎን ኹሎም ኣፍሪካውያን ውልቃዊ ዓቕሞም ብምትእኽኻብ ዓቕምን ኣጠቓቕማን ቴክኖሎጂ ምዕባይ ከምዝግባእ የተሓሳስባ።
ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብግቡእ እንተተመሪሑ ንኣፍሪካ ንምልዋጥን ኣጀንዳ 2063 ንምስኻዕን ዕዙዝ ተራ ከምዘለዎ ብምኣልዓል፤ ኣብ ኣፍሪካ 60 ሚኢታዊ ዝኸውን ህዝቢ ዕድመኡ ትሕቲ 25 ብምዃኑ፤ ነዚ መንእሰይ ሓይሊ ብቴክኖሎጂ ምምዕባል ከምዝግባእ ‘ውን ይዛረባ። እንትጠቃለል እዚ ዘበን ዘበን ዲጂታል ቴክኖሎጂ ብምዃኑ እዚ ሒዝዎ ዝመፅእ ረብሓታት ተጠቃሚ ንምዃን ካብ ውለቀ ሰባት ጀሚሩ ትካላት፣ ሃገራትን መንግስታትን ብስፍሓትን ብቅልጣፈን እናተንቀሳቀሱ ‘ዮም ዝርከቡ። ኢትዮጵያም ‘ውን ብዘለዋ ዓቅሚ ካብ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ተረባሒት ንምዃን ትኹረት ሂባ እሰረሐት ከምዘላን ውፅኢት ምምዝጋብ ምጅማራ ‘ውን ‘ዮም ዝገልፁ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 14 ጉንበት 2017 ዓ.ም