ህዝቢ ትግራይ ብናይ ምግንፃል ተረኽ ከይተደናገረ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጰያዊነት ዘለዎ ፅኑዕ መርገፅ የርኢ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፡-ህዝቢ ትግራይ ንዘመናት ንኢትዮጵያ ዝፀልኡ ፖለቲከኛታት ከሰጉምዎ ብዝፀንሑ ናይ ምግንፃል ተረኽ ከይተደናገረ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘለዎ ፅኑዕ መርገፅ የርኢ ኣሎ።

ዋና ዳይሬክተር ሃገራዊ ኣገልግሎት ደህንነትን ፀጥታን ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ዋና ተደራዳሪ ዝርርብ ሰላም ፕሪቶሪያ ዝነበሩን ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ምስ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበርዎ ፃኒሒት፣ ድሕሪ እቲ ኣብ ሰሜን ዝተፈጠረ ጎንፂ ምስ ፌደራል መንግስቲ ይካየድ ኣብ ዝነበረ ዝርርብ ሰላም ስምምዕነት ከይብፃሕን እቲ ጎንፂን ምፍልላይን ንክቕፅል ዝደልዩ ውሑዳት ጉጅለታት ነበር ህወሓት ከምዝነበሩ ገሊፆም።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፣ እዚ ጉጅለ ንረብሓኡን ስልጣንን ሃብትን ካብ ምርካብ ሓሊፉ ካልእ ዕላማ ከምዘይብሉን ንህዝቢ ትግራይ ከምዘይውክልን ገሊፆም። ኣብ እዋን ጎንፂ ኢትዮጵያ ክትጠፍእ ‘ያ እናበልና ‘ኳ ኢትዮጵያውነት ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናት ትግራይ ከይተረፈ ይስበኽ ከምዝነበረ ሓቢሮም። ህዝቢ ትግራይ ወትሩ ኢትዮጵያዊ መንነቱ ዓቂቡ ከምዝፀንሐ ዝገለፁ ኣይተ ጌታቸው፣ንዘመናት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅልኢት ብዘለዎም ሓይልታት ይካየድ ዝነበረ ናይ ምግንፃል ተረኽ ከይተደናገረ ብኢትዮጵያዊነቱ ዘለዎ ፅኑዕ ቅዋም ብተግባር ከምዘርአየ ኣመልኪቶም፡፡

ኣብ እዋን ጎንፂ ህዝቢ ንኢትዮጵያ ክፀልእ ተባሂሉ ብዝተዘርግሐ ዝተዛብዐ ትረኻታት ሕማቕ ስምዒታት ከም ዝተፈጥረ ዝጠቐሱ ኣይተ ጌታቸው፣ ፀገም ምስ ዝፍጠር ግና ህዝቢ ዝመፅአ ናብ ኣዲስ ኣበባ ‘ምበር ናብ ኣስመራ ኣይኮነን ኢሎም። ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ብወገኖም፣ ሓደ ሓደ ኣካላት ንውልቃውን ንኡስ ጉጅሊያዊ ፅሊኢቶም ክብሉ ተረኽ ተነፅሎ ብምግዋሕ ከርእዩ ይፍትኑ ኣለው ኢሎም።

ንውልቃዊ ረብሓኦም ከብሉ ጎንፂ ብምንዋሕ ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ንምዕንቃፍ ብተደጋጋሚ ይፅዕሩ ከምዘለዉ ብምልዓል ፣ ጎንፂ እንተዝህሉ’ውን ምስ ኢትዮጵያ ዘይኮነስ ምስ ምምሕዳር ክኸውን ከምዝነበሮ ገሊፆም። ህዝቢ ትግራይ ብናይ ምግንፃል ተረኽ ብዘለዓዕሉ ኣካላት ንእሹተይ’ኳ ናይ ምድንጋር ስሚዒት ከምዘይብሉ ብምልዓል፣ ኣብ ማዕቐፍ ኢትዮጵያውነት ዘላቒ ሰላምን ሓባራዊ ልምዓትን ንምርግጋፅ ድሌት ከምዘለዎን ገሊፆም።

በቲ ጎንፂ ዝተፈጠሩ ሕማቕ ስምዒታት ብምፍታሕ ሓባራዊ ዕጫ ብሓድነት ንምስኻዕ ናይ ሓባር ትርኽቲ ምህናፅ ከምዘድሊ ሓቢሮም። እቶም ተደራደርቲ ወሲኾም፣ ብስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያን ምጥፋእ ህይወት ደቂ ሰባትን ብምትራፉ ዝተጠዓሱ ሓደ ሓደ ኣካላት ሐዚ’ውን ጎንፂ ክፍጠር ድሌት ከምዘለዎም ኣመላኺቶም።ንኣብነት ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንኽምለሱ ፌደራል መንግስቲ ዝጀመሮም ከይድታት ብምዕንቃፍ ብፀገሞ ተመዛበልቲ እንዳሸቀጡ ምዃኖም ሓቢሮም፡፡

መንግስቲ ፌደራል ኣብቲ ክልል ኣብ ምትግባር ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ብርክት ዝበሉ ንጥፈታት ከምተሳለጡ ብምጥቃስ፤ ምምላስ ተመዛበልቲ ተጀሚሩ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም፡፡ ይኹን’ምበር፣ ንቲ መስርሕ ዝዕንቅፍ ዘሎ ሓይሊ ብፀገም ተመዛበልቲ ብምሽቃጥ ናብ መረበቶም ከይምለሱ ብምኽልካል ኣብ ዳስ ክሳቐዩ እናገበረ ምህላዎም ገሊፆም። እዚ ሓይሊ ተመዛበልቲ ምምላስን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብግቡእ እንተሰሪሑ ረብሓኡ ስለዝተርፎ ሕዚ ‘ውን ፀገም ይፈጥር ከምዘሎ ጠቒሶም።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 14 ጉንበት 2017 ዓ.ም

Recommended For You